ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኢዮም ዘድልዩና
ጄኒን ሱን ምዉቕ ዕላል ሒዘን ኣለዋ። ደስ ዘብል ፍሽኽታ: ብሩህ ቈላሕታ: ኰታ ዅሉ እቲ ኣገባበን እታ ሓንቲ ነቲ እታ ኻልኣይታ እትብሎ ንምስማዕ ዓሚቝ ተገዳስነት ከም ዘለዋ ዘርኢ ኢዩ። እተፈላለየ መበቈል እኳ እንተለወን: ብዘይጥርጥር ኣብ ንሓድሕደን ብዙሕ ናይ ሓባር ነገራት ኣለወን: ከምኡውን ኣጸቢቐን ይከባበራ ኢየን።
ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ኤሪክን ደኒስን ካብቲ ዝሰርሕዎ ብዙሕ ፕሮጀክትታት ኣብ ሓደ ፕሮጀክት ንብዙሕ ዓመታት ብሓባር ዝሰርሑ ኢዮም። እተዛነዩ ኢዮም: ዘስሕቕ ነገር ከኣ ብቐሊሉ ኢዮም ዝረኽቡ። እቲ ዕላል ናብ ዕቱብ ኣርእስታት ገጹ ክኸይድ ከሎ ድማ ብግልጺ ሓሳባት ይወሃሃቡ። ንሓድሕዶም ይከባበሩ ኢዮም። ልክዕ ከም ጄኒን ሱን: ኤሪክን ደኒስን እውን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኢዮም።
እዚ መግለጺታት እዚ ብዛዕባ ኣዕሩኽካ ከም እትሓስብ ብምግባር: ልብኻ የምውቕ ይኸውን ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ንኸምዚ ዝበለ ዕርክነት ሃንቀው ከም እትብል ይገብረካ ይኸውን። ንስኻውን ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣዕሩኽ ክህልዉኻ ይኽእሉ ኢዮም!
ስለምንታይ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከም ዘድልዩና
ጥዑይ ዕርክነት ንኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናና ኣድላዪ ኢዩ። ይኹን እምበር: ክጽምወና ከሎ ገለ ነገር ኴንና ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ገሊኣቶም ተመራመርቲ ጽምዋ: ብጻይነት ንደሊ ከም ዘሎና ዝነግር ባህርያዊ መሓበሪ ምዃኑ ይዛረቡ ኢዮም። ዝዀነ ዀይኑ ግን: ከምቲ መግቢ ንጥሜት ዘጕድሎ ወይ ዘልግሶ ጥዑይ ዕርክነት ድማ ከምኡ ንጽምዋ ከጕድሎ አረ ከጥፍኦ እውን ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺ: ዋጋ ዝህቡና ጥዑያት ኣዕሩኽ ምርካብ ዘይከኣል ነገር ኣይኰነን።
ሰባት ብጻይነት ከም ዝደልዩ ኰይኖም ኢዮም ተፈጢሮም። (ዘፍጥረት 2:18) መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ዓርኪ ወይ ብጻይ “ንጸገማ ይውለድ” ይብል። (ምሳሌ 17:17) ስለዚ: ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ሓገዝ ምስ ዘድሊ ንሓድሕዶም ክትሓታተቱ ክኽእሉ ኣለዎም። ይኹን እምበር: ዕርክነት ማለት ሓገዝ እትሓቶ ወይ ድማ ክትሰርሕ ወይ ክትጻወት ከሎኻ ብጻይ ዝዀነካ ሰብ ካብ ምዃን ንላዕሊ ማለት ኢዩ። ጥዑያት ኣዕሩኽ ኣብ ንሓድሕዶም እቲ ዝበለጸ ባህርያት ዝያዳ እናዕበዩ ኢዮም ዝኸዱ። ምሳሌ 27:17 ከምዚ ትብል:- “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ: ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።” ከምቲ ንእሽቶ ሓጺን ንኻልእ ካብ ከምኡ ዓይነት ሓጺን እተሰርሐ ነገር ንምስሓል ዝጠቅም: ሓደ ዓርኪ ድማ ንኣእምሮኣውን መንፈሳውን ኵነታት ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ምስሓል ክዕወት ይኽእል ኢዩ። እተፈላለየ ጓሂ ምስ ዝጸቕጠና: ናይ ዓርክና ድንጋጽ ዘለዎ ኣተሓሕዛን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምትብባዕን ንሞራልና ኣዝዩ ክብ ዘብሎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዕርክነት ምስ ፍቕሪ: ሌላ: ምስጢርካ ምንግጋር: ከምኡውን ምስ ብጻይነት ኢዩ ዝተሓሓዝ። ዕርክነት: ጐረባብትን መሳርሕትን ከምኡውን ካልኦትን ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም እውን ንገለ ኣዝማዶም ከም ናይ ቀረባ ኣዕሩኾም ይሓስብዎም ኢዮም። ይኹን እምበር: ሎሚ ንብዙሓት ሰባት ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ክረኽቡን ክሕዙን የሸግሮም ኢዩ። እዚ ከምኡ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ናይ ሓቅን ነባርን ዕርክነት ከተስተማቕር ትኽእልዶ፧