ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/9 ገጽ 25-28
  • ነቲ ትውክልቲ ዝግበሮ ኣምላኽ ምግልጋል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ትውክልቲ ዝግበሮ ኣምላኽ ምግልጋል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ግሪኽ ምዕባይ
  • ኣብ ማእከል ውግእ ሓድሕድ
  • ክትውከሎ እትኽእል ተስፋ ምርካብ
  • ምምራኽን ማእሰርትን
  • ሃይማኖት ብምልዋጥ ተኸሰስኩ
  • ሞት ወደይ
  • ካልኦት ኣብ የሆዋ ክውከሉ ምሕጋዞም
  • ሃብታም ውርሻ
  • ኣብ የሆዋ ክንውከል ቈረጽና
  • ኣብ ትሕቲ ናይ የሆዋ ፈቃር ኢድ ኴንካ ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንየሆዋ እቲ ዝግብኦ ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንልዕሊ 50 ዓመታት እተገብረ ‘ምሕላፍ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ከም ጕሁር እቶን ሓዊ ዝኣመሰለ መሪር ፈተና ኣሕለፍኩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/9 ገጽ 25-28

ነቲ ትውክልቲ ዝግበሮ ኣምላኽ ምግልጋል

ብኪሞን ፕሮጋኪስ እተዘንተወ

ኣዝዩ ቈራሪ ዝዀነ ምሸት ናይ 1955 ኢዩ ነይሩ። እቲ ወዲ 18 ዓመት ዝዀነ ዮርጎስ ወድና ካብቲ ዝሰርሓሉ ንእሽቶ ድኳን ስለ ዘይተመልሰ ያኑለ በዓልቲ ቤተይን ኣነን ክንሻቐል ጀመርና። ሃንደበት ድማ ሓደ ፖሊስ ማዕጾ ኳሕኵሐ። “ወድኹም ብብሽክለታ ገይሩ ናብ ገዛ እናመጸ ከሎ ተረጊጹ ሞይቱ” በለ። ቅርብ ኢሉ ድማ “ብሓደጋ ኢዩ ሞይቱ ኢሎም ክነግሩኹም ኢዮም: ግን እመኑኒ ተቐቲሉ ኢዩ” ብምባል ብምሕሹኽሻኽ ተዛረበ። ናይቲ ከባቢ ቀሽን ገለ መራሕቲ ወታሃደራዊ ጕጅለን ንኽቐትልዎ ተማኺሮም ነበሩ።

ኣብቲ ግሪኽ ካብ ህውከትን መከራን እትወጸሉ ዝነበረት ዓመታት: ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃን ሓደገኛ ኢዩ ነይሩ። ንልዕሊ 15 ዓመታት ናታቶም ንጡፍ ኣባል ስለ ዝነበርኩ: ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበራት ናይቲ ወተሃደራዊ ጕጅለን ዝነበሮም ሓይሊ ኣጸቢቐ እፈልጦ ኢየ። ነቲ 40 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ነዚ ኣብ ስድራቤትና ዝወረደ ዘሕዝን ፍጻመታት ዘስዓቦ ነገር ክነግረኩም።

ኣብ ግሪኽ ምዕባይ

ብ1902 ካብ ሓንቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ካልኪስ: ግሪኽ: እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት ዘላ ሃብታም ስድራቤት ኢየ ተወሊደ። ኣቦይ ኣብ ፖለቲካ ናይቲ ከባቢ ንጡፍ ኢዩ ነይሩ: ስድራቤትና ድማ ቀንዲ ኣባል ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ነበረት። መብዛሕትኦም ደቂ ዓደይ መሃይማን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣነ ግን ናይ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን መጻሕፍቲ ህርኩት ኣንባቢ ኰንኩ።

እቲ ኣብ መጀመርያ ናይ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረ ግኑን ድኽነትን ምጕዳል ፍትሕን ዝሓሸ ኵነታት ዘለዋ ዓለም ንኽትህሉ ባህጊ ከም ዘሕድር ገበረኒ። ሃይማኖት ነቲ ኣብ ደቂ ዓደይ ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ምምሕያሽ ከምጽኣሉ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣሕደርኩ። ነቲ ዝነበረኒ ሃይማኖታዊ ዝንባለ ርእዮም እቶም ኣብቲ ዝነበርክዎ ቝሸት ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ማሕበረሰብና ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቀሺ ክኸውን ሓሳብ ኣቕረቡለይ። ይኹን እምበር: ሽሕ’ኳ ብዙሕ ገዳማት እንተበጻሕኩ ከምኡውን ምስ ኣቡናትን ኣበ⁠-​ገዳማትን ነዊሕ ምይይጣት እንተገበርኩ: ነዚ ከምዚ ዝበለ ሓላፍነት ክቕበል ቅሩብ ወይ ፍቓደኛ ከም ዝዀንኩ ኣይተሰምዓንን።

ኣብ ማእከል ውግእ ሓድሕድ

ዓመታት ጸኒሑ: ኣብ ሚያዝያ 1941 ግሪኽ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናዚ ኣተወት። እዚ ድማ ኣሰቃቒ ዝዀነ ቕትለት: ጥሜት: ምግፋፍ መሰል: ከምኡውን እዚ ዘይብሃል ናይ ሰብ ስቓይ ከም ዝጅመር ገበረ። ሓያል ዝዀነ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ማዕበለ: ኣነ ድማ ምስ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ወራር ናዚ ዝቃለሱ ዝነበሩ ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ጕጅለታት ተሰለፍኩ። ስለዚ ድማ: ገዛይ ብዙሕ ግዜ ብሓዊ ነደደ: ብጥይት ቈሰልኩ: ዝነበረኒ ኣእኻል ድማ ተቓጸለ። ኣብ መጀመርታ ናይ 1943 ኣነን ስድራቤተይን ናብቲ ሓባጥ ጎባጥ ኣኽራን ምህዳም እንተዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን። ክሳዕ እቲ ናይ ጀርመን ጐበጣ ኣብ ጥቅምቲ 1944 ዝውዳእ ድማ ኣብቲ ኣኽራን ጸናሕና።

ጀርመናውያን ምስ ወጹ ናይ ውሽጢ ፖለቲካውን ሓድሕዳውን ህውከት ጀመረ። እቲ ኣነ ዝነበርክዎ ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ጕጅለ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ውግእ ሓድሕድ ዝነበሩ ቀንዲ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኰነ። ሽሕ’ኳ እቲ ብዛዕባ ፍትሒ: ማዕርነት: ከምኡውን ብጻይነት ዝገልጽ ናይ ኮሙኒስት ኣተሓሳስባታት ደስ ዘብለኒ እንተነበረ: ናይ ብሓቂ ኣብ ተግባር ኣወዓዕልኡ ግን ቀስ እናበለ ካብ ምድንጋር ናጻ ገበረኒ። ኣብቲ ጕጅለ ዝለዓለ ቦታ ስለ ዝነበረኒ: ስልጣን ንሰባት ከም ዘበላሽዎም ብዓይነይ ርእየ ኢየ። ዋላ እኳ ብሉጽ ዝመስል ክልሰ-ሓሳባትን ርእይቶታትን እንተነበረ: ስስዐን ዘይፍጽምናን ነቲ ዝበለጸ ፖለቲካዊ ህቃነታት የበላሽዎ ኢዩ።

ካብ ኵሉ ዘሰንበደኒ ድማ ኣብ እተፈላለየ ወገናት ናይቲ ሓድሕዳዊ ምግርጫው: ናይ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽቲ ንደቂ ሃይማኖቶም ክቐትሉ መሳርያ ምልዓሎም ኢዩ ነይሩ! ንገዛእ ርእሰይ ድማ ‘ከመይ ገይሮም ኢዮም እዞም ኣቕሽሽቲ እዚኣቶም ነቲ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም” ኢሉ ዘጠንቀቐ የሱስ ክርስቶስ ንውክል ኢና ክብሉ ዝኽእሉ፧’ ኢለ ሓሰብኩ።​—ማቴዎስ 26:⁠52

ኣብ እዋን እቲ ብ1946 ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ጥቓ እታ ኣብ ማእከላይ ግሪኽ እትርከብ ከተማ ላምያ ተሓቢአ ነበርኩ። ክዳውንተይ ኣጸቢቑ ኣሪጉ ነበረ: ስለዚ ድማ ካልእ ሰብ መሲለ ናብቲ ኣብ ከተማ ዘሎ ሰፋይ ክዳውንቲ ብምኻድ ሓድሽ ክዳን ከስፊ ወሰንኩ። ኣብኡ ክበጽሕ ከሎኹ ድማ ርሱን ክትዕ ነበረ: ቀልጢፈ ድማ ብዛዕባ ፖለቲካ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ቀደም ዝፈትዎ ዝነበርኩ ኣርእስቲ ማለት ብዛዕባ ሃይማኖት ክዛረብ ጀመርኩ። ነቲ ዝህቦ ዝነበርኩ ናይ ምሁራት ኣረኣእያታት ተገንዚቦም እቶም ተዓዘብቲ ምስ ሓደ ‘ናይ ቴኦሎጂ ፕሮፈሰር’ ክዛረብ ሓሳባት ኣቕረቡ። ቀልጢፎም ድማ ክጽውዕዎ ከዱ።

ክትውከሎ እትኽእል ተስፋ ምርካብ

ኣብቲ ዝሰዓበ ምይይጥ ድማ እቲ “ፕሮፈሰር” መሰረት እምነተይ እንታይ ምዃኑ ሓተተኒ። ኣነ ድማ “ቅዱሳት ኣቦታትን ምሉእ ኣካል ሲኖዶስን” ኢለ መለስኩሉ። ኣብ ክንዲ ዝቃወመኒ ካብታ ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱሱ ማቴዎስ 23:​9, 10 ገንጺሉ ነዚ ዝስዕብ ቃላት የሱስ ኣንብብ በለኒ:- “ኣቦኹም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ: ሓደ እዩ እሞ: ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ እዩ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ: ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ።”

እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ መኽፈቲ ኣዒንተይ ኰና! እቲ ሰብኣይ ሓቂ ይነግር ምህላዉ ኣስተውዓልኩ። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኑ ምስ ነገረኒ ድማ: ዝንበብ ጽሑፋት ክህበኒ ሓተትክዎ። ነታ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ሓሳባት እትህብ ላይት እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣምጽኣለይ: ናብቲ ተሓቢአሉ ዝነበርኩ ቦታ ኸኣ ሒዘያ ከድኩ። እቶም ኣብ ራእይ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣራዊት ንነዊሕ እዋን ምስጢር ኰይኖምኒ ነበሩ: ሕጂ ግን እዚኣቶም ኣብ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበንና ዘለዉ ፖለቲካውያን ማሕበራት ከም ዘመልክቱ ተገንዘብኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንግዜና ዝኸውን ተግባራዊ ትርጕም ከም ዘለዎ: ስለዚ ድማ ከንብቦን ህይወተይ ድማ በቲ ሓቅታቱ ኣቢለ ክመርሓን ከም ዝግብኣኒ ክርዳእ ጀመርኩ።

ምምራኽን ማእሰርትን

ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሑ: ወተሃደራት ናብቲ ተሓቢአሉ ዝነበርኩ ቦታ ጥሒሶም ብምእታው ሓዙኒ። ኣብ ናይ ትሕቲ ምድሪ ቤት ማእሰርቲ ድማ ተደርበኹ። ንገለ ግዜ ከም ሽፍታ ይድለ ስለ ዝነበርኩ ክመውት ተጸቤኹ። ኣብቲ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ቦታ ከሎኹ ድማ እቲ መጀመርታ እተዛረበኒ ምስክር በጽሓኒ። ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክውከል ኣተባብዓኒ: ከምኡ ድማ ገበርኩ። ንሹዱሽተ ኣዋርሕ ናብታ ኣብ ኢኮሪያ ዝነበረት ደሴት ኤጅያን ክሕየር ድማ ተፈረድኩ።

ኣብኡ ብጽሕ ምስ በልኩ ድማ ንገዛእ ርእሰይ ከም ኮሙኒስት ዘይኰነስ ከም ናይ የሆዋ ምስክር ገይረ ኣፋለጥክዋ። ካልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እተማህሩ ሰባት እውን ኣብኡ ተሓይሮም ስለ ዝነበሩ ድማ ደልየ ረኸብክዎም: ስርዓታውያን ኴንና ኸኣ ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽናዕና። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝያዳ ፍልጠት ክረክብን ብዛዕባ እቲ ክትውከሎ እትኽእል የሆዋ ኣምላኽ ድማ ዝሓሸ ምርዳእ ክረክብን ሓገዙኒ።

ብ1947 ፍርደይ ምስ ወዳእኩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣኽባር ሕጊ ተጸዋዕኩ። በቲ ጠባየይ ከም እተመሰጠ ከምኡውን እንደገና ምስ ዝሕየር ንዕኡ [ነቲ በዓል ስልጣን] ክሓትዎ ንምሕባር ስሙ ክነግሮም ከም ዝኽእል ነገረኒ። ኣብቲ ብድሕረይ ስድራቤተይ ዝቐየርዎ ቦታ: ኣብ ኣቴንስ: ምስ በጻሕኩ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ክሓብር ጀመርኩ: ብዙሕ ከይጸናሕኩ ድማ ነቲ ናብ የሆዋ ዝገበርክዎ ወፈያ ንምርኣይ ተጠመቕኩ።

ሃይማኖት ብምልዋጥ ተኸሰስኩ

ንዓሰርተታት ዓመታት: ብመሰረት እቲ ብ1938 ከምኡውን 1939 ንሃይማኖት ምልዋጥ ዝምልከት ዝወጸ ሕጊ: ግሪኽ ንናይ የሆዋ መሳኻኽር ተሳጕጎም ነበረት። ስለዚ ድማ ካብ 1938 ክሳዕ 1992 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ግሪኽ 19,147 ግዜ ዝኸውን ናይ መሰኻኽር ማእሰርቲ ነበረ: እቲ ኣብያተ ፍርዲ ድማ ብጠቕላላ ን753 ዓመታት ፈረዶም: ካብዚ ድማ 593 ዓመታት ኣብ ግብሪ ወዓለ። ብብሕተይ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ብምስባኸይ ልዕሊ 40 ግዜ ተኣሲረ: ብጠቕላላ ድማ ኣብ እተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ 27 ኣዋርሕ ኣሕለፍኩ።

ሓደ ካብቲ እተኣሰርኩሉ ምኽንያታት ነቲ ኣብ ከልኪስ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቀሺ ደብዳበ ስለ ዝጸሓፍኩሉ ኢዩ ነይሩ። ብ1955 እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ናብ ኵሎም ኣቕሽሽቲ ነታ ክርስችያንዶም ኦር ክርስችያኒቲ​—ዊች ዋን ኢዝ “ዘ ላይት ኦቭ ዘ ዎርልድ”፧ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ክልእካኣ ተተባቢዐን ነበራ። እቲ ደብዳበ ዝጸሓፍኩሉ ሓደ ካብቶም ዝለዓለ መዓርግ ዝነበሮም ኣቕሽሽቲ: ሃይማኖት ብምቕያር ከሰሰኒ። ኣብ ግዜ እቲ መጋባእያ: ክልቲኦም ማለት እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ጠበቓን እቲ ናይቲ ከባቢ ጠበቓን ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት ግዴታ ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎ ብስራት ምስባኽ ምዃኑ ብምግላጽ ውሕሉል ናይ ደገፍ መርትዖታት ኣቕረቡ።​—ማቴዎስ 24:⁠14

እቲ ማእከላይ ዳኛ ነቲ ኣርኪማንድራይት (ትሕቲ ኣቡን ዝዀነ ክብሪ ዘለዎ ማዓርግ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን) “ነታ ደብዳበን ንእሽቶ መጽሓፍን ኣንቢብካየን ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ንሱ ድማ ሓይሊ ብዘለዎ መገዲ “ኣየንበብክወንን: ነታ ሰታሪት ክፍት ምስ ኣበልክዋ ቀዲደ ኢየ ደርቤየን” ኢሉ መለሰ።

እቲ ማእከላይ ዳኛ ድማ “እሞ ከመይ ገይረካ ድኣ ኢኻ እዚ ሰብኣይ እዚ ሃይማኖት ከቐይረካ ከም ዝደለየ እትዛረብ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ቀጺሉ እቲ ናትና ጠበቓ: ናይቶም ንህዝባዊ ኣብያተ ንባብ ክኸውን ኢሎም ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝወፈዩ ፕሮፈሰራትን ካልኦትን ኣብነት ጠቐሰ። “እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኻልኦት ሃይማኖት ከቐይሩ ሓሲቦምዶ ምበልካ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ብንጹር ከምዚ ዝበለ ዕዮ ምስ ሃይማኖት ምቕያር ኣይሕሰብን ኢዩ። ነቲ “ገበነኛ ኣይኰነን” ዝብል ብይን ምስ ሰማዕኩ ድማ ንየሆዋ ኣመስገንኩ።

ሞት ወደይ

ዮርጎስ ወደይ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽቲ ምልዕዓል ብቐጻሊ ይሽገር ነይሩ ኢዩ። ንሱ እውን ብምኽንያት እቲ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዝገብሮ ዝነበረ ቅንኢ እተሓወሶ ምእዋጅ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ተኣሲሩ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ: እቶም ተጻረርቲ ንዕኡ ከጥፍእዎ: እቶም ዝተረፍና ድማ ሰብከት ደው ንኸነብል መፈራርሂ ደብዳበ ክሰዱልና ወሰኑ።

እቲ ሞት ዮርጎስ ክነግረና ዝመጸ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቀሽን ገለ ናይ ወተሃደራዊ ጕጅለ መራሕትን ንወድና ክቐትልዎ ከም እተመሻጠሩ ነገረና። ኣብቲ ጽንኩር እዋን እቲ ከምዚኦም ዝበሉ “ሓደጋታት” ልሙዳት ኢዮም ነይሮም። ዋላ እኳ ብሞቱ እንተ ሓዘንና: ኣብ ናይ ስብከት ዕዮ ንጡፋት ንኽንከውንን ኣብ የሆዋ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክንውከልን ዝነበረና ቈራጽነት ተበራቲዑ ኢዩ።

ካልኦት ኣብ የሆዋ ክውከሉ ምሕጋዞም

ኣብ መፋርቕ 1960ታት ዝነበረ እዋን: በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ ኣብታ ካብ ኣቴንስ 50 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ቍሸት ስካላ ኦሮፖስ ብምኻድ የሕልፍዎ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብኡ ዋላ ሓደ ምስክር ስለ ዘይነበረ ድማ ንጐረባብትና ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ንገብረሎም ነበርና። ገለ ገለ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ድማ ብጽቡቕ ተቐበልዎ። እቶም ሰብኡት ኣብ ግዜ ቀትሪ ኣብቲ ሕርሻታቶም ክሰርሑ ነዊሕ ሰዓታት ስለ ዘሕልፉ: ጽንዓት መጽሐፍ ቅዱስ ምሸት ንገብር ነበርና: ብዙሓት ካብኣቶም ድማ መሰኻኽር ኰኑ።

የሆዋ ንጻዕርታትና ብኸመይ ይባርኾ ከም ዝነበረ ብምርኣይ: ንገለ 15 ዓመታት ዝኸውን ምስቶም ተገደስቲ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናብቲ ቦታ ንኸይድ ነበርና። ኣብቲ ቦታ እቲ ጽንዓት እንገብረሎም ዝነበርና ዳርጋ 30 ዝዀኑ ሰባት ዕብየት ብምግባር ናብ ጥምቀት በጽሑ። ኣብ መጀመርታ ናይ መጽናዕቲ ጕጅለ ተመስረተ: ኣነ ድማ ነቲ ኣኼባታት ክመርሖ ተመዘዝኩ። ዳሕራይ እታ ጕጅለ ዝነበረት ጉባኤ ኰነት: ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ሚእቲ መሰኻኽር ናይቲ ከባቢ ዘለውዋ ጉባኤ ማላካሳ ቈመት። ካብቶም ዝሓገዝናዮም ሰባት ኣርባዕተ ሕጂ ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሕቲ ኰይኖም ብምግልጋሎም ንሕጐስ ኢና።

ሃብታም ውርሻ

ህይወተይ ንየሆዋ ምስ ወፈኹ ድሕሪ ቑሩብ ግዜ በዓልቲ ቤተይ ብመንፈስ ክትዓቢ ጀመረት: ተጠምቀት ድማ። ኣብቲ ከቢድ መስጐጕቲ ዝነበረሉ እዋን: እምነታ ጽኑዕ ኰይኑ ቀጸለ: ንጽህናኣ ኣብ ምሕላው ድማ ድልድልትን ዘይትነቓነቕን ነበረት። ብሰንኪ እቲ ተደጋጋሚ ምእሳረይ ዝስዕብ ዝነበረ ብዙሕ ግድላት ፈጺማ ኣዕዘምዚማ ኣይትፈልጥን ኢያ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ሓቢርና ብዙሕ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕና ኢና: በቲ ዘለዋ ቀሊልን ውዕዉዕን ኣቀራርባ ድማ ንብዙሓት ስሉጥ ብዝዀነ መገዲ ክትሕግዞም ክኢላ ኢያ። ኣብዚ እዋን እዚ: ስርዓታዊት ኰይና ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት እተበጻጽሓሎም ብዙሓት ሰባት ኣለዉዋ።

ብዓቢኡ ብምኽንያት እቲ ፍቕራዊ ሓገዝ ብጸይተይ: ሽዱሽተ ደቂ ደቅናን ኣርባዕተ ንደቂ ደቅና ደቆምን ሓዊስካ ሰለስተ ብህይወቶም ዘለዉ ደቅናን ስድራቤቶምን ኵላቶም ኣብ ኣገልገሎት የሆዋ ንጡፋት ኢዮም። ሽሕ’ኳ ከምቲ ንዓይን ንበዓልቲ ቤተይን ዘጋጠመና ዓይነት መስጐግትን መሪር ምጽራርን እንተዘየጋጠሞም: ትውክልቶም ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ገበሩ: ብመገድታቱ ምምልላስ ድማ ቀጸሉ። ኵላትና ኣብ ትንሳኤ ምስቲ ፍቑር ዮርጎስ እንደገና ክንሓብርሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!

ኣብ የሆዋ ክንውከል ቈረጽና

ኣብዚ ዝሓለፈ ዅሉ ዓመታት: መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ክዓዪ ርእየ ኢየ። እታ ብመንፈስ እትምራሕ ማሕበሩ: ኣብ ናይ ሰብ ጻዕርታት ክንውከል ከም ዘይንኽእል ክርዳእ ሓጊዛትኒ ኢያ። ሰባት ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ዝህብዎ መብጽዓታት ካብ ዓቢ ሓሶት ሓሊፉ ካልእ ዋላ ሓንቲ የብሉን።​—መዝሙር 146:⁠3, 4

ዋላ እኳ ዕቤትን ከቢድ ናይ ጥዕና ግድልን እንተሎኒ: ኣዒንተይ ናብቲ ናይታ መንግስቲ ተስፋ ግሁድ ዝዀነሉ እዋን ኢየን ኣተኲረን ዝጥምታ። ነቲ ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ውፉይ ብምዃንን ብፖለቲካዊ መገዲ ድማ ዝሓሸ ኵነታት ንምምጻእ ኣብ ምፍታንን ዘሕለፍክዎ ዓመታት ብሓቂ ኢየ ዝጥዓሰሉ። እንደገና ንድሕሪት ተመሊሰ ክነብር እንተዝኽእል: ብዘይ ገለ ሕቶ ነቲ ትውክልቲ ክግበሮ ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ ከገልግል ምወሰንኩ።

ኪሞን ፕሮጋኪስ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብሞት ዓሪፉ ኢዩ። ምድራዊ ተስፋ ድማ ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ በዓልቲ ቤቱ ያኑለ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተሳእልዎ ናይ ኪሞን ስእሊ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ