ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/2 ገጽ 20-23
  • በቲ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምንቶ ኢየ ተናቢረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በቲ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምንቶ ኢየ ተናቢረ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ የሆዋ እምንቶ ምጥራይ
  • መንፈሳዊ ንጥፈታት ኣሐይሉኒ ኢዩ
  • ዝሰፍሐ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት
  • ናይ ቤትኤል ዕዮታተይ
  • ናይ ቤትኤል መሳለጥያታትና
  • ዕቑር መሰላት
  • እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንዅሉ ዝቐረበ ዕድመ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ከም ሕብርቲ ስድራቤት ኴንካ ንየሆዋ ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/2 ገጽ 20-23

በቲ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምንቶ ኢየ ተናቢረ

ብኣዤኖር ዳ ፒሽዋን እተዘንተወ

እቲ እንኮ ወድና: ፓውሎ: 11 ወርሒ ጥራይ ምስ ገበረ ብነድሪ ጉርጉማ ሞተ። ሰለስተ ኣዋርሕ ጸኒሑ: 15 ነሓሰ 1945 ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ብነድሪ ሳንቡእ ሞተት። ወዲ 28 ዓመት ኢየ ነይረ: እዚ ጕድኣት እዚ ድማ ኣሕዘነንን ኣጨነቐንን። እንተዀነ ግን ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምንቶን መብጽዓታቱን ኣናቢሩኒ ኢዩ። ነዚ እምንቶ እዚ ከመይ ገይረ ከም ዘጥረኽዎ ከዘንትወልኩም።

ካብታ ብ5 ጥሪ 1917 ኣብ ሳልቫዶር: ግዝኣት ባሃኢ: ብራዚል እተወለድኩላ ግዜ ኣትሒዛ: ኣደይ ነቶም ናይ ካቶሊክ ቤተ⁠-ክርስትያን “ቅዱሳት” ከምልኽ ምሂራትኒ ኢያ። ብሓንሳእ ምእንቲ ክንጽሊ ኢላ ንዓይን ንኣሕዋተይን ኣንጊሃ እውን ከይተረፈ ተተንስኣና ነበረት። ይኹን እምበር: ወለደይ ኣብቲ ናይ ካንዶምብላ ኣኼባታት: ኣብ ኣፍሪቃን ብራዚልን ዝግበር ናይ ቩዱ እምነት ጽምብላት እውን ይካፈሉ ነይሮም ኢዮም። ነዚ እምነታት እዚ አኽብሮ ነይረ ኢየ: ኣብቶም ናይ ካቶሊክ ወይ ናይ ካንዶምብላ ቅዱሳን ተባሂሎም ዝጽውዑ ግን እምንቶ ኣይነበረንን። ብፍላይ ተስፋ ዘቝረጸኒ ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ እዘን ሃይማኖታት ዝርአ ዝነበረ ዓሌታዊ ፍልልይ ኢዩ።

ድሕሪ ገለ ግዜ ክልቲኦም ዓበይቲ ኣሕዋተይ ስራሕ ክደልዩ ገዛና ሓዲጎምዎ ከዱ። ጸኒሑ ኣቦይ ነቲ ስድራቤት ጠንጢንዎ ከደ። ስለዚ: ወዲ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ: ንኣደይን ንንእሽቶ ሓብተይን ምእንቲ ክሕግዘን ስራሕ ክደሊ ነበረኒ። ድሕሪ 16 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ምስ ሓደ ኣብ ፋብሪካ ዝነበረ መሳርሕተይ ዝገበርክዎ ዝርርባት: ኣብ ህይወተይ ነጥበ⁠-መቐይሮ ኰይኑ ተረኽበ።

ኣብ የሆዋ እምንቶ ምጥራይ

ብ1942 ምስ ፌርናንዶ ተለዝ ተራኸብኩ። ንሱ ኵሉ ግዜ ን“ቅዱሳት” ምምላኽ ጌጋ ኢዩ ይብል ነበረ። (1 ቈረንቶስ 10:14፣ 1 ዮሃንስ 5:​21) ኣብ መጀመርታ ዝዀነ ይኹን ኣቓልቦ ኣይገበርኩሉን። ቅንዕንኡን ዓሌቶም ብዘየገድስ ኣብ ሰባት ዝነበሮ ተገዳስነትን ግን ማረኸኒ: ነቲ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱሱ: ብፍላይ ድማ ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ምድራዊት ገነትን ዝብሎ ዝነበረ ድማ ከድንቖ ጀመርኩ። (ኢሳይያስ 9:​6, 7፣ ዳንኤል 2:​44፣ ራእይ 21:​3, 4) ተገዳስነተይ ምስ ረኣየ: መጽሓፍ ቅዱስን ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ሃበኒ።

ሒደት ሰሙናት ጸኒሐ: ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክካፈል ዕድመ ተቐበልኩ። እታ ጕጅለ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትመት ረሊጅን እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኢያ ተጽንዕ ነይራ። ነቲ ትምህርቲ ተሓጐስኩሉ ኣብ ኵሉ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ድማ ክካፈል ጀመርኩ። ብፍላይ ዝመሰጠኒ ነገር ድማ ዓሌታዊ ፍልልይ ዘይምህላዉን እተገብረለይ ኣቀባብላን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣቢሉ ይኸውን ምስ ሊንዳውረ ናይ ፍቕሪ ሌላ ክገብር ጀሚረ ነበርኩ። ብዛዕባ እቲ ዝማሃሮ ዝነበርኩ ምስ ነገርኩዋ ምሳይ ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት።

ኣብቲ ኣኼባታት ዝመሰጠኒ ካልእ ነገር ድማ እቲ ንዕዮ ስብከት ዝግበረሉ ዝነበረ ትዅረት ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:20) በቶም ፓይነራት ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ተተባቢዐ ንስራሕ ክኸይድን ክምለስን ከሎኹ ነቶም ኣብታ ባቡር ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ብናይ እግረ⁠-መገዲ ምስክርነት ክዛረቦም ጀመርኩ። ዝግደስ ሰብ ምስ ረኸብኩ ኣድራሽኡ እወስድ ነቲ ተገዳስነቱ ከዕብዮ ንምፍታን ድማ እበጽሖ።

ድሕሪኡ: ኣብ የሆዋን ኣብታ ንሱ ዝጥቀመላ ማሕበርን ዘሎኒ እምንቶ እናዐበየ ከደ። በዚ ኸኣ: ንክርስትያናዊ ወፈያ ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ድሕሪ ምስመዐይ: 19 ሚያዝያ 1943 ኣብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ተጠመቕኩ። ልክዕ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ስርዓታዊ ናይ ቤተ⁠-ቤት ኣገልግሎት ተኻፈልኩ።

ክልተ ሰሙን ጸኒሕና: 5 ግንቦት ሊንዳውረን ኣነን ተመርዓና። ድሕርዚ: ነሓሰ 1943 ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ከተማ ሳልቫዶር እተገብረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሰምብሊ ተጠምቀት። ነዚ ኣሰምብሊ እዚ ኣመልኪታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ 1973 ዓመት መጽሓፍ ከምዚ ኢላ ነበረት:⁠- “ናይ ኣቕሽሽቲ ስጕምቲ ነቲ ኣብ ሳልቫዶር ዝነበረ ህዝባዊ ዝርርብ ደው ከብሎ እኳ እንተ ኸኣለ: . . . ሰፊሕ ዝዀነ ጽቡቕ ምስክርነት ድሕሪ ምውሃቡ ኢዩ።” መረጋገጺ ናይቲ የሆዋ ኣብ ትሕቲ ከቢድ መስጐግቲ ዝህቦ መምርሒ: ነቲ ኣብኡ ዘሎኒ እምንቶ ኣሐይልዎ ኢዩ።

ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዘዘንተኽዎ: ካብቲ ሊንዳውረ እተጠመቐትሉ ግዜ ልክዕ ድሕሪ ክልተ ዓመት​—⁠ካብቲ ወድና ዝሞተሉ ድማ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ​—⁠ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ሞተት። ጓል 22 ዓመት ጥራይ ኢያ ነይራ። እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበረኒ እምንቶ ግን ኣብተን ኣሸገርቲ ወርሓት እቲኣተን ኣናቢሩኒ ኢዩ።

መንፈሳዊ ንጥፈታት ኣሐይሉኒ ኢዩ

ብ1946: ካብቲ በዓልቲ ቤተይን ወደይን ዝሰኣንክሉ ግዜ ድሕሪ ዓመት: ኣብታ ሽዑ ኣብ ሳልቫዶር ዝነበረት እንኮ ጉባኤ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣገልጋሊ ክኸውን ተመዘዝኩ። ልክዕ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብተን ኣብ ብራዚል ዝነበራ ጉባኤታት ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ጀመረ: ኣብ ግዝኣት ባሃኢ ድማ ናይ መጀመርታ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣገልጋሊ ኰንኩ። ድሕርዚ: ጥቅምቲ 1946: ኣብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ “ህዝብታት ተሓጐሱ” ዘርእስቱ ቲኦክራሲያዊ ኣሰምብሊ ተገብረ። ንዓሰርተ ዓመታት ዘስርሓኒ ሰብ ከም ዝደልየኒ ተዛረበኒ ናብቲ ኣሰምብሊ ከይከይድ ድማ ጸቕጢ ገበረለይ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኣሰምብሊ እቲ ምክፋል ንዓይ ክሳዕ ክንደይ ትርጕም ዘለዎ ምዃኑ ምስ ገለጽኩሉ: ብሕያውነት ህያብ ሃበኒ: ጽቡቕ ገይሩ ድማ ኣፋነወኒ።

እቲ ኣብ ናይ ሳኦ ፓውሎ ምምሕዳር ከተማ ዘሎ ናይ ትያትር ቦታ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ኣሰምብሊ ኣኼባታት ብቛንቋ ፖርቱጋል​—⁠ኣብ ብራዚል ዝዝረብ ቋንቋ​—⁠ከምኡውን ብእንግሊዝኛ: ቋንቋ ጀርመን: ሃንጋሪ: ፖሊሽ: ከምኡውን ብቛንቋ ራሻ ኢዩ ቐሪቡ። ኣብቲ ኣሰምብሊ እቲ ንቕሑ! መጽሔት ብቛንቋ ፖርቱጋል ወጸ። እቲ ኣሰምብሊ ኣዝዩ ስለ ዝተንከፈኒ 1 ሕዳር 1946 ዕዮ ፓይነር ክጅምር ቅጥዒ መላእኩ: ኣብቲ ኣሰምብሊ ንህዝባዊ ዝርርብ ገለ 1,700 ዝዀኑ ሰባት ተኣኪቦም ነበሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ናይ ፓይነር ዕዮና ፎኖግራፍ ብሰፊሑ ንጥቀም ነበርና። እታ “ዕቝባ” እትብል ዝርርብ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ሰብ ገዛ እነስምዖም ዝነበርና ኢያ። ቀጺልና “ገዛእ ርእስና ካብ ሓደ ዘይርአ ጸላኢ ምእንቲ ከነዕቝባ ናብ ሓደ ካልእ ዘይርአ ዓርኪ ክንለግብ ኣሎና። የሆዋ ዝዓበየ ዓርክና ኢዩ ካብቲ ጸላኢና ዝዀነ ሰይጣን ድማ ኣጸቢቑ ዝሓየለ ኢዩ። ስለዚ ንርእስና ካብ ሰይጣን ምእንቲ ከነዕቝባ ናብ የሆዋ ኣጸቢቕና ክንለግብ ኣሎና” ንብሎም ነበርና። ድሕርዚ ነታ ተወሳኺ ሓበሬታ እትህብ ፕሮቴክሽን እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ንእሽቶ መጽሓፍ ነበርክተሎም።

ምስታ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ እትርከብ ጉባኤ ካሪዮከ ከም ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ከገልግል ዕድመ ክቕበል ከሎኹ ካብ ሓደ ዓመት ዝውሕድ ግዜ ኢየ ከም ፓይነር ኰይነ ዓይየ። ኣብኡ ሓድሓደ ግዜ ብርቱዕ ምጽራር የጋጥመና ነበረ። መገላግልተይ ዝነበረ ኤቫን ብረነር: ሓደ እዋን ብሓደ በዓል ቤት ተኸትኪቱ ኢዩ። እቶም ጐረባብቲ ፖሊስ ጸውዑ: ኵልና ድማ ናብ መደበር ፖሊስ ተወሰድና።

ኣብ እዋን መርመራ: እቲ ሓሪቑ ዝነበረ በዓል ቤት ሰላም ዘሪግኩም ኢሉ ከሰሰና። እቲ ሓለቓ ፖሊስ ስቕ ክብል ኣዘዞ። ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ፖሊስ ናባና ግልጽ ኢሉ ብልኡም ኣዘራርባ ክንከይድ ናጻ ምዃንና ነገረና። ነቲ ከሳሲና ሒዙ ናይቲ ዝፈጸሞ ዓመጽ ኣኽፈሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምንቶ መሊሱ ወሲኹሉ ኢዩ።

ዝሰፍሐ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት

ኣብ ቤትኤል: እቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሳለጥያታት ዝጽውዓሉ ስም: ከገልግል 1 ሓምለ 1949 ዕደመ ምስ ቀረበለይ ተሓጒሰ ኢየ። እቲ ኣብ ብራዚል ዘሎ ቤትኤል ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጐደና 330 ለሰንዮ ኮርዶሱ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ኢዩ ዝርከብ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ: 17 ኣባላት ስድራ ቤትኤል ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ንእተወሰነ ግዜ: ኣብታ ናይቲ ከባቢ ጉባኤ ኢንዤንዮ ደ ዴንትሮ እካፈል ነበርኩ: ጸኒሐ ግን ኣብታ ካብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ሒደት ማይልስ ርሕቕ ኢላ ዘላ ከተማ ቤልፎርድ ሮክሶ ዝነበረት ሓንቲ ጉባኤ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ኰይነ ከገልግል ተመዘዝኩ።

ቀዳመ ሰናብቲ ብዕዮ ኣዝየ ትሑዝ ኢየ ነይረ። ቀዳም ቀዳም ናብ ቤልፎርድ ሮክሶ ብባቡር እኸይድ: ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እካፈል: ድሕርዚ ድማ ምሸት ናብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን እኸይድ። ለይቲ ምስቶም ኣሕዋት እሓድር: ኣብታ ቐጺላ ዘላ ንግሆ ድማ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እካፈል ነበርኩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድሕሪ ቐትሪ ህዝባዊ ዝርርብ ከምኡውን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ እካፈል ዳርጋ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ምሸት ድማ ናብ ቤትኤል እምለስ ነበርኩ። ሎሚ ኣብ ቤልፎርድ ሮክሶ 18 ጉባኤታት ኣለዋ።

ብ1954: በቲ መደብ እቲ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ድሕሪ ምኻደይ: ኣብ ጉባኤ ሳኦ ክረስታቮ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ኰይነ ከገልግል ናብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ተመለስኩ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓሰርተ ዓመታት ምስታ ጉባኤ እቲኣ ኣገልገልኩ።

ናይ ቤትኤል ዕዮታተይ

ኣብ ቤትኤል እተወሃብኩዎ ናይ መጀመርታ ዕዮ ነታ ብምኽንያት ቡናዊ ሕብራ ቾኮላታ ዝብል ሳጓ ዘውጻእናላ ናይ 1949 ሞዴል ዝዀነት ዶጅ ዝዓይነታ እንኮ ናይ ማሕበር ማኪና ጋራጅ ምህናጽ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጋራጅ ምስ ተወድአ: ኣብ ክሽነ ክዓዪ ተመደብኩ: ኣብኡ ድማ ንሰለስተ ዓመታት ጸናሕኩ። ድሕርዚ ናብ ክፍሊ ሕትመት ተቐየርኩ: ኣብኡ ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 40 ዓመታት ገይረ ኣሎኹ።

መብዛሕትኡ ካብቲ ዝነበረና ናይ ሕትመት መሳርሒታት ዘገልገለ እምበር ሓድሽ ኣይነበረን። ንኣብነት: ንብዙሕ ዓመታት ሓንቲ ጸፋሕ ናይ ሕትመት ማኪና ኢያ ነይራትና: ነዚኣ ድማ ካብ ምፍታው እተላዕለ ብስም ሰበይቲ ኣብርሃም: ሳራ ኢልና ንጽውዓ ነበርና። ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዋና ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ፋብሪካ ንብዙሕ ዓመታት ሰሪሓ ኢያ። ድሕርዚ: ብ1950 ናብ ብራዚል ተላእከት። ኣብዚ ድማ: ልክዕ ከም ሰበይቲ ኣብርሃም ኣብ እርግናኣ​—⁠ብመልክዕ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት​—⁠ፍረ ኣፍርያ ኢያ።

በቲ ኣብ ብራዚል ዘሎ ናይ ሕትመት ፋብሪካ ዝፈሪ: እናወሰኸ ዝኸይድ ቍጽሪ ጽሑፋት ካብ ምግራም ኣቋሪጸ ኣይፈልጥን። ኣብ ብምሉኡ ዓመት ናይ 1953: 324,400 መጽሔታት ሓተምና: ሕጂ ግን እቲ ዝሕተም ጽሑፋት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ኢዩ በጺሑ!

ናይ ቤትኤል መሳለጥያታትና

እቲ ኣብ ብራዚል ዝርከብ ናይ ቤትኤል መሳለጥያታትና ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እናወሰኸ ምኻዱ ክትዕዘብ ባህ ዘብል ኢዩ ነይሩ። ብ1952 ኣብቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ዝነበረ ቤትኤልና: ብድሕሪት ክልተ ደርቢ ዘለዎ ፋብሪካ ሃነጽና። ድሕርዚ: ብ1968 ቤትኤል ናብቲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዝነበረ ሓድሽ ህንጻ ተቐየረ። ኣብኡ ምስ ኣቶና: ነቶም 42 ዝቝጽርና ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኵሉ ነገር ዓብን ሰፊሕን መሲሉ ተራእየና። እዚ ህንጻ እዚ ነቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ዕቤትና ክጠቅም ኢዩ ኢልና ድማ ሓሰብና። ይኹን እምበር: ብ1971 ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎ ተወሳኺ ክልተ ኣባይቲ ተሃንጸ: ምስኡ ተጸጊዑ ዝነበረ ሓደ ፋብሪካ ድማ ተዓዲጉ: እንደገና ተሓዲሱ ምስቲ ህንጻ ከም ዝተሓሓዝ ተገብረ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ግን: እቲ እናወሰኸ ዝኸደ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ ተወሳኺ ቦታ ሓተተ: ምኽንያቱ ብ1975 ቍጽርና ልዕሊ 100,000 ኰይኑ ነበረ።

ስለዚ: ካብ ሳኦ ፓውሎ 140 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ: ከዛሪዮ ላንዠ ሓድሽ ህንጻታት ተሰርሐ። ብ1980 እቲ 170 ኣባላት ዝነበርዎ ናይ ቤትኤል ስድራና ናብዚ ሓድሽ መሳለጥያታት ገዓዘ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ናይታ መንግስቲ ዕዮ ብዘደንቕ መገዲ እናወሰኸ ኸደ። ሎሚ ኣብ ብራዚል ኣብቲ ዕዮ ስብከት ስርዓታውያን ኰይኖም ዝካፈሉ ልዕሊ 410,000 ሰባት ኣለዉ! ንዅሎም እዞም ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲ ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ምእንቲ ክንሓሊ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ንምሕታም ዘድሊ ሓደስቲ ፋብሪካታት ከምኡውን ነቶም ናይ ቤትኤል ወለንተኛታት ዝኸውን ሓደስቲ መንበሪ ኣባይቲ ምህናጽ ክንቅጽል ነበረና። ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ 1,100 ዝዀኑ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኣለዉና!

ዕቑር መሰላት

ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ዝኸበረ መሰል ገይረ ኢየ ዝርእዮ። ስለዚ ኸኣ ኢየ: ኣብቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝነበረ ዓመታት እንደገና ክምርዖ እኳ ሓሲበ እንተ ነበርኩ: ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ናይ ቤትኤል መሰላተይን ዕዮ ስብከትን ከተኵር ዝመረጽኩ። ኣብ ቤትኤል ምስ ኣዝዮም ብዙሓት መንእሰያት ሓቢረ ኣብቲ ሕትመት ከገልግልን ንዓኣቶም ድማ ኣብቲ ዕዮኦም ከለማምድን ባህ ኢዩ ዘብለኒ። ልክዕ ከም ደቀይ ገይረ ክርእዮም ኢየ ዝፍትን። ቅንኦምን ስስዐ ዘይብሎም ምዃኖምን ናይ ዓቢ ምትብባዕ ምንጪ ኢዩ ዝዀነኒ።

ካልእ መሰል ድማ ምስቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት መዳቕስተይ ዝነበሩ ኣሕዋት ዘስተማቐርኩዎ ሰናይ ብጻይነት ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ሓድሓደ ግዜ ናይ ባህሪ ፍልልይ ጸገም የምጽእ ኢዩ። እንተዀነ ግን ካብ ካልኦት ፍጽምና ከይጽበ ተማሂረ ኢየ። ብደቂቕ ፍልልያት ገይረ ክንዲ ከረን ዝኸውን ግድላት ካብ ምስራሕ ወይ ንነፍሰይ ኣዕብየ ካብ ምርኣይ ክርሕቕ ጽዒረ ኢየ። ብጌጋታተይ ምስሓቕ ነቲ ናይ ካልኦት ጌጋታት ክጾሮ ሓጊዙኒ ኢዩ።

ካልእ ዘስተማቐርኩዎ ክቡር መሰል ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ክካፈል ምኽኣለይ ኢዩ። ሓደ ካብዚ ኣብ ያንኪ ስታድዩም: ኒው ዮርክ ብ1963 እተገብረ “ዘለኣለማዊ ብስራት” ዘርእስቱ ኣሰምብሊ ክኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ድማ ብ1969 ኣብቲ ቦታ እቲ እተገብረ “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣሰምብሊ ኢዩ። ኣብኡ ከሎኹ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ናይ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ብምብጽሐይ ተሓጒሰ ኢየ!

ንዓሰርተ ዓመታት ኣብቲ ናይ ስድራ ቤትኤል ናይ ንግሆ ኣምልኾ ምስቶም ካልኦት ሽማግለታት በብተራ ኣቦ መንበር ክኸውን እውን መሰል ረኺበ ኢየ። ጌና ዓቢ ሓጐስን ምትብባዕን ዘምጽኣለይ መሰል ድማ: ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ እውን ከይተረፈ ብምግባር ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ናብቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ምብጻሕ ኢዩ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ናይ ፓርኪንሳንስ ዲዝዝ እተባህለ ሕማም ጸገም ኣጋጢሙኒ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ቤትኤል ክሊንክ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገብሩለይ ፍቕራዊ ሓልዮት ናይ ቀጻሊ ሓገዝን ምጽንናዕን ምንጪ ኰይኑኒ ኢዩ። ብምሉእ እምንቶ: የሆዋ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾኡ ዝከኣለኒ ንምግባር ዘቐጽለኒ ሓይሊ ክህበኒ እጽሊ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሕጂ ዝነብረሉ ዘሎኹ ናይ ብራዚል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]

ምስታ ብ1945 ዝሞተት በዓልቲ ቤተይ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ