ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 10 ገጽ 30
  • ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰበይቲ ሎጥ ንድሕሪት ግልጽ በለት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ኪዳን ኣተወ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንዘለዉ ሰባት ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 10 ገጽ 30
ሎጥን ኣዋልዱን ካብ ሶዶም እናኣምለጡ፡ ሰበይቲ ሎጥ ሓወልቲ ጨው ትኸውን

ትምህርቲ 10

ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ

ሎጥ ምስ ሓው ኣቦኡ ኣብርሃም ኣብ ምድሪ ከነኣን ይነብር ነበረ። ጥሪት ኣብርሃምን ሎጥን ኣዝየን ስለ ዝበዝሓ ኸኣ፡ እታ ምድሪ ንኽልቲኦም ኣይኣኸለቶምን። ኣብርሃም ከኣ ንሎጥ፡ ‘ብሓንሳእ ኣብ ሓደ ቦታ ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ናበየናይ ሸነኽ ክትከይድ ከም እትደሊ ምረጽ፣ ኣነ እውን ብኣንጻሩ ክኸይድ እየ’ በሎ። በዚ ኸምዝስ ኣብርሃም ንጥቕሚ ኻልእ ከም ዜቐድም ደይኰነን ኣርእዩ፧

ሎጥ ድማ ኣብ ጥቓ ሶዶም እትብሃል ከተማ፡ ጽቡቕ መሬት ረኣየ። ኣብኡ እኹል መሬትን ሳዕርን ነበረ። ስለዚ፡ ነቲ ቦታ እቲ መረጸ እሞ ምስ ስድራ ቤቱ ናብኡ ኸደ።

ነበርቲ ሶዶምን ነበርቲ እታ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ ጎሞራን ክፉኣት ነበሩ። ኣመና ኽፉኣት ስለ ዝነበሩ ድማ፡ የሆዋ ንኽልቲአን ከተማታት ኬጥፍአን ወሰነ። ንሎጥን ንስድራ ቤቱን ግና ኬድሕኖም ደለየ፣ ስለዚ፡ ዜጠንቅቕዎም ክልተ መላእኽቲ ሰደደሎም፣ ንሳቶም ከኣ፡ ‘ቀልጥፉ! ካብዛ ኸተማ ውጹ! የሆዋ ኼጥፍኣ እዩ’ በልዎም።

ሎጥ ግና ቀልጢፉ ኣይወጸን። የግዳስ፡ ደንጐየ። ስለዚ፡ እቶም መላእኽቲ ንሎጥን ንሰበይቱን ንኽልተ ኣዋልዱን ብኢዶም ሒዞም ተቐላጢፎም ካብታ ኸተማ ኣውጽእዎም። ድሕሪኡ፡ ‘ቀልጥፉ! ምእንቲ ህይወትኩም ኣምልጡ! ንድሕሪት ግልጽ ኣይትበሉ። ንድሕሪት ግልጽ እንተ ኢልኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም!’ በልዎም።

ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን፡ ሓውን ዲንን ይዘንም

ኣብ ከተማ ጾዓር ምስ በጽሑ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን፡ ሓውን ዲንን ኣዝነመ። እተን ክልተ ኸተማታት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ጠፍኣ። ሰበይቲ ሎጥ ትእዛዝ የሆዋ ኣፍሪሳ ንድሕሪት ግልጽ ምስ በለት ድማ፡ ሓወልቲ ጨው ኰነት! ሎጥን ኣዋልዱን ግና ንየሆዋ ስለ እተኣዘዝዎ፡ ካብቲ ጥፍኣት ደሓኑ። ሰበይቲ ሎጥ ብዘይምእዛዛ ብዙሕ ሓዚኖም ኪዀኑ ኣለዎም። ነቲ የሆዋ ዝሃቦም መምርሒ ብምስማዖም ግና፡ ተሓጒሶም እዮም።

“ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ።”—ሉቃስ 17:32

ሕቶታት፦ ስለምንታይ እዩ የሆዋ ንሶዶምን ንጎሞራን ኣጥፊእወን፧ ስለምንታይ እያ ሰበይቲ ሎጥ ሓወልቲ ጨው ኰይና፧

ዘፍጥረት 13:1-13፣ 19:1-26፣ ሉቃስ 17:28, 29, 32፣ 2 ጴጥሮስ 2:6-9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ