ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/10 ገጽ 24-28
  • ከም ሕብርቲ ስድራቤት ኴንካ ንየሆዋ ምግልጋል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከም ሕብርቲ ስድራቤት ኴንካ ንየሆዋ ምግልጋል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምምሃር
  • ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሕጕስ ነበርኩ
  • ኣብ ህይወተይ እተራእየ ለውጥታት ምስትምቓር
  • ናይ ውሉዳትና ምርጫ
  • መገዲ ዓወት
  • እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ንዅሉ ዝቐረበ ዕድመ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • በቲ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምንቶ ኢየ ተናቢረ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/10 ገጽ 24-28

ከም ሕብርቲ ስድራቤት ኴንካ ንየሆዋ ምግልጋል

ብኣንቶንዮ ሳንቶለሪ እተዘንተወ

ኣቦይ ብ1919 ካብ ኢጣልያ ክወጽእ ከሎ ወዲ 17 ዓመት እዩ ነይሩ። ዝሐሸ ናብራ ንኽደሊ ናብ ብራዚል ከደ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሳዎ ፓውሎ እትርከብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ እንዳ ቐምቃማይ ከፈተ።

ሓደ መዓልቲ ብ1938: ኣነ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ: ኣቦይ ካብ ሓደ በቲ ጥቓ ቤት ዕዮኡ ዝሓልፍ ዝነበረ ሰብኣይ: ናይ ብራዚለይራ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ረኸበ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣደይ ኣዝያ ስለ ዝሓመመት ክሳዕ ግዜ ሞታ ድንስቲ ኰይና ተረፈት። ኣቦይውን ሓመመ: ስለዚ ኵላትና⁠—​ኣደይ: ኣቦይ: ሓብተይ ኣና: ከምኡውን ኣነ⁠—​ምስቶም ኣብ ከተማ ሳዎ ፓውሎ ዝርከቡ ኣዝማድና ክንነብር ከድና።

ኣብ ሳዎ ፓውሎ ክመሃር ከሎኹ: ብፍላይ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት ክኢላ ኣንባቢ ኰንኩ። ኣብቲ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሓሊፉ ይጥቀስ ብምንባሩ ተመሲጠ እየ። ሓደ ካብ ናይ ሳዎ ፓውሎ ህዝባዊ ቤተ መጻሕፍቲ እተለቃሕክዎ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ነቲ ናይ ከረን ስብከት ብዙሕ ግዜ ይጠቕሶ። ሽዑ ኸኣ ኢየ ነቲ ስብከት እቲ ባዕለይ ምእንቲ ከንብቦ መጽሓፍ ቅዱስ ክህልወኒ ዝወሰንኩ። ነቲ ዓመታት ይገብር ኣቦይ ዝረኸቦ መጽሓፍ ቅዱስ ደለኽዎ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብቲ ንሸውዓተ ዓመታት ተቐሚጡሉ ዝነበረ ሳንዱቕ ኣብ ታሕቲ ተጸቒጡ ረኸብክዎ።

ስድራ ቤትና ካቶሊክ ስለ ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብብ ምትብባዕ ተዋሂቡኒ ኣይፈልጥን እዩ። ሕጂ ነቲ ምዕራፋትን ቍጽርታትን ገንጺልካ ምርካብ ባዕለይ ክመሃሮ ጀመርኩ። ነቲ ናይ ከረን ስብከት ጥራይ ዘይኰነ ኸኣ ንምልእቲ መጽሓፍ ማቴዎስን ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍትን እናተሓጐስኩ ኣንበብኩዎ። እቲ ዝያዳ ዝመሰጠኒ ድማ ትምህርትታት የሱስን ትእምርትታቱን ሒዝዎ ዝነበረ ሓቂ እዩ።

እቲ ናይ ካቶሊክ ሃይማኖት ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብክዎ ሓሳባት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ምዃኑ ብምግንዛብ ከኣ: ኣብ ናይ ፕረዝቢተርያን ቤተ-ክርስትያን ክካፈል ጀመርኩ: ኣና ኸኣ ሓበረትኒ። ጌና ግን ባዶ ዘሎኹ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ንዓመታት ዝኸውን ብህንጥዮት ንኣምላኽ እደልዮ ነበርኩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17: 27) ኣብ ሓደ ከዋኽብቲ ደሚቖም ዝረአዩሉ ዝነበሩ ለይቲ ተመሲጠ ከስተንትን ከሎኹ: ‘ስለምንታይ እየ ተፈጢረ፧ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧’ እናበልኩ ተገረምኩ። ኣብ ድሕሪ ገዛ ሓደ ብሑት ቦታ ረኸብኩ እሞ ተምበርኪኸ ‘ጐይታ ኣምላኽ! ንስኻ መን ኢኻ፧ ከመይ ገይረኸ ኢየ ክፈልጠካ ዝኽእል፧’ እናበልኩ ጸለኹ። ድሕሪኡ ቅሩብ ጸኒሐ ኸኣ መልሲ ረኸብኩ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምምሃር

ሓደ መዓልቲ ን1949 ሓንቲ መንእሰይ ሰበይቲ: ኣቦይ ካብ ሓንቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ እትመላለስ ባቡር ክወርድ ከሎ ናብኡ ቕርብ በለት። ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ከኣ ኣበርከተትሉ። ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሔት ምዝገባ ገበረ: ኣብ ናይ ፕረዝቢተርያን ቤተ-ክርስትያን ዝመላለሱ ክልተ ቈልዑ ከም ዘለውዎ ገሊጹ ኸኣ ኣብ ገዛና ክትበጽሓና ሓተታ። እታ ሰበይቲ ገዛና ምስ መጸት ነታ ውሉዳት እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ንኣና ገደፈትላ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ጀመረትላ። ጸኒሐ ኣነውን ኣብቲ ጽንዓት ሓበርኩ።

ኣብ ሕዳር 1950 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓቢ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፈልና። ኣብኡ ኸኣ እታ “ኣምላክ ሓቀኛ ይኹን” እትብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ወጸት: በታ መጽሓፍ ተመሪሕና ኸኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስና ቀጸልና። ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ሓቂ ከም ዝረኸብና ተረዳእና: ኣብ ሚያዝያ 1951 ድማ ንምልክት ናይቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ ተጠመቕና። ኣቦይ ድሕሪኡ ሒደት ዓመታት ተጠምቀ: ብ1982 ከኣ ብተኣማንነት ሞተ።

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሕጕስ ነበርኩ

ኣብ ጥሪ 1954 ጌና ወዲ 22 ዓመት ጥራይ ከሎኹ: ኣብቲ ቤትኤል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከገልግል ተቐባልነት ረኸብኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ኸኣ ሪቻርድ ሙካ እተባህለ ንዓይ ብኽልተ ዓመት ጥራይ ዝዓብየኒ ሓው ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተዓዛቢ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ተገረምኩ። ብ1955 እቶም ሽዑ ናይ ወረዳ ኣገልገልቲ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ተደለይቲ ምስ ኰኑ: ኣነ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ንኽሳተፉ እተዓደሙ ሓሙሽተ ሰባት እየ ነይረ።

እቲ እተመደብኩሉ ቦታ ሪዮ ግራንደ ዶ ሱል ኣብ ዝብሃል ግዝኣት ኢዩ ነይሩ። ናይ ወረዳ ዕዮ ክጅምር ከሎኹ 8 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢየን ነይረን: ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ግን 2 ሓደስቲ ጉባኤታትን 20 ምሕድግ ዝበላ ጉጅለታትን ተመስረታ። ሎሚ ኣብዚ ከባቢ እዚ ነፍሲ ወከፈን 20 ጉባኤታት ዝሓዛ 15 ወረዳታት አለዋ! ኣብ መወዳእታ ናይ 1956 ከኣ: እታ ኣነ ዝነበርክዋ ወረዳ ናብተን ብኣርባዕተ ናይ ወረዳ ኣገልገልቲ ዝግልገላ: ኣርባዕተ ንኣሽቱ ክፍልታት ከም እተመቕላ ተነግረኒ! ኣብቲ ግዜቲ ኸኣ ሓድሽ መደብ ንኽዋሃበኒ ናብ ቤትኤል ክምለስ ተሓበርኩ።

እቲ ዘገረመንን ዘሐጐሰንን ድማ ከም ናይ ኣውራጃ ኣገልጋሊ: ማለት ንብዙሓት ወረዳታት ዘገልግል ገያሺ ኣገልጋሊ ኰይነ ክዓዪ ኣብ ሰሜናዊ ብራዚል ተመደብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብራዚል 12,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገልገልቲ እዮም ነይሮምዋ: እታ ሃገር ከኣ ክልተ ኣውራጃታት ነበራ። ሪካርት ቩትኬ ኣብ ደቡብ ከገለግል ከሎ: ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ ሰሜን ዝርከብ ኣውራጃ ሓዝኩ። ነተን ብናይ የሆዋ መሳኻኽር እተዳለዋ ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን ከምኡውን ዘ ሃፒነስ ኦቭ ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ (እንግሊዘኛ) ዝበሃላ ፊልምታት ምእንቲ ከነርኢ ኣብ ቤትኤል ኣጠቓቕማ ፕሮጀክተር ተለማመድና።

ኣብቲ ግዜ እቲ መጓዓዝያ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ፈጺሙ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ካብቶም መሰኻኽር መኪና ዝነበረቶ ሰብ ስለ ዘይነበረ: ብታንኳ: “ጃልባ: ብብዕራይ ዝጕተት ዓረብያ: ኣብ ፈረስ ተወጢሐ: ብካሮሳ: ብናይ ጽዕነት ማኪና: ሓንሳእ ከኣ ብነፋሪት ኢየ ዝጓዓዝ ነይረ። ኣብ መንጎ እታ ኣብ ፈለግ ኣማዞን ዘላ በለምን ማኑስን እትርከብ ናይ ግዝኣት ኣማዞን ርእሰ-ከተማ ዝዀነት ሳንታሪም ንምብጻሕ ብልዕሊ ጫካ ኣማዞን ብነፋሪት ክትሓልፍ ከሎኻ ኣዝዩ ዝምስጥ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ኣውራጃ ኣገልገልቲ ዘገልግሉለን ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታት ሒደት ስለ ዝነበራ ዝበዝሕ ግዜይ ናይ ማሕበር ፊልምታት ነሕዋት ኣብ ምርኣይ ኢየ ዘሕልፎ ነይረ። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ይእከቡ ነበሩ።

ኣብ ሰሜናዊ ብራዚል ኣዝዩ ዝመሰጠኒ ነገር እቲ ናይ ኣማዞን ከባቢ እዩ። ኣብ ሚያዝያ 1957 ኣብኡ ከገልግል ከሎኹ: ፈለግ ኣማዞንን እቶም ተጸምበርቲ ወሓይዛትን ነቲ ገማግሞም የዕለቕልቕዎ ነበሩ። ኣብ መንጎ ክልተ ኣእዋም: ፊልም ዝረኣየሉ ዓለባ ተጣቢበ ብምዝርጋሕ ንሓንቲ ካብተን ፊልምታት ኣብቲ ጫካ ከርኢ መሰል ረኺበ ኢየ። ነታ ፕሮጀክተር ዝኸውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድማ: ካብ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ውሒዝ ደው ኢላ ዝነበረት ብሞተር እተዓዪ ጃልባ ኢዩ ዝመጽእ ነይሩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ተዓዘብቲ ንመጀመርታ ግዜኦም ዝረአይዎ ፊልም ኢዩ ነይሩ።

ድሕሪኡ ቁሩብ ጸኒሐ ናብ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ተመለስኩ: ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዓመት: ብ1958 ከኣ ኣብቲ ታሪኻዊ ዝዀነ “መለኮታዊ ፍቓድ” ዘርእስቱ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ዓለምለኻዊ ኣሰምብሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምክፋል መሰል ረኸብኩ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሾሞንተ መዓልቲ ዝወሰደ ዓቢ ኣኼባ: ካብ መንጎ እቶም ንያንኪ ስታድዩምን ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ፖሎ ግራውንድን ዝመልእዎ 253,922 ተኣከብቲ: ካብ 123 ሃገራት ዝመጹ ልኡኻት ነይሮም ኢዮም።

ኣብ ህይወተይ እተራእየ ለውጥታት ምስትምቓር

ናብ ቤትኤል ምስ ተመለስኩ ቅሩብ ጸኒሐ: ምስ ክላራ በርንት ተፋለጥኩ: ኣብ መጋቢት 1959 ከኣ ተመርዓና። ኣብ ግዝኣት ባሂኣ ናይ ወረዳ ዕዮ ክንዓዪ ተመደብና: ኣብኡ ድማ ንዓመት ዝኸውን ኣገልገልና። ክላራን ኣነን ነቲ ትሕትናን ምቕባል ኣጋይሽን ቅንእን ፍቕርን ናይቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ክሳዕ ሕጂ ብሓጐስ ኢና እንዝክሮ፣ ብስጋ ድኻታት ብፍረ ናይቲ መንግስቲ ግና ሃብታማት ኢዮም ነይሮም። ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ግዝኣት ሳዎ ፓውሎ ተቐየርና። ኣብኡ ኸኣ ኢያ በዓልቲ ቤተይ ብ1960 ዝጠነሰት: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከኣ ከነቋርጽ ነበረና።

ኣብቲ በዓልቲ ቤተይ እተወልደትሉ ኣብ ግዝኣት ሳንታ ካታሪና ዝርከብ ቦታ ክንግዕዝ ከኣ ወሰንና። ወድና ጌርዞን ካብቶም ሓሙሽተ ደቅና እቲ በዅሪ ኢዩ። ደድሕሪኡ ስዒቦም ከኣ ጊልሰን ብ1962: ታሊተ ብ1965: ታርስዮ ብ1969: ጃኒሲ ኸኣ ብ1974 ተወልዱ። የሆዋን እቲ ዝሃበና ሰናይ ምኽርታቱን ይመስገን: ነቲ “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ንኸነዕብዮም ዝነበረና ብድሆ ክንጋጠሞ ክኢልና ኢና።⁠—​ ኤፌሶን 6:4

ንነፍሲ ወከፍ ውሉድና ክቡር ገይርና ኢና እንርእዮ። እቲ ጸሓፊ መዝሙር “እንሆ: ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም” ብምባሉ ንስምዒታትና ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ አሎ። (መዝሙር 127: 3) ሽግራት እኳ እንተ ነበረና: ነቲ ኣብ ቃሉ ዝርከብ መምርሒታት ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ንደቅና ከምቲ ንዅሉ “ውህበት እግዚኣብሄር” እንገብሮ ገይርና ተኸናኺንናዮም ኢና። እቲ ዝረኸብናዮ ዓስቢ ብዙሕ እዩ። ሓሙሽተኦም ብተኸታታሊ: በብብሕቶም: ፈትዮም ንየሆዋ ዝገበርዎ ወፈያ ብምልክት ጥምቀት ገይሮም ከርእይዎ ዝነበሮም ባህጊ ምስ ገለጹ እዚ ዘይበሃል ሓጐስ ኢዩ ተሰሚዑና።⁠—​መክብብ 12:1

ናይ ውሉዳትና ምርጫ

ጌርዞን ናይ ኮምፒዩተር ትምህርቱ ምስ ወድአ ቑርብ ጸኒሑ: ኣብ ክንዲ ዓለማዊ ሞያ ዝሕዝ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኰይኑ ከገልግል ብምምራጽ ኣብ ቤትኤል ከገልግል ከም ዝደሊ ምስ ነገረና ሓጐስና ወሰን ኣይነበሮን። ይኹን እምበር ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ኣብቲ መጀመርታ ንጌርዞን ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ቤትኤል ኣርባዕተ ወርሒ ጥራይ ምስ ገበረ በጻሕናዮ: ክንፋነዎ ከሎና ኣብ ገጹ ምድፍናቕ ምስ ረአኹ ኣሰንቢዱኒ ኢዩ። ናይ መጀመርታ ኵርናዕ ክሳዕ እንጥወ ይጥምተና ከም ዝነበረ ኸኣ በቲ ናይ መኪናና መስትያት ረኣኽዎ። ኣብ ቦታና ንምብጻሕ ነቲ 700 ኪሎ ሜተር ንውሓት ዘለዎ ጕዕዞ ቅድሚ ምጅማርና ንብዓተይ ክቈጻጸሮ ስለ ዘይከአልኩ ኣብቲ ወሰን ጽርግያ ተጸጊዔ ደው በልኩ።

ጌርዞን ንቤትኤል ብሓቂ ዘስተማቕረሉ ግዜ መጸ። ኣብኡ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓመታት ዝኸውን ምስ ገበረ: ንሃይዲ በሰር ተመርዓዋ: ሓቢሮም ድማ ኣብ ቤትኤል ንኽልተ ዓመታት ኣገልገሉ። ድሕርዚ ሃይዲ ስለ ዝጠነሰት ክወጹ ነበሮም። ሕጂ እታ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ኰይና ዘላ ጓሎም ሲንትያ: ኣብቲ ናይ መንግስቲ ዕዮታቶም ተሰንዮም ኣላ።

ንጌርዞን ኣብ ቤትኤል ምስ በጻሕናዮ ነዊሕ ከይጸንሐ: እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ቀዳማይ ዓመት ናይ ንግዲ ምምሕዳር ወዲኡ ዝነበረ ጊልሰን: ኣብ ቤትኤል ከገልግል ከም ዝደለየ ነገረና። መደቡ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ቤትኤል ምስ ኣገልገለ ናብቲ ናይ ንግዲ ትምህርቱ ክምለስ ዝብል እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር መደባቱ ተቐየረ: ኣብ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ከኣ ቀጸለ። ኣብ 1988 ቪቭያን ጎንሳልቪስ እትብሃል ፓይነር: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝጽውዕሉ ስም: ተመርዓወ። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ከኣ ሓቢሮም ኣብ ቤትኤል የገልግሉ አለዉ።

ሳልሰይቲ ጓልና: ታሊተ: ናይ ንድፊ ትምህርቲ ድሕሪ ምምሃራ ብ1986 ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክትኣቱ ምስ መረጸት ሓጐስና እናዓበየ ኸደ። ሰለስተ ዓመታት ጸኒሓ ኸኣ ንሳውን ኣብ ቤትኤል ከተገልግል ተዓደመት። ብ1991 ከኣ ንዡዜ ኮሲ: ንዓሰርተ ዓመታት ዝኸውን ኣብ ቤትኤል ከገልግል ዝጸንሐ ሓው ተመርዓወቶ። ሰብኣይን ሰበይትን ኰይኖም ከኣ ኣብኡ ምግልጋል ይቕጽሉ አለዉ።

እቲ ቀጺሉ ዘሎ ውላድና ታርስዮ: ነቲ ድሮ ሰለስተ ግዜ ዝኸውን ዝሰማዕናዮ “ኣቦይ: ቤትኤል ክኣቱ ደልየ ኣሎኹ” ዝብል ሓረግ ክደግሞ ከሎ ኣነን በዓልቲ ቤተይን እንደገና ተሓጐስና። ምስ ኣመልከተ ኸኣ ተቐባልነት ረኸበ: ብ1991 ከኣ ንሱውን ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ጀመረ: ክሳዕ 1995 ከኣ ኣብኡ ቀጸለ። ነቲ ናይ ንእስነት ሓይሉ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ንረብሓታት መንግስቲ የሆዋ የውዕሎ ምህላዉ ሕጕሳት ኢና።

እታ ዝነኣሰት ጓልና ጃኒሲ ንየሆዋ ንምግልጋል ውሳነኣ ገበረት ኣብ መበል 13 ዕድሜኣ ከኣ ተጠምቀት። እናተማህረት ከላ ኸኣ ንሓደ ዓመት ሓጋዚት ፓይነር ኰይና ኣገልገለት። ጸኒሓ ድማ: ካብ 1 መስከረም 1993 ኣብዚ ዘለናዮ ከተማ ጋስፓር ኣብ ጉባኤና ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ከተገልግል ጀመረት።

መገዲ ዓወት

ንሓንቲ ስድራቤት ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ሕብርቲ ኰይና ክትቅጽል ዝገብራ ምስጢር እንታይ እዩ፧ ንዅሉ ግድላት ዝፈትሖ ሓደ ፍሉይ ሕግታት ዝሓዘ ስርዓት አሎ ኢለ ኣይኣምንን ኢየ። የሆዋ: ክርስትያን ወለዲ ኽስዕብዎ ዘለዎም ምኽሪ ኣብ ቃሉ ኣስፊሩ ስለ ዘሎ ናይቲ እነስተማቕሮ ዘሎና ሰናይ ፍረ ኵሉ ኽብሪ ንዕኡ እዩ ክወሃብ ዝግብኦ። ንመምርሒታቱ ክንስዕብ ጥራይ ኢና ፈቲንና። (ምሳሌ 22: 6) ኵሎም ደቅና ካባይ ስምዒታዊ ናይ ምቅርራብ ባህሪ ላቲን: ካብ ኣዲኦም ከኣ ብስምዒት ከይተደፋፋእካ ርጡብ ውሳኔታት ናይ ምግባር ባህሪ ጀርመን ወሪሶም እዮም። እቲ ካባና ዝወረስዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ግን መንፈሳዊ ውርሻ እዩ።

ናብራ ቤትና ኣብ ናይ መንግስቲ ረብሓታት ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ነዚ ረብሓታት እዚ ቀዳምነት ክትህቦ ቀሊል ኣይነበረን። ንኣብነት: ስርዓታዊ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ወትሩ ጸገማት የጋጥመና ነይሩ እዩ: ይኹን እምበር ኣይተሓለልናን። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ: ነፍሲ ወከፍ ውሉድና: ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከምኡውን ናብ ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ይኸይድ ነበረ። ካብ ምክፋል ዝዓግተና ዝነበረ ሕማም ወይ ካልእ ሃንደበታዊ ነገር ጥራይ እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ: እቶም ቈልዑ ንኣሽቱ ከለዉ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት የሰንዩና ነይሮም እዮም።

እቶም ቈልዑ ደቂ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሎም ምስ ኰኑ: ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝርርብ ክህቡ ጀመሩ። ነቲ ናይ መጀመርታ ዝርርቦም: ኣብ ክንዲ ብእተዳለወ ጽሑፍ ናይ ባዕሎም እተዋጽአ ጽሑፍ ብምጥቃም ክዳለዉሉ እናኣተባባዕና ንሕግዞም ነበርና። ድሕርዚ: ነፍሲ ወከፎም ነናይ ገዛእ ርእሶም ዝርርብ የዳልዉ ነበሩ። ብተወሳኺ ዕድሚኡ ካብ 10 ክሳዕ 12 ዓመት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ነፍሲ ወከፎም ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብቲ ኣገልግሎት ይሳተፉ ነበሩ። እቲ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ኣነባብራ እዚ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።

በዓልቲ ቤተይ ክላራ ነቶም ቈልዑ ኣብ ምዕባይ ዓቢ ግደ ኢዩ ነይርዋ። ምሸት ምሸት: ኣዝዩም ንኣሽቱ⁠—​ሓደ ቘልዓ ንዅሉ እቲ እተማህሮ ልክዕ ከም ስፑኞ ዝመጠሉ ዕድመ⁠—​ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ክላራ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታ ተንብበሎም ነበረት: ምስ ነፍሲ ወከፎም ኰይና ኸኣ ትጽሊ ነበረት። ነተን ካብታ ዝጠፍአት ገነት ናብታ እተመልሰት ገነት: ነቲ ዓቢ መምህር ምስማዕ: ከምኡውን መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዝበሃላ መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ጽቡቕ ገይራ ተጠቒማትለን ኢያ።* ነቶም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለዉ ሓገዝቲ ዝዀኑ ኣውድዮ ካሴትን ቪድዮ ካሴትን ምስ መጹ እውን ተጠቒምናሎም ኢና።

እቲ ከም ክርስትያን ወለዲ መጠን ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ውሉዳት መዓልታዊ ቈላሕታ ክግበረሎም ከም ዘድሊ ኢዩ ዘረጋግጸልና። ዓሚቝ ፍቕሪ: ብሕታዊ ተገዳስነት: ከምኡውን እኹል ግዜ: ካብቲ ንመንእሰያት ዘድልዮም መሰረታዊ ነገራት ኢዩ። ወለዲ ብምዃንና ነዚ ድልየታት እዚ ብእተኻእለና መጠን ንኸነማልእ ከም ሓላፍነትና ገይርና ንርእዮ ነይርና ጥራይ ዘይኰነስ: ከምኡ ብምግባርና ብዙሕ ሓጐስ ዓጺድና ኢና።

ወለዲ ነቲ “እንሆ: ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም: ፍረ ኸርሲ ኸአ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ: ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ: ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ: ኣይሐፍሩን እዮም” ዝብል ኣብ መዝሙር 127:3-5 ዘሎ ቃላት ፍጻሜኡ ክግንዘቡ ከለዉ ብሓቂ ዘዕግብ ኢዩ። ከም ሓንቲ ሕብርቲ ስድራቤት ኴንና ንየሆዋ ምግልጋልና ብሓቂ ምኽንያት ናይ ሓጐስ ኰይኑና ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

ኵላተን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ ኢየን።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣንቶንዮ ሳንቶለሪ ምስ ስድራቤቱ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ