ካብቲ ዘንጸላልወካ ዘሎ ሓደጋ ርሓቕ
ብዛዕባ ሓደጋ ዝመጸ ከም ባሕረኛታት ገይሩ ዝነቅሕ ወይ ዝጥንቀቕ ሰብ ዳርጋ የለን። ኣብ ኵነታት ኣየርን ማዕበልን ዝግበር ለውጥታትን መርከቦም ድማ ክሳዕ ክንደይ ናብ ገምገም ባሕሪ ብዛዕባ ምቕራባን ንቑሓት ክኾኑ ኣለዎም። ማዕበልን ንፋስን ሓቢሮም ንመርከቦም ናብ ደረት ባሕሪ ዝኹብኩብዋ እንተድኣ ኾይኖም ባሕረኛታት ብርቱዕ ጻዕርን ሓደጋን ኢዩ ዘጋጥሞም።
ከምዚ ዘመሰለ ነታ መርከብ ኣብ ሓደጋ ከውድቓ ዝኽእል ገምገም ባሕሪ ከጋጥም ከሎ: ብፍላይ እታ መርከብ ብጋንጽላ እንተድኣ ኰይና እትድፋእ: እቲ ባሕረኛ ኣብ መንጎ ጃልብኡን ኣብ መንጎ እቲ ገምገም ባሕርን ዘተኣማምን ርሕቀት ንምግባር ብዙሕ ጻዕሪ ክህልዎ ኣለዎ። ሓንቲ ናይ ባሕረኛታት መምርሒት መጽሓፍ: እቲ ሓደ ባሕረኛ ዝረኽቦ ዝኸፍአ ኵነታት ‘ኣብ ሓደገኛ ገምገም ባሕሪ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ምስ ዘጋጥሞ ኢዩ’ ኢላ ትገልጽ። ብዛዕባ መፍትሒኡኸ እንታይ ኢላ ትምዕድ? ኣብ ሑጻ ወይ ኣብ ከውሒ ናይ ደንደስ ባሕሪ ምእንቲ ከይትሽከል ንጃልባኻ ፈጺምካ ኣብ ከምዚ ዝበለ መንቀራቕሮ ኣይትውሰዳ። እቲ ዝሓሸ መገዲ ካብ ሓደጋ ኣጸቢቕካ ምርሓቕ ኢዩ።
ክርስትያናት እውን ከምኡ ብዛዕባቲ ንናይ እምነት መርከቦም ክሰብር ዝኽእል ሓደጋታት ጥንቁቓት ክኾኑ ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 1:19) ዘሎናዮ ኵነታት ተለዋዋጢ ድኣ እምበር ተኣማሚንካ ሃዲእካ እትጐዓዘሉ እዋን ኣይኰነን። ከምቲ ሓንቲ ጃልባ ብንፋስን ብማዕበልን ካብ ጐደናኣ ተኾብኪባ ክትወጽእ እትኽእል ከምኡ እውን እቲ ውፉይ ህይወትና: ብምኽንያት እቲ ዘየቋርጽ ምውጣጥ ናይቲ ዘይፍጹም ስጋናን እዚ ሕጂ ዳርጋ ህቦብላ ኾይኑ ዘሎ ንሕስያ ዘይብሉ ጽፍዒት መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣን ኣንፈቱ ክስሕት ይኽእል ኢዩ።
ብሓደገኛ ኵነታት ተኸቢቡ ዝነብር ዝነበረ ሰብ
ከይፈለጥካ ናብ ሓደገኛ መንፈሳዊ ማይ ህሩግ ምባልሲ ክንደይ ቀሊል ኰን ኢዩ!
ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥቓ ምዉት ባሕሪ ዝበሃል ብመሬት ዝተኸበበ ቐላይ ማይ ዝተፈጸመ ኣብነት እሞ ንሕሰብ። ኣብነት ናይ ሎጥ ኢና ንብል ዘሎና። ኣብ ሶዶም ንኽነብር ምውሳኑ ብዙሕ ጸገማትን ብዙሕ ጓህን ኣምጺእሉ ኢዩ። ናይ ክልቲኦም ጓሶት ምስ ተቋየቑ ኣብርሃምን ሎጥን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንኽነብሩ ተሰማምዑ። ሎጥ ኣውራጃ ናይ ዮርዳኖስ መሪጹስ ድንኳኑ ኣብ መንጎ ከተማታት ናይቲ ኣውራጃ ተኸለ ኢዩ ዝብለና። ጸኒሑ ድማ እቲ ዓይነት ናብራ ሶዶማውያን የጨንቖ እኳ እንተነበረ ኣብ ሶዶም ንኽነብር ወሰነ። — ዘፍጥረት 13:5–13። 2 ጴጥሮስ 2:8።
ስለምንታይ ኢዩ ሎጥ ኣብታ ብርኽሰታ ዕልልቲ ዝነበረት ንየሆዋ ኣጸቢቓ ዘቐየመትን አረ ነቶም ኣብ ጥቓኣ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ዘእወየትን ከተማ: ናብርኡ ዝቐጸለ? ሶዶም ብልጽግቲ ኢያ ነይራ ሰበይቲ ሎጥ ድማ በቲ ስጋዊ ጥቕምታት ናብራ ከተማ ከም ዝተሳሕበት ዘየጠራጥር ኢዩ። (ህዝቅኤል 16:49, 50) ምናልባሽ ሎጥ እውን በቲ ወንኻ ዘለዓዕል ኢኮኖሚ ሶዶም ተሳሒቡ ኢዩ። ኣብኣ ንኽነብር ዝገበሮ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ብዘየገድስ ቅድሚ እቲ ዳሕራይ ዝወጸሉ ግዜ ኣቐዲሙ ኢዩ ክወጽእ ዝነበሮ። ሎጥን ስድርኡን ብመላእኽቲ የሆዋ ህጹጽ ምግዳድ ምስ ተገብረሎም ኢዮም ኣብ መወዳእታ ነቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ዝገደፍዎ።
ጸብጻብ ዘፍጥረት ከም ዝነግረና “ቀይሔ ጸሊም ኪቐድድ ከሎ ድማ: እቶም መላእኽቲ ንሎጥ: ብዓመጽ እዛ ኸተማ ከይትጠፍእሲ: ሰበይትኻን እዘን ኣብዚ ዘለዋ ክልተ ኣዋልድካን ተማሊእካ ተለዓል: ኢሎም ሃወኽዎ።” ሎጥ ግን እዚ ህጹጽ መጠንቀቕታ ምስ ተዋህቦውን እንተኾነ “ደንጐየ።” ኣብ መወዳእታ እቶም መላእኽቲ “ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎ: ኣብ ወጻኢ እታ ከተማ ድማ ሓደግዎ።” — ዘፍጥረት 19:15, 16።
አብ ወጻኢ እታ ከተማ እቶም መላእኽቲ ንስድራ ቤት ሎጥ “ነፍስኻ ኣድሕን: ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል: ኣብ ብዘሎ ጐልጐል ድማ ደው አይትበል። ምእንቲ ከይትጠፍእ: ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን” ዝብል ናይ መወዳእታ መምርሒ ሃብዎም። (ዘፍጥረት 19:17) ሽዑ እውን እንተኾነ: ሎጥ ኣብ ክንዲ ነቲ ከባቢ ጨሪሹ ዝገድፎስ ናብታ ኣብ ቀረባ ዝነበረት ከተማ ዞኣር ንኽኸይድ ኢዩ ፍቓድ ዝሓተተ። (ዘፍጥረት 19:18–22) ሎጥ ክሳብ ዝከኣሎ ካብ ሓደጋ ኣብ ክንዲ ዝርሕቕ የድሓርሕር ከም ዝነበረ ዘየጠራጥር ኢዩ።
ንዞኣር ክኸዱ ከለዉ ሰበይቲ ሎጥ ብናፍቖት እቶም ድሕሪት ዝገደፈቶም ነገራት ኢዩ ዝመስል ንድሕሪት ግልጽ በለት። ነቲ ብመላእኽቲ ዝተ ዋህባ መምርሒ ግዲ ስለ ዘይገበረትሉ ህይወታ ኣጥፍ አት። ሎጥ እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ግን ምስ ክልቲአን ኣዋልዱ ካብቲ ነታ ከተማ ዝወረዳ ጥፍኣት ደሓኑ። ኣብ ጥቓ ሓደጋ ዘለዎ ክነብር ብም ምራጹ ግን ኣየ ክንደይ ዋጋ ኢዩ ዝኸፈለ! — ዘፍጥረት 19:18–26። 2 ጴጥሮስ 2:7።
ካብ ሓደጋ ዘለዎ ኵነታት ርሓቕ
እቲ ናይ ሎጥ መሪር ተሞክሮ ኣብ ሓደጋ ዘኸት ለልና ከባቢ እንተድኣ ቀሪብና ወይ እንተድኣ ተቐሚጥና እንታይ ከጋጥመና ከም ዝኽ እል ኢዩ ዘርኢ። ጥበብ ከም ንፉዓት ባሕረኛታት ኴንና ናብ ከምዚ ዝበለ መጻብቦ ከይንኣቱ ኢያ እትመርሓና። ገለ ካብቶም ክንርሕቐሎም ዝግብኣና ሓደገኛታት ከባቢታት እንታይ ኢዮም? ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ዕዮታት ንግዲ እምብዛ ብምጥሓሎም: ምስ ዓለማው ያን መሓዙት ዝጠበቐ ዕር ክነት ብምግባሮም: ወይ ዘይመራዓዉ ክነሶም ምስ ኣንጻር ጾታ ብስምዒት ብም ትእስሳሮም ሃውቲቶም ይርከቡ ኣለዉ።
ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ እቲ ጐደና ጥበብሲ: ካብ ሓደጋ ምርሓቕ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ዕሙር ናይ ንግዲ ዕድል ተባሂሉ ዝፍለጥ ከምጽኦ ዝኽእል መንፈሳዊ ሓደጋ ንነቕሓሉ ዲና? ገሊኦም ኣሕዋት ንስድርኦምን ጥዕንኦምን ንናይ ቲኦክራቲካዊ ሓላፍነቶምን ወጺዖም ኣብ ናይ ንግዲ ትካላት ተኣሊኾም ኣለዉ። ሓድ ሓደ ግዜ እቲ መተዓሻሸዊ ኰይኑ ዝርከብ: እቲ ገንዘብ ከምጽኦ ዝኽእል ኣዝዩ ምሹእ ኣነባብራ ኢዩ። ካልእ ግዜ ድማ እቲ ብድሆ ኰይኑ ዝርከብ ኣብ ንግዲ ዘሎካ ክእለት ንምርኣይ ኢልካ እትገብሮ ጻዕሪ ኢዩ። ገሊኦም ከኣ: ድራኼና ኣሕዋትና ብዘይ ስራሕ ጠጠው ካብ ዝብሉ ምሳና ምእንቲ ክሰርሑ ወይ ነቲ ዓለምለኻዊ ስራሕ ብልግሲ ምእንቲ ከነበርክት ኢዩ ኢሎም የመኽንዩ ይኾኑ። ምናል ባሽውን እቲ ስራሕ ጽቡቕ ምስ ማዕበለስ ንጥቕሚ መንግስቲ ኣምላኽ ዝውፈ ብዙሕ ግዜ ክንረክብ ኢና ኢሎም ይሓስቡ ይኾኑ።
ገለ ካብቶም መፈንጠራታት እንታይ ኢዮም? እቲ ዘይርጉጽ ናይ ኤኮኖሚ ኵነታት “ዘይተራእየ ኵነታትን” ነቲ ንሓዋሩ ክኸውን ተባሂሉ ብብሉጽ ብልሓት እተወጠነ ንግዲ ከፍርስ ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 9:11) ምስቲ ጽዕነት ዝኾነ ዕዳ ምቅላስ ናይ ኣእምሮ ስቓይ ኣምጺኡ ንመንፈሳዊ ነገራት ቦታ ከም ዝስእን ይገብሮ ይኸውን። ዋላ እቲ ስራሕ እናማዕበለ እንተኸደውን ብዙሕ ግዜን ሓይሊ ኣእምሮኻን ውሒጡ ብዙሕ ዓለማዊ ምሕዝነት ክትገብር ድማ ይሓተካ ይኸውን።
ሓደ ኣብ ስጳኛ ዝነብር ክርስትያን ሽማግለ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ከሎ ሓንቲ ናይ ኢንሹራንስ ማሕበር ሓደ ፈታኒ ዝኾነ ስራሕ ኣቕረበትሉ። ወኪል ሸያጥ ኣቍሑ ናይታ ኢንሹራንስ ማሕበር ኮይኑ ብዙሕ ገንዘብ ክእክብ ዘኽእሎ ተስፋ እኳ እንተ ነበሮ ኣብ መወዳእታስ ኣበዮ ደኣ። “ቀሊል ውሳኔ ኣይነበረን: ኣይፋለይን ስለ ዝበልኩ ግን ተሓጒሰ ኢየ” ይብል። “ብሓደ ወገን ብተዘዋዋሪ መንገዲ እኳ እንተኾነ ብቲኦክራቲካዊ ርክባት ገይረ ገንዘብ ንኽእክብ ፍታወይ ኣይነበረን። ነቲ ብርእሰይ ሓዲረ ባዕለይ ዝውንኖ ስራሕ ክህልወኒ ዝብል ሓሳብ እድግፎ እኳ እንተነበርኩ ነዊሕ መገዲ ምተጐዓዝኩ ኣብቲ ስራሕ ድማ ብዙሕ ሰዓታት መጥፋእኩ ነይረ። እዚ ድማ ንስድራይን ነታ ጉባኤን ሸለል ከም ዝበልክዎም ምኾነ ነይሩ። ካብ ኩሉ ድማ ነቲ ዝቐረበለይ ተቐቢለዮ እንተዝነብር ንህይወተይ ምቍጽጻር ኣብ ዝስእነሉ ደረጃ ምበጻሕኩ ነይረ ኢለ ኢየ ዝኣምን።”
ንህይወቱ ምቍጽጻር ክስእን ዝደሊ ክርስትያን የለን። የሱስ ናይዚ ከምዚ ዝበለ መገዲ ዘሕዝን ሳዕቤኑ ብምስላ ናይ ሓደ ክዓርፍን ክቐስንን ኢሉ ብዙሕ ሃብቲ ዝኣከበ ሰብኣይ ገይሩ ብምዝንታዉ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብታ ንሓዋሩ ዝኸውን ገንዘብ ኣኪበ ኣለኹ ኢሉ ዝተዛረበላ ለይቲ ሞተ። የሱስ “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኢዩ። — ሉቃስ 12:16–21። ምስ ያእቆብ 4:13–17 ኣነጻጽሮ።
ምስ ዓለማውያን ሰባት ሰፊሕ ምሕዝነት ከይንገብር እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ምናልባሽ ጐረቤትና መሳርሕትና መማህርትና ወይ ናይ ስራሕ መሻርኽትና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንሱ ንመሰኻኽር ዘኽብር ጽፉፍ ናብራ ዘለዎ ኩሉ ግዜ ድማ ምስኡ ብዛዕባ ሓቂ ንዘራረብ ኢና ኢልና ከነመኽኒ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ካብ ተሞክሮ ናይ ካልኦት ከም እተራእየ ኣብ መወዳእትኡ ካብ ምሕዝነት ናይ መንፈሳዊ ሓው ወይ ሓብቲ ነዚ ከምዚ ዝበለ ዓለማዊ መሓዛ ክንመርጽ ኢና እንርከብ። ገለ ካብቶም ሓደጋታት ናይ ከምዚ ዝበለ ዕርክነትስ እንታይ ኢዮም?
ነቲ እንነብረሉ ዘሎና ህጹጽ ግዜ ኣናኢስና ክንርእዮ ወይ ካብ ኣብ መንፈሳዊ ነገራትስ ኣብ ስጋዊ ነገራት ተገዳስነት ከነዕቢ ንጅምር። ምናልባሽ ንብህግ እውን ንኸውን። (ምስ 1 ጴጥሮስ 4:3–7 ኣነጸጽሮ) ዳዊት እቲ ዘማራይ ግን ምስቶም ንየሆዋ ዘፍቅሩ ሰባት ኢዩ ምሕዝነት ክገብር ዝመረጸ። “ስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 22:22) ብመንፈስ ዝሃንጽ ዕርክነት ብምድላይ ንናይ ዳዊት ኣርኣያ እንተቀዲሕና ብደሓን ክንነብር ኢና።
ካልእ ሓደገኛ መገዲ ድማ ኣብቲ ምስ ሓደ ክትምርዓውዮ ወይ ክትምርዓዋ ዘይትኽእል ኣንጻር ጾታ ብስምዒት ምጥላፍ ኢዩ። እቲ ሓደጋ ዝለዓል ድማ ምስ ሓደ ማራኺ ዝኾነ መልክዕ ዘለዎ: ዘረብኡ ስምዒትካ ዝትንክፍ: ምስቲ ናትካ ተመሳሳሊ ባህርያት ወይ ኣመላኻኽታ ዘለዎን ተጻዋታይን ምስ እትጠብቕ ኢዩ። ሓደ ሰብ ንምሕዝነታ ወይ ንምሕዝነቱ ይፈትዎ ወይ ትፈትዎ ትኸውን ‘ክሳዕ ኣበይ ከም ዝብጻሕ እፈልጦ ኢየ: ንሕና ኣዕሩኽ ጥራይ ኢና።’ ብምባልውን የማኻኒ ይኸውን ወይ ተማኻኒ ትኸውን። ስምዒት ሓንሳብ እንተድኣ ተላዒሉ ንኽትቈጻጸሮ ቀሊል አይኰነን።
ሓንቲ መሪ ዝተባህለት ምርዕውቲ መንእሰይ ሓብቲ ነቲ ናይ ሚኪኤል ምሕዝነት ፈተወቶ።a ጥዑይ ሓው እኳ እንተነበረ ኣዕሩኽ ንምርካብ ይጽግሞ ኢዩ ነይሩ። ብዙሕ ዘቃድዎም ነገራት ስለ ዝነበሮም ሓቢሮም ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ ኰይኑ ረኸብዎ። መሪ ሓደ ንጽል ሓው ኣባይ እምንቶ ክገብር ደልዩ ኢላ ብምሕሳባ ተጠበረት። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ እቲ ኣበር ዘይብሉ ዝመስል ዝነበረ ዕርክነት ሓደ ዓሚቍ ስምዒታዊ ምትእስሳር ፈጠረ። ደጋጊሞም ብዙሕ ግዜ ብሓንሳብ ኰይኖም ኣሕለፉ እሞ ኣማስያኡ ርኽሰት ፈጸሙ። መሪ “ነዚ ሓደጋ እዚ ቅድም ኢለ ክግንዘቦ ነይሩኒ” እናበለት እህህታኣ ትገልጽ። “እቲ ሓንሳብ ዝዓምበበ ዕርክነት ከም ታኼላ ኾይኑ ኣዕሚቑ ወሓጠና።”
ነቲ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ?” ዝብል ናይ መጽሐፍ ቅዱስ መጠንቀቕታ ፈጺምና ክንርስዖ ኣይግብኣናን ኢዩ። (ኤርምያስ 17:9) እቲ ጐራሕ ልብና: ከምቲ ማዕበል ንሓንቲ ጃልባ ናብ ከውሒ ዝኹብኩባ ናብቲ መዓተኛ ዝኾነ ስምዒታዊ ምትእስሳር ኢዩ ዝኹብኩበና። መፍትሒኡኸ ክትምርዓውዮ ወይ ክትምርዓዋ ዘይትኽእለ እንተድኣ ኴንካ: ካብታ ማራኺት ኰይና ዝረኸብካያ ሰብ ብስምዒታዊ መገዲ ካብኣ ንምርሓቕ ኰነ ኢልካ ጻዕሪ ግበር ወይ ግበሪ። — ምሳሌ 10:23።
ካብ ሓደጋ ምልቓቕን ምርሓቕን
ቅድሚ ሕጂ ዛጊት ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ እንተለናኸ? ባሕረኛታት ብንፋስን ብማዕበልን ናብ ኣኻውሕ ዘለዎ ደረት ባሕሪ እንተደኣ ተኸብኲቦም ምእንቲ መርከቦም ከይትዓኑ ክሳብ ኣብ ድሐን ዝኾነ ማይ ዝበጽሑ ከይሰልከዩ ናብ ገጽ እቲ ማዕበልን ንፋስን ብምዕያይ ኢዮም ካብ ጥቓ ደረት ባሕሪ ዝርሕቁ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ መገዲ ካብ ሓደጋ ሓራ ክንከውን ንቃለስ። ነቲ ጥቕሳዊ ምኽሪ እናሓሎና: የሆዋ ሓገዙ ክህበና ኣበርቲዕና እናጸለና: ካብ ብሱላት ክርስትያናት ኣሕዋት ሓገዝ እናደለና: ናብቲ ደሓን ዝኾነ ጐደና ክንምለስ ንኽእል ኢና። እንደገና ኸኣ ናይ ኣእምሮን ልብን ሰላም ብምርካብ ክንባረኽ ኢና። — 1 ተሰሎንቄ 5:17።
ኵነታትና ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ “ካብቲ ናይ ዓለም ዘበለ ነገራት” ክንላቐቕ ጥበባዊ ስጕምቲ ኢዩ። (ገላትያ 4:3) ምስቲ ናይ ሎጥ ኣብነት ከነነጻጽሮ ከሎና: ኣብርሃም ምንም እኳ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ድንኳናት ክቕመጥ እንተ ነበሮ: ካብቶም ዓለማውያን ከንኣናውያን ተፈልዩ ክነብር ኢዩ ዝመረጸ። ምናልባሽ ስጋዊ ምሾት ጐዲልዎ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ቐሊል ዝኾነ ኣነባብርኡ ብመንፈስ ኣዕቊብዎ ኢዩ። ነቶም “ዚኣምኑ ኵሎም: ኣቦኦም” ደኣ ኰነ እምበር ንሱስ ናይ እምነት መርከቡ ኣይተሰብረቶን። — ሮሜ 4:11።
በቲ እናበርትዐ ዝኸይድ ዘሎ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል “መንፈስ” እዛ ዓለም እዚኣ ተኸቢብና ስለ ዘሎና ነቲ ናይ ኣብርሃም ኣብነት ምኽታል ኢዩ ዘድልየና። (ኤፌሶን 2:2) ኣብ ኵሉ ጉዳያት ናይ የሆዋ መምርሒ እንተተቐቢልና ብቐጥታ ፍቕራዊ ዑቍብኡ ብምርካብ ክንባረኽ ኢና። ከምቲ ንዳዊት ዝተሰምዖ ክስምዓና ኢዩ:- “ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቁ ይመርሓኒ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብኹሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ከኣ ንዘለኣለም ክነብር እየ።” ናብ መገዲ ሓደጋ ምእንቲ ከይትዘብል ኵሉ ግዜ “ብመገዲ ጽድቂ” ተመሪሕካ ክትከይድሲ ዘለኣለማዊ በረኸት ከም ዘምጽእ ዘየጠራጥር ኢዩ። — መዝሙር 23:3, 6።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ኣስማት ዝተቐየረ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ክትምርዓውዮ ወይ ክትምርዓዋ ዘይትኽእል እንተድኣ ኴንካ ካብታ ዝማረኸትካ ሰብ ብስምዒታዊ መገዲ ርሓቕ ወይ ርሓቒ