ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/11 ገጽ 19-23
  • ንየሆዋ ምሕጓስ ቅድሚ ዅሉ ዝሰርዖ ባህገይ ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ምሕጓስ ቅድሚ ዅሉ ዝሰርዖ ባህገይ ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ኣገልግሎት ተወፋይነት ዝነበሮ ህይወት
  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ናይ እምነት ፈተና
  • ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ተፈተነ
  • ምስ ተፈታሕኩ ዝነበረ እተሓደሰ ንጥፈት
  • ዘዕግብ: ዓስቢ ዘለዎ ናብራ
  • ኣብ ትሕቲ ናይ የሆዋ ፈቃር ኢድ ኴንካ ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ታሪኽ ህይወት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንልዕሊ 50 ዓመታት እተገብረ ‘ምሕላፍ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ወተሃደር ክርስቶስ ክኸውን ቈሪጸ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/11 ገጽ 19-23

ንየሆዋ ምሕጓስ ቅድሚ ዅሉ ዝሰርዖ ባህገይ ኢዩ

ብቴዶሮስ ኔሮስ እተዘንተወ

ማዕጾ እታ ተኣሲረላ ዝነበርኩ ክፍሊ ብሓይሊ ተኸፍተ እሞ ሓደ ፖሊስ “ኔሮስ መን ኢዩ፧ ” ኢሉ ጸውዐ። ኣነ ኢየ ምስ በልኩ: “ንዓ ውጻእ: ክትቅተል ኢኻ ” በለኒ። እዚ ኣብ ቈረንቶስ: ግሪኽ: ብ1952 ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ተኣሲረ ከሎኹ ዝዀነ ነገር ኢዩ። ህይወተይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ሓደጋ ጠልጠል ኢላ ዝነበረት ስለምንታይ ኢያ፧ ነዚ ቅድሚ ምግላጸይ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወተይ ክነግረኩም።

ኣቦይ ብ1925 ኣቢሉ ይኸውን ምስ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ኣብቲ እዋን እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም) ተራኸበ። ብዙሕ ከይጸንሐ ሓደ ካብኣቶም ኰነ እሞ ነቲ እምነቱ ድማ ናብቶም ሾሞንተ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣመሓላለፎ። ነቡኡን ኣዲኡን ሓዊስካ ኵሎም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበሉ። ድሕርዚ ተመርዓወ እሞ: ኣነ ኸኣ ብ1929 ኣብ ኣግሪንዮ: ግሪኽ: ተወለድኩ።

እተን ዓመታት እቲኣተን ንግሪኽ ክሳዕ ክንደይ ዘጨነቓ ዓመታት ኰን ኢየን ዝነበራ! ብመጀመርታ ጭከና ዝመልኦ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ጀነራል ሜታካስ ነበረ። ድሕርዚ ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀመረ። ብዙሕ ከይጸንሐት ከኣ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናዚ ወደቐት። ሕማምን ጥሜትን ገነነ። እቲ እተነፍሐ ሬሳታት ናይቶም ዝሞቱ ድማ ብንእሽቶ ናይ ኢድ ዓረብያ ይለዓል ነበረ። እቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ሕማቕ ነገራት: ብሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተድሊ ዘርኢ ነበረ።

ናይ ኣገልግሎት ተወፋይነት ዝነበሮ ህይወት

ብ20 ነሓሰ 1942 ካብ ተሰሎንቄ ወጻኢ ኴንና ኣኼባና እናካየድና ከሎና: እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ናብተን ኣብታ ከተማ ቦምባታት ዝድርብያ ዝነበራ ናይ ብሪጣንያ ነፈርቲ ውግእ ብምምልካት: ነቲ “ኣኼባና ኣይንሕደግ” ዝብል ማዕዳ ብምእዛዝና ብኸመይ ዕቝባ ከም ዝረኸብና ኣጕልሐ። (እብራውያን 10:⁠25) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ሓደ ደንደስ ባሕሪ ተኣከብና እሞ: ኣነ ድማ ሓደ ካብቶም ገዛእ ርእሶም ንጥምቀት ዘቕርቡ ሰባት ነበርኩ። ካብቲ ማይ ምስ ወጻእና: ተሰሪዕና ደው በልና እሞ እቶም ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስለቲ ዝገበርናዮ ውሳነ ብመዝሙር ነኣዱና። እታ መዓልቲ እቲኣስ ኣየ ክንደይ ፈጺማ ዘይትርሳዕ መዓልቲ ኰን ኢያ!

ብድሕርዚ ብዙሕ ከይጸናሕና: ኣነን ሓደ ወድን ካብ ቤት ናብ ቤት እናኣገልገልና ከሎና ፖሊስ ሓዙና እሞ ናብቲ መደበሮም ወሰዱና። ምስ ኮሙኒስት ከም እንቝጸር: ዕዮ ስብከትና ከኣ ከም እተኣገደ ንምውዕዋዕ ቀጥቀጡና። “ኣቱም ዓዋናት: የሆዋን ስታሊንን ሓደ ኢዮም!” ድማ በሉና።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ግሪኽ ውግእ ሓድሕድ ተወለዐ። እቲ ኣንጻር ኮሙኒስት ዝነበረ ነድሪ ድማ ኣዝዩ ርሱን ነበረ። ንጽባሒቱ ልክዕ ከም ገበነኛታት ኣእዳውና ብመቑሕ ተኣሲሩ ብኣፍ ደገ ገዛውትና ከም እንሓልፍ ተገብረ። ዘጋጥመኒ ዝነበረ ፈተና ግን እዚ ጥራይ ኣይነበረን።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ናይ እምነት ፈተና

ኣብ መጀመርታ ናይ 1944 ገና ተማሃራይ ነበርኩ። ተሰሎንቄ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናዚ ነበረት። ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ: እቲ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝምህረና ዝነበረ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቀሺ: ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተማሃርናዮ ክፍተን ምዃነይ ነገረኒ። እቶም ተማሃሮ ኸኣ “ናይ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ኣይኰነን” በልዎ።

እቲ መምህር ከኣ “እንታይ ድኣ ኢዩ፧” በሎም።

ኣነ ድማ “ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየ” በልክዎ።

ሒዙ ምስ ጸፍዓኒ “ኣብ ማእከል ኣባጊዕ ቶኽላ” ኢሉ ጨደረ።

ብውሽጠይ ከኣ ‘በጊዕ ንቶኽላ ከመይ ኢላ ክትሃርሞ ትኽእል፧’ በልኩ።

ድሕሪ ሒደት መዓልቲ: 350 እንኸውን ኣብቲ ንምሳሕ ተዳልዩልና ዝነበረ ጣውላ ኮፍ ኢልና ነበርና። እቲ ዳይሬክተር ከኣ “ኔሮስ ከመስግነልና ኢዩ” በለ። ኣነ ኸኣ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 6:⁠9-13 ተመዝጊቡ ዘሎ ነቲ ‘ኣቡነ ዘሰማያት’ ዝብል የሱስ ንሰዓብቱ ዝማሃሮም ጸሎት ገይረ ጸለኹ። እዚ ግን ነቲ ዳይሬክተር ኣየሐጐሶን። ስለዚ ኸኣ ኣብቲ ዘለዎ ኰይኑ ብሕርቃን “ስለምንታይ ኢኻ ከምኡ ኢልካ ዝጸለኻ፧” በለኒ።

ኣነ ኸኣ “ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንኩ” በልክዎ። ንሱ እውን ሒዙ ጸፍዓኒ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ካልእ መምህር ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ “ንፉዕ ኔሮስ ንእምነትካ ኣጽኒዕካ ሓዞ: ተስፋ ኸኣ ኣይትቝረጽ” በለኒ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ኸኣ ኣቦይ በተን “ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ዝብላ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ገይሩ ኣተባብዓኒ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዝጅምር ክመርጽ ነበረኒ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ግሪኽ ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ነቲ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ገለልትነት ዝለዓል ሕቶ እውን ክምልሰሉ ነበረኒ። (ኢሳይያስ 2:⁠4፣ ማቴዎስ 26:⁠52) ድሕርዚ: ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ግሪኽ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዋን መሳርያ ኣየልዕልን ኢየ ብምባለይ ኣብ መጀመርታ ናይ 1952 ን20 ዓመታት ክእሰር ተፈረድኩ።

ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ተፈተነ

ኣብ ሜሳሎኝን ቈረንቶስን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተኣሲረ ከለኹ: እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልናይ ንሓደ ዓይነት ፖለቲካ ደጊፈ ወተሃደር ክኸውን ከም ዘየፍቅደለይ ነቶም ኣዘዝቲ ወተሃደራት ንኽገልጸሎም ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ን2 ጢሞቴዎስ 2:⁠3 ብምጥቃስ ድማ ድሮ “ናይ የሱስ ዓቀይታይ [ወተሃደር]” ምዃነይ ገለጽኩ። ነቲ ጕዳይ ቀስ ኢለ ክሓስበሉ ምስ ኣተባብዑኒ ድማ ዝገበርክዎ ውሳነ ናይ ሃታሃታ ዘይኰነስ ኣዕሚቘ ምስ ሓሰብኩሉን ነቲ ፍቓዱ ንምፍጻም ኢለ ንኣምላኽ ዝገበርክዎ ወፈያ ኣብ ግምት ምስ ኣእተኽዎን ከም ዝዀነ ገለጽኩሎም።

ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ከቢድ ስራሕ ክሰርሕ: ን20 መዓልትታት ዝኸውን ድማ ኣብ ሳልስቲ ጥራይ ክበልዕ: ኣብ ሓንቲ ሓደ ሜትሮ ብኽልተ ሜትሮ ዘይትመልእ ገዛ ኣብ ምድሪ ክድቅስ ተገደድኩ። ኣብዛ ክፍሊ እዚኣ ክልተ ካልኦት መሰኻኽር ምሳይ ነበሩ! ኣብዚ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ መዓስከር ከሎኹ ድማ ኢየ ንኽቕተል ካብታ ተኣሲረላ ዝነበርኩ ክፍሊ እተጸዋዕኩ።

ናብቲ ዝቕተለሉ ቦታ ክንከይድ ከሎና: እቲ ፖሊስ “እትብሎ ነገር ዋላ ሓንቲ የብልካን፧” ኢሉ ሓተተኒ።

ኣነ ድማ “የብለይን” በልክዎ።

“ንስድራኻ ኣይትጽሕፈሎምን ዲኻ፧”

ኣነ ኸኣ “ኣብዚ ቦታ እዚ ክቕተል ከም ዝኽእል ድሮ ይፈልጡ ስለ ዝዀኑ: ኣይጽሕፈሎምን ኢየ” በልክዎ።

ኣብቲ ቦታ በጻሕና: ገጸይ ናብቲ መንደቕ ገይረ ደው ክብል ድማ ተኣዘዝኩ። ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ነቶም ወተሃደራት ተኵሱ ዝብል ትእዛዝ ኣብ ክንዲ ዝወሃቦም “ንውሽጢ ኣእትውዎ” በሎም። ክሳዕ ክንደይ ከም ዝቘረጽኩ ንምፍታን ተባሂሉ እተገብረ ናይ ሓሶት ፈተነ ቅትለት ኢዩ ነይሩ።

ድሕርዚ ናብ ደሴት ማክሮኒሰስ ተወሰድኩ። ኣብኡ ኸኣ ብዘይካ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይኹን ካልእ ጽሑፍ ተኸልከልኩ። ካብቶም 500 ዝዀኑ ተኣሲሮም ዝነበሩ ገበነኛታት ተፈሊና 13 መሰኻኽር ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ገዛ ተኣሲርና ነበርና። እንተዀነ ግን: ጽሑፋት ብሕቡእ ይኣትወና ነበረ። ንኣብነት: ሓደ መዓልቲ ሉኩምያ (ፍሉጥ ዓይነት ካረሜላ) ተላእከለይ። እቶም ፈተሽቲ ነቲ ካረሜላ ክጥዕምዎ ኣዝዮም ስለ እተሃንጠዩ: ነቲ ብትሕቲኡ ተሓቢኡ ዝነበረ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ከይረኣይዎ ሓለፉ። ሽዑ ሓደ ሓው “እቶም ወተሃደራት ነቲ ካረሜላ በልዕዎ: ንሕና ኸኣ ነቲ ግምቢ ዘብዐኛ ‘በላዕናዮ!’ ” በለ።

ቅዳሕ ናይታ ኣብቲ እዋን እቲ ተሓቲማ ዝወጸት ሃይማኖት ንደቅሰብ እንታይ ገይሩሎም፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ በጸሐትና: ሓደ እንግሊዝኛ ዝፈልጥ ናይ የሆዋ ምስክር እሱር ከኣ ተርጐማ። ኣኼባና ብሕቡእ እናገበርና ኸኣ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ እውን ከይተረፈ ንወስድ ነበርና። ምእሳርና ትምህርቲ ክንረኽበሉ: መንፈሳውነትና ኸኣ ከነሐይለሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ገይርና ረኣናዮ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ንጽህናና ምሕላውና ንየሆዋ ባህ ከም ዘብሎ ብምፍላጥ ሕጉሳት ነበርና።

ንመወዳእታ ግዜ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ምብራቓዊ ፔሎፖኒሰስ ኣብ እትርከብ ከተማ ቲሪንታ ኢዩ። ኣብኡ: ምስ ሓደ ምሳይ ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ከለኹ ሓደ ካብቶም ሓለውቲ ኣትኲሩ ክዕዘበኒ ኣስተብሃልኩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ነቲ ሓላዊ ኣብ ተሰሎንቄ ክረኽቦስ ክሳዕ ክንዳይ ዘገርም ኰን ኢዩ! ክረኽቦ ከሎኹ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ነበረ። ጸኒሑ ሓደ ካብቶም ደቁ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወስደ። ሓላው እሱራት ኰይኑ ንኸገልግል ዘይኰነስ እሱር ኰይኑ ኢዩ ከይዱ። ምኽንያት መእሰሪኡ ኸኣ ከም ናተይ ነበረ።

ምስ ተፈታሕኩ ዝነበረ እተሓደሰ ንጥፈት

ካብቲ ንማእሰርቲ እተፈረድኩሉ 20 ዓመታት: ሰለስተ ዓመት ጥራይ ኢየ ተኣሲረ። ምስ ተፈታሕኩ ኣብ ኣቴንስ ክነብር ወሰንኩ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ከይጸናሕኩ ፕሉርሲ እተባህለ ዓይነት ሕማም ሓመምኩ: ስለዚ ድማ ናብ ተሰሎንቄ ተመለስኩ። ንኽልተ ኣዋርሕ ከኣ ደቀስኩ። ድሕርዚ ምስ ሓንቲ ኩላ እተባህለት ምጭውቲ ጓል ተፋለጥኩ: ብታሕሳስ 1959 ድማ ተመርዓና። ኩላ ብ1962 ፓይነር: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ስም: ኰይና ከተገልግል ጀመረት። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ምስኣ ተጸንበርኩ።

ብጥሪ 1965 ንጉባኤታት ብመንፈሳዊ ንኸነበርትዐን ናይ ወረዳ ዕዮ ክንዓዪ ተመደብና። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ዝነበረ ክረምቲ ድማ ኣብ ቬና: ኣውስትርያ: ኣብ እተገብረ ዓቢ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንመጀመርታ ግዜና ናይ ምክፋል መሰል ረኸብና። እዚ ካብቲ ኣብ ግሪኽ: ብምኽንያት እገዳ ኣብ ጫካ ኬድና እንገብሮ ዝነበርና ዓይነት ኣኼባ: እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ 1965 ኣብቲ ኣብ ኣቴንስ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ክንዓዪ ተጸዋዕና። እንተዀነ ግን: ንገለ ካብ ኣዝማደይ ናይ ጥዕና ጸገማት ስለ ዘጋጠሞም ብ1967 ናብ ተሰሎንቄ ተመለስና።

ናይ ስድራቤት ሓላፍነት እኳ እንተ ነበረና: ኣብቲ ናይ ወንጌላውነት ዕዮ እውን ትሑዛት ነበርና። ሓደ መዓልቲ ምስ ኮስታስ ዝበሃል ወዲ ሓወቦይ ከነዕልል ከሎና: ማሕበር ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ደስ እተብል ምዃና: ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ፍቕሪ: ሕብረት: ከምኡውን ንኣምላኽ ምእዛዝ ጠቐስኩሉ። ንሱ ድማ “ኣምላኽ እንተድኣ ኣሎ ኰይኑ እዚ ነገራት እዚ ኣዝዩ ደስ ዘብል ኢዩ” በለ። ኣምላኽ ምህላዉን ዘይምህላዉን ንኽምርምር ዝገበርኩሉ ዕድመ ተቐበሎ። ኣብ ነሓሰ 1969 ኣብ ኑረንበርግ: ጀርመን: ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንካፈል ምዃንና ጠቐስኩሉ። ምሳና ክኸይድ ዝኽእል እንተድኣ ኰይኑ ሓተተ: እቲ ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ዝነበረ ዓርኩ ኤልኮስ እውን ክኸይድ ደለየ።

እቲ ኣብ ኑረንበርግ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ! እቲ ኣኼባ ኣብቲ ሂትለር ወተሃደራዊ ዓወታቱ ዘኽብረሉ ዝነበረ ዓቢ ስታዲዩም ኢዩ ተኻይዱ። እቶም ኣብኡ ዝነበርና ተኣከብቲ ቍጽርና ልዕሊ 150,000 በጽሐ: ኣብቲ ዝነበረ ኵሉ ነገራት ድማ መንፈስ ኣምላኽ ተንጸባሪቑ ኢዩ። ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሑ ኮስታስን ኣሌኮስን ተጠምቁ። ሕጂ ክልቲኣቶም ክርስትያን ሽማግለታት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ: ስድራቤቶም እውን መሰኻኽር ኢዮም።

ንሓንቲ ተገዳስነት ዝነበራ ሰበይቲ ጽንዓት ክገብረላ ጀመርኩ። ሰብኣያ ንእምነትና ክምርምሮ ከም ዝደሊ ምስ ገለጸ: ብዙሕ ከይጸንሐ ንሓደ ሚስተር ሳኮስ እተባህለ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ናይ ሃይማኖት ምሁር ንኽትዕ ከም ዝጸውዖ ነገረኒ። ንዓይን ነቲ ዝጸውዖን ገለ ሕቶታት ክሓተና ኢዩ ደልዩ። ሚስተር ሳኮስ ምስ ሓደ ቀሺ ሓቢሩ መጸ። እቲ ሰብኣይ ከኣ “መጀመርታ ሚስተር ሳኮስ ሰለስተ ሕቶታት ክምልሰለይ ኢየ ዝደሊ” ብምባል ጀመረ።

ኣብ ምይይጥና እንጥቀመሉ ዝነበርና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ኣብ ኢዱ ሒዙ “ቀዳመይቲ ሕቶ:- እዚ ናይ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ ወይስ ናይዞም መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሚስተር ሳኮስ ድማ ወግዓዊ ትርጕም ኢዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ “ፈተውቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም” ብምባል መለሰ።

እቲ ሰብኣይ ቀጺሉ “ካልኣይቲ ሕቶ:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስነ-ምግባር ጽፉፋት ድዮም፧” ኢሉ ሓተተ። ከምዚ ኢሉ ዝሓተተ: በዓልቲ ቤቱ ምስ ከመይ ዝኣመሰሉ ሰባት ትሓብር ከም ዘላ ንምፍላጥ ኢዩ። እቲ ናይ ሃይማኖት ምሁር ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስነ-ምግባር ጽፉፋት ምዃኖም መስከረ።

ካብዚ ቐጺሉ ደማ እቲ ሰብኣይ “ሳልሰይቲ ሕቶ:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደሞዝ ይኽፈሉዶ ኢዮም፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ ናይ ሃይማኖት ምሁር ከኣ “ኣይክፈሉን ኢዮም” በለ።

ድሕርዚ እቲ ሰብኣይ “ናይ ሕቶታተይ መልሲ ረኺበ ኢየ: ናይ ገዛእ ርእሰይ ውሳነ ድማ ገይረ ኢየ” ብምባል ደምደመ። ካብኡ ንደሓር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱሱ ቀጸለ: ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ተጠሚቑ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ።

ዘዕግብ: ዓስቢ ዘለዎ ናብራ

ብጥሪ 1976 እንደገና ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይነ ከገልግል ጀመርኩ። ገለ ሽዱሽተ ዓመታት ጸኒሑ ኣብ ግሪኽ ሓድሽ ዓይነት ናይ ስብከት ኣገባብ ማለት ኣብ ጐዳና ዝግበር ምስክርነት ንምጅማር ግንባር ቀደም ኰይነ ንኽካፈል መሰል ረኸብኩ። ድሕርዚ ብጥቅምቲ 1991 ኣነን በዓልቲ ቤተይን ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ጀመርና። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ከቢድ ናይ ልቢ መጥባሕቲ ክገብር ነበረኒ። ዕዉት መጥባሕቲ ከኣ ገበርኩ። ሕጂ ጥዕናይ ጽቡቕ ኢዩ ዘሎ: ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ድማ እንደገና ክጅምሮ ከኣልኩ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ተሰሎንቄ ዘለዋ ጉባኤታት ከም ሽማግለ ኰይነ አገልግል: ነቶም ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልዮም ንምድጋፍ ከኣ ምስቶም ናይቲ ከባቢ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚቴ ድማ ሓቢረ እዓዪ።

ነቲ ዘሕለፍክዎ ህይወት ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክርእዮ ከለኹ: ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ባህ ዘብሎ ነገር ምግባር ክሳዕ ክንደይ ዘዕግብ ከም ዝዀነ ኢየ ተገንዚበ። ነቲ “ወደየ: ነቲ ዝጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ዝብል ልቢ ዝትንክፍ የሆዋ ዝገበሮ ጻውዒት ኣቕድም ኣቢለ ብምቕባለይ ሕጉስ ኢየ። (ምሳሌ 27:⁠11) ቍጽሪ ናይቶም ካብ መላእ ዓለም ናብ ማሕበር የሆዋ ዝመጹ ዘለዉ ቅኑዓት ሰባት ክውስኽ ምርኣየይ ኣዝዩ ኢዩ ዘሐጕሰኒ። ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ነጊርካ ናጻ ብምውጻእ: ኣብታ ተስፋ እተገብረላ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ናይ ምንባር መገዲ ኣብ ምኽፋት ምክፋል ብሓቂ መሰል ኢዩ!​—⁠ዮሃንስ 8:⁠32፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13

ንመንእሰያት ኣገልገልቲ የሆዋ: ግዜኦምን ሓይሎምን ብምውፋይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ሸቶኦም ገይሮም ንኽሕዝዎ ንምትብባዕ ኵሉ ግዜ ኢና እንጽዕር። ብሓቂ እምበኣር: ኣብ የሆዋ ምውካል ከምኡውን ንልቡ ከም ዝሕጐስ ብምግባር ባህ ዘብል ነገራት ምርካብ እቲ ኣብ ህይወት ክርከብ ዝከኣል ኣዝዩ ዘዕግብ ተመክሮ ኢዩ!​—⁠ምሳሌ 3:⁠5፣ መክብብ 12:⁠1

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእልታት]

(ካብ ጸጋም ናብ የማን )

ብ1965 ኣብ ናይ ቤትኤል ክሽነ ከገልግል ከለኹ

ዕዮ ስብከትና ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ብ1970 ዝርርብ እናሃብኩ ከለኹ

ብ1959 ምስ በዓልቲ ቤተይ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ምስ በዓልቲ ቤተይ ኩላ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ