ብዛዕባ የሱስ ዘሎ ሓቂ
የሱስ መን ምንባሩን እንታይ ከም ዝፈጸመን ዝምልከት ክልሰ-ሓሳባትን ግምታትን መወዳእታ ዘይብሉ ኢዩ ዝመስል። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ እንታይ ይብል፧ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ይብለና፧
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል
ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ምስ እተንብቦ: ነዚ ቀንዲ ጭብጥታት እዚ ክትዕዘብ ኢኻ:-
◻ የሱስ እቲ ሓደ በይኑ ወዲ ኣምላኽ: በዅሪ ኵሉ ፍጥረት ኢዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ ቈሎሴ 1:15
◻ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: የሱስ ከም ሰብ ኰይኑ ምእንቲ ክውለድ ኣምላኽ ንህይወቱ ናብ ማህጸን ናይ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ድንግል ኣመሓላለፎ።—ማቴዎስ 1:18፣ ዮሃንስ 1:14
◻ የሱስ ሕያዋይ ሰብኣይ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ኵሉ መዳያት እሙን ነጸብራቕ ናይቲ ማራኺ ባህርያት ኣቦኡ: የሆዋ ኣምላኽ: ኢዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 14:9, 10፣ እብራውያን 1:3
◻ የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ: ብፍቕራዊ መገዲ ንድሌታት ናይቶም ግፉዓት ሰባት ይሓሊ ነይሩ ኢዩ። ብተኣምራታዊ መገዲ ንሕሙማት ኣሕውዩ: ምዉታት እውን ከይተረፈ ኣተንሲኡ ኢዩ።—ማቴዎስ 11:4-6፣ ዮሃንስ 11:5-45
◻ የሱስ ነዚ ብጓሂ እተዋሕጠ ሰብኣዊ ፍጥረት እታ እንኮ ተስፋ: መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ኣዊጁ: ነዚ ዕዮ ስብከት እዚ ምእንቲ ክቕጽልዎ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኣለማመዶም።—ማቴዎስ 4:17፣ 10:5-7፣ 28:19, 20
◻ የሱስ 14 ኒሳን (ከባቢ 1 ሚያዝያ) ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ተታሕዘ: ተፈተነ: ተፈርደ: ከምኡውን መናዓቢ ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ቀሪብዎ ተቐትለ።—ማቴዎስ 26:18-20, 48-27:50
◻ ሞት የሱስ ነቶም ካብ ሓጥእ ኵነታቶም እተመልሱ ኣመንቲ ደቅሰብ ሓራ ብምግባር ከም በጅነት ኰይኑ ዓይዩ ኢዩ: በዚ ድማ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እምነት ዘርኣዩ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት መገዲ ይኸፍተሎም።—ሮሜ 3:23, 24፣ 1 ዮሃንስ 2:2
◻ የሱስ ብ16 ኒሳን ተንስአ: ድሕርዚ ቑሩብ ጸኒሑ ድማ: ዋጋ በጅነት ናይቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ናብ ኣቦኡ ምእንቲ ከቕርብ ናብ ሰማይ ዓረገ።—ማርቆስ 16:1-8፣ ሉቃስ 24:50-53፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6-9
◻ እቲ ዝተንስአ የሱስ ናይ የሆዋ እተቐብአ ንጉስ ከም ምዃኑ መጠን: ነቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ንሰብ ዝነበሮ ዕላማ ንምፍጻም ምሉእ ስልጣን ኣለዎ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ሉቃስ 1:32, 33
ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ: ንየሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማታት ኣምላኽ ከም ቀንዲ ተዋሳኢ ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ። ይኹን እምበር: እዚ እቲ ናይ ሓቂ የሱስ—ገለ 2,000 ዓመታት ይገብር ኣብ ቤት ልሄም እተወልደን ኣብዛ ምድሪ እተመላለሰን ኣብ ታሪኽ ዝርከብ የሱስ—ምዃኑ ከመይ ገይርካ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል፧
ንእምንቶ ዝኸውን መሰረት
ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ኣተሓሳስባ ከይሓዝካ ብምንባብ ጥራይ ብዙሕ ጥርጠራታት ክእለ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ክትገብር ከሎኻ: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት: ልክዕ ከምቲ ኣብ ጽውጽዋይ ዘሎ ዘይርዱእ ዛንታ ፍጻመታት ከም ዘይኰነ ክትፈልጥ ኢኻ። ኣብ ክንድኡ: ስማት: ውሱን ግዜታት: ከምኡውን ልክዕ ቦታታት ኢዮም ተገሊጾም ዘለዉ። (ንኣብነት ሉቃስ 3:1, 2 ርአ።) ብተወሳኺ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ኣንባቢ እምንቶ ዘሕድረሉ መርትዖ ዝሓዘ ፍሉይ ቅንዕና ከም ዘለዎም ኢዮም ተገሊጾም ዘለዉ። እቶም ጸሓፍቲ ሓቅነት ዘለዎ መዝገብ ኣብ ምድላው ይግደሱ ብምንባሮም ንዋላ ሓደ ሰብ—ንገዛእ ርእሶም እውን ከይተረፈ—ኰሓሒሎም ኣየቕረቡን። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘቃልሕ ምዃኑ ክትርዳእ ኢኻ።—ማቴዎስ 14:28-31፣ 16:21-23፣ 26:56, 69-75፣ ማርቆስ 9:33, 34፣ ገላትያ 2:11-14፣ 2 ጴጥሮስ 1:16
ጌና ካልእ ዝያዳ እውን ኣሎ። ብመጽናዕቲ ኵዕታ መሬት እተረኽቡ ነገራት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጾምዎ ኢዮም። ንኣብነት: ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ናይ እስራኤል ቤተ-መዘክር ምስ እትበጽሕ: ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዝብል እተቐርጸ ጽሑፍ ዘለዎ እምኒ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ካልእ ብመጽናዕቲ ኵዕታ መሬት እተረኽበ ነገራት: እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቕሶም ሊሳንያስ ከምኡውን ሰርግዮስ ጳውሎስ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ክርስትና ዝነበሩ ናይ ልቢ ወለድ ሰባት ዘይኰኑስ ናይ ሓቂ ሰባት ምዃኖም ኢዩ ዘረጋግጽ። እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ (ሓድሽ ኪዳን) ጸብጻብ ተዋሂብሉ ዘሎ ፍጻመታት: ንጁቨናል: ታኪቱስ: ሴነካ: ሱዩቶኑስ: ፕለኒ እቲ ንእሽቶ: ሉሸን: ሴልሱስ: ከምኡውን ጆሰፉስ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ሓዊስካ: እቶም ጥንታውያን ጸሓፍቲ ብዛዕብኡ ብምጥቃሶም ኣኽል-ታርፍ መረጋገጺ ረኺቡ ኢዩ።a
እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻባት በቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብዘይጥርጥር ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ። እቶም ጸላእቲ ክርስትና ዝነበሩ ሰባት እውን ከይተረፈ ንሓቅነት ናይቲ የሱስ ተዛሪብዎ ከምኡውን ገይርዎ ዝበሃል ጸብጻብ ኣይከሓድዎን። ባህርያት የሱስ ድሕሪ ሞቱ ብደቀ መዛሙርቱ ተዀሓሒሉ ዝቐረበ ክኸውን ይኽእል ንዝብል: ፕሮፌሶር ኤፍ. ኤፍ. ብሩስ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ይህብ:- “ከምቲ ገሊኦም ጸሓፍቲ ዝሓስብዎ: ነቲ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት እቲኣተን ዝነበረ ቃላትን ተግባራትን የሱስ ምምሃዝ: እሞ ኸኣ ነቲ እተፈጸመን ዘይተፈጸመን ነገራት ክዝክሩ ዝኽእሉ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ጌና ብህይወቶም እናሃለዉ ከለዉ: ፈጺሙ ቀሊል ክኸውን ኣይክእል ኢዩ። . . . እቶም ደቀ መዛሙርቲ (ይትረፍ ደይ መደይ ኢሎም ነቲ ሓቅታት ክጠውይዎ) በቶም ከምኡ ምግባር ኣዝዩ ዘሐጕሶም ሰባት ቀልጢፉ ዝቃላዕ ጕድለታት እውን ንኸእትዉ ፈተነ ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም።”
ስለምንታይ ከም ዘይኣምኑ
እንተዀነ ግን: ገሊኦም ምሁራት ይጠራጠሩ ኢዮም። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ልቢ ወለድ ኢዩ ዝብል ግምት እኳ እንተለዎም: ነተን ሓቅነተን ዘይተረጋገጸ መጻሕፍቲ ግን ብህንጥዮት ፈቲሾምወን: ከም ዝእመና ገይሮም ድማ ተቐቢሎምወን ኢዮም! ስለምንታይ፧ ብዘይ ጥርጥር: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ብዙሓት ዘመናውያን ምሁራት ክኣምንዎ ዘይደልዩ ነገራት ሒዙ ስለ ዝርከብ ኢዩ።
ኤስ. ኣውስቲን ኣሊቦን ኣብታ ብ1871 እተሓትመት ዩኒየን ባይብል ኮምፓንየን እትብሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ነቶም ተጠራጠርቲ ሰባት ብድሆ ኣቕረበሎም። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሓቅነት ናይቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ታሪኽ እጠራጠረሉ ኢየ ንዝብል ዝዀነ ይኹን ሰብ: ቄሳር ኣብ ካፒቶል ሞይቱ: ወይ ሃጸይ ቻርሊማኝ ብ800 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ምዕራብ ሃጸይ ክኸውን ብጳጳስ ሌዎ ሳልሳይ ዘውዲ ተደፊእሉ ኢልካ ንኽትኣምን እንታይ ምኽንያት ኣሎካ፧ ኢልካ ሕተቶ። . . . ንዅሉ እቲ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣመልኪቱ ዝቐረበ ዘረባታት ንኣምኖ ኢና፣ እቲ እንኣምነሉ ምኽንያት ድማ ብዛዕባ ሓቅነቶም ታሪኻዊ መርትዖታት ስለ ዝረኸብና ኢዩ። . . . ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ መርትዖታት እናሃለወ ክነሱ ጌና ምእማን ንዝኣብዩ ሰባት: ዓያሱ ህልኸኛታት ወይ ክመሓየሹ ተስፋ ዘይብሎም ኣብድታት ኢልና ኢና እንሓድጎም። ብዛዕባ እቶም ንሓቅነት ቅዱሳት ጽሑፋት ዘረጋግጽ ኣኽል-ታርፍ መርትዖታት እኳ እንተሎ ክንኣምን ኣይከኣልናን ዝብሉ ሰባትከ እንታይ ክንብል ኢና፧ . . . ንትዕቢቶም ዘዋርድ: እተፈልየ ኣነባብራ ክህልዎም ከኣ ዝግድዶም ነገር ክኣምኑ ኣይደለዩን ኢዮም።”
እወ: ገሊኦም ተጠራጠርቲ ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ክነጽግዎ ከለዉ ስዉር ድራኸታት ኣለዎም። ጸገሞም ኣብቲ ሓቅነቱ ዘይኰነስ ኣብቲ መዐቀኒታቱ ኢዩ። ንኣብነት: የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:14) ይኹን እምበር: ብዙሓት ክርስትያን ኢና በሃልቲ ሰባት ኣብቲ ደማዊ ውግኣት እውን ከይተረፈ ብምክፋል: ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ናይዛ ዓለም እዚኣ ጥሒሎም ኢዮም። ብዙሓት ሰባት ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዐቀኒታት ኣብ ክንዲ ዝሰማምዑ: መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ናይ ገዛእ ርእሶም መዐቀኒታት ክሰማማዕ ኢዮም ዝመርጹ።
ብዛዕባ ናይ ስነ-ምግባር ጕዳይ እውን ንርአ። የሱስ ነቲ ናይ ምንዝር ተግባር ስቕ ኢላ ብምጽዋራ ንጉባኤ ትያቲራ ሓያል ምኽሪ ሂብዋ ኢዩ። “ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር [ኢየ] . . . ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ” በሎም።b (ራእይ 2:18-23) እንተዀነ ግን: ብዙሓት ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ሰባት ነቲ ናይ ስነ-ምግባር መዐቀኒታት ከም ዝነጽግዎስ ሓቂዶ ኸይኰነ፧ ነቲ ዘርእይዎ ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባይ ዘይኰነስ ነቲ የሱስ ዝበሎ ክነጽግዎ ይመርጹ።
ምሁራት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ክቕበልዎ ብዘይ ምድላዮም: ብሓሳባቶም ዝሰኣልዎ የሱስ ፈጠሩ። ናይቲ ብሓሶት ንጸሓፍቲ ወንጌል ዝኸሱሉ ጽውጽዋይ ናይ ምፍጣር ተግባር ገበነኛታት ኰኑ። ነቲ ክቕበልዎ ዝደለዩ ክፍልታት ናብራ ህይወት የሱስ ሒዞም ነቲ ዝተረፈ ነጸግዎ: ናይ ገዛእ ርእሶም ሒደት ዝርዝራት ድማ ወሰኽሉ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: እቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐስ ጥበበኛ ሰብኣይ ወይ ማሕበራዊ ተሃድሶ ዘካይድ ሰብ ኢዩ ነይሩ ዝብልዎ የሱስ እቲ ብዛዕብኡ ንመራመር ኣሎና ዝብልዎ ኣብ ታሪኽ ዘሎ የሱስ ኣይኰነን፣ ኣብ ክንድኡስ: ብሓጺሩ ናይ ዕቡይ ምሁራዊ ግምታት ምህዞ ኢዩ።
ነቲ ናይ ሓቂ የሱስ ምርካብ
የሱስ ንኣልባብ ናይቶም ንሓቅን ጽድቅን ብቕንዕና ዝጠመዩ ሰባት ከበራብር ኢዩ ጽዒሩ። (ማቴዎስ 5:3, 6፣ 13:10-15) ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ነቲ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ዝብል ናይ የሱስ ዕደመ መሊሶምሉ ኢዮም።—ማቴዎስ 11:28-30
እቲ ናይ ሓቂ የሱስ ኣብቲ በዞም ዘመናውያን ምሁራት እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኣይርከብን ኢዩ፣ ኣብተን መራብሒ ባይታ ናይቲ ሰብ ዘቘሞ ልምዲ ዝዀና ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት እውን ኣይርከብን ኢዩ። ነቲ ናይ ሓቂ የሱስ ኣብቲ ናትካ ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ የሱስ ዝያዳ ክትማሃርዶ ትደሊ ኢኻ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽትማሃር ክሕግዙኻ ሕጕሳት ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ቃል ሰብ፧ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ምዕራፍ 5 ገጽ 55-70 ርአ።
b ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ኰላሊት ሓድሓደ ግዜ ነቲ ናይ ሓደ ሰብ ዓሚቝ ሓሳባትን ስምዒታትን ኢዩ ዘመልክት።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ናይ ዘበናት ነቐፌታ
ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ምንቃፍ ልዕሊ 200 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ሄርማን ዛሙኤል ረይማሩስ እተባህለ ጀርመናዊ ፍላስፋ (1694-1768) “ኣብ መንጎ እቲ ሃዋርያት ኣብ ጽሑፋቶም ዝርከብ ትምህርትን የሱስ ብህይወቱ ከሎ ባዕሉ ዝኣወጆን ዝማሃሮን ነገራት ምሉእ ብምሉእ ፍልልይ ክንገብር ምኽንያት ኣሎና” ኢሉ ምስ ተዛረበ ኢዩ ጀሚሩ። ካብ ግዜ ረይማሩስ ኣትሒዞም ብዙሓት ምሁራት ተመሳሳሊ ስምዒት ከሕድሩ ተማሂሮም ኢዮም።
እታ ዘ ሪል ጂሰስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበሩ ብዙሓት ነቐፍቲ ንገዛእ ርእሶም ከሓድቲ ገይሮም ከም ዘይሓስቡዋ ትገልጽ። ኣብ ክንድኡ: “ካብቲ ናይ ሃሜንነትን ማሪትን ማሕለኻታት ሓራ ብምውጽኦም ንገዛእ ርእሶም ዝያዳ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገይሮም ሓሰብዋ።” እዚ ነቐፌታዊ ትምህርቲ እዚ “ዝጸረየ ዓይነት ክርስትና” ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዕዎም።
እቲ ዘሕዝን ሓቂ ግን: ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ሰብ ዘቘሞ ልምዲ መራብሒት ባይታ ምዃና ኢዩ። እቲ ዘይትመውት ነፍሲ: ስላሴ: ከምኡውን ሲኦል ሓዊ ዝብል ሰረተ-እምነታት: ገለ ካብቲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር ትምህርትታት ኢዩ። ይኹን እምበር: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ጸሓፍቲ ነዚ ኣብ ሓቂ እተገብረ ምብልሻው ብሓላፍነት ዝሕተቱ ኣይኰኑን። ብኣንጻሩ: ጳውሎስ ኣብ መንጎ እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ሓደ ክሕደት ‘ድሮ ይዓዪ’ ምንባሩ ምስ ጸሓፈ: ነቲ ኣብ መፋርቕ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ኣሰራት ተቓሊሶም ኢዮም። (2 ተሰሎንቄ 2:3, 7) እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዘሎ ትሕዝቶ: ናይ ታሪኽን ሰረተ-እምነትን ሓቂ ዝሓዘ መዝገብ ምዃኑ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]
ወንጌላት መዓስ ኢዩ ተጻሒፉ፧
ብዙሓት ናይ ሓድሽ ኪዳን ነቐፍቲ ወንጌላት እቲ ገሊጽዎ ዘሎ ፍጻመታት ድሕሪ ምዃኑ ነዊሕ ጸኒሑ ስለ እተጻሕፈ: ጌጋታት ክርከቦስ ዳርጋ ርግጽ ኢዩ ብምባል ኣትሪሮም ኢዮም ዝዛረቡ።
ይኹን እምበር: እቲ ናይ ማቴዎስ: ማርቆስ: ከምኡውን ናይ ሉቃስ ጽሑፋት ካብቲ ገሊጽዎ ዘሎ ፍጻመታት ነዊሕ ናይ ግዜ ፍልልይ ከም ዘይብሉ መርትዖ ይሕብር ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ናይ ማቴዎስ ኢደ-ጽሑፍ ቅዳሓት ዝርከብ መፍለዪ ምልክታት: እቲ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ብ41 ከ.ኣ.ዘ. ከም እተዳለወ ይሕብር። ወንጌል ሉቃስ ምናልባት ኣብ መንጎ 56 ከምኡውን 58 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ እዋን ተጻሒፋ ክትከውን ትኽእል ኢያ: ከመይሲ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት (ብ61 ከ.ኣ.ዘ. ተወዲኣ ክትከውን እትኽእል) እቲ ጸሓፊኣ: ሉቃስ: ድሮ ነቲ “ቐዳማይ ዛንታ” ጽሒፉ ወዲእዎ ከም ዝነበረ ትሕብር ኢያ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:1) ወንጌል ማርቆስ ኣብ ግዜ እቲ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ማእሰርቲ ሃዋርያ ጳውሎስ—ምናልባት ኣብ መንጎ 60 ከምኡውን 65 ከ.ኣ.ዘ.—ኣብ ሮሜ ከም እተዳለወት ኢዩ ዝግመት።
ፕሮፌሰር ክራግ ኤል. ብሎምበርግ ወንጌላት ካብቲ ገሊጽዎ ዘሎ ፍጻመታት ነዊሕ ናይ ግዜ ፍልልይ ከም ዘይብሉ ይሰማማዕ ኢዩ። ነታ ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እተጻሕፈት ወንጌል ዮሃንስ እውን ወሲኹ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ምስ ብዙሕ ጥንታዊ ስነ-ጽሑፋት ታሪኽ ህይወት ብምውድዳር ክርአ ከሎ: ናብቲ ናይ መጀመርታ ፍጻመታት ኣዚና ኢና እንቐርብ። ንኣብነት: እቶም ብዛዕባ ኣለክሳንደር ዓቢ ዝጸሓፉ ናይ መጀመርታ ክልተ ጸሓፍቲ ታሪኽ ህይወት: ኣርያን ከምኡውን ፕሉታርክ: ኣለክሳንደር ብ323 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ጸኒሖም ኢዮም ነቲ ታሪኽ ህይወቱ ጽሒፎምዎ: ጌና ግን ጸሓፍቲ ታሪኽ ብሓፈሻ ነቲ ጽሑፋት ክእመን ብቑዕ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ንህይወት ኣለክሳንደር ዝምልከት ጽውጽዋያዊ ኣፈ-ታሪኻት ማዕቢሉ ኢዩ: መብዛሕትኡ ካብዚ ኣፈ-ታሪኻት ግን ድሕሪ እዞም ክልተ ጸሓፍቲ ብዙሕ ዘበናት ጸኒሑ ዝመጸ ኢዩ።” እቲ ታሪኻዊ ክፍልታት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እንተ ወሓደ ማዕረ እቲ ዓለማዊ ታሪኻት ዝኸውን ተቐባልነት ከም ዘለዎ እተረጋገጸ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]
ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት ሓጐስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ክሰፍን ኢዩ