ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/4 ገጽ 5-7
  • ብስራት ይጽበየና ኣሎ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብስራት ይጽበየና ኣሎ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጠንቅታት ናይ ኵሉ ሕማቕ ወረ
  • ሕማቕ ወረ ተወንጪፉ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
  • ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኢሉ ኣይክነብርን ኢዩ
  • እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፍጻመታት ሕማቕ ወረ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ብስራት”!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እተገብረ ዕልወት
    መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/4 ገጽ 5-7

ብስራት ይጽበየና ኣሎ!

ኵልና ብብሕቲ ዝትንክፈና ሕማቕ ወረ ክንሰምዕ ከሎና ንሓዝን ኢና። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ብስራት ክመጽኣና ከሎ እወ: ንዓናን ንፍቑራትናን ዘሐጕስ ወረ ክንሰምዕ ከሎና ባህ ኢዩ ዝብለና። እንተዀነ ግን ሕማቕ ወረ ንኻልኦት ድኣ እምበር ንዓና ምስ ዘይትንክፈና: ክትፈልጥ ኢልካ ናይ ምህንጣይ ባህሪ ኣሎ፣ አረ ገሊኦምሲ ናይ ካልኦት ሰባት ሕማቕ ኵነታት ክፈልጡ ባህ ኢዩ ዝብሎም። እዚ: ብመጠኑ ሕማቕ ወረ ዝያዳ ዕዳጋ ዝረኽበሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ይገልጸልና!

ኣብቲ መጀመርታ እዋናት ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ጥፍኣት ዘይግቡእ ተገዳስነት ናይ ምርኣይ ሓደ ንጹር ኣብነት ኣሎና። ሓንቲ ግራፍ ሺፓ እትጽዋዕ ቅልጥፍትን ዕጥቕትን 10,000-ቶን እትኸውን ናይ ውግእ መርከብ ብ1939 ንናይ ጀርመን መራኽብ ውግእ እተዅርዕ ኢያ ነይራ። ንሰሙናት ዝኣክል እዛ ናይ ውግእ መርከብ ኣንጻር እተን ኣብ ደቡብ ኣትላንቲክን ህንድን ውቅያኖሳት ዝነበራ መራኽብ ንግዲ ናይተን ጥሙር ሓይልታት ዕንወት ኣውረደት። ኣብ መወዳእታ: ሰለስተ ናይ ብሪጣንያ መራኽብ ነታ ግራፍ ሺፓ ተኸታቲለን ኣጥቅዓዓ: እዚ ድማ ሞት ኣስዓበ ከምኡውን እታ መርከብ ኣብ ከተማ ሞንቶቪድዮ ዝርከብ ናይ ኡራጋውያን ወደብ ከይዳ ክትዕረ ተገደደት። መንግስቲ ኡራጋይ እታ መርከብ ናብ ባሕሪ ክትምለስ እንተዘይኰነ ግን ክትግበት ምዃና ትእዛዝ ሃበ። ስለዚ ብሪጣንያ እትዕወተሉ ኲናት ክኽፈት ዘይተርፍ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ሓደ ጕጅለ ናይ ሃብታማት ነጋዶ: እዚ ምስ ሰምዑ ናይቲ ብደም ዘጥለቕለቐ ውግእ ናይ ዓይኒ ምስክር ምእንቲ ክዀኑ ብሕሳብ 2,500 ዶላር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣየር ተዀናቲሮም ናብ ኡራጓይ ከዱ። እቲ ውግእ ከይተኻየደ ብምትራፉ ፈሺሎም ኢዮም። ኣዶልፍ ሂትለር ንግራፍ ሺፓ ከጥሕልዋ ትእዛዝ ኣመሓለለፈ። እቶም ውዕዉዕ ናይ ባሕሪ ውግእ ንኽርእዩ ነቲ ወደብ ኣዕለቕሊቖምዎ ዝነበሩ ኣሽሓት ተዓዘብቲ: ግራፍ ሺፓ ብናይ ገዛእ ርእሳ መርከበኛ ክትጥሕል ከላ እተሰምዐ እዝንኻ ዘደንቍር ድምጺ ነታጒ ርእዮምን ሰሚዖምን ኢዮም። እቲ ካፕተይን ኣብ ርእሱ ጥይት ብምትኳስ ርእሰ-ቅትለት ፈጸመ።

ሽሕ’ኳ ኣብ ገለ ሰባት ናይ ጭከና ምልክት እንተሎ: መብዛሕትኦም ካብ ሕማቕ ወረ ብስራት ኢዮም ዝመርጹ። ከምኡዶ ኣይኰነን ዝስምዓካ፧ ታሪኽ ኣዝዩ ብዙሕ ሕማቕ ወረ ግናኸ ኣዝዩ ሒደት ብስራት ጥራይ ሒዙ ዘሎ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ኵነታት ክቕየር ይኽእል ደዀን ይኸውን፧

ጠንቅታት ናይ ኵሉ ሕማቕ ወረ

መጽሐፍ ቅዱስ ብዛዕባ ብስራት ጥራይ ዝነበረሉ ግዜ ይነግረና ኢዩ። ሕማቕ ወረ ብፍጹም ዘይፍለጥን ተሰሚዑ ዘይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ናይ ፍጥረት ዕዮታቱ ምስ ፈጸመ: ወድሰብን እንስሳታትን ምእንቲ ክሕጐሱላ ምድሪ ተዳልያ ኢያ ነይራ። ናይ ዘፍጥረት ጸብጻብ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ይብለና።​—ዘፍጥረት 1:​31

ወድሰብ ምስ ተፈጥረ ሕማቕ ወረ ዘይነበረሉ እዋን ብዙሕ ኣይቀጸለን። ኣዳምን ሄዋንን ዘርኢ ቅድሚ ምውላዶም: ኣንጻር ኣምላኽን ኣንጻር እቲ ስርዓት ዝመልኦ ሰናይ ኣድማሳዊ መደባቱን እተላዕለ ዕልወት ተሰምዐ። ሓደ ዝለዓለ ደረጃ ዝነበሮ መንፈሳዊ ውሉድ ካብቲ ብሕድሪ ተዋሂብዎ ዝነበረ ቦታኡ ከድዐ: ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ድማ ኣብቲ ዓለወኛን ከዳዕን መገድታቱ ንኽሓብርዎ ኣብ ምስድዖም ተዓወተ።​—ዘፍጥረት 3:​1-6

እቲ ወድሰብ ዝምስክረሉ ብዝሒ ናይ ሕማቕ ወረ መጀመርታኡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ንዓለም ኣዝዩ ኣዕለቕሊቕዋ ዘሎ ተንኰል: ምትላል: ሓሶት: ካብ ሓቂ ዝርሓቐ: ከምኡውን ፍርቂ ሓቂ ዝሓዘ ሕማቕ ወረ ምህላዉ ዘገርም ኣይኰነን። የሱስ ክርስቶስ “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ: ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ: ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ” ብምባሉ: ከም መናጪ ናይ ሓማቕ ወረ መጠን እቲ ወቐሳ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሰይጣን ከም ዝውዕል ኣርኣየ።​—ዮሃንስ 8:​44

ወድሰብ ብቝጽሪ እናበዝሐ ምስ ከደ: ሕማቕ ወረ ኸኣ ምስኡ ወሲኹ ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ናይ ሓጐስን ባህታን ግዜ ፈጺሙ ኣይነበረን ማለት ከም ዘይኰነ ንጹር ኢዩ: ከመይሲ ኣብ ናብራ ወድሰብ ሓጐስ ዘምጽኡ ብዙሓት ነገራት ነይሮም ኢዮም። ጌና ግን ብዝሒ ናይ ህውከትን ጓህን ኣብ ብምሉኡ ናይ ወድሰብ ወለዶ ክሳዕ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ነገራት ኢዩ።

ነዚ ዘጕሂ ኵነታት እዚ ዘምጽእ ካልእ ሕቡእ ጠንቂ እውን ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ዝወረስናዮ ናብ እከይን ሕሰምን ናይ ምዝዛው ባህሪ ኢዩ። የሆዋ ንባዕሉ ነዚ ከነልግሶ ዘይንኽእል ናይ ሕማቕ ወረ ጠንቂ ከምዚ ብምባል ፈልዩ ነጊሩና ኣሎ:- “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ።”​—ዘፍጥረት 8:​21

ሕማቕ ወረ ተወንጪፉ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ይኹን እምበር: ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበንና ሕማቕ ወረ ላዕሊ እተወንጨፈሉ ሓደ ምኽንያት ኣሎ። እዚ ምኽንያት እዚ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ ደቅሰብ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ናብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ወይ ከኣ “ዘመን መወዳእታ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ፍሉይ እዋን ክኣትዉ ምዃኖም ይንበ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ዳንኤል 12:4) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መስርዕ ፍጻመታትን ነዚ ኣብ 1914 ዝጀመረ “ናይ መወዳእታ እዋን” ፈልዮም ይጠቕስዎ ኢዮም። ዝርዝራዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖ ክትረክብ እንተድኣ ደሊኻ: በጃኻ ምዕራፍ 11 ናይታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለወት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ርአ።

ዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን: በቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ሕማቕ ወረ ላዕሊ ንኽውንጨፍ ቅልጡፍ ጠንቂ ዝዀነ ፍጻመ ክጅምራ ነይርወን። ንሱኸ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ናይ ሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንታዊ ሰራዊቱን ካብ ሰማይ ምድርባይ ኢዩ ነይሩ። እዚ ንጹር መግለጺ ናይቲ ከነልግሶ ዘይንኽእል ምውሳኽ ሕማቕ ወረ ኣብ ራእይ 12:​9, 12 ከተንብብ ትኽእል ኢኻ:- “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። . . . ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።”

ስለዚ እምበኣር እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ክሳዕ ዝውድኣ ኣብ ኵሉ እዋናት ሕማቕ ወረ ክቕጽልን አረ ብብዝሑን መጠኑን እውን እናወሰኸ ክኸይድን ክንጽበ ንኽእል ኢና።

ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኢሉ ኣይክነብርን ኢዩ

እዚ ሎሚ ሕማቕ ወረ ንኸስፋሕፍሕ ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ ኣሰቃቒ ኵነታት ከምኡ ኢሉ ዝቕጽል ብዘይምዃኑ: ንተቐማጦ ምድሪ ዘሐጕስ ኢዩ። እኳ ድኣ: ተኣማሚንና ናይ ሕማቕ ወረ ቀጻሊ መዓልትታት ቍጹራት ኢየን ክንብል ንኽእል ኢና። ዋላ’ኳ ተስፋ ዘቝርጽ መሲሉ እንተ ተራእየ እቲ ኵነታት ተስፋ ዘቝርጽ ኣይኰነን። መወዳእታ ናይ ኵሉ ሕማቕ ወረ ቀሪቡ ኢዩ: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ እዋን ከኣ ብዘይፍሽለት ክድምደም ኢዩ።

እተን ዳሕሮት መዓልትታት በቲ ኣምላኽ ንዅሉ ጠንቂ ናይ ሕማቕ ወረ ብምውጋድ ዘምጽኦ ጥፍኣት ክዛዘማ ወይ ክድምደማ ምዃነን ብትንቢት ተነጊሩ ስለ ዝዀነ ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቶም ጽልኢ ዘለዓዕሉ ክልወጡ ወይ ከኣ ካብቲ ሕማቕ ተግባራቶም ክምለሱ ዘይደልዩ እኩያት ሰባት ከልግሶም ኢዩ። እዚ ኣብቲ ኣርማጌዶን ተባሂሉ ኣብ ኵሉ ዝፍለጥ ውግእ ናይታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛዘም ኢዩ። (ራእይ 16:​16) ብድሕርዚ ብኡንብኡ: ሰይጣን ድያብሎስን ሓይልታት ጭፍራ ኣጋንንቱን ስጕምቲ ክውሰደሎም ኢዩ። ራእይ 20:​1-3 ምእሳር ናይቲ ጀማሪ ናይ ኵሉ ሕማቕ ወረ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ይገልጽ:- “መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል: ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን: ሐዞ: እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ: ሽሕ ዓመትውን አሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ: ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን: ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ።”

ደድሕሪ እዚ ዘደንቕ ፍጻመታት እዚ: ንምድርን ንተቐማጦኣን ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ናይ ብስራት እዋን ክመጽኣሎም ኢዩ። እዞም ተቐማጦ እዚኣቶም ነቶም ካብቲ ናይ መወዳእታ ውግእ ኣርማጌዶን ዝድሕኑ ሚልዮናት ሰባትን ነቶም ካብቲ ብሞት ደቂሶምሉ ዝነበሩ መቓብር ዝትንስኡ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትን ዘጠቓለለ ኢዩ። እዚ ካብ ኵሉ ወረ ጸብለልታ ዘለዎ ብስራት እዚ ኣብታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ:- “ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—ራእይ 21:​3, 4

ነቲ ዘሐጕስ እዋን እቲ ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ ብሓቂ ድሕሪ ደጊም ሕማቕ ወረ ዘይህልወሉ ግርማዊ መጻኢ ኢዩ። እወ: ኵሉ ሕማቕ ወረ ክውዳእ ኢዩ: ድሕሪ ደጊም ከኣ ኣይክስማዕን ኢዩ። ድሕሪኡ ብስራት ክሰፍን ኢዩ: ንዘለኣለም ከኣ ክቕጽል ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ