ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/8 ገጽ 3-4
  • ነፍሲ ዘይትመውት ድያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነፍሲ ዘይትመውት ድያ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓድሓደ ዘጨንቑ ሕቶታት
  • ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ ኢዩ፧
    ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
  • ህይወት ድሕሪ ሞት—ሰባት እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣብ ትንሳኤ ዘሎካ እምነት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጽኑዕ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ነፍሲ
    ንቕሑ!—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/8 ገጽ 3-4

ነፍሲ ዘይትመውት ድያ፧

ኣዕሩኽን ስድራቤትን ኣብ ዙርያ እቲ ክፉት ሳንዱቕ ሬሳ ብህድኣት ይዞሩ። ንሬሳ ናይቲ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ድማ ቀው ኢሎም ይጥምቱ ነበሩ። ካብ ቤት ትምህርቲ ዝመጹ ኣዕሩኹ ከለልይዎ ኣይከኣሉን። ናይ ስነ⁠-​ቐመም ሕክምና ንጸጕሩ ወዲእዎ: መንሽሮ ኸኣ ንኣካሉ ኣማህሚንዎ ነበረ። እዝስ እቲ ብሓቂ ዝፈልጥዎ ዓርኮም ድዩ፧ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት: ምስ ምሉእ ኣተሓሳስባኡ: ምስ ንቑሕ ኣእምሮኡ: ምስ ምሉእ ጕልበቱ​—⁠ህይወት ዘለዎ ኢዩ ነይሩ! ኣደ እቲ መንእሰይ ደጋጊማ “ቶሚ ሕጂ ሕጕስ ኢዩ። ኣምላኽ ንቶሚ ምስኡ ኣብ ሰማይ ክኸውን ደልይዎ ኢዩ” ብምባል ትበኪ ነበረት።

እዛ ብጓሂ ኵምትር ዝበለት ኣደ: ብገለ መገዲ ወዳ ጌና ብህይወት ኣሎ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ብመጠኑ ገለ ተስፋን መደዓዓስን ትረክብ ኢያ። ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን: ነፍሲ ዘይትመውት: እዚ ማለት ድማ ናይ ሰብኣዊ መንነት: ሓሳባት: ተዘክሮታት መንበሪ ምዃና ኢያ ተማሂራ። ናይ ወዳ ነፍሲ ፈጺማ ከም ዘይሞተት፣ ህያው መንፈሳዊት ኣካል ብምዃን ኣብ ግዜ ሞት ካብ ኣካሉ ተፈልያ ምስ ኣምላኽን ምስ መላእኽትን ክትከውን ናብ ሰማይ ከም ዝኸደት ኢያ እትኣምን።

ኣብ ግዜ ዘሕዝን ፍጻመ: ልቢ ሰብ ካብ ተስፋ ምቝራጽ እተላዕለ ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ተስፋ ጩራ ዘለዎ ነገር ይኣምን ኢዩ፣ ስለዚ: እዚ እምነት እዚ ስለምንታይ ብዙሕ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ንምርድኡ ኣየጸግምን ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ስነ⁠-​ሃይማኖት ምሁር ጀይ. ፓተርሰን⁠-​ስሚዝ ኣብታ ዘ ጎስፐል ኦቭ ዘ ሄርኣፍተር (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ኣተሓሳስባኡ ክገልጽ ከሎ ርአ:⁠- “ሞት ምስቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ነገር ማለት: ምስቲ ሞት ናብኡ ዝመርሓና ኣዝዩ ዘደንቕ ዓለም ኣወዳዲርካ ኣዝዩ ንእሽቶ ነገር ኢዩ።”

ኣብ ምልእቲ ምድሪ: ኣብ ብዙሕ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዝርከቡ ሰባት: ሰብ ሓንቲ ዘይትመውት ነፍሲ: እቲ ኣካል ድሕሪ ሙማቱ ምንባር ዝቕጽል ህያው መንፈስ: ኣብ ውሽጡ ከም ዘለዎ ይኣምኑ ኢዮም። እዚ እምነት እዚ ኣብተን ብኣማእታት ዝቝጸራ ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ሃይማኖታትን ኣንቈራታትን ዳርጋ ብብዝሒ ዝርከብ ኢዩ። ኣብ ኣይሁድነት እውን ወግዓዊ ሰረተ⁠-​እምነት ኢዩ። ኣመንቲ ሂንዱዚም ድማ እታ ኣትመን ወይ ነፍሲ: ግዜ ክጅመር ከሎ ኢያ ተፈጢራ: ኣብ እዋን ምውላድ ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣካል ትእሰር: ኣብ ግዜ ሞት ድማ በቲ ናይ ዳግመ⁠-​ምውላድ ቀጻሊ ዑደት ኣቢላ ናብ ካልእ ኣካል ከም እትጓዓዝ ኢዮም ዝኣምኑ። ኣመንቲ ምስልምና ኸኣ ነፍሲ ኣብ ግዜ ምውላድ ምስቲ ኣካል ሓቢራ ትመጽእ: እቲ ኣካል ድሕሪ ሙማቱ ድማ ምንባር ከም እትቕጽል ኢዮም ዝኣምኑ። ካልኦት እምነታት​—⁠ኣብ ኣፍሪቃ ዝመበቈሉ እምነት: ናይ ሺንቶ: ቡድሂዝም እምነታት እውን ከይተረፈ ብገለ ሸነኽ​—⁠ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ እተፈላለየ ትምህርትታት ይምህሩ ኢዮም።

ሓድሓደ ዘጨንቑ ሕቶታት

እቲ ዘይትመውት ነፍሲ ዝብል ሓሳብ: ዘይከሓድን ዳርጋ ሓፈሻዊ ተቐባልነት ድማ ዝረኸበን እኳ እንተዀነ: ጌና ግን ሓድሓደ ዘጨንቑ ሕቶታት የልዕል ኢዩ። ንኣብነት: ሰባት ሓደ ሰብ ኣብነታዊ ዘይኰነ ናብራ ይነብር እንተድኣ ነይሩ: ናይዚ ፍቑር ሰብ እዚ ነፍሲ ናበይ ከም እትኸይድ ይሓቱ ኢዮም። ትሑት ዓይነት ህይወት ብምሓዝ ዳግም ይውለድ ደዀን ይኸውን፧ ወይስ ናብቲ ብመስርሕ ሓዊ ሓሊፉ ናብ ሰማይ ክኸይድ ብቑዕ ምዃኑ ክሳዕ ዝእመነሉ ዝነጽሃሉ ቦታ ኢዩ ዝለኣኽ፧ ካብዚ ዝገደደ ኸኣ: ኣብ ዝቃጸል ገሃነም ንዘለኣለም ክሳቐ ድዩ፧ ወይስ ከምቲ እተን ነፍሲ ካብ ኣካል ምስ ተፈልየ ብህይወት ምንባር ይቕጽል ኢዩ ኢለን ዝኣምና ብዙሓት ሃይማኖታት ዝምህራኦ: ክትእብዶ ዘሎካ መንፈስ ኢዩ ዝኸውን፧

ከምዚ ዝበለ ትምህርትታት: ነቶም ብህይወት ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ፍርሂ ይፈጥረሎም ኢዩ። ኣብ ልዕሌና መዓት ከምጽኡ ኢዮም ብምባል ንመንፈስ ናይቶም ዝሞቱ ፍቑራትና ክንእብድ ኣሎናዶ ኢዩ፧ ካብቲ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ መንጽሂ ቦታ ንኽወጹ ክንሕግዞም ኣሎናዶ ኢዩ፧ ወይ ብሓሳብ ናይቲ ኣብ ገሃነም ዘሕልፍዎ ስቓይ ኣብ መውጽኢ ዘይብሉ ራዕዲ ኣቲና ከነንቀጥቅጥ ጥራይ ኢዩ ዘሎና፧ ወይስ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ነፍሲ እተሰከሙ ኢዮም ብምባል ንገለ ገለ ብህይወቶም ዘለዉ እንስሳታት ክንከናኸን ኢዩ ዘሎና፧

እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝለዓል ሕቶታት እውን ዘየቕስን ኢዩ። ንኣብነት: ከምታ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስናያ ኣደ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ወለዲ: ኣምላኽ ነታ ዘይትመውት ነፍሲ ናይቲ ቈልዓ ምስኡ ክትከውን ንሰማይ “ወሲድዋ” ብዝብል ሓሳብ ኣብ መጀመርታ ይጸናንዑ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት ሽዑ ንሽዑ: ካብ ብጓሂ እተዀምተሩ ወለዲ መንጢሉ ምስኡ ኣብ ሰማይ ምእንቲ ክኸውን ጥራይ ብምባል ንሓደ ንጹህ ውላድ ቀዛፊ ሕማም ኣውሪዱ ቅድሚ ግዜኡ ከም ዝመውት ዝገብር ኣምላኽ: እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ክሓቱ ይጅምሩ። ናይ ከምዚ ዝበለ ኣምላኽ ፍትሒ: ፍቕሪ: ምሕረት ኣበይ ኣሎ፧ አረ ገሊኦምሲ ንጥበብ ናይ ከምዚ ዝበለ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ይጠራጠርሉ ኢዮም። ኵለን ነፍሳት ብዝዀነ መገዲ ኣብ መወዳእታኡ ንሰማይ ዝኸዳ እንተድኣ ዀይነን ስለምንታይ ድኣ ኢዩ ሓደ ጥበበኛ ኣምላኽ ብመጀመርታኡ ኣብ ምድሪ ዘንበረን፧ ብምባል ይሓቱ። እዝስ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጥረት ብሓቂ ከንቱ ጻዕሪ ኢዩ ነይሩ ማለትዶ ኸይኰነ፧​—⁠ምስ ዘዳግም 32:4፣ መዝሙር 103:8፣ ኢሳይያስ 45:18፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠8 ኣረኣእዮ።

ብሓቂ እምበኣር: እቲ ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ⁠-​እምነት ብዝዀነ ዓይነት ናይ ሰረተ⁠-​እምነት ኣመሃህራ ይቕረብ ብዘየገድስ: ዘደንጹ ሕቶታት: ዝጋጮ ሓሳባት እውን ከይተረፈ ዘስዕብ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ዝበዝሕ እቲ ጸገም ምስ መበቈል ናይቲ ትምህርቲ እተተሓሓዘ ብምዃኑ ኢዩ። ኣሕጽር ኣቢልካ ነቲ መበቈሉ ምድህሳስ ትምህርቲ ዘለዎ ምዃኑ ክትርኢ ኢኻ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ብዛዕባ ነፍሲ ዝብሎ ምፍላጥ ድማ ዘገርም ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ካብቲ ናይ ዓለም ሃይማኖታት ብልምዲ ዝምህርኦ ንላዕሊ: ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ዝሓሸ ተስፋ ዝህብ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ