ኣብ ዓመጽ ዝምርኰሱሉ ምኽንያት
ኣብ ኮሎራዶ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ሓደ ሕጻን መዓልቱ ከይኣኸለ: ሸውዓተ ወርሒ ቅድሚ ምምልኡ ተወልደ። እቲ ሕጻን ኣይሞተን: ንሰለስተ ወርሒ ዝኸውን ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽንሑ ድማ ንገዛ ናብ ወለዱ ኸደ። ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ግን እቲ ሕጻን ናብ ሆስፒታል ተመልሰ። ስለምንታይ ኢዩ ተመሊሱ፧ እቲ ኣቦ ንብኽያት ናይቲ ሕጻን ክጽመሞ ስለ ዘይከኣለ ኣበርቲዑ ምስ ሓቘኖ ከቢድ ናይ ሓንጐል ማህሰይቲ ስለ ዝወረዶ ኢዩ። እቲ ሕጻን ከኣ ዕዉርን ስንኩልን ኰነ። ዘመናዊ ሕክምና ካብቲ ኣብ ኣወላልድኡ ዘጋጠሞ ጸገም ከድሕኖ ከኣለ: ካብቲ ናይ ኣቡኡ ዓመጽ ግን ከድሕኖ ኣይከኣለን።
ኣብቲ ካብ ዓለም ኣዝዩ ዓመጽ ዝመልኦ ቦታ ማለት ኣብ ገዛ: ዝህሰዩ: ዝቕጥቀጡ: ወይ ዝቕተሉ ቈልዑ ቍጽሪ የብሎምን! ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ኣብ ዓመት ክሳዕ 5,000 ዝዀኑ ቈልዑ ብኢድ ወለዶም ከም ዝሞቱ ገሊኦም ይግምቱ! እቶም ግዳያት ግን ቈልዑ ጥራይ ኣይኰኑን። ብመሰረት እቲ ዎርልድ ሄልዝ ዝብሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ): ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ኣብ መንጎ እተን ኣብ ናይ ምውላድ ዕድመ ዘለዋ ኣንስቲ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ጕድኣት ኣብ ልዕሊአን ዝወርድ ማህሰይቲ ኢዩ።” ኣብ ካልእ ሃገራትከ ከመይ ኢዩ፧ “ካብተን መጽናዕቲ እተገብረለን [ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘለዋ] ኣንስቲ ካብ ሲሶ ክሳዕ ፍርቂ ዝዀና ብሰብኡተን ከም ዝህረማ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።” እወ: ዓመጽ ብፍላይ ከኣ ኣብ ገዛ ጕድኣት የስዕብ ኣሎ።
ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝፍጠር ዘይምስምማዕ ብዓመጽ ክፈትሕዎ ኢዮም ዝፍትኑ። ኣብ ገለ ሃገራት ወለድን መምህራንን ሕርቃኖም ኣብ ቈልዑ ንምውጻእ ዓመጽ ይጥቀሙ። ዓንተራት ድማ ምእንቲ ክስሕቁ ጥራይ ነቶም ድኽም ዝበሉ ሰባት ግዳይ ዓመጽ ብምግባር ደጋጊሞም የጨንቕዎም። ሰባት ኣዝዮም ዓመጸኛታት ዝዀኑ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧
ሰባት ዓመጸኛታት ዝዀኑሉ ምኽንያት
ገሊኦም: ደቅሰብ ብባህሪኦም ዓመጸኛታት ኢዮም ይብሉ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ዓመጽ ገበን ብሓፈሽኡ ጐዲሉ እኳ እንተዀነ: ኣብ መንእሰያት ግን ወሲኹ ኢዩ። ብዓመጽ ባህ ምባል ከኣ ወሲኹ ኢዩ። እተን ሰለስተ ቀንዲ ናይ ተለቪዥን መርበባት: ነቲ ገበን ዘርኢ ዛንታ ብዕጽፊ: ነቲ ቅትለት ዘርኢ ኸኣ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝውስኽ ገይረንኦ ኢየን። እወ: ገበን ዘንጸባርቕ መደባት ብዙሕ መኽሰብ ከም ዝረኽባ ዝገብረን ኢዩ! ሓደ ካርል መኒር እተባህለ ናይ ኣእምሮ ሓኪም “ንዓመጽ ንጻወሮ ጥራይ ኣይኰንናን: ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ ጋዜጣታትና ኢና እንገብሮ። ንደቅና ንምዝንጋዕ ከኣ ኣብ ሲሶ ወይ ርብዒ ዝኸውን ናይቲ ኣብ ተለቪዥን ዝቐርብ ፕሮግራምና ነእትዎ። ንዓመጽ ሸለል ኢልናዮ ጥራይ ኣይንሓልፍን ኢና! ክቡራት ኣዕሩኸይ: ንሕጐሰሉ እውን ኢና” በለ።
ኣብዚ ቐረባ እዋን እተገብረ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ናይ ሓንጐል ኣሰራርሓን ኣከባብን ኣብቲ ወድሰብ ዘርእዮ ዓመጽ ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ ይሕብር። ኣብ ናይ ኢሉኖይስ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ብዛዕባ መንእሰያት ምርምር ዝገብር ትካል ዘሎ ዶክተር ማርክስ ጀይ. ክሩሲ ከምዚ ይብል:- “እቲ ቝጽሮም እናበዝሐ ዝኸይድ ቈልዑ ተቓሊዖምሉ ዘለዉ ሕማቕ ኣከባቢ ለበዳ ዓመጽ ይፈጥር ከም ዘሎ ኵላትና ክንድምድም ጀሚርና ኣሎና። ናይ ኣከባቢ ፍጻሜታት ኣብ ሓንጐል ሞለኲላዊ ለውጢ የስዕቡ ኣለዉ: እዚ ኸኣ ንሰባት ዝያዳ ህዉጻት ዝገብሮም ኢዩ።” እታ ኢንሳይድ ዘ ብረይን እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ምዕናው ስድራቤት: ምብዛሕ ንጽል ወላዲ ዘለወን ስድራቤት: ዘየቋርጽ ድኽነት: ከምኡውን ብቐጻሊ ሓሽሽ ምዝውታር” ዝኣመሰሉ ረቛሒታት “ነቲ ናይ ሓንጎል ቀመም ናብ ቍጡዕ ባህርይ ምርኣይ ከም ዝዝምብል ክገብር ይኽእል ኢዩ—እዚ ሓደ ግዜ ክኸውን ዘይክእል ተባሂሉ ይሕሰብ ነይሩ” ትብል።
እቲ ኣብ ሓንጎል ዝርአ ለውጥታት ነቲ ሲሮቶኒን ዝበሃል ንምቝጣዕ ዝቈጻጸር ናይ ሓንጎል ቀመም ዓቐን ምውሓድ እውን ዘጠቓለለ ምዃኑ ይንገር። እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ኣልኮል ነቲ ኣብ ሓንጎል ዘሎ ዓቐን ሲሮቶኒን ከም ዝጐድል ይገብር። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ዓመጽን ኣልኮል ብዘይግቡእ ምጥቃምን ምትእስሳር ኣሎ ዝብል ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ምርዳእ ስነ-ፍልጠታዊ መሰረት ዝዀኖ ኢዩ።
ነቲ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ምብዛሕ ዓመጽ ምኽንያት ዝኸውን ካልእ ረቛሒ እውን ኣሎ። ሓደ ትውክልቲ ዝግበሮ ናይ ትንቢት መጽሓፍ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣሸጋሪ ግዜ ክኸውን ኢዩ። ሰባት ፈተውቲ ርእሶም: ስሱዓት: ተጀሃርቲ: ዕቡያት፣ . . . ሕሱማት: ዘይምሕሩ: መካፋእቲ: ዓመጸኛታት: ጨካናት፣ ሰናይ ዘይፈትዉ፣ መታለልቲ: ሸለል በሃልቲ: ተፈኽነንቲ ከም ዝዀኑ ዘክር . . . ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ርሓቕ” ብምባል የጠንቅቕ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን [እንግሊዝኛ]።) እወ: እቲ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ዓመጽ መፈጸምታ ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝሃቦ ትንቢት ኢዩ።
ነዚ ብፍላይ ዓመጻ ዝመልኦ እዋን ዝገብሮ ካልእ ነገር ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ይብል። (ራእይ 12:12) ሰይጣንን ጭፍራ ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ተደርብዮም ኢዮም: ሕጂ ኸኣ እቲ እኩይ ተግባሮም ኣብ ደቅሰብ ኢዮም ዘውርድዎ ዘለዉ። ድያብሎስ ከም “ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ንምድሪ ዓመጽ ዝበዝሓ ብምግባር ‘ሕጂ መንፈሱ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይገብር ኣሎ።’—ኤፌሶን 2:2
ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ “ኣየር” ናይዛ ዓለም እዚኣ ሎሚ ብኸመይ ንዋጽኣሉ፧ ብዘይ ዓመጽ ፍልልያት ክንፈትሕ እንኽእልከ ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣብቲ ካብ ዓለም ኣዝዩ ዓመጽ ዝመልኦ ቦታ ማለት ኣብ ገዛ: ዝህሰዩ: ዝቕጥቀጡ: ወይ ዝቕተሉ ቈልዑ ቍጽሪ የብሎምን!