ነቲ መሲሕ ምተቐበልካዮዶ፧
የሱስ ክርስቶስ ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ክሰብኽ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ገይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ምውዳእ ናይቲ ምድራዊ ኣገልግሎቱ: መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ከም መሲሕ: ወይ ከም ኣምላኽ እተመባጽዓሉ “ቅቡእ” መጠን ነጺጎምዎ ኢዮም። ስለምንታይ፧
መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ ንየሱስ ከም መሲሕ መጠን ስለምንታይ ኣፍልጦ ከም ዘይሃብሉ ዝገልጽ እተፈላለየ ምኽንያታት ንኽንርድኦ ይሕግዘና ኢዩ። ካብዚ ምኽንያታት እዚ: እቲ ሰለስተ ብዙሓት ሰባት ነቲ ሎሚ የሱስ ከም መሲሓዊ ንጉስ መጠን ሒዝዎ ዘሎ ቦታ ኣፍልጦ ንኸይህብሉ ዝጽግሞም ኢዩ።
“ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ አሎና”
እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ ነቲ መሲሕ ዘይተቐበልሉ ሓደ ምኽንያት: ነቲ መሲሕ ምዃኑ ዝሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእምርትታት ምቕባል ስለ ዝኣበዩ ኢዩ ነይሩ። እቶም ንየሱስ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ካብ ኣምላኽ እተላእከ ምዃኑ ንምርግጋጽ ትእምርቲ ክገብር ብተደጋጋሚ ይሓትዎ ነበሩ። ንኣብነት: ማቴዎስ 12:38 ገለ ካብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን “መምህር: ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ አሎና” ከም ዝበልዎ ጸብጻብ ትህብ። የሱስ ድሮ ትእምርቲ ኣርእይዎምዶ ኸይነበረ፧ ብርግጽ ኣርእይዎም ኢዩ።
ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ የሱስ ድሮ ብዙሕ ተኣምራት ገይሩ ነይሩ ኢዩ። ማይ ናብ ወይኒ ቐይሩ: ጥቓ ሞት ቀሪቡ ዝነበረ ሕሙም ወዲ ኣሕውዩ: ነታ ሓሚማ ዝነበረት ሓማት ጴጥሮስ ኣሕውይዋ: ንሓደ ለምጻም ሰብኣይ ኣንጺሁ: ንሓደ ዝለመሰ ሰብኣይ ከም ዝኸይድ ገይሩ: ንሓደ 38 ዓመታት ዝሓመመ ሰብኣይ ጥዕንኡ መሊሱሉ: ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኣጥዕዩ: ንብዙሓት ሰባት ካብቲ ዘሳቒ ሕማሞም ኣሕውዩ: ንሓደ ባርያ ሓለቓ ሰራዊት ኣጥዕዩ: ንሓደ ወዲ መበለት ካብ ሞት ኣተንሲኡ: ከምኡውን ንሓደ ዓይነ-ስዉርን ዓባስን ሰብኣይ ኣሕውዩ ኢዩ። እዚ ተኣምራት እዚ ኣብ ቃና: ቅፍርናሆም: የሩሳሌም: ከምኡውን ኣብ ናይን ኢዩ ተገይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ናይዚ ተኣምራት እዚ ወረ ኣብ ምልእቲ ይሁዳን ከባቢኣን ተዘርጊሑ ኢዩ።—ዮሃንስ 2:1-12፣ 4:46-54፣ ማቴዎስ 8:14-17፣ 8:1-4፣ 9:1-8፣ ዮሃንስ 5:1-9፣ ማቴዎስ 12:9-14፣ ማርቆስ 3:7-12፣ ሉቃስ 7:1-10፣ 7:11-17፣ ማቴዎስ 12:22
ብርግጽ: የሱስ መሲሕ ምንባሩ ዘረጋግጽ ትእምርትታት ሒደት ኣይነበረን። ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣዝዩ ብዙሕ ትእምርትታት ገይሩ ከብቅዕ: እቶም ህዝቢ ኣብኡ እምነት ኣየርኣዩን። እቶም የሱስ ብኣምላኽ እተላእከ ምዃኑ መረጋገጺ ዝረኣዩ ግናኸ ከም መሲሕ መጠን ኣፍልጦ ዘይሃብሉ ሰባት ብመንፈስ ዕዉራት ኢዮም ነይሮም። ልቦም ተሪርን ሓቂ ዘይቅበልን ኢዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 12:37-41
ሎሚኸ፧ ገለ ሰባት ኣግሂዶም “ብዓይነይ ዝረኣኽዎ ጥራይ ኢየ ዝኣምን” ይብሉ። እዚ ግን ብሓቂ ጥበባዊ ስጕምቲ ድዩ፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት የሱስ ድሮ ከም ሰማያዊ ንጉስ መጠን ኣብታ መሲሓዊት መንግስቲ ከም ዝነገሰ ይሕብር ኢዩ። ንሱ ዘይርአ ስለ ዝዀነ ግዝኣቱ ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ትእምርትታት የድልየና ኢዩ: እዚ ድማ ምጅማር ናይተን ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ እኩይ ኣገባብ ዘመልክት ኢዩ። ነቲ ትእምርቲ ትፈልጦዶ ኢኻ፧—ማቴዎስ 24:3
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ክርስቶስ መሲሓዊ ንጉስ ብምዃን ግዝኣቱ ዝጅምረሉ ግዜ: መጠነ-ሰፊሕ ዝዀነ ውግእ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ዋሕዲ መግቢ: ከምኡውን ፌራ ክርአ ነበሮ። ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ሰብኣዊ ርክባት ብስስዐ: ህርፋን: ከምኡውን ቀይዲ ዘይብልካ ብምዃን ክፍለጥ ነበሮ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ማቴዎስ 24:6, 7፣ ሉቃስ 21:10, 11) ብዘይካ እቲ ናይ መስርዕ ፍጻመታት መረጋገጺ: ልዕሊ 20 ዝኸውን እተፈላለየ ምልክታት ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ናይቲ መሲሕ ንግስነት ብ1914 ከም ዝጀመረ ይሕብር ኢዩ።—ናይ መጋቢት 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 51 ርአ።
“ገንዘብ ዚፈትዉ”
ኣይሁድ ንየሱስ ከም መሲሕ መጠን ዝነጸግሉ ካልእ ምኽንያት ፍቕረ-ንዋይ ኢዩ ነይሩ። ንሃብቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣገዳሲ ገይሮም ብምርኣዮም ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ካብ ምስዓብ ንድሕሪት መሊስዎም ኢዩ። ንኣብነት: ፈሪሳውያን ‘ገንዘብ ብምፍታው’ ዝመጸ ፍሉጣት ኢዮም ነይሮም። (ሉቃስ 16:14) ኵነታት ናይቲ ናብ የሱስ ቀሪቡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብኸመይ ከም ዝረክብ ዝሓተቶ ሃብታም ገዛኢ ዝነበረ ጐበዝ ርአ። ናይ የሱስ መልሲ “እተን ትእዛዛት ሐሉ” ዝብል ነበረ። እቲ ጐበዝ ድማ እተወሰነ ሕግታት ካብ ምሕላው ንላዕሊ ዘድሊ ነገር ከም ዘሎ ብምርዳእ: ‘እዚ ዅሉ እሕልዎ አሎኹ: እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ’ ብምባል ሓተተ። የሱስ ከኣ “ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ: ንዓ ሰዐበኒ” በሎ። ወደ መዝሙር ናይቲ መሲሕ ክኸውንሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ኰን ኢዩ ነይርዎ! እንተዀነ ግን እቲ ገዛኢ እናጐሃየ ተመልሰ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ ዘሎ መዝገብ ካብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ መዝገብ ኣዝዩ ስለ ዘገደሶ ኢዩ።—ማቴዎስ 19:16-22
ሎሚውን እቲ ኵነታት ኣይተለወጠን። ሓቀኛ ሰዓቢ ናይቲ መሲሓዊ ንጉስ ምዃን: ንመንፈሳዊ ረብሓታት ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ነገር: ነቲ ምድራዊ ጥሪት ሓዊስካ: ምስራዕ ማለት ኢዩ። ፍቕረ-ንዋያዊ ኣረኣእያ ንዘለዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ እዚ ብድሆ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ ናይ ርሑቕ ምብራቕ ሃገር ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልግሉ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተዛረብዋ። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዝያዳ ክትፈልጥ ትድሊ ኢያ ዝብል እምነት ብምግባር እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ነታ ሰበይቲ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣበርከቱላ። መልሳኸ እንታይ ነበረ፧ “እዚ መጽሔታት እዚ ዝያዳ ገንዘብ ክእክብ ይሕግዘኒ ድዩ፧” ብምባል ሓተተት። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ካብ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዝያዳ ኣብ ስጋዊ ነገራት ኢያ ትግደስ ነይራ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሓደ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባታት ክሳተፍ ዝጀመረ መንእሰይ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ነበሩ። ወለዱ “ግዜኻ ብኸንቱ ተጥፍእ ኣሎኻ። ኣብ ሰዓታት ምሸት ካልኣይ ስራሕ ረኺብካ ዝያዳ ገንዘብ ክትእክብ ኣሎካ” በልዎ። ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ካብ ምምሃር ዝያዳ ንስጋዊ ነገራት ክብ ኣቢሎም ክርእይዎ ከተባብዕዎምሲ ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! ሓደ ናይ ቻይናውያን ምስላ “መራሒ ምስቲ ዅሉ ሃብቱ ናይ ዓሰርተ ሽሕ ዓመታት ዕደመ ክዕድግ ኣይክእልን ኢዩ” ይብል።
ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ምምሃርን ንዕኡ ምስዓብን ንፍቕሪ ገንዘብ ከም ዘየፍቅድ ክርድኡ ክኢሎም ኢዮም። ሓንቲ ብዙሕ እቶት ዘለዎ ስራሕ ዝነበራ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ትብል:- “ብዙሕ ገንዘብ ክህልወካ ባህ የብል ኢዩ: ግድን ንህይወት ዘድሊ ነገር ግን ኣይኰነን። ንሓደ ሰብ ሕጒስ ዝገብሮ ገንዘብ ኣይኰነን።” እዛ ምስክር እዚኣ ሕጂ ኣባል ስድራ ቤትኤል ናይ ሓደ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኢያ።
‘ንኣይሁድ ምፍራህ’
ንሰብ ምፍራህ ድማ ኣይሁድ ንየሱስ ከም መሲሕ መጠን ዘይተቐበልሉ ተወሳኺ ምኽንያት ኢዩ ነይሩ። መሲሕ ምዃኑ ብግሁድ ምቕባል ነቲ ዝነበሮም ስም ምብልሻው ማለት ኢዩ ነይሩ። ንገሊኦም እዚ ኣዝዩ ዝለዓለ ዋጋ ዝሓቶም ነበረ። ኣባል ናይቲ ሳንሄድሪን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ዝነበረ ኒቆዲሞስ ርአ። በቲ ናይ የሱስ ትእምርትታትን ትምህርትታትን ተመሲጡ “ረቢ: ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ: ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ: ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ: ንፈልጥ አሎና” ብምባል ተኣሚኑ ኢዩ። እንተዀነ ግን ኒቆዲሞስ ንየሱስ ዝበጽሖ ጸልማት ጕልባብ ብምግባር ኢዩ: ከምኡ ዝገበረ ድማ ምናልባት ብኻልኦት ኣይሁድ ከይፍለጥ ኢሉ ኢዩ።—ዮሃንስ 3:1, 2
ንብዙሓት ካብቶም የሱስ ክዛረብ ከሎ ዝሰምዕዎ ሰባት: ካብ ስምረት ኣምላኽ ስምረት ሰብ ኢዩ ዝያዳ ዘገድሶም ነይሩ። (ዮሃንስ 5:44) የሱስ ብ32 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ዳስ ከብዕል ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ: “እቶም እኩባት ህዝቢ . . . ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ።” “ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ” ብዛዕባ የሱስ ኣግሂዱ እተዛረበ ሰብ ኣይነበረን። (ዮሃንስ 7:10-13) ወለዲ ናይ ሓደ የሱስ ካብ ዑረት ዘሕወዮ ሰብኣይ እውን ከይተረፉ እቲ ተኣምራት ብናይ ኣምላኽ ወኪል ከም እተገብረ ኣፍልጦ ክህቡ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ንሳቶም እውን ‘ንኣይሁድ ፈርሁ።’—ዮሃንስ 9:13-23
ሎሚ: ገለ ሰባት የሱስ ከም መሲሓዊ ንጉስ መጠን ሕጂ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ከም ዘሎ ይርድኡ ኢዮም: ነዚ ግን ብግህዶ ኣፍልጦ ክህብሉ ይፈርሁ። ንዓኣቶም እቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘለዎም ርክብ ምጥፋእ ዝያዳ ይዓዞም። ንኣብነት: ኣብ ጀርመን: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ሓደ ሰብኣይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ገበረ: እቲ ሰብኣይ ግን ከምዚ ብምባል ተኣመነ:- “ንስኻትኩም መሰኻኽር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እትሰብክዎ ዘበለ ሓቂ ኢዩ። ሎሚ ምስክር እንተድኣ ኰይነ ግን: ጽባሕ ኵሉ ሰብ ክፈልጥ ኢዩ። መሳርሕተይ: ጐረባብተይ: ከምኡውን እቲ ኣነን ስድራቤተይን ኣባላቶም ዝዀንና ክለብከ እንታይ ክብሉ ኢዮም፧ ነዚ ኣይክእሎን ኢየ።”
ንሰብ ምፍራህ ካብ እንታይ ኢዩ ዝመጽእ፧ ካብ ትዕቢት: ኣብ ቅድሚ ስድራቤትካን ኣዕሩኽካን ተቐባልነት ክህልወካ ምድላይ: ላግጽን ምንኣስን ካብ ምፍራህ: ከምኡውን ካብ ብዙሓት እተፈለኻ ናይ ምዃን ስክፍታ ኢዩ ዝመጽእ። ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ብፍላይ ነቶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከጽንዑ ዝጅምሩ ሰባት ፈተና ምዃኑ ተራእዩ ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ መንእሰይ ሰበይቲ ብዛዕባ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ምድሪ እተቝማ ገነት ክትማሃር ባህ ኣበላ። ይኹን እምበር: ናይ ዲስኮ ሳዕስዒት ኣዝያ ትፈቱ ብምንባራን ናይ ሰብ ፍርህን ንኻልኦት ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ንኸይትዛረቦም ዓንቀፋ። ኣብ መወዳእታ ግን: ናጻ ዀይና ንኻልኦት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዛረቦም ትብዓት ረኸበት። እተን ናይ ዲስኮ ሳዕስዒት መሓዙታ ነጸጋኣ: በዓል ቤታን ወለዳን ግን ተገዳስነት ኣርኣዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እታ ሰበይትን ኣዲኣን ተጠምቃ: በዓል ቤታን ኣቦኣን ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ። ንፍርሂ ሰብ ብምስናፋ ከመይ ዝበለ ዓስቢ ኰን ኢያ ዝረኸበት!
ነቲ መሲሕ ብሓቂ ትቕበሎዶ ኢኻ፧
የሱስ ኣብቲ ናይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ክመውት ከሎ: ገለ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ቦታ ነይሮም ኢዮም። እቲ ኣቐዲሙ እተዘርበሉ መሲሕ ምዃኑ ተቐቢሎምዎ ኢዮም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: እቶም ጌና ትእምርቲ ዝደልዩ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ እውን ነይሮም ኢዮም። “ንሱ ክርስቶስ [ወይ መሲሕ] ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ: ርእሱ የድሕን።” (ሉቃስ 23:35) ትእምርቲ ምሕታት ፈጺሞም ከቋርጽዎዶ ኣይነበሮምን፧ የሱስ ብደርዘን ዝቝጸር ተኣምራት ገይሩ ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ: ልደቱ: ኣገልግሎቱ: ፈተንኡ: ሞቱ: ከምኡውን ትንሳኤኡ ብዙሕ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ትንቢታት ፈጺሙ ኢዩ።—ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት: ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ’ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 343-4 ርአ።
ሓላፍቲ መገዲ ነቲ ከም መሲሕ መጠን ዝነበሮ መረጋገጺታት ብምንጻግ ንየሱስ ጸሪፎምዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 27:39, 40) ዓቀይቶት ካብ ፍቕረ-ንዋይ እተላዕለ ንኽዳውንቲ የሱስ ተማቐልዎ: ንቐምሹ ድማ ዕጭ ኣውደቕሉ። (ዮሃንስ 19:23, 24) ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ፍርሂ ሰብ ግዲኡ ገይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣባል ሳንሄድሪን ዝነበረ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስ ርአ። ‘ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሀ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ነበረ።’ ድሕሪ ሞት እቲ መሲሕ: ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ንስጋ የሱስ ገነዝዎ። በዚ ኸምዚ ዮሴፍ ነቲ ዝነበሮ ፍርሂ ሰብ ኣሰነፎ።—ዮሃንስ 19:38-40
ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እንተ ትነብር: ንየሱስ ከም መሲሕ መጠን ምተቐበልካዮዶ፧ ከምዚ ምግባር ንቕዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺታት ክትቅበል: ናይ ፍቕረ-ንዋይ ኣተሓሳስባ ክትነጽግ: ከምኡውን ንፍርሂ ሰብ ዘይምምብርካኽ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት: ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእሱ ‘ከም ሰማያዊ መሲሓዊ ንጉስ መጠን ንየሱስ እቕበሎ ድየ፧’ ኢሉ ክሓታ ኣለዎ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንጕዳያት ምድሪ ክርከቦ ኢዩ። እዚ ክኸውን ከሎ: ኣብ መንጎ እቶም ንየሱስ ክርስቶስ ከም ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ መጠን ብሓቂ ኣፍልጦ ዝህብሉ ሰባት ክትህሉ ዲኻ፧
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ የሱስ መሲሓዊ ንጉስ ምዃኑ ዝሕብር መረጋገጺታት ሕቖኻ ፈጺምካ ኣይትሃቦ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ብዛዕባ እቲ መሲሕ ምምሃር መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ካልኦት እንታይ ይብሉ ይዀኑ ዝብል ፍርሂ ምስናፍ ማለት ኢዩ