ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ነሓሰ ገጽ 3
  • ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሰበይቲ ሎጥ ንድሕሪት ግልጽ በለት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣብ መጀመርታ ድኻ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሃብታም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • “ንድሕሪት” ኣይትርአ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ነሓሰ ገጽ 3
ሰበይቲ ሎጥ ኣብ ሶዶም ንድሕሪት ግልጽ ምስ በለት፡ ሓወልቲ ጨው ኰይና

ክርስትያናዊ ህይወት

ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ

ሰበይቲ ሎጥ ካብ ሶዶም ክትሃድም ከላ ንድሕሪት ግልጽ ዝበለት ስለምንታይ እያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይነግረናን እዩ። (ዘፍ 19:17, 26) እቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸም ዚሕብሮ፡ ገዲፋቶ ንዝመጸት ነገር ተመንያ ኽትከውን ትኽእል እያ። (ሉቃ 17:31, 32) ከም ሰበይቲ ሎጥ፡ ሞገስ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይንስእን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ኣብ ህይወትና ንስጋዊ ምሾት ቀዳምነት ክንህቦ የብልናን። (ማቴ 6:33) የሱስ ‘ንኣምላኽን ንገንዘብን ክንግዛእ ከም ዘይንኽእል’ ምሂሩ እዩ። (ማቴ 6:24) እንተዀነ ግና፡ ኣብ ህይወትና ስጋዊ ነገራት ንመንፈሳዊ ነገራት ኪዕብልሎ ይጅምር ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልናኸ፧ ኣበየናይ መዳይ ምትዕርራያት ክንገብር ከም ዘሎና ምእንቲ ኸነስተውዕል፡ ነቲ ዜድልየና ምትዕርራያት ክንገብር ዜኽእለና ትብዓትን ብርታዐን ከኣ ምእንቲ ኽንረክብ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።

ነታ ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ ዘርእስታ ሰለስተ ኽፋል ዘለዋ ቪድዮ ብምዝካር፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣና ኣብ ቦታ ስራሕ፡ ግሎርያ ምስ ኣኮኣ፡ ብራያንን ግሎርያን ሓቢሮም ይጽልዩ

    ‘ንሰበይቲ ሎጥ ከም ዝዝክራ’ ብተግባራተይ ከርኢ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

    ግሎርያ ዝያዳ ገንዘብ ምርካብ ዝነበራ ጸቕጢ፡ ኣብ ኣተሓሳስባኣን ኣዘራርባኣን ተግባራታን ጽልዋ ዘሕደረ ብኸመይ እዩ፧

  • ሰበይቲ ሎጥ መለበሚ እትዀነና ብኸመይ እያ፧

  • ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ንጆን ንስድራ ቤቱን ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

  • ኣና ኣብ ስራሓ ዝነበራ ምሕዝነት ንመንፈሳውነታ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ህይወትና ንገንዘብ ቀዳምነት ክንህብ ጸቕጢ እንተ ኣጋጢሙና፡ ትብዓት ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

  • ብራያንን ግሎርያን ከም ብሓድሽ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ኪህቡ ዝጀመሩ ብኸመይ እዮም፧

  • ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ኣየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጐልሕ ከሎ ኣስተብሂልካ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ