ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ: ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ (ፊልጲ 3:13) ሓደ ሰብ ኰነ ኢሉ ገለ ነገር ክርስዕ ይኽእልዶ ኢዩ፧
ኣይፋሉን: መብዛሕትኡ ግዜ ኰነ ኢልና ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ነገር ካብ ሓሳብና ከነጥፍኦ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዀነ ግን: ነቲ ክንዝክሮ እንደሊ ነገር ብዙሕ ግዜ ከም እንርስዖ: ነቲ ቀልጢፍና ክንርስዖ እንደሊ ድማ ከም እንዝክሮ ሓቂ ኢዩ። እሞ ጳውሎስ ነዘን ኣብ ፊልጲ 3:13 ዘለዋ ቃላት ክጽሕፍ ከሎ ድኣ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ እቲ ኣብ ዙርያ ናይቲ ጥቕሲ ዘሎ ትሕዝቶ ንኽንርድኦ ይሕግዘና ኢዩ።
ኣብ ፊልጲ ምዕራፍ 3: ጳውሎስ ‘ብስጋ ዝእመነሉ’ ምኽንያታት ይገልጽ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ብዙሕ ጥቕምታት ከምጽኣሉ ዝኽእል ዝነበረ ብሉጽ ናይ ኣይሁድ መበቈልን ንሕጊ ዝነበሮ ቅንእን ተዛረበ። (ፊልጲ 3:4-6፣ ግብሪ ሃዋርያት 22:3-5) ጌና ግን ነዚ ከምዚ ዝበለ ጥቕምታት ከም ጐሓፍ ብምቍጻር ሕቑኡ ሂብዎ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓደ ዝሓይሽ ነገር ማለት “እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ” ስለ ዝረኸበ ኢዩ።—ፊልጲ 3:7, 8
ናይ ጳውሎስ ቀንዲ ሸቶ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ናይ ክብሪ ቦታ ንምርካብ ዘይኰነስ ነቲ “[“ቀዳማይ” ትሓዓ ] ትንሳኤ ምዉታት” ንምርካብ ኢዩ ነይሩ። (ፊልጲ 3:11, 12) ስለዚ ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ: ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ: ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ: ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።” (ፊልጲ 3:13, 14) ጳውሎስ ነቲ “ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ” ክብል ከሎ ነቲ ‘ኣብ ድሕሪኡ ዝነበረ ነገራት’ ፈጺሙ ካብ ሓሳቡ ሓኺኽዎ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ናይ ቀደም ዝበሎ ነገራት ዘርዚርዎ ስለ ዘሎ ጌና ይዝክሮ ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ። ብዘይካ እዚ ድማ ኣብቲ መሰረታዊ ናይ ግሪኽ ቋንቋ ምውዳእ ዘመልክት ግሲ ዘይኰነስ ቀጻሊ ነገር ዘመልክት ናይ ግሲ ዓይነት ኢዩ ተጠቒሙ ዘሎ። “እናረሳዕኩ” ድኣምበር “ብምርሳዕ” ኣይበለን።
እታ “ምርሳዕ” (ኤ·ፒ·ላን·ታʹኖ·ማይ) ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል እተፈላለየ ዓይነት ትርጕም ኢዩ ዘለዋ: ሓደ ካብኡ “ዘይምግዳስ” ወይ ድማ “ሸለል ምባል” ዝብል ኢዩ። ብመሰረት እቲ ኤክሰጀቲካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት: (ብሆርስት ባልዝን ጌርሃርድ ሸኒደር እተዳለወ) (እንግሊዝኛ) ናይታ ኣብ ፊልጲ 3:13 ዘላ “እናረሳዕኩ” እትብል ቃል ትርጉም ዘይምግዳስ ወይ ሸለል ምባል ማለት ኢዩ።For Cheker or Proofreader, I repeated the words ዘይምግዳስ: ሸለል ምባል for clarity ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ዝገደፎም ነገራት ብተደጋጋሚ ኣይሓስብን ኢዩ ነይሩ። ትሑት ኣገዳስነት ከም ዘለዎም ገይሩ ክርእዮም ከም ዘለዎ ተማሂሩ ኢዩ። ምስቲ ዝነበሮ ሰማያዊ ተስፋ ኣረኣኢኻ: እዞም ነገራት እዚኣቶም ከም “ጐሓፍ” ኢዮም ነይሮም።—ፊልጲ 3:8
ናይ ጳውሎስ ቃላት ሎሚ ብኸመይ ኢዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል፧ ሓደ ክርስትያን ልክዕ ከም ጳውሎስ ንኣምላኽ ንኸገልግል ኢሉ መስዋእትታት ገይሩ ይኸውን። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽጅምር ብዙሕ ገንዘብ ዝኽፈሎ ዓለማዊ ስራሕ ገዲፉ ይኸውን። ወይ ድማ ካብ ሃብታማት ስድራቤት ይመጽእ እሞ: ስድራቤቱ ንሓቂ ስለ ዘይቅበሉ እቲ ዝረኽቦ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይስእን ይኸውን። ከምዚኣቶም ዝበሉ መስዋእትታት ምግባር ክነኣዱ ዝግብኦም ኢዮም: እንተዀነ ግን: ብቐጻሊ ክንጭነቐሎም ዘሎና ነገራት ኣይኰኑን። ሓደ ክርስትያን ነቲ ዝጽበዮ ዘሎ ክቡር መጻኢ ብምርኣይ: ብዛዕባ እቲ ‘ብድሕሪኡ ዘሎ’ ነገራት ምጭናቕ የቋርጾ: ወይ ‘ይርስዖ’ ኢዩ።—ሉቃስ 9:62
እዚ ኣብ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ተገሊጹ ዘሎ ስርዓት ብኻልእ መገዲውን ክውዕል ይኽእል ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ቅድሚ ብዛዕባ ኣምላኽ ምምሃሩ ኣብ ጌጋ ዝዀነ ጠባይ ተጸሚዱ እንተድኣ ነይሩ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ (ቈሎሴ 3:5-7) ወይ ድማ ድሕሪ ክርስትያን ምዃኑ ከቢድ ሓጢኣት ስለ ዝፈጸመ በታ ጉባኤ ተገሲጹ ነይሩ ይኸውን። (2 ቈረንቶስ 7:8-13፣ ያእቆብ 5:15-20) ብሓቂ እንተድኣ ተናሲሑ ተለዊጡ ኰይኑ ‘ተሓጺቡ’ ጸርዩ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኢዩ። ነቲ ዝገበሮ ግን ቃል ብቓሉ ኣይርስዖን ይኸውን: ነቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንኸይደግም ካብቲ ዝሓለፈ ተመክሮኡ ምምሃሩ ግን ጥበበኛ ኢዩ ዝገብሮ። ጌና ግን: ንገዛእ ርእሱ ብቐጻሊ ብዘይምውቃሱ ‘ረሲዕዎ’ ኢዩ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። (ምስ ኢሳይያስ 65:17 ኣረኣእዮ።) ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ሓጢኣቱ ተሓዲጉሉ ስለ ዝዀነ: ነቲ ናይ ቀደም ንድሕሪት ንኽገድፍ ኢዩ ዝቃለስ።
ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ 3:13, 14 ንገዛእ ርእሱ ከም ነቲ ‘ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ዝመጣጠር’ ኣብ ውድድር ዘሎ ተቐዳዳማይ ገይሩ ኢዩ ገሊጽዋ ዘሎ። ሓደ ተቐዳዳማይ ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ኣይጥምትን ኢዩ። ብተመሳሳሊ ሓደ ክርስትያን ድማ ነቲ ብድሕሪኡ ዝገደፎ ነገራት ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ በረኸት ኢዩ ክጥምት ዘለዎ። ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ እውን ኢሉ ኢዩ:- “ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ: ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ።” (ፊልጲ 3:15) ስለዚ ድማ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ንኸተጥሪ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ: ንኣእምሮኻ ብሓሳባት ኣምላኽ ምልኣዮ። (ፊልጲ 4:6-9) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣባኻ ዘለዎ ፍቕርን ብምኽንያት ናይዚ ድማ እተስተማቕሮ ዘሎኻ በረኸትን ኣስተንትን። (1 ዮሃንስ 4:9, 10, 17-19) ብድሕርዚ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ብዛዕባ እቲ ንድሕሪት ዝገደፍካዮ ነገራት ንኸይትጭነቕ ክድግፈካ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ምጭናቕ ከም ጳውሎስ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ክቡር መጻኢ ክትጥምት ኢኻ።—ፊልጲ 3:17