ዓመጽ ኣብ ኵሉ ቦታ ኣሎ
እቲ መራሕ መኪና ኣብ ውሽጢ መኪናኡ ኮፍ ኢሉ ናይ ትራፊክ መብራህቲ ክቕየር እናተጸበየ ኸሎ: ሃንደበት ሓደ ገዚፍ ሰብኣይ ጽዩፍ ቃላት እናተዛረበን ኣእዳዉ ዓሚኹ እናኣወጣወጠን ናብኡ ገጹ ክመጽእ ከሎ ረኣየ። እቲ መራሕ መኪና ማዕጾታቱ ክሽግጥን መሳዅቱ ክዓጹን ተጓየየ: ይኹን እምበር እቲ ሰብኣይ ምምጻእ ቀጸለ። ምስ ኣርከቦ እቲ ሰብኣይ ነታ መኪና ነውነዋ ንማዕጾ ናይታ መኪና ድማ ሰሓቦ። ኣብ መወዳእታ: ካብ ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ በቲ ገዚፍ ዕምኵኡ ገይሩ ነቲ ናይ ቅድሚት መስትያት ሓማሸሾ።
እዚ ፍጻመ እዚ ካብ ሓደ ናይ ፊልም ትርኢት እተወስደ ድዩ፧ ኣይኰነን! እዚ ኣብታ ብቕሱንን ህዱእን ከባቢኣ እተፈልጠት ደሴት ኦኣሁ: ሃዋይ: ዝነበረ ናይ መገዲ ባእሲ ኢዩ።
እዚ ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ ማዓጹ ሸጋጥ: ኣብ መሳዅቲ ተገዳም: ኣብ ህንጻታት ናይ ጸጥታ ክፍሊ ምግባር: ኣብ ኣውቶቡሳት “መራሕ መኪና ጥረ ገንዘብ ኣይሕዝን ኢዩ” ዝብል ምልክታ እውን ከይተረፈ ምጽሓፍ: ዓመጽ ኣብ ኵሉ ቦታ ከም ዘሎ ዝሕብር ኢዩ!
ዓመጽ ኣብ ቤት
ቤት ንነዊሕ ግዜ ሓደ ሰብ ዕቝባ ዝረኽበሉ ቦታ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ። ይኹን እምበር: እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብቕልጡፍ ይቕየር ኢዩ ዘሎ። ናይ ቈልዓ ማህሰይቲ: ንናይ መርዓ ብጻይካ ምውቃዕ: ከምኡውን ቅትለት ዘጠቓልል ናይ ስድራ ቤት ዓመጽ: ኣብ ምሉእ ዓለም ናይ ዜና ቀንዲ ኣርእስትታት ይኸውን ኣሎ።
ንኣብነት: እቲ ማንቸስተር ጋርድያን ዊክሊ “ኣብ ብሪጣንያ ብውሕዱ 750,000 ዝዀኑ ቈልዑ ንዘቤታዊ ዓመጽ እተቓልዑ ብምዃኖም ምናልባት ነዊሕ እዋን ብዝወስድ ስምባድ ይሳቐዩ ይህልዉ ኢዮም” ይብል። እቲ ጸብጻብ ኣብቲ “ካብተን እተሓተታ ኣርባዕተ ኣንስቲ እተን ሰለስተ ደቀን ናይ ዓመጽ ፍጻመታት ከም ዝርኣዩ: ካብቶም ቈልዑ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ድማ ኣዴታቶም ክውቅዓ ኸለዋ ዝረኣዩ ምዃኖም” እተፈልጠሉ ምርመራ እተመርኰሰ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ብመሰረት ዩ.ኤስ. ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት: እቲ ናይ ሕ.መ.ኣ. ናይ ቈልዑ ማህሰይትን ዕሽሽ ምባልን ኣማኻሪ ቦርድ “2,000 ቈልዑ: ዝበዝሑ ካብኣቶም ትሕቲ 4 ዓመት ዝዀኑ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ኢድ ወለዶም ወይ ድማ ኣብ ኢድ መጕዚታቶም ከም ዝሞቱ” ገምጋም ይህብ። እቲ ጸብጻብ: እዚ ካብ ቝጽሪ ናይቶም ብናይ ትራፊክ ሓደጋታት: ብምጥሓል ወይ ብምጽዳፍ ዝሞቱ ከም ዝበዝሕ ይዛረብ።
ኣብ ቤት ዝፍጸም ዓመጽ ንናይ መርዓኻ ብጻይ ምህሳይ ማለት ካብ ምጕናጽን ምንናውን ክሳዕ ምጽፋዕ: ምቕላዕ: ምሕናቕ: ምውቃዕ: ብኻራ ወይ ጠበንጃ ምፍርራህ: ወይ ምቕታል እውን ከይተረፈ ዝዝርጋሕ ኢዩ። እዚ ዓይነት ዓመጽ እዚ ሎሚ ኣብ ክልቲኦም ማለት ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ዝውዕል ኢዩ። ሓደ መጽናዕቲ ካብቲ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር እተፈጸመ እሞ ጸብጻብ እተዋህበሉ ዓመጽ: ዳርጋ ሓደ ርብዒ ናይቲ ኵነታት ብሰብኣይ ከም ዝጅመር: ካልእ ርብዒ ኸኣ ብሰበይቲ: እቲ ዝተረፈ ድማ ብዝያዳ ክልቲኦም ዝውቀስሉ ቈየቛ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ምዃኑ ተረድአ።
ዓመጽ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ
ናይ ስራሕ ቦታ ብልምዲ ሓደ ሰብ ካብ ቤት ርሒቑ ስርዓት: ምኽባር: ምቕሉል ምዃን ዝማሃረሉ ቦታ ኰይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ይኹን እምበር: ሕጂ እቲ ኵነታት ከምኡ ዘሎ ኣይመስልን ኢዩ። ንኣብነት: ካብ ሕ.መ.ኣ. ክፍሊ ፍትሒ እተረኽበ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 970,000 ሰባት ግዳይ ናይቲ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘጋጥም ዓመጽ ከም ዝዀኑ ይሕብር። ብኻልእ ኣበሃህላ: ብመሰረት እቲ ናይ ፕሮፌሽናል ሴፍቲ—ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን ሶሳይቲ ኦቭ ሴፍቲ ኢንጂኔርስ ዝሃቦ ጸብጻብ: “ካብ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ሓደ ናይቲ ኣብ ስራሕ ዘጋጥም ገለ ዓመጽ ግዳይ ናይ ምዃን ዕድል ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።”
እቲ ኣዝዩ ዘጨንቕ ድማ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘጋጥም ዓመጽ ኣብ ባእስን ምውቕቓስን ጥራይ ዝድረት ኣይኰነን። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጸብጻብ “ኣብ ሕ.መ.ኣ. ብፍላይ ኣንጻር ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዘቃንዐ: ብኻልኦት ሰራሕተኛታት ዝፍጸም ዓመጽ ሕጂ እቲ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ክፍሊ ናይ ቅትለት ኢዩ” ይብል። ኣብ 1992: ካብ 6 ምስ ስራሕ እተተሓሓዘ ሓደጋታት 1 መቕተልቲ ኢዩ ነይሩ፣ ንደቀ ኣንስትዮ ድማ እቲ ቍጽሪ ዳርጋ ካብ 2ስ 1 ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ሓደ ግዜ ስርዓት ዝነበሮ ናይ ስራሕ ቦታ ናይ ዓመጽ ማዕበል ይሰፍን ምህላዉ ኣሉ ዘይበሃሎ ኢዩ።
ዓመጽ ኣብ ስፖርትን ኣብ መዘናግዕን
ስፖርትን መዘናግዕን ሓደ ሰብ ካብቲ ናይ ናብራ ከቢድ ጻዕርታት ዕረፍቲ ኽረክብ ተባሂሉ ከም ናይ መዘናግዕን መዛነዪን መገድታት ተሳዒቡ ኢዩ። ሎሚ መዘናግዒ ብዙሕ ቢልዮናት ዶላር ዝርከበሉ ስራሕ ኢዩ። ካብዚ መኽሰብ ዘለዎ ንግዲ እዚ: ብእተኻእለ መጠን ብዙሕ መኽሰብ ንምርካብ: ናይ መዘናግዒ ኣዳለውቲ ምህርቶም ዝሸጥሉ ዝዀነ ሜላ ንምጥቃም ስኽፍ ኣይብሎምን ኢዩ። ሓደ ካብቲ ኣገባባት ድማ ዓመጽ ኢዩ።
ንኣብነት: ፎርበስ እተባህለ ናይ ንግዲ መጽሔት: ሓደ ናይ ቪድዮ ጸወታ ኣዳላዊ: እቶም ተዓዘብቲ ቅተሎ! ቅተሎ! ኢሎም እናጨደሩ ኸለዉ እቲ ወተሃደር ድማ ንርእስን ዓንዲ ሕቖን ናይቲ ኣንጻሩ ዝዀነ ሰብ ክቘርጾ ኸሎ ዘርኢ ውሩይ ዝዀነ ናይ ውግእ ጸወታ ከም ዘለዎ ጸብጻብ ሃበ። ሓንቲ ካልእ ኣብ ውድድር እትርከብ ኩባንያ ድማ ደማዊ ትርኢት ዘይብሉ ካልእ ዓይነት ፕሮግራም ተዳሉ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ኢዩ፧ እቲ ኣዝዩ ዓመጸኛ ፕሮግራማት ምስቲ መወዳድርቱ ዝዀነ ፕሮግራማት: መጠነ-ዝምድናኡ 3 ን2 ዝዀነ ዝለዓለ መሸጣ ኣለዎ። እዚ ድማ ብዙሕ ናይ ገንዘብ እቶት ከም ዘለዎ ዘመልክት ኢዩ። እዚ ኣብ ቤት ክርአ ተባሂሉ እተዳለወ ጸወታታት ኣብ ዕዳጋ ምስ ወረደ: እተን ኩባንያታት ኣብ ውሽጢ እተን ናይ መጀመርታ ክልተ ሰሙናት ብዓለምለኸ ደረጃ 65 ሚልዮን ዶላር እቶት ረኸባ! መኽሰብ ዘለዎ ምስ ዝኸውን: ዓመጽ ሓደ ካብቲ ንዓደግቲ ዝስሕብ ነገር ኢዩ።
ኣብ ስፖርት ዝርአ ዓመጽ እሞ ኸኣ ፈጺሙ ካልእ ነገር ኢዩ። ተጻወቲ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ከውርድዎ ዝኽእሉ ጕድኣት ይዀርዑ ኢዮም። ንኣብነት: ብ1990 ኣብ ሓደ ናይ ቃርሳ ጸወታ86 ናይ መቕጻዕቲ ውሳነታት—ካብ ኵሉ ግዜ ዝለዓለ—ነበረ። እቲ ጸወታ ሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን ብዝወሰደ ዘየድሊ ማህሰይቲ ተቛረጸ። ሓደ ተጻዋታይ ናይ ገጽ ዓጽሚ መንቃዕቲ: እተሓንፈጠ ጻዕዳ ዓይኒ: ከምኡውን ምጅልዓፍ ስለ ዘጋጠሞ ተሓከመ። ከምዚ ዝበለ ዓመጽስ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓደ ተጻዋታይ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ብሓቂ ኣብ ሓደ ብስምዒት እትጻወተሉ ጸወታ ብብዙሕ ቃልሲ እንተድኣ ተዓዊትካ: ናብ ቤትካ ትምለስ እሞ ናብ ደቂ ጋንታኻ ዝያዳ ከም እተቐራረብካ ኰይኑ ድማ ይስምዓካ። እቲ ቓልሲ ብሓቂ ነቲ ጸወታ ርሱን ኢዩ ዝገብሮ ኢለ ኢየ ዝሓስብ።” ኣብ መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ ስፖርት: ዓመጽ: ኣብቲ ተደልዩ ዘሎ ሸቶ ዘብጽሕ ሜላ ጥራይ ዘይኰነስ ንርእሱ እቲ ክብጻሕ ተደልዩ ዘሎ ሸቶ ዝዀነ ኢዩ ዝመስል።
ዓመጽ ኣብ ቤት ትምህርቲ
ቤት ትምህርቲ መንእሰያት ኵሉ ካልእ ነገራት ንድሕሪት ገዲፎም ኣእምሮኦምን ኣካላቶምን ኣብ ምዕባይ ጥራይ ዘተኵሩሉ ቦታ ከም ዝዀነ ገይርካ ኢዩ ኵሉ ግዜ ዝሕሰብ። ይኹን እምበር: ሎሚ ቤት ትምህርቲ ፈጺሙ ከምዚ ዝበለ ዕቝባን ድሕነትን ዝርከቦ ቦታ ኣይኰነን። ኣብ 1994 ኣከታቲሉ እተገብረ ፍቕዲ ድምጽታት: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርትታት: እቲ ቍጽሪ ሓደ ግድል ናይ ዓመጽን ጕጅለ ዓመጽትን ምዃኑ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓለ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ግድል ከም ዝሓልፎ ኰይኑ ረኸቦ። እቲ ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ሕማቕ ኰን ኢዩ፧
ኣብ ሓደ ምርመራ: “ኣደዳ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ወይ ኣብ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ዝፍጸም ናይ ዓመጽ ተግባር ኰይንካ ትፈልጥዶ፧” ንዝብል ሕቶ ዳርጋ ካብ ነፍሲ ወከፍ 4 ተማሃሮ 1 እወ ኢሉ መለሰ። ልዕሊ ሓደ ዕስሪት ዝዀኑ መምህራን እውን: እወ ዝብል መልሲ ሃቡ። እዚ ምርመራ እዚ ካብቶም ተማሃሮ 13 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ኣወዳትን ኣዋልድን: ኣብ እተፈላለየ እዋናት ናብ ቤት ትምህርቲ መሳርያ ሒዞም ከም ዝኸዱ ተኣመኑ። ዝበዝሑ ካብኣቶም ከምዚ ዝገብሩ ንኻልኦት ንኸደንቑ ወይ ገዛእ ርእሶም ምእንቲ ክከላኸሉ ከም ዝዀኑ ይዛረቡ። ይኹን እምበር: ሓደ 17 ዓመት ዝዕድሜኡ ተማሃራይ መምህሩ ነታ ሽጉጥ ከግድፎ ኢሉ ምስ ፈተነ: እቲ ተማሃራይ ኣብ ኣፍ ልቡ ተኲሱ ቐተሎ።
ዓመጽ ዘለዎ ባህሊ
ሎሚ ኣብ ኵሉ ቦታ ዓመጽ ከም ዘሎ ኣሉ ዝበሃሎ ኣይኰነን። ኣብ ቤት: ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ከምኡውን ኣብ መዘናግዒ: ዓመጽ ዘለዎ ባህሊ የጋጥመና ኢዩ። ብዙሓት ሰባት መዓልታዊ ንዓመጽ እተቓልዑ ብምዃኖም—ኣደዳ ዓመጽ ክሳዕ ዝዀኑ—ንዓመጽ ከም ልሙድ እናረኣይዎ ይመጹ ኣለዉ። ድሕርዚ ድማ: ክውዳእ ደዀን ይኸውን፧ ብምባል ይሓቱ። ንስኻኸ ነቲ መልሲ ክትፈልጦዶ ምደለኻ፧ እምበኣር በጃኻ ነዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ኣንብባ።