ንየሆዋ እቲ ዝግብኦ ምሃብ
ብቲሞልዮን ቫሲሊዩ እተዘንተወ
ኣብ አይዞኖሆሪ እትበሃል ቍሸት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝማሃርኩ ተኣሰርኩ። እቶም ፖሊስ ጫማይ ኣውጺኦም ከብዲ እግረይ ክቕጥቅጡኒ ጀመሩ። እቲ ማህረምቲ እናቐጸለ ምስ ከደ ኣእጋረይ ስለ ዝደንዘዘ እቲ ስቓይ ኣይስምዓንን ነበረ። ኣካላዊ ማህሰይቲ ምውራድ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግሪኽ ልሙድ ነበረ። እዚ ኣባይ ዝወረደ ማህሰይቲ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ቅድሚ ምግላጸይ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህር ብኸመይ ከም ዝዀንኩ ከዘንትወልኩም።
ብ1921 ምስ ተወለድኩ ብዙሕ ከይጸንሐ ስድራቤትና ናብ ሮዶሊቮስ እትበሃል ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ገዓዘት። መንእሰይ ከለኹ ስርዓት ዘይብሉ ናብራ እነብር ነበርኩ። ወዲ 11 ዓመት ከለኹ ሽጋራ ከትክኽ ጀመርኩ። ደሓር: ብዙሕ መስተ ዝሰትን ተጣላዕን ኰንኩ: ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ከኣ ቅጥዒ ናብ ዘይብሉ ፓርቲ እኸይድ ነበርኩ። ናይ ሙዚቃ ክእለት ነበረኒ: ስለዚ ኣብቲ ዓዲ ምስ እትርከብ ሓንቲ ባንድ ተጸምበርኩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ዳርጋ ንዅሉ ናይቲ ባንድ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ክወቅዕ ከኣልኩ። እንተዀነ ግን: ጥንቁቕን ፍትሒ ዝፈቱን ሰብ ነበርኩ።
ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ መጀመርታ 1940: ኣብ ቀብሪ ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ሙዚቃ ክንሃርም ባንድና ተዓደመት። ኣብ ጥቓ እቲ መቓብር እቶም ኣዝማዳን ፈተውታን ዓሚቝ ሓዘን ተሰሚዕዎም ይበኽዩ ነበሩ። ምሉእ ብምሉእ ተስፋ ቘሪጾም ብምርኣየይ ኣጸቢቑ ተሰማዓኒ። ‘ስለምንታይ ኢና እንመውት፧ ድሕሪ እዛ ሓጻር ህይወትና ገለ ነገር ኣሎ ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኣበይ ኢየ መልሲ ክረክብ ዝኽእል፧’ ብምባል ክሓስብ ጀመርኩ።
ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ኣብቲ ኣብ ገዛይ ዝነበረ መቐመጢ መጻሕፍቲ ሓንቲ ቅዳሕ ናይ ሓድሽ ኪዳን ከም ዘላ ኣስተውዓልኩ። ነታ መጽሓፍ ኣልዒለ ድማ ከንብብ ጀመርኩ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:7 ዘሎ ኣብ ግዜ ህላወ የሱስ ሰፊሕ ውግእ ክለዓል ምዃኑ ዝገልጽ ምስ ኣንበብኩ: እተን ቃላት እቲአን ኣብ ግዜና ይፍጸማ ከም ዘለዋ ክርድኣኒ ጀመረ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ሰሙናት ነዛ ቅዳሕ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ደጋጊመ ኣንበብኩዋ።
ድሕርዚ ኣብ ታሕሳስ 1940 ነታ ኣብ ጥቓና እትርከብ ሓንቲ መበለት ምስ ሓሙሽተ ደቃ ዝሓዘት ስድራቤት ክበጽሕ ከድኩ። ኣብቲ ናይ ገዝኦም ዋልድቢት ብዙሕ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ረኸብኩ: ሓንቲ ካብተን ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ኸኣ ኤ ዲዛይራብል ጋቨርንመንት (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትመት ነበረት። ኣብታ ዋልድቢት ኰይነ ንብምልእታ እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣንበብክዋ። ምስ ኣንበብክዋ ብርግጽ ኣብተን መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልታት” ዝብለን ንነብር ከም ዘሎና ከምኡውን የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ዘሎ ኣገባብ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣጥፊኡ ብጽድቂ ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም ክትክኦ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ኣመንኩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ 2 ጴጥሮስ 3:13
እቶም እሙናት ሰባት ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ ምዃኖም ከምኡውን ኣብታ ብመንግስቲ ኣምላኽ እትመሓደር ሓዳስ ዓለም ስቓይን ሞትን ከም ዘይህሉ ዘረድእ ጥቕሳዊ መርትዖታት ምስ ረኸብኩ ብፍላይ ተንኪፍኒ ኢዩ። (መዝሙር 37:9-11, 29፣ ራእይ 21:3, 4) እናንበብኩ ከለኹ ኣምላኽ ነዚ ንኽፈልጥ ስለ ዝሓገዘኒ ብጸሎት ኣመስገንክዎ: ካባና ዝደልዮ ብቕዓታት እንታይ ምዃኑ ከርእየኒ ኸኣ ሓተትክዎ። ንየሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ነፍሰይ ክውፍየሉ ዝግብኦ ምዃኑ ንጹር ኰነለይ።—ማቴዎስ 22:37
ነቲ እተማሃርክዎ ኣብ ግብሪ ምውዓል
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ ሽጋራ ምትካኽ: ምስካር: ከምኡውን ምጥላዕ ኣቋረጽኩ። ነቶም ሓሙሽተ ደቂ እታ መበለትን ሰለስተ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣኪበ ካብታ ንእሽቶ መጽሓፍ እተማሃርክዎ ዘበለ ኵሉ ገለጽኩሎም። ነዊሕ ከይጸናሕና ኵላትና ነታ ዘላትና ንእሽቶ ፍልጠት ንኻልኦት ከነካፍሎም ጀመርና። ምስ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኺብና ዘይንፈልጥ እኳ እንተዀንና: ኣብቲ ማሕበረሰብ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተፈለጥና። ካብ መጀመርታ ኣትሒዘ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ዝፈለጥክዎ ዘደንቕ ነገራት ንምንጋር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ ሚእቲ ሰዓታት አሕልፍ ነበርኩ።
ሓደ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቀሺ ክኸሰና ኢሉ ናብቲ ከንቲባ ኸደ። እንተዀነ ግን: ንሕና ከይፈለጥና ኣቐድም ኣቢሉ ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ዝጠፍአ ፈረስ ረኺቡ ናብ ዋንኡ መሊስዎ ነበረ። ስለቲ ቅንዕናኡ እቲ ከንቲባ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር የኽብሮም ስለ ዝነበረ እቲ ቀሺ ዝበሎ ኣይሰምዖን።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ጥቅምቲ ናይ 1941 ኣቢሉ: ኣብ ዕዳጋ እናመስከርኩ ከለኹ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ጥቓና ዘላ ንእሽቶ ከተማ ዝነብር ናይ የሆዋ ምስክር ተዛረበ። እዚ ናይ የሆዋ ምስክር እዚ ከሪስቶስ ተሪያንታፊሉ ዝበሃል ቀደም ፖሊስ ዝነበረ ኢዩ። ንዕኡ ክረኽቦ ከድኩ: ካብ 1932 ኣትሒዙ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ ድማ ፈለጥኩ። ብዙሕ ቀደም እተሓትመ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ምስ ሃበኒ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ እተሰምዓኒ! እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽገብር ብሓቂ ሓገዘኒ።
ብ1943 ህይወተይ ንኣምላኽ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብተን ኣብ ጥቓና ዝነበራ ድራቪስኮስ: ፓልዮኮሚ: ከምኡውን ማቭሮሎፎስ ዝበሃላ ሰለስተ ቍሸታት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ ነበርኩ። ነታ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እጥቀመላ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብቲ ከባቢ ኣርባዕተ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክቘማ ከለዋ ናይ ምርኣይ መሰል ረኺበ ኢየ።
ዕንቅፋት እናጓነፈ ኸሎ ምስባኽ
ብ1944 ግሪኽ ካብ ግዝኣት ጀርመን ሓራ ወጸት: ገለ ግዜ ጸኒሑ ድማ ምስቲ ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ርክብ ምግባር ተጀመረ። እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት: መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ ዘይተሰብከሉ ቦታ ኸይደ ንኸገልግል ዕድመ ኣቕረበለይ። ናብኡ ምስ ከድኩ ንሰለስተ ወርሒ ኣብ ሕርሻ ሰራሕኩ: ነቲ ዝተረፈ ኣዋርሕ ናይታ ዓመት ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ኣሕለፍክዎ።
ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣደይ ከምኡውን እታ መበለት ምስቶም ኣርባዕተ ዝዓበዩ ደቃ ክትጥመቕ ከላ ብምርኣየይ ተባሪኸ ኢየ። እታ ማሪያንዚ እትበሃል ዝነኣሰት ጓል እታ መበለት ብ1943 ተጠምቀት እሞ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 1944 ፍቕርቲ በዓልቲ ቤተይ ኰነት። ድሕሪ ሰላሳ ዓመት: ብ1974 ኣቦይ እውን እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ።
ኣብ መጀመርታ 1945 ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንመጀመርታ ግዜ ቅዳሕ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጸትና። ኣርእስቲ ናይታ ዓንቀጽ ከኣ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ነበረ። (ማቴዎስ 28:19) ብኡንብኡ ኣነን ማሪያንዚን ኣብ ምብራቕ ፈለግ ስትርይሞን ዝርከብ ርሕቕ ዝበለ ዞባታት ንምግልጋል ከድና። ድሓር: ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዕዮ ተጸምበሩና።
ናብ ሓንቲ ቍሸት ንኽንበጽሕ መብዛሕትኡ እዋን ጥራሕ እግርና ስንጭሮታትን ጎቦታትን ጥሒስና ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ንጓዓዝ ነበርና። ጥራሕ እግርና እንኸደሉ ምኽንያት ከኣ ቅያር ጫማ ስለ ዘይነበረና ንኸይኣርግ ኢዩ። ካብ 1946 ክሳዕ 1949 ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ንግሪኽ ኣዕነዋ: ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምጕዓዝ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ፈቐዶ መገዲ ሬሳ ተደርብዩ ምርኣይ ልሙድ ነበረ።
በቲ ጸገማት ተስፋ ኣብ ክንዲ እንቘርጽ: ብቕንኢ ኣገልግሎትና ቀጸልና። ብዙሕ ግዜ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝጸሓፎ ዓይነት ስምዒት ነበረኒ:- “በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ እዩ: ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ: ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ: ክፉእ ኣይፈርህን እየ።” (መዝሙር 23:4) ኣብቲ እዋን እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንብዙሕ ሰሙናት ካብ ገዛና ንርሕቕ ነበርና: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣብ ወርሒ 250 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት አሕልፍ ነበርኩ።
ኣብ ኣይዞኖሆሪ ዝገበርናዮ ኣገልግሎት
ካብተን ብ1946 ዝበጻሕናየን ቍሸታት ሓንቲ ኣይዞኖሆሪ እትበሃል ኣብ ሓደ ከረን እተደኰነት ኢያ። ኣብኡ ኸኣ ሓደ ሰብኣይ ረኸብና እሞ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ክሰምዑ ዝደልዩ ክልተ ሰብኡት ኣብታ ቍሸት ከም ዘለዉ ሓበረና። እንተዀነ ግን: ንጐረባብቱ ስለ ዝፈርሀ ናብኦም ክወስደና ኣይደለየን። ዝዀነ ዀይኑ ገዝኦም ረኸብናዮ እሞ ንሳቶም እውን ብጽቡቕ ተቐበሉና። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ: እቲ መቐበል ኣጋይሽ ብሰብ መልአ! እቶም እተኣከቡ ሰባት ኣዝማድ ወይ ናይ ቀረባ ፈተውቲ ነበሩ። ብኣገባብ ኮፍ ብምባል ጽን ኢሎም ክሰምዑና ብምርኣየይ ኣዝየ ተደነቕኩ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽራኸቡ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ከም ዝነበሩ: እንተዀነ ግን ነቲ ቦታ ጀርመን ተቘጻጺራቶ ኸላ ኣብቲ ከባቢ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዘይረኸቡ ፈለጥና። እሞ ድኣ ተገዳስነቶም ዘለዓዓለሎም እንታይ ነበረ፧
እዞም ክልተ ርእሲ ስድራቤት: ናይቲ ከባቢ ናይ ኮሚኒስት ፓርቲ መራሕቲ ነበሩ: እቲ ናይ ኮሚኒስት ሓሳባት እውን ናብቲ ህዝቢ ኣተኣታተዉ። ድሕርዚ ግን ነታ ጋቨርንመንት (እንግሊዝኛ) እትበሃል ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትመት መጽሓፍ ረኸቡ። ነታ መጽሓፍ ምስ ኣንበብዋ ፍጹምን ጽድቂ ዝመልኦን መንግስቲ እተምጽእ እንኮ ተስፋ ክግበረላ ዘለዎ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ኣመኑ።
ምስዞም ሰብኡት እዚኣቶምን ምስ ኣዕሩኾምን ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኮፍ ኢልና ተዘራረብና። ነቲ ሕቶታቶም ዝኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መልሲ ምስ ተዋህቦም ምሉእ ብምሉእ ዓገቡ። ይኹን እምበር: ብዙሕ ከይቀነና እቶም ኣብታ ቍሸት ዝነበሩ ኮሚኒስት ነቶም ናይ ቀደም መራሕቶም ኣነ ከም ዝቐየርክዎም ስለ ዝሓሰቡ ክቐትሉኒ ውዲት ገበሩ። ካብቶም ኣብታ መጀመርታ ምሸት ዝነበሩ ሰባት: ብኣጋጣሚ እቲ ኣብቲ ቍሸት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ከም ዘለዉ ዝነገረና ሰብኣይ ነበረ። ኣብ መወዳእታ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠቱ እናማዕበለ ኸደ እሞ ተጠምቀ: ጸኒሑ ድማ ክርስትያን ሽማግለ ኰነ።
ጭከና ዝመልኦ ስደት
ነዞም ክልተ ናይ ቀደም ኮሚኒስት ዝነበሩ ድሕሪ ምርካብና ብዙሕ ከይጸንሐ: ኣብ ሓደ ገዛ ኣኼባ እናገበርና ከሎና ክልተ ፖሊስ ተሃንዲዶም መጹ። ሸጓጕጦም ናባና ኣቕኒዖም ንኣርባዕቴና ሓዙና: ካብኡ ናብ መደበር ፖሊስ ኮብኪቦምና ኸዱ። ኣብቲ መደበር ፖሊስ ምስ በጻሕና እቲ ምስ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽቲ ጥብቂ ርክብ ዝነበሮ ናይቲ መደበር ፖሊስ ሓላፊ ጸረፈና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ “እሞ ድኣ እንታይ ምግባርኩም ይሓይሽ፧” ኢሉ ሓተተ።
እቶም ብድሕሬና ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ፖሊስ ብሓባር ዓው ኢሎም “ሕርሕራይ ገይርና ንቐጥቅጦም!” በሉ።
እዚ ክኸውን ከሎ መስዩ ነበረ። እቶም ፖሊስ ናብ ምድሪ ቤት ኣእትዮም ዓጸዉና እሞ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ቤት መስተ ኸዱ። ምስ ሰኸሩ ተመሊሶም መጹ: ንዓይ ከኣ ካብ ምድሪ ቤት ናብቲ ዝነበርዎ ላዕለዋይ ክፍሊ ወሰዱኒ።
ኵነታቶም ምስ ረኣኹ ኣብ ዝዀነ እዋን ክቐትሉኒ ከም ዝኽእሉ ተረዳእኩ። ስለዚ ዝዀነ ይኹን ስቓይ እኳ እንተ ወረደኒ ንኽጻወር ሓይሊ ምእንቲ ክህበኒ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ። ብበትሪ ገይሮም ከኣ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽክዎ ከብዲ እግረይ ክቕጥቅጡኒ ጀመሩ። ድሕርዚ ኣብ ካልእ ክፍሊ ኣካላተይ እውን ዘበጡኒ እሞ ናብቲ ምድሪ ቤት መሊሶም ደርበዩኒ። ካብኡ ቀጺሎም ካልእ ግዳይ ወሰዱ እሞ ክቕጥቅጥዎ ጀመሩ።
ነቲ ሓደ ቀጥቂጦም ክሳዕ ዝውድኡ ነቶም ክልተ መንእሰያት መሰኻኽር ነዚ ዘጋጥሞም ፈተና ኣዳለኽዎም። እቶም ፖሊስ ግን እንደገና ንዓይ ናብቲ ላዕለዋይ ክፍሊ ወሰዱኒ። ክዳውንተይ ኣውጺኦም ሓሙሽቲኦም ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ቀጥቀጡኒ: በቲ ወተሃደራዊ ጫማኦም ገይሮም ከኣ ርእሰይ ረጋገጹኒ። ካብኡ በቲ ኣስካላ ንታሕቲ ደርበዩኒ: ኣብኡ ድማ ን12 ሰዓታት ሃለዋተይ ኣጥፋእኩ።
ኣብ መወዳእትኡ ምስ ፈትሑና ኣባላት ሓንቲ ኣብቲ ቍሸት እትርከብ ስድራቤት በታ ለይቲ እቲኣ ኣሕደሩና ከምኡውን ዘድልየና ክንክን ገበሩልና። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ ናብ ገዛና ክንምለስ ጕዕዞ ጀመርና። በቲ ዝወረደና ማህረምቲ ኣዚና ደኺምናን ዘልሓጥሓጥ ኢልናን ስለ ዝነበርና እቲ ብእግርና ክልተ ሰዓት ዝወስደልና ዝነበረ ጕዕዞ: ሸሞንተ ሰዓት ወሰደልና። በቲ ማህረምቲ ኣካላተይ ኣዝዩ ሓቢጡ ስለ ዝነበረ ማሪያንዚ ከተለልየኒ ኣይከኣለትን።
ምጽራር እኳ እንተሎ ዕቤት ምግባር
ብ1949 እቲ ውግእ ሓድሕድ ገና ከይተወድአ ኸሎ ናብ ተሰሎንቄ ከድና። ካብተን ኣብቲ ከተማ ዝነበራ ኣርባዕተ ጉባኤታት ኣብ ሓዲአን ከም ተሓጋጋዚ ናይቲ ንጉባኤ ዘገልግል ዝነበረ ሓው ኰይነ ተመዘዝኩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት እታ ጉባኤ ኣዝያ ስለ ዝዓበየት ካልእ ጉባኤ ተመቒላ ወጸት: ኣነ እውን ነታ ጉባኤ ዘገልግል ወይ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኰይነ ተመዘዝኩ። ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን እታ ሓዳስ ጉባኤ ብዕጽፊ ወሰኽ ገበረት: ሕጂውን እንደገና ካልእ ጉባኤ ተመስረተት!
እቶም ተጻረርቲ በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ተሰሎንቄ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዕቤት ተቘጥዑ። ብ1952 ሓደ መዓልቲ ካብ ስራሕ ምስ ተመለስኩ: ገዛና ምሉእ ብምሉእ ነዲዱ ጸንሓኒ። ማሪያንዚ ንስክላ ካብ ሞት ደሓነት። ኵሉ ንብረትና ስለ ዝጠፍአ በታ ምሸት እቲኣ ናብ ጉባኤ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲንና ከድና: ነቶም ኣሕዋት ስለምንታይ ረሳሕ ክዳውንቲ ከም እተኸደንና ኸኣ ከነረድኦም ነበረና። እቶም ክርስትያን ኣሕዋትና ኣዝዮም ደንገጹልናን ሓገዙናን።
ብ1961 ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንሓንቲ ጉባኤ ብምብጻሕ ንኣሕዋት ብመንፈስ ከበራትዖም ተመዘዝኩ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ 27 ዓመታት ኣነን ማሪያንዚን ነቲ ኣብ መቄዶንያ: ትረይስ: ከምኡውን ቴሳሊ ዝርከብ ወረዳታትን ኣውራጃታትን በጻሕና። እታ ዘፍቅራ ማሪያንዚ ብፍላይ ካብ 1948 ኣትሒዛ ኣዒንታ ዳርጋ ምርኣይ ኣብይዋ እኳ እንተ ነበረ: ብዙሕ ፈተናታት ተጻዊራ ብትብዓት ምሳይ ኣገልጊላ ኢያ። ንሳውን ብግዲኣ ብዙሕ ግዜ ተፈቲናን ተኣሲራን ኢያ። ድሓር ጥዕና ክትስእን ጀመረት: ንነዊሕ ግዜ ብሕማም መንሽሮ ድሕሪ ምስቓያ ብ1988 ሞተት።
ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ተሰሎንቄ ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ከገልግል ተመዘዝኩ። ልዕሊ 56 ዓመታት ንየሆዋ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሐይ: ሕጂውን ገና ኣበርቲዐ ክዓዪን ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ኣገልግሎት ክካፈልን እኽእል ኢየ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ን20 ዝዀኑ ተገደስቲ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እገብረሎም ነበርኩ።
ኣብ መጀመርታ ናይቲ ኣብ ሓዳስ ዓለምን ሽሓዊ ግዝኣትን እውን ከይተረፈ ዝቕጽል ዓቢ ትምህርታዊ ፕሮግራም ምህላውና ክግንዘብ ክኢለ ኢየ። እንተዀነ ግን: ሕጂ ቀስ ወይ ዕንይንይ እንብለሉ ወይ ንስጋዊ ባህግታትና ከነርዊ ኢልና ግዜ እነሕልፈሉ እዋን ኰይኑ ኣይስምዓንን ኢዩ። ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝኣተኹዎ መብጽዓ ክሕሉ ስለ ዝሓገዘኒ ንኣምላኽ አመስግኖ ኢየ: ከመይሲ የሆዋ ብምሉእ ነፍሲ ዝግበር ተወፋይነትን ኣገልግሎትን ይግብኦ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ስብከት ዕዮና ኣብ ትሕቲ እገዳ ኸሎ ዝርርብ እናሃብኩ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ምስ በዓልቲ ቤተይ ማሪያንዚ