ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/5 ገጽ 9-14
  • ኣምላኽን ቄሳርን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽን ቄሳርን
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቀደም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽን መንግስትን
  • የሱስ ኣብ መንግስቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ
  • ክርስትያናትን ቄሳርን
  • ነቶም “ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት” ዝምልከት እናዓበየ ዝኸይድ ምርዳእ
  • ተዛማዲ ምእዛዝ
  • ክርስትያናዊ ኣረኣእያ ኣብ ስልጣናት እንታይ ኢዩ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ናይ ቄሳር ንቄሳር ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ናይ መጀመርያ ክርስትናን መንግስትን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኣብ ዓለም ምንባር ክፍሊ ናታ ግን ዘይምዃን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/5 ገጽ 9-14

ኣምላኽን ቄሳርን

“እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሀቡ። ”​—ሉቃስ 20:25

1. (ሀ) ናይ የሆዋ ልዕል ዝበለ ቦታ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንቄሳር ፈጺምና ክንህቦ ዘይንኽእል ንየሆዋ ጥራይ እንህቦ እንታይ ኢዩ፧

የሱስ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መምርሒ ክህብ ከሎ: እቲ ኣምላኽ ካብ ኣገልገልቱ ዝደልዮ ነገራት ካብ ዝዀነ ይኹን ቄሳር ወይ መንግስቲ ዝሓቶም ነገር ከም ዝበልጽ ኣብ ሓሳቡ ምጥርጣር ኣይነበሮን። የሱስ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር “መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ: ግዝኣትካ [ሉዓላውነትካ]a ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር” ብምባል ናብ የሆዋ ዝጸለዮ ጸሎት: ሓቅነቱ ካብ ኵሉ ሰብ ንላዕሊ ይርድኦ ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 145:13) ድያብሎስ ኣብ ልዕሊ ኵለን መንግስታት ምድሪ ናይ ምግዛእ ህያብ ምስ ኣቕረበሉ: የሱስ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ: ጽሑፍ እዩ” ብምባል መለሰ። (ሉቃስ 4:5-8) ቄሳር ናይ ሮሜ ሃጸይ ይኹን: ካልእ ሰብኣዊ ገዛኢ ወይ መንግስቲ ብዘየገድስ: ኣምልኾ “ንቄሳር” ፈጺሙ ክወሃብ ኣይክእልን ኢዩ።

2. (ሀ) ምስ እዛ ዓለም እዚኣ ብምዝማድ ናይ ሰይጣን ቦታ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሰይጣን ንስልጣኑ ሒዝዎ ዘሎ ብናይ መን ፍቓድ ኢዩ፧

2 የሱስ ናይ ዓለም መንግስታት ናይ ሰይጣን ምዃነን ኣይከሓደን። ጸኒሑ ንሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸውዖ። (ዮሃንስ 12:31፣ 16:11) ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ⁠-⁠ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብ ኣምላኽ ምዃንና: ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” (1 ዮሃንስ 5:​19) እዚ ግን የሆዋ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዎ ሉዓላውነት ገዲፍዎ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ሰይጣን ንየሱስ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካውያን መንግስታት ንኽገዝእ ህያብ ከቕርበሉ ከሎ “እዚ ስልጣን . . . ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ: . . . ንኣኻውን ክህበካ እየ” ከም ዝበለ ዘክር። (ሉቃስ 4:⁠6) ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ናይ ዓለም መንግስታት ስልጣን ዘለዎ: ኣምላኽ ስለ ዘፍቀደሉ ጥራይ ኢዩ።

3. (ሀ) ናይ ሃገራት ምምሕዳራት ኣብ ቅድሚ የሆዋ እንታይ ቦታ ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧ (ለ) ንምምሕዳራት እዛ ዓለም እዚኣ ምእዛዝ ማለት ገዛእ ርእስና ነቲ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ሰይጣን ምግዛእ ማለት ኣይኰነን ክንብል እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

3 ብተመሳሳሊ ድማ: መንግስቲ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ከም ሉዓላዊ ገዛኢ መጠን ንኽገዝእ ስለ ዘፍቀደሉ ጥራይ ኢዩ። (ዮሃንስ 19:⁠11) ስለዚ ድማ እዞም “ዘለዉ ስልጣናት:” “[“ኣብቲ ዘለውዎ ተዛማዲ ቦታ:” ትሓዓ ] ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም” ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ምስቲ ናይ የሆዋ ዝለዓለ ሉዓላዊ ስልጣን ኣዛሚድካ ክርአ ከሎ: ስልጣኖም ኣዝዩ ዝተሓተ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዘድሊ ኣገልግሎት ስለ ዘዳልዉ: ሕግን ስርዓትን ከም ዝሕሎ ስለ ዝገብሩ: ከምኡውን ንገበርቲ እከይ ስለ ዝቐጽዑ ‘ኣገልገልቲ ኣምላኽ:’ “ገላዉ ኣምላኽ [“ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ህዝቢ:” ትሓዓ ]” ኢዮም። (ሮሜ 13:​1, 4, 6) ስለዚ ክርስትያናት: ዋላ እኳ ሰይጣን ናይዛ ዓለም እዚኣ: ወይ ድማ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዘይርአ ገዛኢ እንተዀነ ንመንግስቲ ብተዛማዲ ክግዝኡ ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ምሃብ: ንሰይጣን ይግዝኡ ኣለዉ ማለት ከም ዘይኰነ ክዝክሩ ኣለዎም። ንኣምላኽ ኢዮም ዝእዘዝዎ ዘለዉ። ኣብዚ ናይ 1996 ዓመት እዚውን: እዚ ፖለቲካዊ መንግስቲ እዚ ጌና ክፍሊ ናይቲ ኣምላኽ ዘፍቀደሉ ስርዓት ማለት ንግዜኡ ንኽጸንሕ ዘፍቀደሉ “ስርዓት ኣምላኽ:” ኢዩ: እቶም ምድራውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ድማ ከምዚ ገይሮም ኣፍልጦ ክህብሉ ኣለዎም።​—ሮሜ 13:⁠2

ቀደም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽን መንግስትን

4. የሆዋ ንዮሴፍ ኣብ ናይ ግብጺ ምምሕዳር ኣገዳሲ ሰብ ክኸውን ዘፍቀደሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ኣብቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ግዜ: የሆዋ ንገለ ካብ ኣገልገልቱ ኣብቲ ናይ መንግስታት ምምሕዳራት ኣገዳሲ ቦታ ክህልዎም ኣፍቂዱ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዮሴፍ ናይ ግብጺ ቀዳማይ ሚኒስተር: ብመዓርግ ደድሕሪ እቲ ሽዑ ነጊሱ ዝነበረ ፈርኦን: ኰይኑ ኢዩ። (ዘፍጥረት 41:​39-​43) ዮሴፍ ዕላማ የሆዋ ንምፍጻም ዝኸውን ዘርኢ ማለት ‘ዘርኢ ኣብርሃም:’ ኣብ ምዕቃብ መሳርሒ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ ነዚ ነገር እዚ የሆዋ ይመርሖ ከም ዝነበረ እቲ ዳሕራይ ተኸታቲሉ ዝዀነ ፍጻመታት ይሕብር ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ዮሴፍ ንባርነት ናብ ግብጺ ከም እተሸጠ: ከምኡውን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሕጊ ሙሴ ይኹን “ሕጊ ክርስቶስ” ኣብ ዘይነበሮም ግዜ ይነብር ከም ዝነበረ ክዝከር ኣለዎ።​—ዘፍጥረት 15:​5-7፣ 50:​19-​21፣ ገላትያ 6:2

5. ናይ ኣይሁድ ምሩኻት ናይ ባቢሎን “ሰላም” ‘ክደልዩ’ እተኣዘዙ ስለምንታይ ኢዮም፧

5 ዘበናት ጸኒሑ: እቲ እሙን ነብዪ ኤርምያስ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኣብ ባቢሎን ኰይኖም ንገዛእቲ ክእዘዙ: አረ ምእንቲ ሰላም ናይታ ከተማ ኢሎም እውን ክጽልዩ ከም ዘለዎም ንኽነግሮም የሆዋ ብመንፈስ ደሪኽዎ ኢዩ። ኣብታ ናባታቶም ዝሰደዳ ደብዳበ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እግዚኣብሄር: ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል: ንዅላቶም . . . ምሩኻት ከምዚ ይብል ኣሎ: ድሓን [“ሰላም:” ትሓዓ ] እታ ኣነ ናብኣ ዘማረኽኩኹም ከተማ ድለዩ። ብደሓና ደሓን [“ብሰላማ ሰላም:” ትሓዓ ] ክትረኽቡ ኢኹም እሞ: ስሊኣ ንእግዚኣብሄር ለምኑ።” (ኤርምያስ 29:​4, 7) ህዝቢ የሆዋ ንየሆዋ ከምልኹ ናጽነት ምእንቲ ክረኽቡ ንገዛእ ርእሶምን ነቲ ምስኦም ዘሎ ህዝብን ኢሎም ‘ንሰላም ክደልይዋ’ ኵሉ ግዜ ምኽንያት ኣለዎም።​—1 ጴጥሮስ 3:​11

6. ዝለዓለ ናይ ምምሕዳር ስልጣን ተዋሂብዎም እኳ እንተ ነበረ: ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ብጾቱን በየናይ መገድታት ኢዮም ንሕጊ የሆዋ ዝምልከት ምልምማጥ ዝኣበዩ፧

6 ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ኣብ ዝነበርሉ ግዜ: ዳንኤልን ኣብ ባቢሎን ምሩኻት ዝነበሩ ካልኦት ሰለስተ እሙናት ኣይሁዳውያንን ነቲ ብመንግስቲ ዝወሃብ ዝነበረ ልምምድ ተቐቢሎም: ኣብ ባቢሎን ዝለዓለ መዓርግ ዘለዎም ናይ ሲቪል ኣገልገልቲ ኰይኖም ኢዮም። (ዳንኤል 1:​3-7፣ 2:​48, 49) ይኹን እምበር: ኣብቲ ልምምድ ዝወስድሉ ዝነበሩ ግዜ እውን ከይተረፈ: ነቲ የሆዋ ኣምላኾም ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦ ንመግቢ ዝምልከት ሕጊ ምእንቲ ከይጥሕሱ ጽኑዕ ኣቕዋም ወሲዶም ኢዮም። ከምዚ ስለ ዝገበሩ ድማ ተባሪኾም ኢዮም። (ዳንኤል 1:⁠8-⁠17) ንጉስ ነቡካድነጻር ናይ መንግስቲ ምስሊ ምስ ኣቘመ: እቶም ሰለስተ እብራውያን ኣዕሩኽ ዳንኤል ምስቶም ካልኦት ናይ መንግስቲ ኣማሓደርቲ ኰይኖም ኣብቲ በዓል ክካፈሉ ከም እተገደዱ ብሩህ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ናይ መንግስቲ ጣኦት ‘ምስጋድን ምምላኽን’ ኣበዩ። የሆዋ ድማ ነቲ ዘርኣይዎ ንጽህና ናይ ምሕላው ስጕምቲ እንደገና ባሪኽዎ ኢዩ። (ዳንኤል 3:​1-6, 13-​28) ሎሚውን ብተመሳሳሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንባንዴራ ናይታ ዝነብሩላ ሃገር የኽብርዋ ኢዮም: ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣምልኾ ግን ኣይህብዋን ኢዮም።​—ዘጸኣት 20:​4, 5፣ 1 ዮሃንስ 5:​21

7. (ሀ) ኣብቲ ናይ ባቢሎን ናይ ምምሕዳር መዋቕር ዝለዓለ ቦታ እኳ እንተ ነበሮ: ዳንኤል ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣቕዋም ኢዩ ዘርኣየ፧ (ለ) ኣብ ግዜ ክርስትና እንታይ ለውጥታት ኢዩ ዝመጸ፧

7 እቲ ሳልሳይ ሓይሊ ዓለም ምስ ተሳዕረ: ዳንኤል ኣብቲ ንባቢሎን ዝተክአ ሓድሽ ናይ ሜዶንን ፋርስን ግዝኣት ዝለዓለ ምምሕዳራዊ ስልጣን ተዋህቦ። (ዳንኤል 5:​30, 31፣ 6:​1-3) ነቲ ዝነበሮ ዝለዓለ ቦታ ግን ንጽህናኡ ኣብ ምሕላው ከም ዝለማመጥ ክገብሮ ኣይፈቐደሉን። ናይቲ መንግስቲ ሕጊ: ኣምልኾ ንየሆዋ ዘይኰነስ ንንጉስ ዳርዮስ ክወሃብ ምስ ሓተተ: ዳንኤል ነዚ ነጸጎ። ብምኽንያት ናይዚ ድማ ኣብ ጕድጓድንምብራህ ኣናብስ ተደርበየ: የሆዋ ግን ኣድሓኖ። (ዳንኤል 6:​4-​24) ልክዕ ኢዩ: እዚ ቅድሚ ክርስትና ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝዀነ ኢዩ። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ቈመት: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክርስቶስ ኰኑ።’ ብመሰረት እቲ የሆዋ ሕጂ ምስ ህዝቡ ዝመላለሰሉ መገዲ ድማ: እቲ ኣብ ትሕቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ዝፍቀድ ዝነበረ ብዙሕ ነገራት ብእተፈልየ መገዲ ክርአ ነበሮ።​—1 ቈረንቶስ 9:​21፣ ማቴዎስ 5:​31, 32፣ 19:​3-9

የሱስ ኣብ መንግስቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ

8. የሱስ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ንኸይኣቱ ከም ዝቘረጸ ዘርኢ ፍጻመ ኣየናይ ኢዩ፧

8 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ነገራት ኢዱ ከየእቱ ብምእባይ ንሰዓብቱ ዝለዓለ ስርዓታት ገዲፉ ኢዩ። የሱስ ብተኣምራታዊ መገዲ ብሒደት ቅጫን ክልተ ናእሽቱ ዓሳን ገይሩ ንኣሽሓት ሰባት ምስ መገበ: ኣይሁዳውያን ሒዞም ፖለቲካዊ ንጉስ ክገብርዎ ደለዩ። የሱስ ግን ቀልጢፉ ናብ ኣኽራናት ብምህዳም ነጸጎም። (ዮሃንስ 6:​5-​15) ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ እታ ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ኮመንትሪ ኦን ዘ ኒው ተስታመንት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ሓያል ዝዀነ ናይ ሃገራዊ ስምዒት ናፍቖት ነይሩ ኢዩ: ስለዚ ድማ ብዙሓት ነቲ ትእምርቲ ዝረኣዩ ሰባት ንየሱስ እቲ ኣንጻር ሮማውያን ክመርሖም ዝኽእል ብመለኮታዊ መገዲ ብወግዒ እተላእከ: መራሒ ገይሮም ርእዮምዎ ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ንጉስ ክገብርዎ ቈረጹ።” እታ መጽሓፍ የሱስ ነቲ ፖለቲካዊ መራሒ ንክኸውን ዝቐረበሉ ዕድመ “በዘየማትእ መገዲ ነጸጎ” ብምባል ትውስኽ። የሱስ ንዝዀነ ይኹን ኣንጻር ሮሜ ዝግበር ናይ ኣይሁዳውያን ምልዕዓል ኣይደገፎን። ኣብ ክንድኡስ ናይቲ ድሕሪ ሞቱ ክኸውን ዘለዎ ውጽኢት ናይቲ ምዕላው ክገልጽ ከሎ ንተቐማጦ የሩሳሌም እዚ ዘይብሃል ወዮ: እታ ከተማ ድማ ክትዓኑ ምዃና ኣቐዲሙ ተዛረበ።​—ሉቃስ 21:​20-​24

9. (ሀ) የሱስ ነቲ መንግስቱ ምስ ዓለም ዘለዋ ርክብ ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧ (ለ) ነቲ ምስ ናይ ዓለም መንግስታት ዝህልዎም ርክብ ዝምልከት የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ መምርሒ ኢዩ ዝሃቦም፧

9 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ነቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ፍሉይ ወኪል ናይ ሮሜ ሃጸይ ከምዚ በሎ:- “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ: ብኣይሁድ ከይተሐዝ: ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን።” (ዮሃንስ 18:36) መንግስቱ ነዘን ፖለቲካውያን መንግስታት መወዳእታ ክሳዕ እትገብረለን: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብነቱ ክስዕቡ ኢዮም። ነቶም ዝቘሙ ስልጣናት ይእዘዙ ኢዮም: እንተዀነ ግን ኣብቲ ፖለቲካዊ ጕዳያቶም ጣልቃ ኣይኣትዉን ኢዮም። (ዳንኤል 2:​44፣ ማቴዎስ 4:​8-​10) የሱስ “እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ብምባል ንደቀ መዛሙርቱ ክስዕብዎ ዘለዎም መምርሒ ገዲፉሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 22:21) የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ “ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ: [“በዓል ስልጣን:” ትሓዓ ] ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ” በለ። (ማቴዎስ 5:​41) ብመሰረት ትሕዝቶ ናይዚ ስብከት እዚ: የሱስ ነቶም ሕጋዊ ነገራት ዝሓቱ: ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ይኹን ብመንግስቲ ዝሕተት ነገራት: ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዝሰማምዑ ምስ ዝዀኑ ሕራይ ኢልካ ምእዛዝ ከም ዘድሊ ዝገልጽ መብርሂ ኢዩ ሂቡ።​—ሉቃስ 6:​27-​31፣ ዮሃንስ 17:14, 15

ክርስትያናትን ቄሳርን

10. ብመሰረት ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ዝበሎ: እቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ኣብቲ ምስ ቄሳር ዝነበሮም ርክብ እንታይ ምስ ሕልናኦም ዝሰማማዕ ኣቕዋም ኢዮም ዝሕዙ ዝነበሩ፧

10 እዚ ሕጽር ዝበለ መምርሒታት እዚ: ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናትን መንግስትን ዘሎ ርክብ ዘጠቓልል ኢዩ። ጸሓፍ ታሪኽ ኢ. ዳብሊው. ባርነስ ኣብታ ዘ ራይዝ ኦቭ ክርስችያኒቲ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብቲ ዝሰዓበ ክፍለ-ዘበናት ሓደ ክርስትያን ነቲ ንመንግስቲ ዝምልከት ክገብሮ ዘለዎ ነገራት ምስ ዝጠራጠር: ናብቲ ናይ የሱስ ስልጣን ዘለዎ ትምህርቲ ኢዩ ዝርኢ። ግብሪ ክኸፍል ኣለዎ: እቲ ምዕራባዊ ሃጸይ ቅድሚ ምውዳቑ ክኸፍሎ ዘለዎ ግብሪ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እቲ ክርስትያን ግን ተጸሚሙ ክኸፍሎ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ እቲ ናይ ኣምላኽ ንቄሳር ክህቦ እንተ ዘይተሓቲቱ: ካልእ ኵሉ ናይ መንግስቲ ግዴታታት ክቕበሎ ኣለዎ።”

11. ጳውሎስ: ክርስትያናት ኣብቲ ምስ ዓለማውያን መራሕቲ ዝነበሮም ርክብ ብኸመይ ክመላለሱ ኢዩ ዝመኸሮም፧

11 ምስ እዚ ስርዓት እዚ ብምስምማዕ ድማ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ልዕሊ 20 ዓመታት ዝኸውን ጸኒሑ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ [“ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት:” ትሓዓ ] ይገዝኣዮ” ኢሉ ዝነገሮም። (ሮሜ 13:​1) ዓሰርተ ዓመታት ኣቢሉ ጸኒሑ: ቅድሚ ካልኣይ ግዜ ምእሳሩን ኣብ ሮሜ ድማ ምቕታሉን: ጳውሎስ ናብ ቲቶስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “[ኣብ ቅሬጥስ ዝነበሩ ክርስትያናት] ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ: ንመራሕቶም ኪእዘዙ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ: ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ: ተባኣስቲ ኸይኰኑ: ልኡማት: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።”​—ቲቶስ 3:​1, 2

ነቶም “ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት” ዝምልከት እናዓበየ ዝኸይድ ምርዳእ

12. (ሀ) ቻርለስ ቴይዝ ራስል ነየናይ ክርስትያናት ምስ ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣናት ዝነበሮም ርክብ ኢዩ ከም ግቡእ ገይሩ ዝረኣዮ፧ (ለ) ነቲ ምስ ዕጡቓት ሰራዊት ኴንካ ምግልጋል ዝምልከት: ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እንታይ እተፈላለየ ኣረኣእያታት ኢዩ ዝነበሮም፧

12 ብ1886 ቻርለስ ቴይዝ ራስል ኣብታ ዘ ፕላን ኦቭ ዘ ኤጅስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “የሱስ ይኹን እቶም ሃዋርያት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣብ ጕዳያት እቶም ምድራውያን መራሕቲ ጣልቃ ኣይኣተዉን። . . . ነታ ቤተ-ክርስትያን ንሕግታት ክትእዘዝ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ድማ ብምኽንያት እቲ ዘለዎም ስልጣን ከተኽብሮም ይምህርዋ ነይሮም: . . . እቲ እተመደበሎም ግብሪ ክኸፍሉ: ብዘይካ ነቲ ምስ ሕግታት ኣምላኽ (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠19፣ 5:⁠29) ዝጋጮ: ንዝዀነ ይኹን ሕጊ ንኸይቃወሙ ይምህሩ ነይሮም ኢዮም። (ሮሜ 13:​1-7፣ ማቴ. 22:21) የሱስን ሃዋርያትን እታ ናይ መጀመርያ ቤተ-ክርስትያንን ካብ ዓለም እተፈልዩ: ኣብቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ምምሕዳራት ምንም ሕብረት እኳ እንተ ዘይነበሮም: ኵላቶም ሕጊ ዘኽብሩ ኢዮም ነይሮም።” እዛ መጽሓፍ እዚኣ እቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ጠቒስዎም ዘሎ “ዓበይቲ ሓይልታት” ወይ ድማ “ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት” ሰብኣውያን ናይ ምምሕዳር ስልጣናት ምዃኖም ብልክዕ ገሊጻቶም ኢያ። (ሮሜ 13:​1, ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ብ1904 ድማ እታ ዘ ኒው ክርኤሽን እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት “መናዓብቲ: ተባኣስቲ: ጉድለት ዝኣርዩ ክዀኑ ዘይኰነስ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ግዜና ዘለዉ ኣጸቢቖም ሕጊ ዘኽብሩ ሰባት ክዀኑ ኣለዎም” ብምባል ገለጸት። ገለ ሰባት ነዚ ሓሳባት እዚ ነቶም ሓይልታት ምሉእ ብምሉእ ምግዛእ: አረ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብቲ ናይ ሰራዊት ሓይልታት ኬድካ ምግልጋል ዝብል ሓሳብ ከም ዘለዎ ገይሮም እውን ከይተረፈ ተረዲኦምዎ ኢዮም። ይኹን እምበር: ካልኦት እዚ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እዚ ምስቲ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም” ዝብል ናይ የሱስ መግለጺ ዝጻረር ገይሮም ኢዮም ተረዲኦምዎ። (ማቴዎስ 26:52) ብርግጽ እምበኣር: ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ንዝለዓሉ ሰበ⁠-​­ሰልጣናት ከርእይዎ ዘለዎም ምእዛዝ ንጹር ምርዳእ የድሊ ነይሩ ኢዩ።

13. ብ1929: ንመንነት ናይቶም ዓበይቲ ሓይልታት ዝምልከት እንታይ ናይ ምርዳእ ለውጢ ኢዩ እተገብረ: እዚ ጠቓሚ ምዃኑ እተረጋገጸኸ ብኸመይ ኢዩ፧

13 ብ1929 ናይ ብዙሓት መንግስታት ሕጊ: ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ነገራት ክኽልክል ወይ ድማ ሕጊ ኣምላኽ ዝኽልክሎ ነገራት ክግበር ክሓትት ምስ ጀመረ: እቶም ዝለዓሉ ሓይልታት እተባህሉ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ክዀኑ ኣለዎም ዝብል እምነት ነበረ።b ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ኣገዳሲ ዝነበረ እዋን ማለት ቅድሚ ካልኣይ ውግእ ዓለምን ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለምን ከምኡውን ኣብ ግዜ ዝሑል ኲናት ምስቲ ዝነበሮ ሚዛን ዝሓለወ ራዕድን ወተሃደራዊ ምቅርራብን እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኢዩ ነይርዎም። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክንርእዮ ከሎና: እዚ ንልዕልነት የሆዋን መሲሁን ክብ ዘብል ኣረኣእያ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ ዝነበረ ኵሉ ጽንኩር ግዝያት ዘይለማመጥ ገለልትነቶም ንኽሕዙ ከም ዝሓገዞም ርግጽ ኢዩ።

ተዛማዲ ምእዛዝ

14. እቲ እናወሰኸ ዝኸደ ብርሃን ንሮሜ 13:​1, 2 ከምኡውን ካልእ ንዕኡ ዝመስል ጥቕስታት ብ1962 ዘብርሆ ብኸመይ ኢዩ፧

14 ብ1961 እታ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) ተዳልያ ተወድአት። ንኽትዳሎ ናይቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ቋንቋ ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ክግበር ኣድልዩ ኢዩ። ልክዕ ዝዀነ ትርጕም ናይተን ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 13 ጥራይ ዘይኰነስ ናይተን ኣብ ከም በዓል ቲቶስ 3:⁠1, 2 ከምኡውን 1 ጴጥሮስ 2:⁠13, 17 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ተጠቂሰን ዘለዋ ቃላት ከም ዘብርሆ እቲ “ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት” ዝብል ስያመ ነቲ ልዑል በዓል ስልጣን የሆዋ: ከምኡውን ንወዱ የሱስ ዘይኰነስ ንሰብኣውያን ናይ ምምሕዳር ሰበ-ስልጣናት ከም ዘመልክት ተፈልጠ። ኣብ መወዳእታ ናይ 1962: ንሮሜ ምዕራፍ 13 ንጹር ዝዀነ ምርዳእ ዝህባን ካብቲ ኣብ ግዜ ሲ. ቲ. ራስል ዝነበረ ምርዳእ ኣዝዩ ዝበርሀ ዓይነት መግለጺ ዝሓዛን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ተሓቲመን ወጻ። እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን: እቲ ክርስትያናት ንሰበ⁠-ስልጣናት ክህብዎ ዘለዎም ምእዛዝ ምሉእ ክኸውን ከም ዘይክእል ገለጸ። ተዛማዲ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ: ንህዝቢ ኣምላኽ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ከም ዝጋጨዉ ዝገብሮም ክኸውን የብሉን። ቀጺሉ ዝወጽእ ዝነበረ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ነዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዚ ኣጕሊሕዎ ኢዩ።c

15, 16. (ሀ) እቲ ሓድሽ ምርዳእ ናይ ሮሜ ምዕራፍ 13 ናብ እንታይ ዝሓሸ ሚዛን ዝሓለወ ምርዳእ ኢዩ ዘምርሐ፧ (ለ) ክምለሱ ዘድልዮም ሕቶታት ኣየኖት ኢዮም፧

15 እዚ ከምዚ ዝበለ ንሮሜ ምዕራፍ 13 ብልክዕ ንኽንርድኦ መፍትሕ ዝዀነ ነገር: ንህዝቢ የሆዋ ኣብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ከይተለማመጡ ንፖለቲካውያን ሰበ-ስልጣናት ዝግብኦም ክብሪ ክህብዎም ከለዉ ሚዛኖም ንኽሕልዉ ኣኽኢልዎም ኢዩ። (መዝሙር 97:11፣ ኤርምያስ 3:​15) ነቲ ምስ ኣምላኽን መንግስትን ዘለዎም ርክብ ግቡእ ኣረኣእያ ንኽህልዎም ኣኽኢልዎም ኢዩ። እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር ክህቡ ከለዉ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ከም ዝህብዎ ኣረጋጊጹ ኢዩ።

16 እንተዀነ ግን: ናይ ቄሳር ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ክርስትያን እንታይ ሕጋዊ ዝዀነ ሕቶ ኢዩ ከቕርብ ዝኽእል፧ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእየን ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a መዝሙር 103:⁠22 ኣብ ትሓዓ እግረ-ጽሑፍ ርአ።

b  ናይ 1 ከምኡውን 15 ሰነ 1929 ግምቢ ዘብዐኛ።

c ናይ 1 ከምኡውን 15 ሕዳር 1962፣ 1 ታሕሳስ 1962፣ 1 ሕዳር 1990፣ 1 ለካቲት 1993፣ 1 ሓምለ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።

ዘገርም ድማ ፕሮፌሰር ኤፍ. ኤፍ. ብሩስ ብዛዕባ ሮሜ ምዕራፍ 13 ሓሳባት ክህብ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ትሕዝቶን: ካብቲ ጠቕላላዊ ትሕዝቶ ናይ ሃዋርያት ጽሑፋትን ክንርእዮ ከም እንኽእል: መንግስቲ ምስቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝቘመሉ ዕላማ ብምስምማዕ ጥራይ ኢዩ ምእዛዝ ክደሊ ዝኽእል​—ብፍላይ ድማ ነቲ ንኣምላኽ ጥራይ ዝግባእ ምእዛዝ ክወስድ ምስ ዝፍትን ክትቃወሞ ትኽእል ኢኻ ጥራይ ዘይኰነስ ክትቃወሞ ግድን ኢዩ።”

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

◻ ንዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ምግዛእ ማለት ንሰይጣን ምግዛእ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ፖለቲካ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧

◻ ነቲ ምስ ቄሳር ዝነበሮም ርክብ ዝምልከት የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም፧

◻ ጳውሎስ ክርስትያናት ምስ ገዛእቲ ናይ ህዝብታት ብኸመይ ክመላለሱ ኢዩ ዝመዓዶም፧

◻ እቲ ንመንነት ናይቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ዝምልከት ምርዳእ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብኸመይ ኢዩ እናማዕበለ ዝመጸ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሰይጣን ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ ኣቕረበሉ: የሱስ ነጺግዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ራስል ክርስትያናት “ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ግዜና ዘለዉ ኣጸቢቖም ሕጊ ዘኽብሩ ሰባት ክዀኑ ኣለዎም ” ኢሉ ጸሓፈ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ