“እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ።”—2ቈረ 5:14
ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ዲኻ፧
ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸተገልግሎ ትደሊዶ፧ (2ቈረ 5:14, 15) ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ሓገዝቲ ፈለምቲ፡ 30 ወይ 50 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ፍሉይ ንጥፈት እዚ ኽትካፈል ትኽእል እንተ ደኣ ዄንካ፡ ፎርም መሊእካ ንኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ሃቦም። ኣብ ወወርሒ ስማት እቶም ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ከገልግሉ እተፈቕደሎም፡ ነታ ጉባኤ ይንገራ እዩ። በዚ ኸምዚ እታ ጉባኤ ነቶም ፈለምቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ክትሕግዞም ትኽእል። ሃየ እምበኣር፡ ኵላትና ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ፡ ነቲ ናይ ምስባኽ ክእለትና ንምምሕያሽን ንሓድሕድና ንምትብባዕን ተኸፊቱልና ዘሎ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ።—1ተሰ 5:11።