ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/3 ገጽ 25-29
  • “ንድሕሪት” ኣይትርአ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንድሕሪት” ኣይትርአ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እተን ናይ ቀደም ዝሓሻ መዓልትታት
  • ዝኸፈልካዮ መስዋእትታት
  • ዘሕለፍካዮ ሕማቕ ተመክሮ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ናብ መጻኢ ‘ትኽ ኢልካ ርአ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ሰዓብየይ ኩን—እንታይ የድሊ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/3 ገጽ 25-29

“ንድሕሪት” ኣይትርአ

“ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ።”​—ሉቃ. 9:62።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

‘ንሰበይቲ ሎጥ ክንዝክራ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ነየናይ ሰለስተ ነገራት ኢና ንኣእምሮና ኺቈጻጸሮ ኽንሓድጎ ዘይብልና፧

ምስ ውድብ የሆዋ ማዕረ ማዕረ ኽንስጕም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

1. የሱስ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃበ፧ እንታይ ሕቶኸ እዩ ዚብገስ፧

“ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ።” (ሉቃ. 17:32) እዚ 2,000 ዓመት ይገብር የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ሎሚ ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ነቶም ሽዑ እተዛረቦም ኣይሁድ፡ ተወሳኺ መብርሂ ኺወሃቦም ኣየድልን እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ንሰበይቲ ሎጥ እንታይ ከም ዜጋጠማ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ሰበይቲ ሎጥ፡ ምስ ስድራ ቤታ ኻብ ሶዶም ክትሃድም ከላ፡ ንድሕሪት ከይትጥምት ንእተዋህባ ትእዛዝ ጥሒሳ ንድሕሪት ጠመተት፡ ሓወልቲ ጨው ከኣ ኰነት።—ዘፍጥረት 19:17, 26 ኣንብብ።

2. ሰበይቲ ሎጥ ንድሕሪት ዝጠመተት ስለምንታይ እያ፧ ብዘይምእዛዛኸ እንታይ እያ ኣጥፊኣ፧

2 ሰበይቲ ሎጥ ንድሕሪት ዝጠመተት ስለምንታይ እያ፧ እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ንኽትፈልጥ ስለ እተሃንጠየት ድዩ፧ ነቲ እተባህለ ስለ ዘይኣመነቶ ድዩ፧ ወይስ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ሶዶም ዝሓደገቶ ንብረታ ሃርር ስለ ዝበለቶ፧ (ሉቃ. 17:31) ንድሕሪት ዝጠመተትሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ብዘይምእዛዛ ህይወታ ኣጥፊኣ እያ። ሕስብ እሞ ኣብሎ። ሰበይቲ ሎጥ፡ እቶም ብልሹዋት ተቐማጦ ሶዶምን ጎሞራን ኣብ ዝጠፍኡላ መዓልቲ እያ ጠፊኣ። የሱስ፡ “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ኺብል እምበኣር ሓቁ እዩ።—ሉቃ. 17:32።

3. የሱስ ብምሳልያዊ መገዲ ንድሕሪት ክንርኢ ኸም ዘይብልና ዘጕልሐ ብኸመይ እዩ፧

3 ንሕና እውን ብምሳልያዊ መገዲ ንድሕሪት ምጥማት ኣብ ዘይግብኣሉ ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። የሱስ ነቲ ወደ መዝሙሩ ቕድሚ ምዃኑ ንስድራ ቤቱ ኺሰናበት ኪፍቀደሉ ዝሓተተ ሰብኣይ ኪምልሰሉ ኸሎ፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ” በለ። (ሉቃ. 9:62) የሱስ ተሪር ወይ ዘይርትዓዊ ሰብ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ከመይሲ፡ እቲ ሰብኣይ ከምኡ ኢሉ ዝሓተተሉ ምኽንያት ካብ ሓላፍነት ኪሃድም ስለ ዝደለየ ምዃኑ፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነዚ ምድንጓይ እዚ “ንድሕሪት” ምርኣይ ከም ዝዀነ ገይሩ ኸኣ ጠቒስዎ ኣሎ። ሓደ ሓረስታይ ኣብ ድሕሪኡ ንዘሎ ኺርኢ ቝሊሕ እንተ ኢሉ ወይ ከኣ ዕርፉ ኣቐሚጡ ግልጽ እንተ ኢሉ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧ ካብ ዕዮኡ ስለ ዚተዓናቐፍ፡ ዕዮኡ ኺትንከፍ ይኽእል እዩ።

4. ኣብ ምንታይ ጥራይ ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧

4 ብኣቓልቦና ናብ ሕሉፍ ኣብ ክንዲ እንጥምት፡ ኣብ ቅድሜና ጥራይ ከነተኵር ኣሎና። እዚ ኣብ ምሳሌ 4:25 ብኸመይ ብንጹር ከም እተገልጸ ኣስተብህል። እታ ጥቕሲ፡ “ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርአያ፡ ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ” ትብል።

5. ንድሕሪት ዘይንጥምተሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧

5 ንድሕሪት ዘይንጥምተሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1) ሎሚ፡ ክልተ እኩያት ከተማታት ጥራይ ዘይኰናስ፡ ምሉእ ስርዓት ዓለም ኪጠፍእ ኢና እንጽበ ዘለና። ከምቲ ንሰበይቲ ሎጥ ዘጋጠማ ምእንቲ ኸየጋጥመና፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ መጀመርታ፡ ንገለ ኻብቲ ንኽንጥምቶ ኺፍትነና ዚኽእል ኣብ ድሕሬና ዘሎ ነገራት ከነለልዮ የድሊ። (2 ቈረ. 2:11) ስለዚ እምበኣር፡ ነዚ ፈታኒ ነገራትን ኣብኡ ንኸይነተኵር እንታይ ክንገብር ከም ዘሎናን ንርአ።

እተን ናይ ቀደም ዝሓሻ መዓልትታት

6. ሓድሓደ ግዜ ንነገራት ብልክዕ ክንዝክሮ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

6 ሓደ ኻብቲ ሓደገኛ ነገር፡ ብዛዕባ እተን ዝሓሻ ዚመስላ ናይ ቀደም መዓልታት እተዛብዐ ኣረኣእያ ምሓዝ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ንነገራት ብልክዕ ከይንዝክሮ ንኽእል ኢና። ከይተፈለጠና፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዜጋጥመና ዝነበረ ጸገማት ኣቕሊልና ኽንርእዮ፡ ነቲ እንረኽቦ ዝነበርና ሓጐስ ከኣ ኣጋኒንና ኽንምልከቶ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ዝሓለፈ ዅነታት፡ ዝሓሸ ኸም ዝነበረ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እዚ እተዛብዐ ተዝክሮ እዚ፡ ነተን ናይ ቀደም ዝሓሻ መዓልትታት ከም እንናፍቐን ኪገብረና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሻ ስለምንታይ እዩ፧ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኰንካን እትሐቶ ዘሎኻ” ብምባል የጠንቅቕ። (መክ. 7:10) እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዚ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7-9. (ሀ) ነቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን እንታይ ኣጋጠሞም፧ (ለ) እስራኤላውያን ከም ዚሕጐሱ ኺገብሮም ዚኽእል እንታይ ተመክሮ እዩ ነይርዎም፧ (ሐ) እስራኤላውያን ብዛዕባ እንታይ እዮም ኬንጸርጽሩን ኬጕረምርሙን ዝጀመሩ፧

7 ነቶም ኣብ ግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን እንታይ ከም ዘጋጠሞም ንርአ። ግብጻውያን ነቶም ኣብ ሃገሮም ዝነበሩ እስራኤላውያን መጀመርታ ኸም ኣጋይሽ ይቘጽርዎም እኳ እንተ ነበሩ፡ ድሕሪ ሞት ዮሴፍ ግና፡ ‘ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኼጽብቡሎም ኣዘዝቲ ሸሙሎም።’ (ዘጸ. 1:11) ኣማስያኡ ኸኣ ፈርኦን፡ እስራኤላውያን ምእንቲ ኸይበዝሑ ኢሉ ኣብ ልዕሊኦም ጃምላዊ ቕትለት ኪፍጽም ተሃንደደ። (ዘጸ. 1:15, 16, 22) የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ፡ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ አሎኹ” እንተ በለ እምበኣር፡ ዜገርም ኣይኰነን።—ዘጸ. 3:7።

8 እስራኤላውያን ካብታ ባሮት ኰይኖም ዚነብሩላ ዝነበሩ ሃገር ሓራ ምስ ወጹ እተሰምዖም ሓጐስ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ምኸኣልካ፧ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ፈርኦንን ህዝቡን ዓሰርተ መዓት ብምውራድ ዝፈጸሞ ተኣምራት ብዓይኖም ርእዮምዎ እዮም። (ዘጸኣት 6:1, 6, 7 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ሓራ ኺወጹ ኻብ ምፍቃድ ሓሊፎም፡ ወርቅን ብሩርን ሂቦም ቀልጢፎም ኪወጹሎም ሃወኽዎም። እቲ ዝሃብዎም ወርቅን ብሩርን ኣዝዩ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ እኳ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ‘ንሰብ ግብጺ ኸም ዝገፈፍዎም’ ተቘጺሩ ኣሎ። (ዘጸ. 12:33-36) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እስራኤላውያን ፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኺጥሕሉ ብምርኣዮም ተሓጒሶም እዮም። (ዘጸ. 14:30, 31) ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ ፍጻመታት ኪፍጸም ከሎ ብዓይኖም ምርኣዮም፡ ንእምነቶም ኬደልድላ ነይርዎ።

9 ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ብተኣምራዊ መገዲ ምስ ደሓኑ ነዊሕ ከይጸንሑ ኼንጸርጽሩን ኬጕረምርሙን ጀመሩ። ብዛዕባ እንታይ፧ ብዛዕባ ምግቢ። በቲ የሆዋ ዝሃቦም ነገራት ስለ ዘይዓገቡ፡ “እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝበላዕናዮ ዓሳ፡ ዱባን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን ዘከርና። ሕጂ ግና ገለ እኳ የልቦን፡ ብጀካ ማና እንርእዮ የብልናን እሞ፡ ነፍስና ነቐጸት” ብምባል ኣዕዘምዘሙ። (ዘሁ. 11:5, 6) እወ፡ ኣረኣእያኦም ኣዝዩ ስለ እተዛብዐ፡ ናብታ ባሮት ኰይኖም ዚነብሩላ ዝነበሩ ሃገር ኪምለሱ ደለዩ። (ዘሁ. 14:2-4) ንድሕሪት ብምርኣዮም ከኣ ሞገስ የሆዋ ሰኣኑ።—ዘሁ. 11:10።

10. እቲ እስራኤላውያን ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፈልና፧

10 እዚ ንዓና እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፈልና፧ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብቲ ጽቡቕ ዚመስል ዝሓለፈ ነገራት ኣይነተኵር። እዚ ነቲ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥና ዝነበረ ነገራት እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ኻብ ሕሉፍ ተመክሮ ዝረኸብናዮ ትምህርቲ ወይ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ከነስተንትን ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ኣለዎ። እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ በቲ ህሉው ኵነታትና እምብዛ ስለ እንጕሂ፡ ናብቲ ሕሉፍ ናብራና ንኽንምለስ ክንፍተን ንኽእል ኢና።—2 ጴጥሮስ 2:20-22 ኣንብብ።

ዝኸፈልካዮ መስዋእትታት

11. ገሊኣቶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝኸፈልዎ መስዋእትታት ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧

11 ገሊኣቶም ናብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝኸፈልዎ መስዋእትታት ስለ ዚጥምቱ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸም ዘምለጦም ኰይኑ ይስምዖም። ንስኻውን ምናልባት፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ንምክትታል፡ ተፈላጥነት ንምርካብ፡ ወይ ከኣ ብዙሕ ገንዘብ ንምውናን ኣጋጣሚ ረኺብካ ኸተብቅዕ፡ ንኸይትስዕቦ ወሲንካ ትኸውን። ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዓውዲ ስራሕ፡ መዘናግዒ፡ ትምህርቲ፡ ወይ ስፖርት ዝለዓለ ደረጃ ኺረኽቡሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚታት ሓዲጎም እዮም። ሕጂ ግና ግዜ ሓሊፉ፡ መወዳእታ ኸኣ ገና ኣይመጸን። ስለዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ከፊልካ እንተ ዄንካ፡ ‘ነዚ መስዋእትታት እዚ እንተ ዘይከፍል ነይረስ፡ ኣበይ ኰን ምበጻሕኹ፧’ እናበልካ ተስቈርቍር ዲኻ፧

12. ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ንድሕሪት ዝሓደጎ ነገራት እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧

12 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሰዓቢ ክርስቶስ ንኪኸውን ብዙሕ ነገራት ራሕሪሑ እዩ። (ፊል. 3:4-6) ብዛዕባ እቲ ንድሕሪኡ ዝሓደጎ ነገራት እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ይነግረና፦ “እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። . . . ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ።”a (ፊል. 3:7-8) ልክዕ ከምቲ ጐሓፍ ዚጕሕፍ ሰብ፡ በቲ ዝጐሓፎ ነገራት ዘይጠዓስ፡ ጳውሎስ እውን በቲ ዝሓደጎ ኣጋጣሚታት ኣይተጣዕሰን። እወ፡ ዚረብሕ ነገር ከም ዝሓደገ ዀይኑ ኣይተሰምዖን።

13, 14. ነቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ኢና ኽንስዕቦ እንክእል፧

13 እቲ ኸም ዘምለጠካ ዀይኑ ዚስምዓካ ዝሓለፈ ኣጋጣሚታት ኣብ እእምሮኻ እናመጸ ዜሸግረካ እንተ ዀይኑ፡ ንኸተሰንፎ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ነቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ስዓብ። ብኸመይ፧ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ረኺብካዮ ዘሎኻ ኽቡር ነገራት ሕሰብ። ምስ የሆዋ ኽቡር ርክብ ኪህልወካ ኽኢሉ እዩ፣ የሆዋ ኸም እሙን ሰብ ገይሩ እዩ ዚርእየካ። (እብ. 6:10) ዓለም ምስቲ ሕጂ ዝረኸብናዮን ኣብ ዚመጽእ እንረኽቦን መንፈሳዊ በረኸት ኪዳረግ ዚኽእል እንታይ ስጋዊ ነገራት እያ እሞ ኽትህበና እትኽእል፧—ማርቆስ 10:28-30 ኣንብብ።

14 እቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝጠቐሶ፡ “ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡” ዚብል ሓሳብ፡ ንዓና እውን ብተኣማንነት ንኽንቅጽል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ፊል. 3:13) ኣብዚ፡ ጳውሎስ ክልተ ኣድለይቲ ነገራት ከም ዘጕልሐ ኣስተብህል። ቀዳማይ፡ ነቲ ኣብ ድሕሪት ዝገደፍናዮ ነገራት ክንርስዖ ደኣ እምበር፡ ብዛዕባኡ ብምጭናቕ ሓይልናን ግዜናን ከነጥፍእ የብልናን። ካልኣይ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ዝበጽሐ ጐያዪ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ነገር ብምትኳር ንቕድሚት ክንውንጨፍ ኣሎና።

15. ብዛዕባ እቲ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገደፉልና ኣብነት ምስ እነስተንትን እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧

15 ብዛዕባ እቲ ቐደም ዝነበሩ ወይ ሕጂ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገደፉልና ኣብነት ምስ እነስተንትን፡ ንቕድሚት ደኣ እምበር ንድሕሪት ንኸይንጥምት ክንድረኽ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብርሃምን ሳራን ወትሩ ብዛዕባ ኸተማ ኡር ዚሓስቡ ነይሮም እንተ ዝዀኑ፡ “ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም” እዩ። (እብ. 11:13-15) ንሳቶም ግና ኣይተመልሱን። ሙሴ ኣብ ፈለማ፡ ካብቲ እስራኤላውያን ጸኒሖም ዝገደፍዎ ኣዝዩ ዝበለጸ ነገራት እዩ ገዲፉ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ነገራት እዚ ኸም ዝናፈቖ ዚገልጽ ጸብጻብ የለን። ኣብ ክንዳኡስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ሙሴ “ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ” እዩ ዚብለና።—እብ. 11:26።

ዘሕለፍካዮ ሕማቕ ተመክሮ

16. ዝሓለፈ ተመክሮታት እንታይ ጽልዋ እዩ ኺገብረልና ዚኽእል፧

16 ይኹን እምበር፡ ሕማቕ ተመክሮ እውን ኣሕሊፍና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ወይ ዝገበርናዮ ጌጋታት፡ እምብዛ ንሓስብ ንኸውን። (መዝ. 51:3) እቲ ሽዑ እተዋህበና ተሪር ተግሳጽ፡ ሕጂ እውን ይስምዓና ይኸውን። (እብ. 12:11) ኣብ ልዕሌና እተፈጸመ ዘይፍትሓውነት ወይ ዘይፍትሓዊ ዀይኑ እተሰምዓና ነገራት፡ ኣብ ኣእምሮና እናመጸ የሸግረና ይኸውን። (መዝ. 55:2) ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ንድሕሪት ከም እንጥምት ምእንቲ ኸይገብረና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ሰለስተ ኣብነታት ንርአ።

17. (ሀ) ጳውሎስ፡ ‘ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ዝበለ’ ምዃኑ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ሕማቕ ሓሳባት ንኣእምሮኡ ንኸይቈጻጸሮ ዝሓገዞ እንታይ፧

17 ሕሉፍ ጌጋታት። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንኣይ፡ ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል” ብምባል ብዛዕባ ርእሱ ኣትሒቱ ተዛሪቡ ኣሎ። (ኤፌ. 3:8) ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ተሰሚዕዎ፧ “ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ” ብምባል ምኽንያቱ ገሊጹልና ኣሎ። (1 ቈረ. 15:9) ምስ ገለ ኻብቶም ኣቐዲሙ ዚሰጕጎም ዝነበረ ሰባት ምስ ተራኸበ፡ እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ፡ እዚ ሕማቕ ሓሳባት እዚ ንኣእምሮኡ ኺቈጻጸሮ ኣብ ክንዲ ዚፈቅድ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ጸጋን ምሕረትን ኣተኰረ። (1 ጢሞ. 1:12-16) እዚ ሞሳ እዚ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎቱ ኪቕጽል ድራኸ ኣሕደረሉ። ጳውሎስ “ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ” ኺብል ከሎ፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸሞ ሓጢኣት እውን ከይተረፈ ይርስዖ ነይሩ ማለት እዩ። ንሕና እውን ኣብቲ የሆዋ ዘርኣየና ምሕረት ነተኵር እንተ ዄንና፡ በቲ ኽንቅይሮ ዘይንኽእል ዝሓለፈ ነገራት እናተጨነቕና ብዘየድሊ ሓይልና ኣይክንጽንቅቕን ኢና። ንሓይልና ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከነውዕሎ ኢና።

18. (ሀ) ብእተዋህበና ምኽሪ ነስቈርቍር እንተ ዄንና እንታይ ኬጋጥመና ይኽእል፧ (ለ) ነቲ ሰሎሞን ብዛዕባ ምኽሪ ዝሃቦ ሓሳብ ብኸመይ ኢና ኽንስዕቦ እንኽእል፧

18 ተሪር ምኽሪ። ብእተዋህበና ምኽሪ ነስቈርቍር ንኸውን። እዚ ድማ ካብ ጓሂ ሓሊፉ፡ ‘ሕልናና ኣዕሪቡ’ ኼማስነና ይኽእል እዩ። (እብ. 12:5) ነቲ ምኽሪ ብምንጻግ እንተ ‘ንዒቕናዮ፡’ ወይ ከኣ ተቐቢልናዮ ኸነብቅዕ ጸኒሕና እንተ ተሓሊልና፡ እቲ ምኽሪ እቲ ኣይኪጠቕመናን ወይ ኣይኪዅልዓናን እዩ። ነቲ “ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን” ዚብል ምኽሪ ሰሎሞን ምስዓቡ ዝሓሸ እዩ። (ምሳ. 4:13) ልክዕ ከምቲ ሓደ መራሕ ማኪና ንምልክታት ትራፊክ ዚእዘዞ፡ ንሕና እውን ነቲ እተዋህበና ምኽሪ ንቀበሎ፡ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ፡ ንቕድሚት ከኣ ንሰጕም።—ምሳ. 4:26, 27፣ እብራውያን 12:12, 13 ኣንብብ።

19. ነታ ኣንባቆምን ኤርምያስን ዘርኣይዋ እምነት ብኸመይ ክንቀድሓ ንኽእል፧

19 ዘይፍትሓውነት—ዘጋጠመ ወይ ዚመስል። ሓድሓደ ግዜ ኸምቲ ንነብዪ ኣንባቆም እተሰምዖ ይስምዓና ይኸውን። ኣንባቆም፡ የሆዋ ዘይፍትሓዊ ነገራት ንኺፍጸም ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ስለ ዘይተረድኦ፡ ፍትሒ ደልዩ ናብ የሆዋ ኣእወየ። (ኣን. 1:2, 3) ይኹን እምበር፡ ጸኒሑ፡ “ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ” ስለ ዝበለ፡ ንእምነቱ ኽንቀድሓ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (ኣን. 3:18) ከምቲ ኣብ የሆዋ ምሉእ እምነት ዝነበሮ ነብዪ ኤርምያስ፡ ብየሆዋ ‘ተስፋ ንገብር’ እንተ ዄንና እውን፡ ኵሉ ነገራት ኣብ ግዜኡ ኸም ዚዕረ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ድጕ. 3:19-24።

20. ነቲ፡ “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ዚብል ምኽሪ ኸም እንእዘዞ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ኣብ ህጹጽ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ኣብዚ ግዜና ዜደንቕ ፍጻመታት ኪፍጸም ንርኢ ኣለና፣ ብሕጂ ዚርአ ተወሳኺ ፍጻመታት እውን ኣሎ። ስለዚ እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ምስ ውድብ የሆዋ ማዕረ ማዕረ ንሰጕም። ነቲ ንቕድሚት ደኣ እምበር፡ ንድሕሪት ከይንርኢ እተዋህበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንስዓቦ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ፡ “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ዚብል ምኽሪ ኸም እንእዘዞ ነርኢ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ኣብዚ “ጐሓፍ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ንኣኽላባት ዚድርበ ነገር፡” “ዒባ፡” “ቀልቀል” ዚብል ትርጕም እዩ ዘለዋ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ ጳውሎስ ነታ ቓል፡ ሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ንዚነጽጎ ነገራት ንምምልካት ከም እተጠቕመላ ገለጸ። እቲ ሰብ፡ ነቲ ነገር እቲ ኸም ዘይረብሕን ዜፈንፍንን ገይሩ ስለ ዚርእዮ፡ ተመሊሱ ኺርእዮ እውን ኣይደልን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ