ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/2 ገጽ 5-7
  • ዓመጽ ንሓዋሩ ዘልግስ ብኸመይ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓመጽ ንሓዋሩ ዘልግስ ብኸመይ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እንታይ ክግበር ምተኻእለ፧
  • ሓይሊ ቃል ኣምላኽ
  • ንዓመጽ መወዳእታ ዝገብረሉ ጐስጓስ
  • ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ
  • ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ድያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ኣምላኽ ንዓመጻ ብኸመይ ይርእዮ፧
    ንቕሑ!—2002
  • ዓመጻ
    ንቕሑ!—2015
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/2 ገጽ 5-7

ዓመጽ ንሓዋሩ ዘልግስ ብኸመይ ኢዩ፧

ኣብ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ ዝርከባ ብዙሓት ከተማታት: ነቶም ጠበናጅኦም ዝመለሱ ጥረ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ብምሃብ ነቲ ናይ ዓመጽ ማዕበል ደው ንምባል ሓድሽ ሜላ ፈተና። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ ንኣብነት: ከተማ ሴንት ሉይዝ 341,000 ዶላር ብምኽፋል 8,500 ጠበናጁ ኣከበት። ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ብእተገብረ ተመሳሳሊ ፕሮግራም ድማ ልዕሊ ሽሕ ዝኸውን ኣጽዋር ተረኽበ።

እዚ ዅሉ ኣብ ምክልኻል ገበን እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ እቲ ዘሕዝን ውጽኢቱ ኣዝዩ ሒደት ኢዩ። ኣብታ ዝሰዓበት ዓመት ኣብ ሴንት ሉይዝ ምስ ጠበንጃ እተተሓሓዘ ቅትለት ካብቲ ናይ ቅድም እቲ ዝለዓለ ነበረ። ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ: ጌና ብገምጋም ክልተ ሚልዮን ዝኸውን ጠበናጁ ኣብ ኢድ ተራ ሰባት ኣሎ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ዳርጋ ንነፍሲ ወከፍ: ሰብኣይ ሰበይቲ ከምኡውን ቈልዓ ሓሓዲኦም ዝኸውን: ዳርጋ 200 ሚልዮን ጠበናጁ ኣብ ኢድ ብሕታውያን ሰባት ኣሎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት: ምስ ጠበንጃ እተተሓሓዘ ዓመጽ ብዘሰንብድ መጠን ይውስኽ ኣሎ። ዘ ኢኮኖሚስት እተባህለ መጽሔት: ኣብ ብሪጣንያ “ኣብ መንጎ 1983 ከምኡውን 1993: ብፖሊስ እተመዝገበ ተዅሲ ዝነበሮ ቍጽሪ ገበናት ዳርጋ ዕጽፊ: ማለት 14,000: ኢዩ ነይሩ” ይብል። ሽሕ’ኳ እቲ ናይ ቅትለት መጠን ብተዛማዲ ትሑት እንተዀነ: ኣብታ ሃገር ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ኣሎ።

ብርግጽ: እቲ ዘፍርህ መጠን ናይቲ ቍጽርታት ክጐድል ከሎ: ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ምኻድ ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ስጕምታት ምውሳድ ነቲ ንዓመጽ ምኽንያት ዝኸውን ዘሎ ነገር ክረኽቦ ማለት ዘበት ኢዩ። እቲ ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧ ብዙሕ ረቛሒታት ተጠቒሱ ኢዩ: ሒደት ካብኡ ግን መሰረታዊ ኢዩ። ናይ ስድራቤት ምብትታንን ናይ ስነ–ምግባር መምርሒታት ዘይምህላውን ንብዙሓት መንእሰያት ምእንቲ ጥሪት ክብሉ ናብ ናይ ዓመጽቲ ጕጅለታት ከም ዝሓብሩ ገይርዎም ኢዩ። ናይ ብዙሕ መኽሰብ ህርፋን ከኣ ንብዙሓት ሰባት ዓመጽ ንኽጥቀሙ ደፋፊእዎም ኢዩ። ንኻልኦት ድማ ፍትሒ ዘይምህላው ንኵነታት ብናይ ዓመጽ ኣገባብ ገይሮም ንኸደቅስዎ ኣለዓዒልዎም ኢዩ። ብምኽንያት ሃገር: ዓሌት: ወይ ናይ መነባብሮ ደረጃ ዝመጽእ ኵርዓት: ሰባት ንስቓይ ካልኦት ሸለል ከም ዝብሉ ገይርዎም ኢዩ። እዚ ቅልጡፍ መፍትሒ ዘይርከቦ ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ረቛሒታት ኢዩ።

እንታይ ክግበር ምተኻእለ፧

ዝያዳ ሓይሊ ፖሊስ: ዝጸንዐ ናይ ቤት ማእሰርቲ ፍርዲ: ንዋንነት ጠበናጁ ምቍጽጻር: ናይ ሞት መቕጻዕቲ​—⁠እዚ ዅሉ ገበንን ዓመጽን ንምዕጋት ዕላማ ተገይርሉን ተፈቲኑን ኢዩ። ብመጠኑ ድማ ዓወት ኣምጺኡ ኢዩ: ይኹን እምበር እቲ ዘሕዝን: ዓመጽ ጌና ክፍሊ ናብራና ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ስጕምቲ እዚ ነቲ ምልክታት ጥራይ ዝፍውስ ኢዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ብዙሓት ክኢላታት ንዓመጽ መወዳእታ ዝገብረሉ ቀንዲ ነገር ትምህርቲ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። እዚ ሓሳብ እዚ ጽቡቕ እኳ እንተዀነ: ዓመጽ ኣብተን ውሱን ናይ ትምህርቲ ኣጋጣሚታት ዘለወን ሃገራት ጥራይ እተደረተ ከም ዘይኰነ ከነስተብህል ኣሎና። ብልክዕ ክርአ ኸሎ: እተን ኣዝዩ ዓመጽ ዘለወን ሃገራት: እተን ዝለዓለ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ዘለወን ኢየን። እቲ ዘድሊ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ቅኑዕ ዓይነት ትምህርቲ ምዃኑ ንምርዳእ ኣየጸግምን ኢዩ። ንሱኸ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ኢዩ፧ ሰባት ሰላም ዘፍቅሩን ቅኑዓትን ውልቀሰባት ንክዀኑ ክምህሮም ዝኽእል ኣካል ኣሎ ድዩ፧

“ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።” (ኢሳይያስ 48:​17, 18 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሆዋ ኣምላኽ ሰባት ሰላም ዘፍቅሩን ቅኑዓትን ክዀኑ ዝምህሮም ብኸመይ ኢዩ፧ ብቐዳምነት: ብቓሉ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ኢዩ ዝምህሮም።

ሓይሊ ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ ብርግጽ ግዜኡ ዝሓለፈን ምስ እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ዘይዛመድ ናይ ጥንቲ ጽውጽዋያትን ኣበሃህላታትን ዝጠርነፈ መጽሓፍ ኣይኰነን። ካብቲ ብዝለዓለ ኣረኣእያኡ ገይሩ ናይ ሰብ ተፈጥሮ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል ዝበለጸ ዝፈልጥ: ናይ ደቅሰብ ፈጣሪ ዝመጸ መምርሒታትን ሓሳባትን ዝሓዘ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ “ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል: መገድታተይ ካብ መገድታትኩም: ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ” ይብል።​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠9

በዚ ምኽንያት እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” ብምባል የረጋግጽ። (እብራውያን 4:12) እወ: ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰብ ክበጽሕን ክትንክፎን: ኣተሓሳስባኡን ጠባዩን ድማ ክልውጦን ሓይሊ ኣለዎ። ነቲ ሎሚ ዘሎ ናይ ሰባት ዓመጸኛ መገድታት ንምልዋጥ ዘድሊ ዘሎስ እዚዶ ኸይኰነ፧

ቍጽሮም ሕጂ ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኸውን ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብርግጽ ቃል ኣምላኽ ንህይወት ሰባት ብዝሓሸ ክልውጦ ሓይሊ ከም ዘለዎ ህያው መረጋገጺ ኢዮም። ኣብ መንጎኦም ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር: ቋንቋ: ዓሌት ዝመጹ ሰባት ኣለዉ። ካብ ኵሉ ደረጃታት ናብራን ማሕበራዊ መበቈላትን ዝመጹ ኢዮም። ገለ ካብኣቶም ቅድም ናይ ዓመጽን ህውከትን ኣነባብራ ዝነበሮም ኢዮም። ይኹን እምበር ብዓለምለኸ ደረጃ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ረቛሒታት ኣብ መንጎኦም ቅርሕንቲ: ውድድር: ምፍልላይ: ጽልኢ ከለዓዕል ኣብ ክንዲ ዘፍቅድሉ: ነዚ ዕንቅፋታት እዚ ከሰንፍዎ: ሰላም ዘፍቅሩን ሓድነት ዘለዎምን ሰባት ክዀኑ: ተማሂሮም ኢዮም። ነዚ ከም ዝከኣል ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧

ንዓመጽ መወዳእታ ዝገብረሉ ጐስጓስ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ኣብ ቃሉ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ቅኑዕ ፍልጠት ምእንቲ ክረኽቡ ንኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ተወፍዮም ኢዮም። ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ምድሪ: ነቶም መገድታት የሆዋ ክፈልጡን ባዕሉ ድማ ክምህሮምን ዝደልዩ ሰባት ይደልይዎም ኢዮም ዘለዉ። ጻዕርታቶም ድማ ፍረ ይረክብ ኣሎ። ናይዚ ትምህርታዊ ጐስጓስ እዚ ውጽኢት: ሓደ ኣደናቒ ትንቢት ይፍጸም ምህላዉ ዘመልክት ኢዩ።

ገለ 2,700 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ነብዪ ኢሳይያስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: . . . ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ: ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና: ድማ ኪብሉ እዮም” ኢሉ ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 2:​2, 3

ብየሆዋ ምምሃርን ብመገድታቱ ምምልላስን ኣብ ናይ ሰባት ህይወት ኣደናቒ ለውጥታት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ካብቲ ለውጥታት ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ትንቢት ኣቐዲሙ ተዘሪብሉ ነይሩ ኢዩ:- “ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።” (ኢሳይያስ 2:⁠4) ብዙሓት ሰባት ነዚ ቅዱስ ጽሑፍ እዚ ኣንቢቦምዎ ኢዮም። አረ እዚ ጥቕሲ እዝስ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣደባባይ እውን ተቐሪጹ ኣሎ። እዚ መዘከርታ ናይቲ ሕቡራት ሃገራት እተመነየቶ ግናኸ ክትረኽቦ ዘይከኣለት ነገር ኢዩ። ውግእን ዓመጽን ዘልግስ ሰብ ብዝሰርሖ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኰነን። የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኢዩ። ነዚኸ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጽሞ፧

ርግጽ ኢዩ: ነቲ ‘ናብ ከረን እግዚኣብሄር ንደይብ:’ ‘ጐደናታቱ ንማሃር’ ከምኡውን ‘ብመገድታቱ ንመላለስ’ ዝብል ዕድመ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣይኰነን ዝምልሰሉ፣ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ” ፍቓደኛታት ዝዀኑ እውን ኵላቶም ኣይኰኑን። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት የሆዋ እንታይ ክገብሮም ኢዩ፧ ነቲ ናይ ኣጋጣሚ ኣፍ ደገ ንዘለኣለም ከፊቱ ኣይክጽበን ወይ ንኽልወጡ ኣይክጽበዮምን ኢዩ። የሆዋ ንዓመጽ መወዳእታ ምእንቲ ክገብረሉ: ነቶም ናይ ዓመጽ መገድታቶም ዝቕጽሉ እውን መወዳእታ ክገብረሎም ኢዩ።

ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ

እቲ ኣምላኽ ኣብ ግዜ ኖህ ዝገበሮ ሎሚ ንኣና ናይ መጠንቀቕታ ትምህርቲ ይህበና ኢዩ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ዓይነት ዓለም ከም ዝነበረት ይገልጸልና ኢዩ:- “ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት: ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት።” ብምኽንያት እዚ ድማ ኣምላኽ ንኖህ:- “ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ: መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ” ብምባል ሓበሮ።​—⁠ዘፍጥረት 6:​11, 13

ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ከነስተብህለሉ ኣሎና። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ወለዶ እቲ ማይ ኣይሂ ከውርድ ከሎ: ንኖህ ምስ ስድራቤቱ ኣዕቚብዎ ኢዩ። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ [“ምስቲ ሓቀኛ ኣምላኽ:” ትሓዓ ] ተማላለሰ።” (ዘፍጥረት 6:9፣ 7:⁠1) ነፍሲ ወከፍ ሽዑ ዝነበረ ሰብ ግድን ዓመጸኛ ነይሩ ማለት እኳ እንተዘይኰነ: ኖህን ስድራቤቱን ጥራይ ኢዮም ‘ምስቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ተመላሊሶም።’ ብምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም እታ ዓመጸኛ ዓለም ክትጠፍእ ከላ ንሳቶም ዝደሓኑ።

ምድሪ እንደገና “ዓመጻ መሊኣ” ክንርኢ ከሎና: ኣምላኽ ነዚ ከየስተብሃለሉ ከም ዘይሓልፍ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኖህ ዝገበሮ: ቀልጢፉ ስጕምቲ ክወስድ ንዓመጽ: ንሓዋሩ መወዳእታ ክገብረሉ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቶም ሕጂ ‘ምስቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንኽመላለሱ’ ዝማሃሩ ዘለዉ: ነቶም ነቲ ናይ ሰላም ዓቢ ትምህርታዊ ጐስጓስ ዝምልስሉ ዘለዉ ሰባት እውን ድሕነት ዝረኽብሉ መገዲ ከዳሉ ኢዩ።

የሆዋ: በቲ ጸሓፍ መዝሙር ገይሩ ከምዚ ዝብል መረጋገጺ ይህብ:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”​—⁠መዝሙር 37:​10, 11

ነቶም “ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ: ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና” ዝብሉ ክትሓብሮም ምእንቲ ኽትክእል: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሳኻ ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ሕጉሳት ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:⁠3) ከምዚ ብምግባር: ሓደ ካብቶም ናይዚ ዅሉ እከይን ዓመጽን መወዳእታ ዝርእዩ ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። “ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ” ክብለካ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Reuters/Bettmann

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ