ናብ ሓመድ ምምላስ ብኸመይ፧
“መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ።” እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ: ኣዳም: እዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ሰምዐ: እንታይ ክጽበ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ካብ ናይ መሬት ሓመድ ኢዩ ተሰሪሑ ነይሩ: ናብ ሓመድ ጥራይ ድማ ኢዩ ክምለስ ዝኽእል። ነቲ ፈጣሪኡ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዘ ክመውት ነበሮ።—ዘፍጥረት 2:7, 15-17፣ 3:17-19
መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ካብ ሓመድ ከም እተሰርሑ የርኢ ኢዩ። “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” እውን ይብል ኢዩ። (ህዝቅኤል 18:4፣ መዝሙር 103:14) ሞት ንሚልዮናት ሰባት ጓሂ ኣስዒቡሎም: ከምኡውን ብዛዕባ ምውጋን ዓስከሬን ሰብ ዝምልከት ብተደጋጋሚ ሕቶታት ኣልዒሉ ኢዩ።
ቀደም ዝነበረን ሕጂ ዘሎን ልምድታት
ኣብ መንጎ እቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ሰብ ዓስከሬን ብኸመይ ይውገን ነበረ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ክፍሉ: ነቲ ኣብ መሬት ምቕባር እውን ሓዊስካ: ምዉታት ብእተፈላለየ መገዲ ብኸመይ ይእለዩ ከም ዝነበሩ ይጠቅስ ኢዩ። (ዘፍጥረት 35:8) እቲ ርእሲ ኣቦታት ኣብርሃምን ሰበይቱ ሳራን ከምኡውን ይስሃቅ ወዶምን ያእቆብ ወዲ ወዶምን ኣብ በዓቲ ማክጴላ ኢዮም ተቐቢሮም። (ዘፍጥረት 23:2, 19፣ 25:9፣ 49:30, 31፣ 50:13) ናይ እስራኤላውያን መሳፍንቲ ዝነበሩ ጊዴዎንን ሲምሶንን ‘ኣብ መቓብር ኣቦታቶም’ ተቐብሩ። (መሳፍንቲ 8:32፣ 16:31) እዚ ኣብ መንጎ እቶም ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ: ናይ ስድራቤት መቕበሪ ቦታ ምህላው ዝምረጽ ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ ምስ ሞተ: ኣካሉ ኣብቲ ሓድሽ ካብ እተጸርበ ከውሒ እተሰርሐ መቓብር ኢዩ ተነቢሩ። (ማቴዎስ 27:57-60) ብሓፈሻ እምበኣር: ናይ ሰብ ዓስከሬን ኣብ መሬት ይቕበር ወይ ድማ ኣብ እተጸርበ ከውሒ ይቕመጥ ነበረ። ጌና ድማ ኣብ ዝበዝሕ ናይ ምድሪ ክፍሊ ከምዚ ዝበለ ልምዲ ኢዩ ዘሎ።
ይኹን እምበር: ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ገለ ክፍልታት ናይ ዓለም: ጽበት ናይ ቦታን ክብሪ ናይቲ መሬትን: መቕበሪ ቦታ ክትረክብ ብቐጻሊ ኣሸጋሪ እናዀነ ይኸይድ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ ድማ: ገለ ሰባት ናይ ሰብ ዓስከሬን ክውግንሉ ዝኽእሉ ካልእ መገድታት ይደልዩ ኢዮም ዘለዉ።
እቲ ናይ ሰብ ዓስከሬን ምስ ነደደ ነቲ ሓሙኽሽቲ ምዝራው ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ: ዳርጋ 40 ካብ ሚእቲ ካብቶም ምዉታት ብኸምዚ ኣገባብ ኢዮም ዝውገኑ። ኣብታ ልዕሊ 80 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ካብቶም ኣብ ከተማ ዝሞቱ ምዉታት ዝነዱላ ሽወደን: ነቲ ሓሙኽሽቲ ንምዝራው ዝኸውን ገለ ኣግራብ ዘለዎ ቦታታት ተፈልዩ ኣሎ። ኣብ ሻንጋይን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ገለ ውሑዳት ከተማታትን ቻይና ድማ: ኣብ እተፈላለየ ግዜ ናይ ዓመት ብጃምላ ዝህሉ ምዝራው ሓሙኽሽቲ በቲ ናይ ከተማ ምምሕዳራት ኢዩ ዝግበር።
እቲ ሓሙኽሽቲ ኣበይ ኢዩ ክዝሮ ዝኽእል፧ ስቕ ኢልካ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣይኰነን ዝዝሮ። ገለ ሰባት ሓሙኽሽቲ ምዝራው ነቲ ከባቢ ሕማቕ ኢዩ ብምባል ይፈርሁ። ይኹን እምበር: ብሓቂ ክርአ ከሎ ዝዀነ ይኹን ክስዕብ ዝኽእል ተላጋቢ ሕማማ ነቲ ሬሳ ብምንዳድ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘሎ ገለ መቓብራትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ናይ መዘከርታ መቓብራትን ነቲ ሓሙኽሽቲ መዝረዊ ዝኸውን ሻኻ ወይ ዕንባባ ዘለዎ ስፍራ ኣታኽልቲ ይፈልዩ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ክርስትያናት ነቲ ንምንዳድ ሬሳን ሓሙኽሽቲ ምዝራውን ዝምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ኢዩ ብፍላይ ዝገድሶም።
ነዚ ዝምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧
ኣብቲ ኣንጻር “ንጉስ ባቢሎን” እተዋህበ መግለጺ ነብዪ ኢሳይያስ “ርሑቕ ካብ መቓብር ተደርቤኻ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 14:4, 19) ሓሙኽሽቲ ምዝራው ምስ ከምዚ ዝበለ ውርደትዶ ክወዳደር ኣለዎ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: ምኽንያቱ ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳን ምቕማጥ ወይ ምዝራው ሓሙኽሽትን ዝሕ ብር ነገር የለን።
የሱስ “ኣብ [“ናይ ዝኽሪ:” ትሓዓ ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ናይ የሱስ] ዚሰምዑላ . . . ክትመጽእ እያ” ክብል ከሎ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ሽሓዊ ግዝኣቱ ዝህሉ ምድራዊ ትንሳኤ ምዉታት ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ንኽትንስእ ግድን ውሱን መቓብር ከም ዘየድልዮ: ኣብ ካልእ ብዛዕባ ትንሳኤ ተዋሂቡ ዘሎ ትንቢታዊ መግለጺ ተራእዩ ኣሎ። ራእይ 20:13 “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ” ብምባል ትገልጽ። ስለዚ እቲ ዘገድስ እቲ ሰብ ኣበይን ብኸመይን ‘ናብ ሓመድ ከም ዝምለስ’ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ሰብ ብኣምላኽ ተዘኪሩ ይትንስእ ድዩ ወይስ ኣይትንስእን ዝብል ኢዩ። (እዮብ 14:13-15፣ ምስ ሉቃስ 23:42, 43 ኣረኣእዮ።) የሆዋ ንሰባት ንኽዝክሮም ዝምስጥ መቓብራት ከም ዘየድልዮ ርግጽ ኢዩ። ምንዳድ ሬሳ ንናይ ሓደ ሰብ ትንሳኤ ዝኽልክል ኣይኰነን። ምዝራው ሓሙኽሽትውን ብቕኑዕ ድራኸ ብዘይ ገለ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ልምድታት እንተድኣ ተገይሩ: ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጋጮ ኣይኰነን።
እቶም ሓሙኽሽቲ ምዝራው ዝድግፉ: ነቲ ናይቲ ሃገር ሕጊ ከቕልብሉ ከድልዮም ኢዩ። ናይ ቶም ሓዘንተኛታትን ካልኦትን ስምዒት ኣብ ግምት እንተ ኣእተዉ እውን ግቡእ ኢዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ነዚ መዳይ እዚ ዝምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ናጽነቶም ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ከለዉ: ኣብቲ ጽቡቕ ስም ናይ ክርስትያናት ወቐሳ ከየምጽኡ እንተ ተጠንቂቖም ሰናይ ይገብሩ። እዚ ኣብተን ምንዳድ ሬሳን ሓሙኽሽቲ ምዝራውን ብሕጊ ፍቑድ ዝዀነለን: በቲ ማሕበረሰብ ግን ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ዘይረኸበ ሃገራት ብፍላይ ኣገዳሲ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ሓደ ክርስትያን ካብቲ ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን ኢያ ኣብ ዝብል እምነት እተመርኰሰ ዝዀነ ይኹን ጽንብል ወይ ልምድታት ይርሕቕ ኢዩ።
ካብ መቓብር ምሉእ ዝዀነ ናጽነት ምርካብ!
ገለ ሓሙኽሽቲ ምዝራው ዝድግፉ ሰባት ከምኡ ምግባር ካብ መቓብር ናጻ ምውጻእ ማለት ኢዩ ኢሎም ይካትዑ። ይኹን እምበር: እቲ ዝዓበየ ቅሳነት ዘምጽእ “እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ምስ ዝፍጸም ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:24-28
እዚ ማለት ድማ መቓብራት: ጽሩብ በዓትታት: ምንዳድ ሬሳን ምዝራው ሓሙኽሽትን እውን ከይተረፈ: ነበረያ ነበረ ኰይኖም ክተርፉ ኢዮም ማለት ኢዩ። እወ: ሞት ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ናይ መንፈስ መሪሕነት ኰይኑ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 21:3, 4) እዚ ዅሉ ድማ: እቲ ብምኽንያት ሓጢኣት ኣዳም ዝመጸ ሰብኣዊ ሞት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣልገሰ ኢዩ ዝኸውን። ኣብቲ እዋን እቲ እዙዛት ደቅሰብ ናብ ሓመድ ናይ ምምላስ ትጽቢታት ኣይከጋጥሞምን ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ልሙድ ዝዀነ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይ ሰብ ዓስከሬን
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ጃፓን: ወሽመጥ ሳጋሚ ዝግበር ምዝራው ሓሙኽሽቲ
[ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of Koueisha, Tokyo