ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ቈረንቶስ 7-10
ኣገልግሎት ረድኤትና
ክርስትያናት ክልተ ኽፋል ዘለዎ ኣገልግሎት ኣለዎም፣ እዚ ኸኣ እቲ ሓደ ኽፋል “ኣገልግሎት ዕርቂ” ወይ ስብከትን ናይ ምምሃር ዕዮን ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ክፋል ድማ ምእንቲ ኣመንቲ ብጾትና እንገብሮ “ኣገልግሎት ረድኤት” እዩ። (2ቈረ 5:18-20፣ 8:4) ስለዚ፡ ንእተጸገሙ ክርስትያናት ምሕጋዝ፡ ክፍሊ እቲ ቕዱስ ኣገልግሎትና እዩ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ምክፋልና፡