ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 144
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ እንታይ ይብል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ ዘሎ ግጉይ ርድኢት
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ናብ ሓመድ ምምላስ ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧
    ብስራት ኣምላኽ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 144
ዝነደደ ሬሳ ዚቕመጠሉ ሳርማን ኣብ ጥቓኡ እተነብረ ስእሊ መዋቲትን

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ ዋላ ሓንቲ ንጹር መምርሒ ኣይህብን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምቕባር ወይ ምንዳድ ሬሳ እተዋህበ ትእዛዝ ኣይርከብን እዩ።።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም እተቐብሩ ይትርኽ እዩ። ንኣብነት፡ ንሰበይቱ ሳራ መቓብር ንምርካብ ብዙሕ ጽዒሩ እዩ።—ዘፍጥረት 23:2-20፣ 49:29-32።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙናት ሰባት ሬሳ ኸም ዘንደዱ እውን ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ኣብ ውግእ ምስ ሞቱ፡ ሬሳኦም ኣብ ክሊ ጸላኢ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ልዕሊ ሬሳኦም ድማ ዜዋርድ ተግባር ተፈጺሙ ነይሩ እዩ። ነዚ ዅነታት እዚ ዝሰምዑ እሙናት እስራኤላውያን ተዋጋእቲ፡ ሬሳታት ሳኦልን ደቁን ወሲዶም ኣንደድዎ፡ ንዝተረፈ ኣዕጽምቶም እውን ቀበርዎ። (1 ሳሙኤል 31:8-13) እዚ ቕቡል ምዃኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ።—2 ሳሙኤል 2:4-6።

ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

ግጉይ ርድኢት፦ ምንዳድ ሬሳ ነቲ ዚነድድ ሰብ ውርደት እዩ።

ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዉታት ናብ ሓመድ ከም ዚምለሱ ይገልጽ እዩ፣ ሬሳ ምስ መሽመሸ እውን ከምኡ እዩ ዚኸውን። (ዘፍጥረት 3:19) ሬሳ ምስ ዚነድድ፡ ናብ ሓምዅሽቲ ወይ ሓመድ ዚልወጠሉ መስርሕ ይፋጠን እዩ።

ግጉይ ርድኢት፦ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞገስ ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት ጥራይ እዮም ሬሳኦም ዚነድድ።

ሓቂ፦ ሬሳ ገሊኦም ዘይእሙናት ሰባት፡ ንኣብነት ሬሳ ዓካንን ስድራ ቤቱን ብሓዊ ነዲዱ እዩ። (እያሱ 7:25) እዚ ግና ልሙድ ተግባር ዘይኰነስ፡ ፍሉይ ተግባር እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 21:22, 23) ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ሬሳታት ገሊኦም እሙናት ሰባት፡ ንኣብነት ሬሳ ዮናታን ወዲ ንጉስ ሳኦል ነዲዱ እዩ።

ግጉይ ርድኢት፦ ሬሳ ምስ ዚነድድ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ኣየተንስኦን እዩ።

ሓቂ፦ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት፡ ሬሳ ይንደድ፡ ወይ ኣብ ባሕሪ ይጥሓል፡ ወይ ብኣራዊት ይበላዕ፡ ንኣምላኽ ኣይጨንቆን እዩ። (ራእይ 20:13) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ነቲ ሰብ፡ ሓድሽ ሰብነት ዳግም ኪፈጥረሉ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:35, 38።

ሬሳ እንተ ነደደዶ ወይስ እንተ ተቐብረ፧—ብኸመይ ትውስን፧

ሬሳ እንታይ ከም ዚግበር ኪውሰን ከሎ፡ እዚ ዚስዕብ ረቛሒታት ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለዎ።

  • ድሌት እቲ ምዉት። ሰብ ድሕሪ ሙማቱ ሬሳኡ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ እተላበዎ ነገር፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኸም ዘኽበሩሉ ዚገልጽ ዛንታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ።—ዘፍጥረት 50:4, 5፣ ዘጸኣት 13:19።

  • ባህሊ እቲ ዓዲ። ሬሳ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብባህሊ እቲ ዓዲ ይጽሎ እዩ። (ዮሃንስ 19:40) ንኣብነት፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ብልምዲ ንምዉታቶም ይቐብሩ ነይሮም እዮም። (ዘፍጥረት 49:31፣ 1 ሳሙኤል 28:3) ሎሚ እውን እቲ ባህሊ ምስ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዘይተጋጨወ፡ ሓደ ሰብ ንሬሳ ሰቡ ብመሰረት ባህሊ ዓዱ ንቡር ኪገብረሉ ይኽእል እዩ።

  • ሕጊ ዚሓትቶ ነገር። መጽሓፍ ቅዱስ ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ክንእዘዝ የተባብዓና እዩ። (ሮሜ 13:1) ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ሬሳ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ዚገልጽ መምርሒ ብሰበ ስልጣን ይውሃብ እዩ። ንኣብነት፡ ንምንዳድ ሬሳ ብዚምልከት፡ እቲ ሓምዅሽቲ ኣበይ ከም ዚውገድ ቀይድታት የንብሩ እዮም።

  • ስምዒት ሰባት። ቅዱሳት ጽሑፋት ንጥቕሚ ኻልኦት ኣብ ግምት ከነእቱ የተባብዓና እዩ። (ፊልጲ 2:4) ሬሳ እንታይ ከም እንገብር ክንውስን ከለና፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽንሓስበሉ ኣሎና፦ ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤት ብዛዕባ ምንዳድ ወይ ምቕባር ሬሳ ኸመይ ይስምዖም፧ ማሕበረሰብና ብዛዕባ እዚ ልምዲ እዚ እንታይ ርእይቶ ኣለዎ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ