ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 2 ገጽ 3-4
  • ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጭብጥታት እንታይ እዩ ዚሕብር፧
  • ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስከ፧
  • ትንሳኤ የሱስ ብኸመይ ይጸልወና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ወንጌል ታሪኽ ድዩ ወይስ ጽውጽዋይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ትንሳኤ የሱስ ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ትንሳኤ—ርግጽ ተስፋ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 2 ገጽ 3-4
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ርሕቕ ኢሎም እናረኣዩ፡ ሬሳ የሱስ ካብ ጕንዲ ስቅያት ይወርድ

ገበር | ስለምንታይ እዩ የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየ፧

ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧

ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ናዝራዊ ተቐትለ። መናዓቢ ተባሂሉ ብሓሶት ተኸሲሱን ብዜስካሕክሕ መገዲ ተወቒዑን ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉን እዩ። ኣዝዩ ተሰቅዩ ድማ ሞተ። ኣምላኽ ግና ኣተንስኦ፣ ድሕሪ 40 መዓልቲ ኸኣ ናብ ሰማይ ዓረገ።

እዚ ዜደንቕ ጸብጻብ እዚ፡ ኣብቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ ኣርባዕተ ወንጌላት ኢና እንረኽቦ። እዚ ግና ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧ እዚ ኣገዳስን ዜተሓሳስብን ሕቶ እዩ። ዘይተፈጸመ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ክርስትያናዊ እምነት ከንቱ፡ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ድማ ሕልሚ ዀይኑ ጥራይ እዩ ዚተርፍ። (1 ቈረንቶስ 15:14) ብኻልእ ሸነኽ፡ እዚ ፍጻመታት እዚ ብሓቂ ተፈጺሙ እንተ ዀይኑ፡ ደቂ ሰብ ብሩህ መጻኢ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፣ ንስኻ እውን ናይዚ ተኻፋሊ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እሞ ደኣ፡ ጸብጻባት ወንጌል ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

ጭብጥታት እንታይ እዩ ዚሕብር፧

ጸብጻባት ወንጌል ከም ኣፈ ታሪኽ ዘይኰነስ፡ ሓያል ጻዕሪ እተገብረሉ ልክዕነትን ብጥንቃቐ እተጻሕፈ ዝርዝራትን ዝሓዘ እዩ። ንኣብነት፡ ሓያሎ ኻብቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዚርከብ ቦታታት፡ ሎሚ እውን ኪብጻሕ ይከኣል እዩ። ኣብቲ ጸብጻባት እተጠቕሱ ሰባት እውን ብህይወት ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ብዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ተረጋጊጹ እዩ።—ሉቃስ 3:1, 2, 23።

የሱስ እውን በቶም ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ዝነበሩ ዓለማውያን ጸሓፍቲ ተጠቒሱ እዩ።a እቲ ኣብ ወንጌላት ተገሊጹ ዚርከብ ኣገባብ ኣማውታኡ ምስቲ ሮማውያን ኣብቲ ግዜ እቲ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኣገባብ ኣቀታትላ ዚሰማማዕ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ፍጻመታት ኣብ ክውንነት እተመርኰሰን ብዘይ ሕብእብእ እተጻሕፈን ኰይኑ ጕድለታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እኳ ኸይተረፈ ዚገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 26:56፣ ሉቃስ 22:24-26፣ ዮሃንስ 18:10, 11) እዚ ዅሉ ረቛሒታት እዚ፡ ጸሓፍቲ ወንጌል ብዛዕባ የሱስ ቅኑዕን ልክዕን ሓሳባት ከም ዝጸሓፉ እዩ ዚሕብር።

ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስከ፧

የሱስ ብህይወት ከም ዝነበረን ከም ዝሞተን ብዙሓት ዚቕበልዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኣቶም ግና ብዛዕባ ትንሳኤኡ ይጠራጠሩ እዮም። ሃዋርያቱ እውን ከይተረፉ፡ ነቲ የሱስ ከም ዝተንስአ ዚገልጽ ዜና ኣብ ፈለማ ኣይኣመንዎን ነይሮም። (ሉቃስ 24:11) እንተዀነ ግና፡ ንሳቶም ኰኑ ኻልኦት ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዝተንስአ የሱስ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ረኣይዎ ዅሉ ጥርጣረታቶም በኒኑ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ልዕሊ 500 ዝዀኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነይሮም እዮም።—1 ቈረንቶስ 15:6።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪእሰሩን ኪቕተሉን ከም ዚኽእሉ እናፈለጡ፡ ንዅሉ ሰብ፡ ነቶም ንየሱስ ዝቐተልዎ ሰባት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ብትብዓት ሰቢኾምሎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:1-3, 10, 19, 20፣ 5:27-32) እዞም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ፡ የሱስ ብሓቂ ኸም ዝተንስአ ኣርጊጾም እንተ ዘይኣምኑ ነይሮምሲ፡ ብትብዓት ምመስከሩዶ፧ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ክርስትና ቐደም ኰነ ሎሚ ኣብ ዓለም ጽልዋ ኺህልዎ ዝኸኣለ፡ ትንሳኤ የሱስ ብሓቂ ስለ እተፈጸመ እዩ።

እቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ዚገልጽ ሓሳባት፡ ኣገዳሲ ዝርዝራት ዝሓዘ ታሪኻዊ ጸብጻብ እዩ። ነዚ ፍጻመታት እዚ ብጥንቃቐ እንተ ኣንቢብካዮ፡ ብሓቂ ዘጋጠመ ምዃኑ ኼእምነካ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ስለምንታይ ከም ዘጋጠመ ምስ እትርዳእ እምነትካ ዝያዳ ኽትድልድል ትኽእል እያ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽትገልጾ እያ።

a እቲ ኣብ 55 ድ.ክ. እተወልደ ታሲተስ፡ “ምንጪ ስም እዞም ጕጅለ [ክርስትያናት] ዝዀነ ክርስቶስ፡ ብዘመነ ጢበርዮስ ብሓደ ኻብቶም ተወከልትና ዝዀነ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ሞት ተፈርዶ” ብምባል ጽሒፉ እዩ። ከም ሱቶኒዮ (ቀዳማይ ዘመን)፡ ኣይሁዳዊ ጸሓፊ ጆሰፈስ (ቀዳማይ ዘመን)፡ ከምኡ እውን ኣመሓዳሪ ቢቲንያ ዝነበረ ፕሊኒ ንእሽቶ (መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን) ዝኣመሰሉ ሰባት እውን ብዛዕባ የሱስ ጽሒፎም እዮም።

ተወሳኺ ዓለማዊ መርትዖታት ዘየለ ስለምንታይ እዩ፧

ነቲ የሱስ ኣብ ዓለም ዝሓደጎ ሓያል ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብሓቂ ኸም ዝነበረን ከም ዝተንስአን ዜረጋግጽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተጻሕፈ ተወሳኺ ጭብጥታት ክንጽበ የድልየና ድዩ፧ ኣየድልየናን እዩ። ቅድም ቀዳድም፡ ወንጌላት ቅድሚ 2,000 ዓመት ኣቢሉ እዩ ተጻሒፉ። ኣብቲ ግዜ እቲ እተጻሕፈ መብዛሕትኡ ጽሑፋት ከኣ ጠፊኡ እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:24, 25) ብዘይካዚ፡ ጸላእቲ የሱስ፡ ሰባት ኣብኡ ኸም ዚኣምኑ ኺገብሮም ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኪጽሕፉ ዘይሕሰብ እዩ።

ሓደ ኻብቶም ሃዋርያቱ ዝዀነ ጴጥሮስ ንትንሳኤ የሱስ ኣመልኪቱ፡ “ኣምላኽ ንዕኡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ፣ ኪገሃድ ድማ ፈቐደሉ፣ ግናኸ፡ ንዓና ነቶም ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናን፡ ኣምላኽ እውን ኣቐዲሙ ዝሓረየና መሰኻኽር እምበር፡ ንዅሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን” ብምባል ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:40, 41) ንዅሉ ህዝቢ ዘይተጋህደ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ወንጌል ማቴዎስ፡ ሃይማኖታውያን ጸላእቲ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ምስ ሰምዑ፡ ካልኦት ነቲ ዜና ምእንቲ ኸይሰምዑ ኺዓብጥዎ ኸም ዝፈተኑ እያ እትነግረና።—ማቴዎስ 28:11-15።

ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ የሱስ ትንሳኤኡ ብምስጢር ኪትሓዝ ይደሊ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ጴጥሮስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “ንሱ ፈራድ ህያዋንን ምዉታትን ኪኸውን ኣምላኽ ከም ዝወሰነ ኸኣ፡ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ኣጸቢቕና ኽንምስክርን ኣዘዘና።” ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከምኡ ኺገብሩ ጸኒሖም፡ ገና እውን ይገብሩ ኣለዉ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:42።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ