ዛንታ 15
ሰበይቲ ሎጥ ንድሕሪት ግልጽ በለት
ሎጥን ስድራቤቱን ምስ ኣብርሃም ኣብ ምድሪ ከነኣን ይነብሩ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብርሃም ንሎጥ ከምዚ በሎ:- ‘እዛ ምድሪ ንኸብትና ክትጾሮም ኣይከኣለትን። በጃኻ ንፋላለ። ንስኻ ናብ ሓደ ወገን እንተ ኸድካ ኣነ ኸኣ ናብቲ ኻልእ ወገን እኸይድ።’
ሎጥ ነታ ምድሪ ጠመታ። ንኸብቱ ዝኸውን ማይን ብዙሕ ሳዕርን ዘለዎ ጽቡቕ ዝዀነ ወገን ናይቲ ሃገር ከኣ ረኣየ። እዚ ኸኣ ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከብ ኣውራጃ ነበረ። ስለዚ ሎጥ ንስድራቤቱን ንዅሎም ከብቱን ናብቲ ቦታ ኣግዓዘ። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሶዶም ገበረ።
እቶም ኣብ ሶዶም ዝነበሩ ሰባት ኣዝዮም እኩያት ኢዮም ነይሮም። ሎጥ ቅኑዕ ሰብ ስለ ዝነበረ እዚ ተግባር እዚ ኣጕሃዮ። ኣምላኽ እውን ጕህዩ ነበረ። ኣብ መወዳእትኡ: ኣምላኽ ብምኽንያት እቲ እከይ ግብረን ንሶዶምን ኣብ ከባቢኣ ዝነበረት ጎሞራን ከጥፍአን ምዃኑ ዘጠንቅቕዎ ክልተ መላእኽቲ ንሎጥ ሰደደሉ።
እቶም መላእኽቲ ንሎጥ ‘ንሰበይትኻን ነዘን ክልተ ኣዋልድካን ሒዝካ ውጻእ: ኢሎም ሃወኽዎ።’ ሎጥን ስድራቤቱን ግን ቍሩብ ድንጕይ በሉ: ስለዚ እቶም መላእኽቲ በእዳዎም ሒዞም ካብታ ከተማ ኣውጽእዎም። ድሕርዚ ሓደ ካብቶም መላእኽቲ ‘ነብስኹም ኣድሕኑ። ንድሕሪት ግልጽ ኣይትበሉ። ምእንቲ ከይትጠፍኡ ናብ ከረን ኣቢልኩም ህደሙ’ በሎም።
ሎጥን እተን ኣዋልዱን ተኣዘዙ: ካብ ሶዶም ከኣ ሃደሙ። ንሓንቲ እዋን እውን ትኹን ደው ኣይበሉን: ንድሕሪት እውን ኣይጠመቱን። ሰበይቲ ሎጥ ግን ኣይተኣዘዘትን። ካብ ሶዶም ገለ ቁሩብ ምስ ወጹ: ደው በለት ንድሕሪት ከኣ ግልጽ በለት። ብድሕርዚ ሰበይቲ ሎጥ ዓንዲ ጨው ኰነት። ኣብዚ ስእሊ ትርእያዶ ኣለኻ፧
ካብዚ ጽቡቕ ትምህርቲ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ነቶም ዝእዘዝዎ ከም ዘድሕን የርእየና: እቶም ዘይእዘዝዎ ግን ህይወቶም ከጥፍኡ ኢዮም።