ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 8-9
ሰዓብየይ ኩን—እንታይ የድሊ፧
ሓደ ሓረስታይ፡ ትኽ ዝበለ ነግሒ ወይ ትልሚ ምእንቲ ኼውጽእ፡ በቲ ኣብ ድሕሪኡ ዘሎ ነገር ኣቓልቦኡ ኺስረቕ የብሉን። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ክርስትያን እቲ ኣብ ዓለም ሓዲግዎ ዝመጸ ነገራት ኣቓልቦኡ ኺሰርቆ ኼፍቅድ የብሉን።—ፊል 3:13።
ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ‘ነተን ናይ ቀደም ዝሓሻ መዓልትታት፡’ ምናልባት እውን ነተን ናብ ሓቂ ቕድሚ ምምጻእና ዝነበራ መዓልትታት ንምነየን ንኸውን። ከምዚ ኺስምዓና ኸሎ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዝነበረና ሓጐስ ኣጋኒንና፡ ነቲ ጸገማትና ግና ኣነኣኢስና ኢና እንዝክሮ። እስራኤላውያን እውን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ኸምኡ እዮም ገይሮም። (ዘሁ 11:5, 6) ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ሓሳብ ነስተንትን እንተ ዄንና፡ ናብ ናይ ቀደም ናብራና ንኽንምለስ ክንፍተን ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ሕጂ ረኺብናዮ ዘሎና በረኸት ምሕሳብን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንረኽቦ ሓጐስ ምስትንታንን ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!—2ቈረ 4:16-18።