እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፍጻመታት ሕማቕ ወረ
ሕማቕ ወረ ዝሓዘ ኣርእስቲ ካብቲ ብስራት ዝሓዘ ኣርእሰቲ ዝያዳ ናይ ኣንበብቲ ተግዳስነት ከም ዘለዓዕልሲ ኣስተብሂልካሉዶ ትፈልጥ፧ ብዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝዛረብ ናይ ጋዜጣ ኣርእስቲ ይኹን: ወይ ኣብ ቅድሚት ገበር ናይ ሓደ ዘንጸባርቕ መጽሔት እተነዝሐ ዝስሕብ ወረውን ይኹን: ሕማቕ ወረ ዝሓዘ መጽሔት ካብቲ ብስራት ዝሓዘ መጽሔት ዝያዳ ከም ዝሽየጥ ኢዩ ዘረድኣና።
ሎሚ ሕማቕ ወረ ኣብ ዝኸድካዮ ኢዩ ዝርከብ። እንተዀነ ግን ሓድሐደ ግዜ ሓደ ሰብ: እዞም ኣቕረብቲ ዜናን ጋዜጠኛታትን: ንዝዀነ ይኹን ብስራት ብምውጋድ ሕማቕ ወረ ሃሰስ ኢልካ ረኺብካ ምዝርጋሕ ኢዮም ተለማሚዶም ብምባል ይግረም ይኸውን።
ኣብ ታሪኽ ብምሉኡ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ
ሕማቕ ወረ ንዝዀነ ይኹን ብስራት ብምዕብላል: ኣብዚ ክፍለ-ዘበናት ብምሉኡ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ኣብ ናይ ታሪኽ ጸብጻብ ከም እተራእየ: ናይ ታሪኽ ሚዛን ናብቲ ግደ ወድሰብ ኰይኑ ዝጸንሐ ስቓይን ጓህን ተስፋ ምቝራጽን ዝዛዘወ ኢዩ።
ገለ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ። ብዣክ ለግሮ እተማህዘት ክሮኒክል ኦቭ ዘ ዎርልድ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ: ነፍሲ ወከፍ እተፈጸመሉ ዕለት ዝነግር: ልክዕ እዞም ዘመናውያን ጋዜጠኛታት ነቲ ፍጻመታት እናቕረቡ ዝዛረብዎ ዘለዉ ብዝመስል ኣገባብ ኰይኑ እተዳለወ በብዓይነቱ ጸብጻባት የቕርብ። ካብዚ ግቡእ ምርመራ ተገይርሉ ዝቐረበ ጸብጻባት እዚ: ወድሰብ ኣብዛ ፕላኔት ምድሪ ሽግር ዝመልኦ ናብራ እናሕለፈ ዝሰምዖ እተዘርግሐ ሕማቕ ወረ: እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ሓሳባት ኢና እንረክብ።
መጀመርታ ነዚ ብ429 ቅ.ኣ.ዘ እተፈጸመ ካብ ግሪኽ ዝመጸ ናይ ቅድም ጸብጻብ ኣስተብህለሉ። ነቲ ሽዑ ኣብ መንጎ ኣቴንስን ስፓርታን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ዝሕብር ጸብጻብ ይህብ:- “ኣውራጃ ፖተዲያ: ጥሜት ንህዝባ ሬሳታቶም ክሳዕ ኣብ ምብላዕ ደረጃ ምስ ኣብጽሖም: ነቶም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ደቂ ኣተንስ ኢዳ ክትህብ ተገዲዳ ኢያ።” ብሓቂ ሕማቕ ወረ!
ናብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ቅድሚ ኣቈጻጽራ ዘበንና እንተድኣ መጺእና ድማ: ብዛዕባ ሞት ናይ ቄሳር ጁልየስ ዝገልጽ: ሮማ: 15 መጋቢት 44 ቅ.ኣ.ዘ ዝብል ዕለት ዘለዎ ንጹር ጸብጻብ ንረክብ። “ቄሳር ጁልየስ ተቐቲሉ። ብሓደ ጕጅለ ውዲተኛታት: ገለ ካብኣቶም ቀረባ ኣዕሩኽቱ ዝዀኑ: ሎሚ 15 መጋቢት ኣብ ባይቶ ኮፍ ምስ በለ ተወጊኡ ሞተ።”
ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ክፍለ-ዘበናት: ሕማቕ ወረ ብብዝሒ ቀጺሉ ኢዩ። ሓደ ዘርዕድ ኣብነት ድማ እዚ ብ1487 ካብ መክሲኮ ዝመጸ ዜና ኢዩ:- “በቲ ኣብ ናይ ኣዝቴክ ርእሰ ከተማ ዝዀነት ታኖችቲትለን እተራእየ ኣዝዩ ዘስደምም ናይ መስዋእቲ ምርኢት: 20, 000 ሰባት ልቦም ነቲ ናይ ውግእ ኣምላኽ ዝዀነ ንዊትዚሎፖችትሊ ተሰዊኡ ኢዩ።”
ሕማቕ ወረ ዘምጽእ ጭከና ወድሰብ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ዘይተገዳስነቱውን ነቲ ጸብጻብ ወሲኹሉ ኢዩ። እቲ ኣብ ከተማ ሎንደን እተፈጸመ ዓቢ ባርዕ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት ኣብነት ኢዩ። ካብታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትርከብ ከተማ ሎንደን ዝመጸ: ናይ 5 መስከረም 1666 ጸብጻብ: ከምዚ ይንበብ:- “ኣብ መጨረሻ: ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልትን ለይትን: እቲ ናይ ከተማ ዮርክ መስፍን ባሩድ ዝሓዙ ጕጅለ ባሕረኛታት ብምምጻእ: ኣብቲ ባርዕ ዝሓልፈሉ ቦታታት ዘለዉ ህንጻታት ነቲጐም ከም ዘፍርስዎ ብምግባር ነቲ ናይ ለንደን ባርዕ ጠጠው ከም ዝብል ገበረ። ገለ 160 ሄክታር ዝኸውን መሬት ምስ 87 ኣብያተ ክርስትያናትን ልዕሊ 13,000 ገዛውትን ዓንዩ ኢዩ። ትሽዓተ ነፍሳት ጥራይ ምጥፋኦም ተኣምራት ኢዩ።”
ነዚ ኣብነታት ናይ ሕማቕ ወረ እዚ እቲ ኣብ ብዙሕ ክፍለ ዓለማት ኣስፋሕፊሑ ዝጸንሐ ሕማም ተላገብ ክንውስኸሉ ንኽእል ኢና፣ ንኣብነት እቲ ኣብ መጀመርያ ናይ 1830ታት ዝነበረ ናይ ሸሮኽ ሕማም ተላገብ ክጥቀስ ይከኣል። እቲ ነዚ ጸብጻብ እዚ ዝገልጽ ኣርእስቲ ከምዚ ይንበብ:- “እቲ ናይ ሸሮኽ ፍርሒ ንኣውሮጳ የንጸላልዋ ኣሎ።” እቲ ስዒቡ ዝመጸ እተረጋገጸ ጸብጻብ: ኣብቲ ዘርዕድ ዝኸፍአ ደረጃኡ ከም ዝበጽሐ ዝገልጽ ሕማቕ ወረ ሒዙ ኣሎ:- “ሸሮኽ: እቲ ክሳዕ 1817 ኣብ ኣውሮጳ ዘይፍለጥ ዝነበረ: ሕጂ ካብ ኤስያ ተላዒሉ ናብ ምዕራብ ገጹ የስፋሕፍሕ ኣሎ። ድሮ ከተማታት ሩስያ: ከም እኒ ሞስኮን ሰይንት ፒተርስበርግን ካብ ህዝበን ልዕሊ ሓደ ዕስሪት ዝዀኑ ጸኒቶም ኢዮም: ካብቶም ግዳያት መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ገጠር ዝነብሩ ድኻታት ኢዮም።”
ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እቲ ቝጽሪ ተወንጪፉ
ሽሕ’ኳ ሕማቕ ወረ ኣብ ናይ ታሪኽ ጸብጻብ ምህላዉ ርጉጽ እንተዀነ: እዚ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበንና ናይ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ሕማቕ ወረ ይውስኽ ከም ዘሎ: አረ ብናህሪ ይውንጨፍ ምህላዉ መርትዖ ይህበና ኢዩ።
ኣብዚ ዘሎናዮ ክፍለ-ዘበን ዝስማዕ ዘሎ እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ሕማቕ ወረ: ናይ ውግእ ወረ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ታሪኽ እቶም ዝዓበዩ ክልተ ውግኣት—ብልክዕ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ካልኣይ ውግእ ዓለምን ተባሂሎም ዝጽውዑ—ብዘርዕድ ኣገባብ እተገልጸ ሕማቕ ወረ ነዚሖም ኢዮም። ይኹን እምበር: እዝስ ካብቲ እዚ ዘይሕጕስ ክፍለ-ዘበን ጸፍጺፍዎ ዘሎ ሕማቕ ወረ: ገለ ሒደት ክፋል ጥራይ ኢዩ።
ገለ ካብቶም ብወዝቢ እተመርጹ ሒደት ኣርእስትታት እስከ ንርኣዮም:-
1 መስከረም 1923:- ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንቶክዮ ፈጺሙ ኣዕንይዋ—300,000 ሞይቶም፣ 20 መስከረም 1931:- ቅልውላው—ብሪጣንያ ንፓውንድ ኣሕሲራቶ፣ 25 ሰነ 1950:- ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ [ኮርያ] መሪሾም፣ 26 ጥቅምቲ 1956:- ህዝቢ ሃንጋሪ ኣንጻር ግዝኣት ሶቭየት ተላዒሉ፣ 22 ሕዳር 1963:- ጆን ኬነዲ ኣብ ከተማ ዳላስ ተቐቲሉ፣ 21 ነሓሰ 1968:- ናይ ሩስያ ታንክታት ነቲ ናይ ፕራግ ምልዕዓል ንምድምሳስ ይጐያ ኣለዋ፣ 12 መስከረም 1970:- እተጨውያ ነፈርቲ ኣብ ምድረ በዳ ተባሪዐን፣ 25 ታሕሳስ 1974:- ሳይክሎን ትረሲ ንከተማ ዳርዊን ደምሲስዋ—66 ሞይቶም፣ 17 ሚያዝያ 1975:- ካምቦድያ ኣብ ኢድ ሓይልታት ኮሚኒስት ወዲቓ፣ 18 ሕዳር 1978:- ኣብ ጕያና ናይ ሓፋሽ ርእሰ-ቅትለት ተፈጺሙ፣ 31 ጥቅምቲ 1984:- ወይዘሮ ጋንዲ ተቐቲላ፣ 28 ጥሪ 1986:- እታ ቻለንጀር እትበሃል ናይ ጠፈር መንኮራኹር ክትነቅል ከላ ተባሪዓ፣ 26 ሚያዝያ 1986:- ናይ ሶቭየት ናይ ኑክልየር መራብሒ ተቓጺሉ፣ 19 ጥቅምቲ 1987:- ናይ ገንዘብ ዕዳጋ ባይታ ዘቢጡ:- 25 መጋቢት 1989:- ኣላስካ ብናይ ዘይቲ ምፍሳስ ተጠቒዓ፣ 4 ሰነ 1989:- ኣብ ቲያኔማን ኣደባባይ: ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ተቓውምቲ ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሞም።
እወ: ታሪኽ ሕማቕ ወረ ወትሩ ብብዝሒ ከም ዘሎ: ብስራት ግን ምስኡ ክወዳደር ከሎ ዳርጋ ከም ዘየለ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። ሕማቕ ወረ ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ላዕሊ ክውንጨፍ ከሎ: ብስራት ከኣ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክትሓልፍ ከላ እናኣንቈልቈለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኵሉ ሳዕ ከምኡ እናበለ ድዩ ክቕጽል፧
እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዘን ክልተ ሕቶታት ክትምልሸልና ኢያ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
WHO/League of Red Cross