ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/4 ገጽ 16-21
  • ሓቀኛ ኣምልኾ በረኸት ኣምላኽ ዝቕበለሉ ምኽንያት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓቀኛ ኣምልኾ በረኸት ኣምላኽ ዝቕበለሉ ምኽንያት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓቀኛ ሃይማኖት እንታይ ዓይነት ፍረ ኢያ ክትፈሪ ዝግብኣ፧
  • ብጽልኢ ዘይኰነስ ብፍቕሪ እትልለ ሃይማኖት
  • ኣምላኽ ነቲ ናይ ጠባይን ናይ ትምህርትን ንጽህና ይባርኾ ኢዩ
  • ‘ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ’
  • መለለዪ ዝዀነ ፍሉይ ስም
  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ምልላያ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ የሐጕስኦዶ ኢየን፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/4 ገጽ 16-21

ሓቀኛ ኣምልኾ በረኸት ኣምላኽ ዝቕበለሉ ምኽንያት

“ሃሌሉያ [“ኣቱም ህዝቢ ንያህ ወድስዎ!” ‘ትሓዓ ’ ] ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ: . . . ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ። ”​—ራእይ 19:⁠1, 2

1. ዓባይ ባቢሎን ከመይ ኢላ ኢያ እትጠፍእ፧

“ዓባይ ባቢሎን” ብኣረኣእያ ኣምላኽ ወዲቓ ስለ ዝዀነት ሕጂ ጥፋኣት ኢዩ ዝጽበያ ዘሎ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት: እዛ ዓለምለኻዊት ዝዀነት ሃይማኖታዊት ኣመንዝራ እዚኣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ካብቶም ፖለቲካውያን ውሽማታታ ጥፍኣት ክወርዳ ምዃኑ ይሕብር ኢዩ፣ ጥፍኣታ ኸኣ ሃንደበታውን ቅልጡፍን ክኸውን ኢዩ። እቲ የሱስ ንዮሃንስ ዝገለጸሉ ራእይ እዚ ዝስዕብ ትንቢታዊ ቃላት ሒዙ ኣሎ:- “ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዚኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ: ከምዚ እናበለ: ባቢሎን: እታ ዓባይ ከተማ: ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ: ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ።”​—⁠ራእይ 18:​2, 21

2. ኣገልገልቲ የሆዋ ንናይ ባቢሎን ጥፍኣት ብኸመይ ኢዮም ምላሽ ዝህብሉ፧

2 ጥፍኣት ናይ ዓባይ ባቢሎን ብገለ ካብቶም ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀኑ ክልቀሰላ ኢዩ: ሰማያውያን ይኹኑ ምድራውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዘይበኽዩላ ግን ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ሽዑ ናብ ኣምላኽ ዘቕርብዎ ዘሕጕስ ጭድርታኦም “ሃሌሉያ [“ኣቱም ህዝቢ ንያህ ወድስዎ!” ትሓዓ] ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ: ንሱ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ: ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ: ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ” ዝብል ክኸውን ኢዩ።​—⁠ራእይ 18:​9, 10፣ 19:​1, 2

ሓቀኛ ሃይማኖት እንታይ ዓይነት ፍረ ኢያ ክትፈሪ ዝግብኣ፧

3. መልሲ ዘድልዮም ሕቶታት ኣየኖት ኢዮም፧

3 ምድሪ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትጸሪ ካብ ኰነት እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ኢዩ ዝተርፍ፧ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝወርድ ጥፍኣት ኣየነይቲ ሃይማኖታዊት ጉጅለ ከም እትድሕን ከመይ ገይርና ሎሚ ክንውስን ንኽእል፧ እዛ ጕጅለ እዚኣ ክትፈርዮ ዝግባእ ጽድቃዊ ፍረ እንታይ ኢዩ፧ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ ከነለልየሉ እንኽእል ብውሕዱ ዓሰርተ ዝዀኑ መለለዪ ምልክታት ኣለዉ።​—⁠ሚልክያስ 3:​18፣ ማቴዎስ 13:43

4. ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ቀዳማይ ብቕዓት እንታይ ኢዩ: የሱስከ ነዚ ዝምልከት ኣብነት ዝሰርዓልና ብኸመይ ኢዩ፧

4 ቅድም ቀዳድም: ሓቀኛታት ክርስትያን ነቲ የሱስ ዝሞተሉ ሉዓላዊነት ክድግፉ ይግብኦም: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ኣቦኡ ሉዓላውነት ኢዩ። የሱስ ንዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ: ቀቢላዊ: ዓሌታዊ: ወይ ከኣ ማሕበራዊ ምኽንያታት ህይወቱ ኣይወፈየን። ካብ ኵሉ እቲ ናይ ኣይሁድ ፖለቲካዊ ወይ ከኣ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝነበረ ናይ ምንቅስቓስ ድልየታት ነቲ ናይ ኣቦኡ መንግስቲ ኢዩ ዘቐድም ነይሩ። ሰይጣን ዓለማዊ ስልጣን ምስ ኣቕረበሉ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ደማ ተገዛእ: ጽሑፍ አሎ እሞ: ኪድ ርሐቕ: ሰይጣን” ብዝብላ ቃላት ገይሩ መለሰሉ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ እቲ ሓቀኛ ሉዓላዊ ምዃኑ ካብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝረኸቦ ፍልጠት ነይርዎ ኢዩ። ካብቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ፖለቲካዊ ኣገባብሲ ነቲ ናይ የሆዋ ግዝኣት ብንጹር መገዲ እትድግፍ ኣየነይቲ ሃይማኖታዊት ጉጅለ ኢያ፧​—ማቴዎስ 4:​10፣ መዝሙር 83:18

5. (ሀ) ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ንስም ኣምላኽ ብኸመይ ኢዮም ክርእይዎ ዝግብኦም፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ስም እቲ ከም ዘኽብርዎ ዘርእየና እንታይ ኢዩ፧

5 እቲ ካልኣይ ብቕዓት ድማ ሓቀኛ ኣምልኾ ንስም ኣምላኽ ከዕብን ክቕድስን ይግብኦ። እቲ ዅሉ ዝኽእል ነቲ የሆዋ ዝብል (ኣብ ገሊኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ያህዌህ ተባሂሉ ተተርጕሙ ዘሎ) ስሙ ንህዝቡ እስራኤል ገሊጹሎም ኢዩ: ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ኣሽሓት ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ቅድሚኡውን እንተዀነ: ኣዳምን ሄዋንን ካልኦትን ነቲ ስም እቲ ኵሉ ሳዕ እኳ የኽበርዎ እንተዘይነበሩ ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም። (ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ ዘፍጥረት 4:1፣ 9:​26፣ 22:14 ከምኡውን ዘጸኣት 6:2 ርአ።) ናይ ህዝበ⁠-​­ክርስትያንን ኣይሁድን ተርጐምቲ ነቲ መለኮታዊ ስም ኣዘውቲሮም ካብ መጽሓፍ ቅዱሳቶም ከልግስዎ ከለዉ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ኣብቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም እቲ ዝግብኦ ቦታን ክብርን ሂቦምዎ ኢዮም። ከምቲ ቀዳሞት ክርስትያናት ዝገበርዎ ንሳቶምውን ነቲ ስም እቲ የኽብርዎ ኢዮም። ያእቆብ “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ: ቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖም: ስምኦን ኣዘንትዩ አሎ። ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ: ከምቲ፤ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዅሎም ኣህዛብን ንጐይታ [“ንየሆዋ:” ትሓዓ] ምእንቲ ኺደልዩ: . . . እዚ ነገርዚ እቲ . . . ዚገብሮ ጐይታ [“የሆዋ:” ትሓዓ] ይብል ኣሎ” ብምባል መስከረ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:14-​17፣ ኣሞጽ 9:​11, 12

6. (ሀ) ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ሳልሳይ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስን ዳንኤልን ነቲ ናይ መንግስቲ ግዝኣት ብኸመይ ኢዮም ኣጕሊሖሞ ዘለዉ፧ (ሉቃስ 17:20, 21)

6 እቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ከማልኦ ዘለዎ ሳልሳይ ብቕዓት ከኣ: እታ ንናይ ወድሰብ ናይ ኣገዛዝኣ ሽግራት ርጡብን ተግባራውን መፍትሒ ከተምጽእ እትኽእል ሓንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነት ክብ ኣቢሉ ክውድሶ ይግባእ። የሱስ ንሰዓብቱ እታ መንግስቲ ክትመጽኣሎም: ግዝኣት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምሉእ ቍጽጽሩ ንኽገብር ክጽልዩ ኣነጺሩ ምሂርዎም ኢዩ። ዳንኤል ብዛዕባ እተን ዳሕሮት መዓልትታት “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን [ዓለማውያን: ፖለቲካውያን] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ኢሉ ንኽንበ ብመንፈስ ተመሪሑ ኢዩ። ኣብዚ መበል 20 ክፍለ⁠-ዘበንና ብተግባራቶም ገይሮም ነታ መንግስቲ እቲኣ ዘይተመቓቐለ ደገፍ ዘርእይዋ ዘለዉ መን ኢዮም​—ናይ ዓባይ ባቢሎን ሃይማኖታትዶ ወይስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፧​—ዳንኤል 2:​44፣ ማቴዎስ 6:​10፣ 24:14

7. ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧

7 ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ግድን ኣድላዪ ዝዀነ ራብዓይ ነጥቢ ድማ: ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ከም ዝዀነ ገይሮም ክድግፍዎ ይግባእ። ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ኣደዳ ናይቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኵሉ እቲ ከስዕቦ ዝኽእል ኣበራት ከም ተራ ጽሑፍ ናይ ሰብኣዊ ዕዮ ገይሩ ከናእስ ዝፍትን ነቐፌታዊ ትምህርቲ ኣይክዀኑን ኢዮም። ከምቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝኣምንዎ:- “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”a ስለዚ እምበኣር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መምርሒኦም: ከም ናይ መዓልታዊ ናብራኦም መወከሲ: ከምኡውን ከም ምንጪ ናይ መጻኢ ግዜ ተስፋኦም ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ።​—2 ጢሞቴዎስ 3:​16, 17

ብጽልኢ ዘይኰነስ ብፍቕሪ እትልለ ሃይማኖት

8. ካብ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝድለ ሓሙሻይ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧

8 የሱስ ነቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቱ ብኸመይ ኢዩ ፈልይዎም፧ እቲ ዝሃቦ መልሲ ናብቲ ኣድላዪ ሓሙሻይ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ መለለዪ ምልክት ኢዩ ዝወስደና። የሱስ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:34, 35 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ ፍቕሩ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧ ህይወቱ መስዋእታዊ በጃ ብምሃብ ኢዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:​16) ናይ ሓቂ ፍቕሪ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ኣገዳሲ ባህሪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣቱም ፍቁራተይ: ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ: ንሓድሕድና ንፋቐር። . . . ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ: እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።”​—1 ዮሃንስ 4:​7, 8

9. ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘርኣዩ መን ኢዮም: ብኸመይከ፧

9 ሎሚ ኣብዚ ግዜና: ቀቢላዊ: ሃገራዊ: ወይ ዓሌታዊ ጽልኢ እናሃለወ እውን ክነሱ እዚ ዓይነት ፍቕሪ እዚ ዘንጸባርቑ ዘለዉ መን ኢዮም፧ ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ እቲ ዝዓበየ ፈተና ብምሕላፍ ፍቕሮም ዝገለጹ መን ኢዮም፧ እቶም ኣብቲ ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ብዘይውልውል ኢዶም ብምእታው ገለ ብሓላፍነት ዘሕትት ግደ ዘለዎም ናይ ካቶሊክ ኣቕሽሽትን ደናግልን ኢዮም ክንብልዶ ንኽእል ኢና፧ ኣብቲ ኣብ ሃገራት ቦልካን እተገብረ “ዓሌታዊ ምንጻህ”ን ኣብቲ ኣብኡ እተፈጸመ ናይ ንሓድሕድ ውግእ እተርኣየ ዘይክርስትያናዊ ዝዀነ ካልእ ተግባራትን እተጸምዱ ናይ ሰርቢያ ኦርቶዶክስ ወይ ከኣ ናይ ክሮአይሽያ ካቶሊካውያን ድዮም፧ ወይስ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ እተፈጸመ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይን ጽልእን ባርዕ ዘንበድብዱ ናይ ካቶሊክ ወይ ፕሮተስታንት ኣቕሽሽቲ ኢዮም፧ ብርግጽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝበለ ግጭት ተኻፊልኩም ኢኹም ተባሂሎም ኣይውቀሱን ኢዮም። ክርስትያናዊ ፍቕሮም ንኸይጠልሙ ኣብ ቤት ማእሰርትን መዳጐኒ ደምበታትን ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ ተሳቕዮም ኢዮም።​—ዮሃንስ 15:17

10. ሓቀኛታት ክርስትያናት ገለልተኛታት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

10 እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ኣምላኾ ዝሓቶ ሻድሻይ ኣድላዪ ነጥቢ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ናይዛ ዓለም እዚኣ ገለልተኛ ኣቕዋም ምሓዝ ኢዩ። ክርስትያናት ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧ ጳውሎስን ያእቆብን ዮሃንስን ብዛዕባ እዚ መትከል እዚ ብቑዕ ምኽንያት ኢዮም ዝህቡና። ሃዋርያ ጳውሎስ: ሰይጣን እቲ ብዝተኻእሎ መጠን ብዅሉ ዓይነት ብልሓታት: በቲ መታለሊ ዝዀነ ፖለቲካውን ከይተረፈ ተጠቒሙ: ንሓሳባት እቶም ዘይኣምኑ ዘዕውር ዘሎ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ምዃኑ ጽሒፉ ኣሎ። ወደ መዝሙር ያእቆብ ድማ “ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ” ምዃኑ ክገልጽ ከሎ: ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ’ በለ። ስለዚ እምበኣር ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን: ኣብዛ ፖለቲካን ስልጣንን ሒዛ ዘላ ናይ ሰይጣን ብልሽውቲ ዓለም ኢዱ ብምእታው: ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ተወፋይነት ክለማመጠሉ ኣይክእልን ኢዩ።​—2 ቈረንቶስ 4:4፣ ያእቆብ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 5:​19

11. (ሀ) ክርስትያናት ንውግእ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧ (ለ) ነዚ ኣቕዋም እዚ ንምሓዝ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኢዩ ዘሎና፧ (2 ቈረንቶስ 10:⁠3⁠-​5)

11 ብመሰረት እዚ ሕጂ ክንርእዮ ዝጸናሕና ክልተ ብቕዓታት: እቲ ሓቀኛታት ክርስትያን ኣምለኽቲ ኣብ ውግእ ክካፈሉ የብሎምን ዝብል ሻብዓይ ነጥቢ ግሉጽ ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ። እታ ሓቀኛ ሃይማኖት ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ዓለምለኻዊ ሕውነት ስለ ዝዀነት ነቲ ‘ኣብ ዓለም ዘሎ ምሉእ ሕብረት ኣሕዋት’ ክመቓቕሎ ወይ ክዝርጎ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን። የሱስ ጽልኢ ዘይኰነስ ፍቕሪ: ውግእ ዘይኰነ ኸኣ ሰላም ኢዩ ምሂሩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠9 ትሓዓ፣ ማቴዎስ 26:⁠51, 52) እቲ ቃየል ንኣቤል ንኽቐትሎ ዘስድዐ “እኩይ:” ኣብ ማእከል ደቅሰብ ጽልኢ ምዝራእን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ዓሌታውን መሰረት ብምግባር ከኣ ባእስን ምፍሳስ ደምን ምልዕዓሉ ይቕጽል ኢዩ ዘሎ። ዝኸፈልዎ ዋጋ ብዘየገድስ ሓቀኛታት ክርስትያናት ‘ውግእ ዝበሃል ኣይመሃሩን ኢዮም።’ ብምሳሌያዊ መገዲ: ድሮ ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዞሞታት ሰሪሖምዎ ኢዮም።’ ነቲ ሰላም ዝመልኦ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኢዮም ዝፈርዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 3:​10-​12፣ ኢሳይያስ 2:​2-4፣ ገላትያ 5:​22, 23

ኣምላኽ ነቲ ናይ ጠባይን ናይ ትምህርትን ንጽህና ይባርኾ ኢዩ

12. (ሀ) እቲ ሻምናይ ብቕዓት እንታይ ኢዩ: ግናኸ እንታይ ሃይማኖታዊ ምምቕቓል ክትጠቅስ ምኽኣልካ፧ (ለ) ጳውሎስ ነዚ ሻምናይ ብቕዓት እዚ ብኸመይ ኢዩ ዘጕልሖ፧

12 ክርስትያናዊ ሕብረት ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ሻምናይ ብቕዓት ኢዩ። እተን እተኸፋፈላ ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ሃይማኖታት ግን ነዚ ብቕዓት እዚ ከማልኣኦ ኣይከኣላን። ብዙሓት ዓበይቲ ሃይማኖታት ተባሂለን ዝጽዋዓ ኣብ እተፈላለየ ኣንቆራታት ተፈናጪለን ኢየን: ፍሬኡ ኸኣ ሕንፍሽፍሽ ኰነ። ንኣብነት ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ናይ ባብቲስት ሃይማኖት ተባሂሉ ዝፍለጥ እስከ ንውሰድ: እዚ ሃይማኖት እዚ ናብ ሰሜናዊ ባብቲስት (ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ናይ ኣመሪካ ባብቲስት ኣብያተ ክርስትያናት) ከምኡውን ናይ ደቡብ ባብቲስት (ናይ ዱቡብ ባብቲስት ስምምዕ) ዝበሃሉን ናብ ካልኦት ብምፍንጭጫል ዝፈረዩ ብደርዘን ዝቝጸሩ ናይ ባብቲስት ጕጅለታትን ተመቒሉ ኢዩ። (ዎርልድ ክርስችያን ኢንሳይክሎፔድያ ገጽ 714 [እንግሊዝኛ]) ብዙሓት እተመቓቐላ ጕጅለታት ካብ ፍልልያት ናይ ሰረተ⁠-እምነት ወይ ከኣ ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ምምሕዳር (ንኣብነት ፕረዝቢተሪያን: ኤፒስኮፖሊያን: ኮንግሪገሽናል) እተበገሳ ኢየን። እቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ምምቕቓል ምስተን ካብ ህዝበ⁠-ክርስትያን ወጻኢ ዘለዋ ሃይማኖታት ከም ቡድሂዝም: እስላም: ወይ ሂንዱዝም ዝርአ ምምቕቓል ማዕረ ማዕረ ኢዩ ዝኸይድ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ኢሉ ኢዩ መኺርዎም፧ “ኣሕዋተየ: ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ: ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር: ምፍልላይ ከይህልወኩም: እምዕደኩም አሎኹ።”​—1 ቈረንቶስ 1:​10፣ 2 ቈረንቶስ 13:11

13, 14. (ሀ) ‘ቅዱስ ምዃን’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ሓቀኛ ኣምልኾ ንጽህናኡ ዝሕሉ ብኸመይ ኢዩ፧

13 ካብቲ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎ ሃይማኖት ዝድለ ታሽዓይ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ኣብ ዘሌዋውያን 11:45 ተገሊጹ ኣሎ:⁠- “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ።” ሃዋርያ ጴጥሮስውን “ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ” ብምባል ነዚ ብቕዓት እዚ ደጊምዎ ኣሎ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—1 ጴጥሮስ 1:​15

14 ኣብዚ ናይ ቅዱስ ምዃን ኣድላይነት ተሓቢሩ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧ ኣምለኽቲ የሆዋ ብመንፈሳውን ስነ⁠-ምግባራውን መገድታት ንጹሃት ክዀኑ ከም ዘለዎም ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:​14) ነቶም ዘይናስሑ: ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ዝፍጽሙ: ብጠባዮም ገይሮም ድማ ነቲ ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ዝንዕቑ ሓጢኣተኛታት ቦታ የለን። (እብራውያን 6:​4-6) የሆዋ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንጽህትን ቅድስትን ኰይና ክትቅጽል ኢዩ ዝደልያ። እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧ ገለ ካብኡ በቲ ነቶም ንጉባኤ ዘበላሽዉ ዝውግድ ናይ ፍርዲ መስርሕ ብምጥቃም ኢዩ።​—1 ቈረንቶስ 5:​9-​13

15, 16. ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ናብራኦም እንታይ ለውጥታት ኢዮም ዝገበሩ፧

15 ቅድሚ ክርስትያናዊ ሓቂ ምፍላጦም: ብዙሓት ፋሉል ኰይኖም ከም ቃሕታኦም ብስስዐ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። እቲ ቃል ክርስቶስ ግን ለዊጥዎም ኢዩ: ናይቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ድማ ሕድገት ረኺቦም ኢዮም። ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ሓይሊ ብዘለዎ ቃላት ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ:- “ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ግናኸ . . . ተሐጺብኩም . . . ኢኹም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—1 ቈረንቶስ 6:​9-​11

16 የሆዋ ነቶም በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዘይጽሑፋዊ ጠባያት ተነሲሖም ብምምላስ ሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስን ትምህርትታቱን ኰይኖም እተረኸቡ ሰባት ስምረቱ ከም ዝህቦም እትረጋገጸ ኢዩ። ንጐረባብቶም ብሓቂ ከም ነፍሶም ገይሮም ኢዮም ዘፍቅርዎም: ነዚ ድማ ብብዙሕ መገድታት ኢዮም ዘርእይዎ: ገለ ኻብኡ ድማ ኣብቲ ንዅሎም እቶም ዝሰምዑ ናይ ህይወት መልእኽቲ ዝህብ ኣገልግሎት ከይተሓለሉ ምቕጻል ኢዩ።​—2 ጢሞቴዎስ 4:⁠5

‘ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ’

17. ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ዓስራይ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ኣብነታት ሃብ።

17 የሆዋ ነቶም ብመንፈስን ብሓቅን ዘምልኽዎ ዝህቦም ዓስራይ ብቕዓት ድማ ኣሎ: ንሱ ኸኣ ጽሩይ ቋንቋ ኢዩ። (ዮሃንስ 4:​23, 24) የሱስ ንሰዓብቱ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም። (ዮሃንስ 8:​32) እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ካብቲ ከም እኒ:- ዘይትመውት ነፍሲ: ሲኦል ሓዊ: መንጽሂ ቦታ ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ዘሕስር ሰረተ⁠-እምነታት: ሓራ ኢያ እተውጽኣና። (መክብብ 9:​5, 6, 10፣ ህዝቅኤል 18:​4, 20) ካብቲ “ዝለዐለ ቅዱስ ስላሴ” ዝበሃል ባቢሎናዊ ምስጢር ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ከኣ ሓራ ተውጽኣና ኢያ። (ዘዳግም 4:​35፣ 6:4፣ 1 ቈረንቶስ 15:27, 28) ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እዙዝ ምዃን ፈቃራትን ሓለይትን ሕያዎትን መሓርትን ህዝቢ ኢዩ ዘፍሪ። ናይ ሓቂ ክርስትና ከም እኒ ቶማስ ዲ ቶርኲማዳ ዝኣመሰሉ ዘይጻወሩ ቂመኛታት መሳቐይቲ: ወይ ከኣ ከምቶም ብወገን ጵጵስና ብምዃን ናይ መስቀላውያን ውግእ ዝድግፉ ዝነበሩ ጽልኢ ዝመልኦም መተባባዕቲ ኣይትሓቍፍን ኢያ። ዓባይ ባቢሎን ግን ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብምሉኡ እንተውሓደ ካብ ግዜ ኒምሮድ ጀሚራ ክሳዕ ሕጂ እዚ ዓይነት ፍረ እዚ’ያ ክትፈሪ ጸኒሓ።​—ዘፍጥረት 10:⁠8, 9

መለለዪ ዝዀነ ፍሉይ ስም

18. (ሀ) ነቲ ካብ ሓቀኛ ኣምልኾ ዘድለ ዓሰርተ ብቕዓታት ዘማልኡ መን ኢዮም: ብኸመይከ፧ (ለ) ነቲ ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ዘሎ በረኸታት ምእንቲ ክንወርስ ብብሕትና እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧

18 ሎሚ ብሓቂ ገይሮም ነዚ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ዓሰርተ ብቕዓታት ዘማልኡ ዘለዉ መን ኢዮም፧ ንጽህናኦም ብምሕላውን ሰላማውያን ብምዃንን ብኻልኦት ዝፍለጡን ዝልለዩን ዝፍለጡን መን ግዲ ኢዮም፧ ኣብ ብዘላ ዓለም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ካብ ዓለም ብዘይምዃኖም’ ፍሉጣት ኢዮም። (ዮሃንስ 15:⁠19፣ 17:⁠14, 16፣ 18:⁠36) ህዝቢ የሆዋ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ንኣቦኡ እሙን ምስክር ዝነበረ ንሳቶምውን ስሙ ንምጻርን መሰኻኽሩ ንምዃንን መሰል ረኺቦም ኢዮም። ምስቲ እቲ ስም ወኪልዎ ዘሎ ተሰማሚዕና ንምንባር ዘሎና ሓላፍነት ንቑሓት ብምዃን ነቲ ቅዱስ ስም እቲ ጼርና ኢና። ከም መሰኻኽሩ መጠን ድማ ኣየ ከመይ ዝበለ ግርማዊ መጻኢ’ዩ ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ዘሎ! እዚ ድማ ክፍሊ ናይቶም ኣብዛ ናብ ገነት እተመልሰት ምድሪ ኰይኖም ነቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ እናምለኹ ዝነብሩ እዙዛትን ሕቡራትን ሰብኣዊ ስድራቤት ክትከውን ማለት ኢዩ። እዚ በረኸት እዚ ምእንቲ ክንቅበል: ብቐጻሊ ገዛእ ርእስና ምስቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ብንጹር ከም እንልለ ንግበር: ከምኡውን “ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ” ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ብዅርዓት ንጸውዓሉ።​—⁠ራእይ 19:⁠2፣ ኢሳይያስ 43:⁠10-12፣ ህዝቅኤል 3:⁠11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ንባዕሎም መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶም ኣይኰኑን። ትርጕማት: ኣብቲ ኣቀራርባኦም ካብቲ መጀመርያ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ በዅሪ ቋንቋታት እተፈላለየ ምርዳእ ከንጸባርቑ ይኽእሉ ኢዮም።

ብኸመይ ምመለስካ፧

◻ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኢዮም ነቲ ናይ ዓባይ ባቢሎን ጥፍኣት ዝምልከትዎ፧

◻ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ቀንዲ ብቕዓታት እንታይ ኢዮም፧

◻ ሓቂ ብኸመይ ኢያ ሓራ እተውጽኣካ፧

◻ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን እንታይ ፍሉይ መሰል ኢዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩን ይምህሩን ኢዮም ዘለዉ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሓቀኛታት ክርስትያናት ብዛዕባ ዓለማዊ ፖለቲካን ውግእን ዝምልከት ወትሩ ገለልተኛታት ኢዮም

[ምንጪ ስእሊ]

ነፋሪት: Courtesy of the Ministry of Defense, London

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ