ታሪኽ ህይወት
ሓደ ድርቡይ ዘኽታም ፈቃር ኣቦ ረኸበ
ዲሚትሪስ ሲዲሮፑሎስ ዘዘንተዎ
እቲ መኰነን ሓንቲ ጠበንጃ ኣምጺኡ “በዚ መሳርያ ጌርካ ተኵስ” ኢሉ ጨደረ። ኣነ ግን ብህድኣት ኣበኽዎ። እቲ መኰነን ዝተኰሶ ጠያይት ብመንኵበይ እናፋጸየ ኺሓልፍ ከሎ እቶም ወተሃደራት ተሰቂቖም ይርእዩና ነበሩ። ዝሞተላ እዋን ዝኣኸለት መሰለኒ። እቲ ዜሐጕስ ግን ካብቲ ዅነታት እቲ ብህይወት ተረፍኩ። ይኹን እምበር: ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወትሉ ኣጋጣሚ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይነበረን።
ስድራቤተይ ኣብታ ኣብ ቱርኪ ኣብ ኣውራጃ ቀፖዶቅያ እትርከብ ካይዘሪ እትበሃል ከተማ ዚነብሩ ዝነበሩ ዀይኖም: ካብቶም ኣብኡ ዚነብሩ ውሑዳን ዓሌት እዮም ነይሮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣብዚ ኸባቢ እዚ ዝነብሩ ዝነበሩ ገለ ሰባት ክርስትና ተቐቢሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:9) ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ግን ዓብዪ ለውጥታት ኣጋጠመ።
ፈለማ ስደተኛ: ድሕሪኡ ድማ ዘኽታም
ብ1922 እየ ተወሊደ: ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከኣ ዓሌታዊ ግጭት ንስድራቤተይ ናብ ግሪኽ ከም ዚስደዱ ገበሮም። እቶም በዚ እተዳህሉ ወለደይ ብዘይካ እቲ ሒደት ኣዋርሕ ዝገበርኩ ወዶም ዋላ ሓንቲ ኸይሓዙ ተሰዱ። እዚ ዘይበሃል ጸገማት ድሕሪ ምሕላፎም: ከርፋሕፋሕ ኢሎም ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ኣብ ጥቓ እታ ኸተማ ድራማ እትርከብ ኪሪያ እትበሃል ቍሸት በጽሑ።
ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኰንኩን ሓወይ ምስ ተወልደን: ኣቦይ ሞተ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 27 ዓመት ጥራይ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ተካል ግዜ ዘምጸኣሉ ጸበባ ግን ኣድኪምዎ ነበረ። ኣደይ ከቢድ ጸገማት ኣሕለፈት: ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ ሞተት። ኣነን ሓወይን ድማ ዋላ ሓንቲ ዘይብልና ነዳያት ኰንና። ካብ ሓደ መዕበዪ ዘኽታማት ናብ ካልእ መዕበዪ ዘኽታማት ንቀያየር ነበርና: ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ ድማ ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዚርከብ መዕበዪ ዘኽታማት ኣተኹ: ኣብኡ ድማ ናይ መካኒክ ስራሕ ክመሃር ጀመርኩ።
ኣብቲ ፍቕሪ ዀነ ድንጋጽ ዘይብሉ መዕበዪ ዘኽታማት ክዓቢ ኸለኹ: ንገለ ሰባት ንምንታይ ክንድዚ ዚኣክል ስቓይን ግፍዕን ከም ዜጋጥሞም እሓስብ ነበርኩ። ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ኵነታት ኪህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ ምዃኑ ንርእሰይ እሓትት ነበርኩ። ኣብቲ ናይ ሃይማኖት ትምህርትና: ኣምላኽ ኵሉ ዚኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ተመሃርና። እከይ ንምንታይ ከም ዘስፋሕፍሐ ግን ዋላ ሓንቲ ብቑዕ ምኽንያት ኣይተዋህበናን። ኣብ ዓድና ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝበለጸት ሃይማኖት ምዃና ዚገልጽ ብሂል ኣሎ። “ኦርቶዶክስ ዝበለጸ ሃይማኖት እንተ ዀይኑ: ኵሉ ሰብ ኦርቶዶክስ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧” ኢለ ምስ ሓተትኩ እውን: ዜዕግብ መልሲ ኣይተዋህበንን።
ይኹን እምበር: መምህርና ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ኣኽብሮት ነበሮ: ቅዱስ መጽሓፍ ምዃኑ ድማ የጕልሓልና ነበረ። እቲ ዳይረክተር መዕበዪ ዘኽታማት እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እኳ እንተ ነበሮ: ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ግን ኣይሳተፍን ነበረ። ብዛዕባ እዚ ምስ ሓተትኩ: ኣቐዲሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዚበሃሉ ሰሚዐዮም ዘይፈልጥ ሃይማኖት የጽንዕ ከም ዝነበረ ተነግረኒ።
ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰንኩ: ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዚርከብ መዕበዪ ዘኽታማት እተዋህበኒ ትምህርቲ ወዳእኩ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ተጀመረ: ግሪኽ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ናዚ ኣተወት። ሰባት ብጥሜት ኣብ ጐደናታት ይሞቱ ነበሩ። ብህይወት ንምንባር: ናብ ገጠር ከድኩ: ኣብኡ ኸኣ ብዘይረብሕ ደሞዝ ክሽቅል ጀመርኩ።
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ረኸብኩ
ኣብ ሚያዝያ 1945 ናብ ተሰሎንቄ ምስ ተመለስኩ: ሓብቲ ሓደ ኣብ እተፈላለየ መዕበዪ ዘኽታማት ብሓባር ዝነበርና ናይ ቍልዕነት ዓርከይ መጸትኒ። ፓሻሊያ ሓዋ ኣበይ ከም ዝኣተወ ኸም ዘይፍለጥ ነገረትኒ: ብዛዕባ ሃለዋቱ ዝፈልጦ እንተሎኒ ድማ ሓተትኒ። ኣብ መንጎ እቲ ዝርርብና: ናይ የሆዋ ምስክር ምዃናን ኣምላኽ ንሰባት ከም ዚሓልየሎምን ጠቐሰት።
ብኡንብኡ ሓያሎ ተቓውሞታት ኣልዓልኩ። ‘ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ብዙሕ ስቓይ ዝወረደኒ ደኣሞ ስለምንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ዘኽተምኩ፧ ኣምላኽ ኣብቲ እንደልዮ እዋን ኣበይ ኣሎ፧’ ኢለ ሓተትክዋ። ንሳ ድማ “ንምዃኑ ኣምላኽ በዚ ዅነታት እዚ ተሓታቲ ምዃኑ ርግጸኛ ዲኻ፧” ዚብል ሕቶ ኣበገሰት። ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይራ ኸኣ ኣምላኽ ንሰባት ከም ዘየሳቕዮም ገለጸትለይ። ፈጣሪ ንደቅሰብ ከም ዜፍቅሮምን ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ ነገራት ከም ዜመሓይሾን እውን ክፈልጥ ከኣልኩ። ብኸም ኢሳይያስ 35:5-7 ከምኡውን ራእይ 21:3, 4 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ኣቢላ ድማ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ውግእ: ናዕቢ: ሕማም: ሞት ከም ዚውገድን እሙናት ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩን ገለጸትለይ።
ዚድግፉኒ ስድራቤት ረኸብኩ
ሓው ፓሻሊያ ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ኣብ እተገብረ ዂናት ከም ዝሞተ ሰማዕኩ። ከጸናንዖም ኢለ ድማ ናብ ስድራቤታ ኸድኩ። እንተዀነ ግን: ንሳቶም ዘይኰኑስ ኣነ እየ ብቕዱሳት ጽሑፋት እተጸናናዕኩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ምጽንናዕ ንምርካብ ናብታ ስድራቤት ከድኩ: ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ምስታ ብሕቡእ ንምጽናዕን ንምምላኽን እትእከብ ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብ ጀመርኩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብህዝቢ ዚጽልኡ እኳ እንተ ነበሩ: ምሳታቶም ክሓብር ግን ቈሪጸ ነበርኩ።
ኣብታ በቶም ትሑታት ክርስትያናት ዝቘመት ጕጅለ: እቲ ዝምነዮ ዝነበርኩ ማሙቕ ፍቕራዊ ስድራቤት ረኸብኩ። እቲ ብዙሕ ዜድልየኒ ዝነበረ መንፈሳዊ ደገፍን ሓገዝን ድማ ሃቡኒ። ኪሕግዙንን ኬጸናንዑንን ድሉዋት ዝዀኑ: ንርእሶም ዘይኰነስ ንብጻዮም ዚሓልዩ ፈተውቲ ረኸብኩ። (2 ቈረንቶስ 7:5-7) ልዕሊ ዅሉ ድማ ናብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦይ ዝዀነ የሆዋ ብዝያዳ ክቐርብ ሓገዝ ረኸብኩ። ፍቕሩን ድንጋጹን ሓልዮቱን ብዙሕ እዩ ስሒቡኒ። (መዝሙር 23:1-6) ኣብ መወዳእታ መንፈሳዊ ስድራቤትን ፈቃር ኣቦን ረኸብኩ። በዚ ልበይ ተተንከፈ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ ርእሰይ ንየሆዋ ኽውፍን ኣብ መስከረም 1945 ክጥመቕን ተደረኽኩ።
ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ: ንፍልጠተይ ወሲኹሉ ጥራይ ዘይኰነስ ንእምነተይ እውን ኣደልዲልዋ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ መጓዓዝያ ስለ ዘይነበረ: መብዛሕትና ነቲ ኻብ ቍሸትና ኽሳዕ መአከቢና ዝነበረ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ብእግርና ንጓዓዝ ነበርና። ኣብ መገዲ ኸኣ ዘይርሳዕ መንፈሳዊ ምይይጥ ንገብር ነበርና። ኣብ መወዳእታ 1945 ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ምስ ፈለጥኩ: ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ እምነተይን ኣብ ንጽህናይን ሓያል ፈተና ስለ ዘጋጠመኒ: ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ክምስርት የድልየኒ ነይሩ።
እቲ ምጽራር ዘይተሓስበ ፍረ ኣፍረየ
ኣባላት ፖሊስ ብተደጋጋሚ ብረቶም ኣዐሚሮም ናብ መአከቢና ይመጹ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግሪኽ ውግእ ሓድሕድ ብምንባሩ: እታ ሃገር እቲኣ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሕጊ እያ ነይራ። ተጻባእቲ ጕጅለታት ብጽልኢ ኺቀታተሉ ጀመሩ። ኣቕሽሽቲ ድማ ነቲ ዅነታት ብምምዝማዝ ነቶም ሰበ-ስልጣን ንሕና ኮምዩኒስት ከም ዝዀንና ገይሮም ኣእመንዎም: ከቢድ መስጐጕቲ ድማ ኣምጽኡልና።
ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኽልተ ዓመት ብዙሕ ሳዕ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ንኣቱ ነበርና: ሽዱሽተ ሳዕ ድማ ክሳዕ ኣርባዕተ ወርሒ ዚበጽሕ ማእሰርቲ ተፈርደና። ይኹን እምበር: እቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብናይ ፖለቲካ እሱራት መሊኡ ብምንባሩ: ናጻ ተለቐቕና። ነቲ ዘይተጸበናዮ ናጽነትና ንምስባኽ ተጠቐምናሉ: ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ግን ኣብ ሓንቲ ሰሙን ሰለስተ ሳዕ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተና። ሓያሎ ኣሕዋትና ናብ ዝባደማ ደሴታት ይሕየሩ ምንባሮም ፈለጥና። እምነተይ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ክትጻወር ትኽእልዶ ትኸውን፧
እቲ እተፈረድኩሉ እዋን ክሳዕ ዜብቅዕ ኣብ መመዓልቲ ናብ መደበር ፖሊስ እናኸደኩ ኽምዝገብ ምስ ተወሰነ: እቲ ዅነታት ከፍአ። እቶም ሰበ-ስልጣን ወትሩ ምእንቲ ኺቈጻጸሩኒ ኢሎም ናብታ ኣብ ጥቓ ተሰሎንቄ እትርከብ ኢቮዝሞስ እትበሃል ቍሸት ሰደዱኒ። ኣብታ ቝሸት ከኣ ሓደ መደበር ፖሊስ ነበረ። ኣብ ጥቓ እቲ መደበር ፖሊስ ገዛ ተኻረኹ: ዜድልየኒ መሰረታዊ ነገራት ንምምእራር ከኣ እናዞርኩ ብነሓሲ እተሰርሐ ድስትን ባዴላን ክፍሕፍሕ ጀመርኩ። ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣቝሻት ፓይነር ኰይነ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ እዋን: ሳላ እዚ ስራሕ እዚ ብፖሊስ ከይተጠርጠርኩ ናብ ኣባይቲ ሰባት ብቐሊሉ ኽኣቱ ኸኣልኩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ነቲ ብስራት ሰሚዖም ተቐበሉ። ካብዚኣቶም ድማ ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ውዒሎም ሓዲሮም ርእሶም ዝወፈዩ ኣምለኽቲ የሆዋ ዀኑ።
ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ሸሞንተ ኣብያተ-ማእሰርቲ
ክሳዕ መወዳእታ 1949 ኣብ ትሕቲ ምክትታል ፖሊስ ጸናሕኩ: ድሕሪኡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎተይ ኣብ ተሰሎንቄ ንምቕጻል ተሃንጥየ ተመለስኩ። ብ1950 ፈተናታተይ ኣብቂዑ ኣብ ዝበልኩሉ እዋን: ንውትህድርና ክኽተብ ጻውዒት ቀረበለይ። ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነተይ: ‘ውግእ ከይመሃር’ ቈራጽነት ገበርኩ። (ኢሳይያስ 2:4) በዚ ኸምዚ ኸኣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዕሉል ኣብያተ-ማእሰርቲ ግሪኽ ተዳጐንኩ።
እዚ ዅሉ ኣብ ከተማ ድራማ እዩ ተጀሚሩ። ንፈለማ ግዜ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኣብ እተኣሰርኩሉ እዋን: እቶም ሓደስቲ እተኸትቡ ወተሃደራት ዕላማ ናይ ምጭማት ልምምድ ኪገብሩ ጀመሩ። ሓደ መዓልቲ ናብቲ ምጭማት ዚለማመዱሉ ቦታ ተወሰድኩ። ሓደ ኻብቶም መኰንናት ጠበንጃ ኣምጺኡ ኽትኵስ ኣዘዘኒ። ምስ ኣበኹዎ: ናባይ ገጹ ኽትኵስ ጀመረ። ካልኦት መኰንናት ካብ መትከለይ ፈልከት ከም ዘይብል ምስ ረኣዩ: ኬጕስጡኒ ጀመሩ። ሽጋራ ወሊዖም: ኣብ ከብዲ ኣእዳወይ ኣጥፍእዎ። ድሕሪኡ ንሰለስተ መዓልቲ ንበይነይ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ዓጸዉኒ። እቲ ብሽጋራ ዘንደዱኒ ኣእዳወይ ዘስዓበለይ ስቓይ ዜስካሕክሕ እዩ ነይሩ: ንሓያሎ ዓመታት ከኣ ኣብ ኣእዳወይ በሰላ ነበረኒ።
ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቕድሚ ምቕራበይ: ናብቲ ኣብ ኢራክሊዮን: ቅሬጥስ ዚርከብ መዓስከር ወተሃደራት ተወሰድኩ። ኣብኡ ኸኣ ንጽህናይ ንምብልሻው ብዜስካሕክሕ መገዲ ቐጥቀጡኒ። በዚ ኸይምብርከኽ ስለ ዝፈራህኩ: ሰማያዊ ኣቦይ ሓይሊ ንኺህበኒ ኣበርቲዐ ጸለኹ። እተን ኣብ ኤርምያስ 1:19 ዚርከባ “ኪዋግኡኻ እዮም: ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ: ኣይኪስዕሩኻን እዮም: ይብል እግዚኣብሄር” ዚብላ ቓላት ትዝ በላኒ። “ሰላም ኣምላኽ” ድማ ኣህድኣኒ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ምውካል ጥበባዊ ምዃኑ ተረዳእኩ።—ፊልጲ 4:6, 7፣ ምሳሌ 3:5
ቀጺሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረብኩ: ዕድመ ይፍታሕ ተፈርደኒ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኵሉ ዝገደዱ “ጸላእቲ ሃገር” ጌርካ እዮም ዚረኣዩ ነይሮም። ኣብቲ ኣብ ጥቓ ካኒያ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ኢትሲዲን ከኣ ተኣሰርኩ። ኢትሲዲን ቀደም እተሃንጸ ግምቢ እዩ ነይሩ: እታ እተኣሰርኩላ ኽፍሊ ድማ ብኣናጹ መሊኣ ነበረት። እተን ኣናጹ ኣብ ልዕለይ ኪዕንድራ ኸለዋ ብቐጥታ ንኣካላተይ ምእንቲ ኸይትንክፋኦ ካብ ርእሰይ ክሳዕ ጽፍሪ እግረይ ብእተቐዳደደት ኣረጊት ኮቦርታ ተጠቕሊለ እድቅስ ነበርኩ። ነድሪ ሳንቡእ ምስ ሓመምኩ: ሓደ ሓኪም ኣብ ጸሓይ ኮፍ ክብል ኣዘዘለይ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ምስቶም ኣብቲ ቐጽሪ ዚርከቡ ብዙሓት እሱራት ክመያየጥ ከኣልኩ። ይኹን እምበር: ኵነታተይ እናኸፍአ ኸደ: ሳንቡአይ ብዙሕ ኪደሚ ምስ ጀመረ ኸኣ: ናብ ሆስፒታል ኢራክሊዮን ተመሓላለፍኩ።
ኣብቲ ሓገዝ ዜድልየኒ እዋን እቶም መንፈሳዊ ስድራቤተይ ዝዀኑ ክርስትያናት ብጾተይ ደገፉኒ። (ቈሎሴ 4:11) ኣብ ኢራክሊዮን ዚርከቡ ኣሕዋት ምጽንናዕን ምትብባዕን ንምሃብ ኣዘውቲሮም ኪበጽሑኒ ጀመሩ። ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ምእንቲ ኽሰብኽ ጽሑፋት ከም ዜድልየኒ ነገርክዎም። ንሳቶም ድማ መሕብኢ ጽሑፋት ዘለዋ ቦርሳ ኣምጽኡለይ። ኣብቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብ ዝጸናሕኩሉ እዋን: እንተ ወሓደ ሽዱሽተ መተኣስርተይ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪዀኑ ሓገዝ ረኺቦም እዮም!
እዚ እናዀነ ኸሎ ግን እቲ ውግእ ሓድሕድ ኣብቅዐ: እቲ ፍርደይ ድማ ናብ ዓሰርተ ዓመት ማእሰርቲ ተቐየረለይ። እቲ ተሪፉኒ ዝነበረ ዓመታት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ረቲምኖ: ገንቲ ኩለ: ካሳንድራ ኣሕለፍክዎ። ኣብ ሸሞንተ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ድሕሪ ምሕላፈይ ተፈታሕኩ: ናብታ እቶም ፈቃራት ክርስትያናት ኣሕዋተይ ሓንጐፋይ ኢሎም እተቐበሉኒ ኸተማ ተሰሎንቄ ድማ ተመለስኩ።
ብክርስትያናዊ ሕውነት በልጸግኩ
ኣብቲ እተፈታሕኩሉ እዋን ኣብ ግሪኽ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተወሰነ ናጽነት ረኺቦም ነይሮም። በቲ ኣጋጣሚ እቲ ብምጥቃም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ካልእ በረኸት ረኸብኩ። ምስ ሓንቲ ካቲና እትበሃል ንየሆዋ እተፍቅርን ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት እተገልግልን እምንቲ ክርስትያን ሓብቲ ተፋለጥኩ። ኣብ ጥቅምቲ 1959 ድማ ተመርዓና። ኣጋፐ ጓልና ምስ ተወልደትን ናይ ርእሰይ ክርስትያናዊት ስድራቤት ምስ መስረትኩን ካብ ዝኽትምናይ ተደዓዓስኩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ብስድራቤት ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኸነገልግል ብምኽኣልና ዕግበት ነበረና።—መዝሙር 5:11
እቲ ሽዑ እተፈጥረ ዅነታት ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ብምንባሩ ዕዮ ፓይነር ኣቋረጽኩ: ብዓልቲ ቤተይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ንኽትቅጽል ግን ሓገዝክዋ። እቲ ብ1969 ኣብ ኑረምበርግ: ጀርመን እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ክርስትያናዊ ህይወተይ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ናብኡ ክኸይድ ክዳሎ ኸለኹ: ፓስፖርት ኪወሃበኒ ኣመልከትኩ። ሓደ ግዜ ብዓልቲ ቤተይ ንኽልተ ወርሒ ዚኣክል ፓስፖርት ዘይረኸብኩሉ ምኽንያት ክትሓትት ናብ መደበር ፖሊስ ምስ ከደት: ካብ ተመዛዚኡ ብዙሕ ወረቓቕቲ ዝሓዘ ፋይል ድሕሪ ምውጻእ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ጀርመን ከይዱ ንሰባት ሃይማኖቶም ምእንቲ ኬቐይር ዲኺ ፓስፖርት ኪወሃቦ እትሓቲ ዘለኺ፧ ፈጺምካ ኣይወሃቦን እዩ! ሓደገኛ ሰብ እኮ እዩ” በላ።
ብሓገዝ የሆዋን ብሓገዝ ገሊኦም ኣሕዋትን ግን ብጕጅለ ኣብ ዚወሃብ ፓስፖርት ስመይ ኣተወ: ኣብቲ ዜደንቕ ኣኼባ ኸኣ ክካፈል ከኣልኩ። ዝለዓለ ብዝሒ ተኣከብቲ ልዕሊ 150,000 በጺሑ ነይሩ: መንፈስ የሆዋ ነቲ ዓለምለኻዊ መንፈሳዊ ስድራቤት ኪመርሖን ሓደ ኺገብሮን ከኣ ብንጹር ረኣኹ። ድሕርዚውን ጸኒሐ ንክርስትያናዊ ሕውነት ዝያዳ እየ ኣማስየሉ።
ብ1977 እታ ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይን እምንቲ ብጸይተይን ዓረፈት። ንጓለይ ብመሰረት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸዕብያ ዝከኣለኒ ዅሉ ገበርኩ። በይነይ ግን ኣይኰንኩን ዝጽዕር ዝነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲውን መንፈሳውያን ስድራቤተይ ሓጊዞምኒ እዮም። ኣብቲ ጽንኩር እዋን ኣሕዋት ንዝገበሩለይ ደገፍ ወትሩ እየ ዘመስግነሉ። ገሊኦም ንጓለይ ምእንቲ ኺከናኸንዋ ኢሎም ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ቤትና ይነብሩ ነበሩ። እታ ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ዘርኣይዋ ፍቕሪ ኸቶ ኣይርስዓን እየ።—ዮሃንስ 13:34, 35
ኣጋፐ ዓብያ ንሓደ ኢልያስ ዚበሃል ሓው ተመርዓወት። ጓለይን ብዓልቲ ቤታን ኣርባዕተ ኣወዳት ኣለዉዎም: ኵላቶም እውን ኣብ ሓቂ እዮም ዘለዉ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብተደጋጋሚ ውኖይ ኣጥፊአ ወዲቐ እየ: ጥዕናይ እውን እናተበላሸወ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ጓለይን ስድራቤታን ግን ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዚከናኸኑኒ። ጥዕና እኳ እንተ ዘይብለይ: ብዙሕ ዜሐጕስ ምኽንያታት ኣሎኒ። ኣብ ተሰሎንቄ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ጥራይ ዝዀኑ ኣሕዋት ኣብ ኣባይቲ ዚእከቡሉ ዝነበረ እዋን ትዝ ይብለኒ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ኣብቲ ኸባቢ እቲ ሓሙሽተ ሽሕ ዝዀኑ ቀናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። (ኢሳይያስ 60:22) ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት መንእሰያት ኣሕዋት ቅርብ ኢሎም “መጽሔት ናብ ቤትና እተምጽኣሉ ዝነበርካ እዋን ትዝዶ ይብለካ፧” ኢሎም ይሓቱኒ። እቶም ወለዲ ነዚ መጽሔታት እዚ እኳ እንተ ዘየንበብዎ: እቶም ውሉዳት ግን ኣንቢቦምዎስ ብመንፈሳዊ ዕቤት ገይሮም!
ዕቤት ማሕበር የሆዋ ኽርኢ ኸለኹ: ኵሉ እቲ ዘሕለፍክዎ ፈተናታት ኣየጣዕሰንን እዩ። ንደቂ ደቀይ ኰነ ንኻልኦት መንእሰያት ብግዜ ንእስነቶም ንሰማያዊ ኣቦኦም ኪዝክሩ: ንሱውን ከም ዘይሓድጎም እየ ወትሩ ዝነግሮም። (መክብብ 12:1) የሆዋ “ኣቦ ዘኽታማት” ብምዃን ዝመጸ ቓሉ ሓልዩ እዩ። (መዝሙር 68:5) ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ድርቡይ ዘኽታም እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብ መወዳእታኡ ግን ሓላዪ ኣቦ ረኸብኩ!
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ እስሊ]
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድራማ ኸሻኒ ዀይነ ዓየኹ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ እስሊ]
ብ1959 ምስ ካቲና ኣብ እተመርዓናሉ እዋን
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ እስሊ]
ኣብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ ጥቓ ተሰሎንቄ ኣብ ዚርከብ ዱር እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ እስሊ]
ብ1967 ምስ ጓልና