ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/3 ገጽ 3-6
  • ትንሳኤ የሱስ ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትንሳኤ የሱስ ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ነይሩኸ፧
  • ክትኣምን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
  • ትንሳኤ—ርግጽ ተስፋ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ተስፋ ትንሳኤ ሓይሊ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ‘ምዉታት ክትንስኡ ኢዮም’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ትንሳኤ የሱስ ብኸመይ ይጸልወና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/3 ገጽ 3-6

ገበር፦ ትንሳኤ የሱስ​—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ትንሳኤ የሱስ ብሓቂዶ ተፈጺሙ እዩ፧

ኣስታት 2,500 ዓመት ይገብር ዚነብር ዝነበረ ሄሮዶታስ እተባህለ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ብዛዕባ ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ግብጻውያን ዚገልጽ ዛንታ ኣዘንትዩ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ፦ “ኣብ እንዳ ሃብታማት ድግስ ኪግበር ከሎ፡ ድሕሪ ድራር ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ሓደ ብግቡእ እተቐብአን እተቐርጸን፡ ሓደ ወይ ክልተ እመት ድማ ዝንውሓቱ ሳጹን ሬሳ እተነብረ፡ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ምስሊ ሬሳ ተሰኪሙ ይዘውር። ንነፍሲ ወከፍ ዕዱም እናኣርኣየ ኸኣ፡ ‘ስተ ተሓጐስ፡ ግናኸ ናብዚ እሞ ርአ፣ ንስኻ እውን ምስ ሞትካ፡ ልክዕ ከምዚ ኢኻ እትኸውን’ ይብሎ።”

ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ዘለዎም፡ ግብጻውያን ጥራይ ኣይኰኑን። ሎሚ እውን “ብላዕ፡ ስተ፡ ተሓጐስ” ዚብል ኣዘራርባ ልሙድ እዩ። ሰባት፡ ‘ህይወት ብሞት ዜብቅዕ እንተ ዀይኑ፡ ከም ድላይካ ዘይትነብር፧ ቅኑዕ ንምግባር ኢልካ ስለምንታይ እትጭነቕ፧ ሞት መወዳእታ ዅሉ እንተ ዀይኑ፡ ንሕጂ ጥራይ ምንባር እዩ ትርጕም ዘለዎ’ ይብሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን እቶም ብትንሳኤ ዘይኣምኑ ሰባት፡ “ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖምሲ፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን” ዚብል ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም ገሊጹ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 15:32።

ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ፡ ‘ምዉታት ንዘለኣለም ተረሲዖም ኺተርፉ እዮም’ ዚብል እምነት ኣይነበሮን። ምዉታት ተንሲኦም ንዘለኣለም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚኣምን ነይሩ። እቲ ዝነበሮ እምነት ከኣ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣገዳስነት ዝነበሮ ማንም ኪብድሆ ዘይክእል ሓቂ፡ ማለት ኣብ ትንሳኤa የሱስ ክርስቶስ እተመስረተ እዩ ነይሩ። ትንሳኤ የሱስ፡ ንእምነት ቀዳሞት ክርስትያናት ዘደልደለ ዝዓበየ ፍጻመ እዩ ነይሩ።

ትንሳኤ የሱስ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ብሓቂ ኸም እተፈጸመኸ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝበለ ንርአ።

ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ነይሩኸ፧

ገሊኦም ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ተደናጊሮም ነበሩ፣ ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ትንሳኤ ቓል ብቓሉ ኸም ዚፍጸም ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ትንሳኤ እንተ ዘይፍጸም ነይሩ፡ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ከምዚ ብምባል ኣብርሂዎ ኣሎ፦ “ትንሳኤ ምዉታት ዘየልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ እውን ኣይተንስአን። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ስብከትና ኸንቱ እዩ፣ እምነትኩም እውን ከንቱ እያ። ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ . . . ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። . . . እምነትኩም ከንቱ እያ፣ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣለኹም። እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ሃልይዎም ዝዓረፉ እውን ጠፊኦም እዮም።”—1 ቈረንቶስ 15:13-18።

“ካብ 500 ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእዮም፣ . . . ድሕሪኡ፡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዅሎም ሃዋርያት ተራእዮም፣ ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንዓይ፡ ከም ንቝላዕ ተራእየኒ።”—1 ቈረንቶስ 15:6-8

ጳውሎስ ንሓሳባቱ፡ ‘ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖም፡ እቲ ዝሞተ ክርስቶስ እውን ኣይተንስአን’ ብዚብል ኪርታዕ ዘይክእል ቃላት እዩ ጀሚርዎ። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ነይሩኸ፡ እንታይ መጋጠመ፧ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከንቱ ወይ ዓብዪ ሓሶት ምዀነ ነይሩ። ከመይሲ፡ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ቀንዲ ኽፍሊ ክርስትያናዊ እምነትና እዩ። ምስቲ ብዛዕባ ልዑላውነት ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ስሙ፡ ብዛዕባ መንግስቱ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ድሕነትና ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ትምህርትታት ከኣ ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ እዩ። የሱስ ዘይተንስኤ እንተ ነይሩ፡ እቲ ጳውሎስን ካልኦት ሃዋርያትን ዚሰብክዎ ዝነበሩ መልእኽቲ ኸንቱ ምዀነ።

ካልእ ሳዕቤናት እውን ምሃለወ ነይሩ። ክርስቶስ ካብ ምዉታት ዘይተንስአ እንተ ነይሩ፡ ክርስትያናዊ እምነት ከንቱን ኣብ ሓሶት እተመስረተን ምዀነ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ጳውሎስን ካልኦትን ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ዘተንስኦ የሆዋ ኣምላኽ ዚሰብክዎ ዝነበሩ መልእኽቲ እውን ሓሶት ምዀነ ነይሩ። ከምኡውን፡ እቲ፡ “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ” ዚብል መልእኽቲ እውን ሓሶት ምዀነ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ እቲ መድሓኒ ኻብ ሞት ኪድሕን እንተ ዘይክእል ነይሩ፡ ንኻልኦት ኬድሕኖም ኣይምኸኣለን። (1 ቈረንቶስ 15:3) እቶም ገሊኦም ሰማእታት ኰይኖም ዝሞቱ ክርስትያናት ድማ፡ ናይ ሓሶት ተስፋ ትንሳኤ ሒዞም ጸኒቶም ምተረፉ ነይሮም።

ጳውሎስ ኣብ መደምደመታ፡ “ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርና፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና” በለ። (1 ቈረንቶስ 15:19) ንሱን ካልኦት ክርስትያናትን፡ ብትንሳኤን በቲ ብትንሳኤ ዚርከብ በረኸትን ስለ ዝኣመኑ፡ ስኢኖም፡ ተሰጒጎም፡ ተጸጊሞም፡ ከምኡውን ምስ ሞት ተጓኒፎም እዮም። ትንሳኤ እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ እዚ ዅሉ ኸንቱ ምዀነ።

ክትኣምን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ጳውሎስ፡ የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ንዅሉ እዚ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከም ሓቂ ገይሩ ኣይኣምነሉን እዩ ነይሩ። ንሰብ ቈረንቶስ ከኣ፡ “ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፣ ተቐብረ ኸኣ፣ ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ድማ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተንስአ፣ ንኬፋ፡ ደሓር እውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእዮም”b ብምባል ነቲ የሱስ ከም ዝተንስአ ዚሕብር መርትዖታት ጸሚቑ ኣቕረበሎም። ኣስዒቡ እውን፡ “ድሕሪኡ፡ ካብ 500 ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእዮም፣ መብዛሕትኦም ክሳዕ ሎሚ ኣለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ዓሪፎም ኣለዉ። ድሕሪኡ፡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዅሎም ሃዋርያት ተራእዮም፣ ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንዓይ፡ ከም ንቝላዕ ተራእየኒ” በሎም።—1 ቈረንቶስ 15:3-8።

ጳውሎስ ኣብ መእተዊኡ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ኸም ዝሞተ፡ ከም እተቐብረ፡ ከምኡውን ከም ዝተንስአ ኣፉ መሊኡ እዩ ተዛሪቡ። ክሳዕ ክንድቲ ርግጸኛ ኸም ዚኸውን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያት፡ ሓያሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ምንባሮም እዩ። እቲ ዝተንሰአ የሱስ ንውልቀ ሰባት (እንተላይ ንጳውሎስ)፡ ንሒደት ጕጅለ፡ ከምኡውን ን500 ሰባት (መብዛሕትኦም ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ምስ ስምዑ ተጠራጢሮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ) ተራእይዎም እዩ። (ሉቃስ 24:1-11) መብዛሕትኦም እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብግዜ ጳውሎስ ብህይወት ስለ ዝነበሩ፡ ማንም ሰብ ሓቲቱ ኼረጋግጽ ይኽእል ነይሩ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:6) ንሓደ ወይ ክልተ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብቐሊሉ ዕሽሽ ክትብሎም ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ ን500 ወይ ዝያዳ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዕሽሽ ክትብሎም ግና ዘይከውን እዩ።

ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ሞት፡ ቀብሪ፡ ከምኡውን ትንሳኤ የሱስ ኣብ ዝሃቦ ሓሳባት፡ ክልተ ግዜ “ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ” ኸም ዝበለ እውን ኣስተብህል። እዚ ፍጻመታት እዚ፡ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት ከም እተፈጸመን የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ከም ዝዀነን ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ።

የሱስ ከም ዝተንስአ ዜረጋግጽ ቅዱሳት ጽሑፋትን መርትዖ ዝዀኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን እኳ እንተ ነበሩ፡ ብትንሳኤ የሱስ ዚጠራጠሩ ሰባት ነይሮም እዮም፣ ሎሚ እውን ኣለዉ። ገሊኦም ሰባት፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ንሬሳኡ ሰሪቖም፡ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ኸም ዝመስከሩ ይገልጹ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መቓብር ኰይኖም ዚሕልዉ ዝነበሩ ሮማውያን ብሓይሊ ኼሰንፍዎም ወይ ከኣ ጽልዋ ኺገብሩሎም ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ገሊኦም ከኣ የሱስ ከም ዝተንስአ ዚሕብር ኣጋጣሚታት፡ ሰባት ኣብ ሓሳቦም ዝሰኣልዎ ነገር ከም ዝዀነ ዚገልጹ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሱስ ምስ ተንስአ እተራእዮም ንሓያሎ ሰባት እሞ ኸኣ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ምዃኑ ግና፡ ነቲ ኽልሰ ሓሳብ የፍርሶ እዩ።

ገሊኣቶም ከኣ፡ ትንሳኤ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣልዕል ኣቢሎም ዝመሃዝዎ ምህዞ ኸም ዝዀነ ይገልጹ። ግናኸ፡ ከምኡ ምግባሮም እንታይ እዩ ኺጠቕሞም፧ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ብምምስካሮም፡ ኣደዳ ላግጽን ስቓይን ሞትን ኰይኖም እዮም። ንሓደ ሓሶት ንኺድግፉ ኢሎም፡ ንምንታይ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የውድቑ፧ ብዘይካዚ፡ መጀመርታ ምስክርነቶም ዝሃቡ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ረኺቦም ኪፈርድዎም ድሉዋት ዝነበሩ ተጻረርቶም እዮም።

ትንሳኤ የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣዝዩ ኸቢድ ምጽራር እናጋጠሞም ክነሱ፡ ብዛዕባ ጐይታኦም ምስክርነት ንኺህቡ ኣትቢዕዎም እዩ። እዚ ትንሳኤ እዚ ብሓቂ ስለ እተፈጸመ ድማ ቀንዲ ኽፍሊ ክርስትያናዊ እምነት ኪኸውን ክኢሉ እዩ። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ ሓደ እተቐትለ ኣስተውዓሊ መምህር ምስክርነት ንኺህቡ ኢሎም ጥራይ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣየውደቑን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ንኺእውጁ ኢሎም እዮም ከምኡ ገይሮም። ከመይሲ፡ ትንሳኤ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስን ወዲ ኣምላኽን ምዃኑ፡ ከምኡውን ዚሕግዞምን ዚመርሖምን ዝነበረ ሓያልን ህያውን ሰብ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ንሳቶም እውን ምስ ሞቱ ኸም ዚትንስኡ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። ብሓቂ እምበኣር፡ የሱስ ዘይተንስአ እንተ ነይሩ፡ ክርስትና ኣይምሃለወን። ንሕና እውን ብዛዕባኡ ፈጺምና ኣይምሰማዕናን።

ይኹን እምበር፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ትንሳኤ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ሓደ ሰብ፡ ነቲ ፍሉይ መንነቱን ባህርያቱን ተዘክሮታቱን ሒዙ፡ ናብ ህይወት ከም ዚምለስ ትሕብር።

b ሃዋርያት፡ ድሕሪ ሞት ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ 11 ጥራይ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብዚ ጳውሎስ፡ “ነቶም ዓሰርተው ክልተ” ኺብል ከሎ፡ “ነቶም ሃዋርያት” ማለቱ እዩ። የሱስ ንሃዋርያት ስጋ ለቢሱ ኺረኣዮም ከሎ፡ ቶማስ ስለ ዘይነበረ፡ ነቶም 12 ዚውክሉ፡ ካብ 10 ኣይበልጹን እዮም ነይሮም ዚዀኑ።—ዮሃንስ 20:24።

ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት

ትንሳኤ ዚረኽቡ መን እዮም፧

‘ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን እዩ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ጻድቃን ነቶም ከም ኖህን ኣብርሃምን ሳራን ዝኣመሰሉ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን የጠቓልሉ። ሓጥኣን ከኣ ነቶም ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ ንኺመሃሩን ንኺእዘዝዎን ኣጋጣሚ ብዘይምርካቦም ስርዓታት ኣምላኽ ዘይሓለዉ ሰባት የጠቓልሉ።

እቶም ዚትንስኡ ኣበይ እዮም ኪነብሩ፧

ገሊኣቶም ዘይመውት መንፈሳዊ ህይወት ብምርካብ ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ካህናትን ነገስታትን ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ እዮም። (ራእይ 5:9, 10) መብዛሕትኦም ግና፡ ተንሲኦም ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ። ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—ሉቃስ 23:39-43።

ትንሳኤ መዓስ እዩ ዚፍጸም፧

እኩያት ካብ ምድሪ ምስ ተወገዱ፡ ብድሕሪኡ ገለ ግዝያት ጸኒሑ እዩ ዚፍጸም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ምድሪ ናብ ገነት እትቕየረሉ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ፡ መጠነ ሰፊሕ ትንሳኤ ኸም ዚህሉ ይሕብር እዩ።—ራእይ 20:6።

ልምድታት በዓል ትንሳኤ፡ ምስ ትንሳኤ ዜራኽብ ነገር ኣለዎዶ፧

ልምድታት በዓል ትንሳኤ፡ ማንቲለታት፡ ሕብሪ እተለኽየ እንቋቝሖታት፡ ሽምዓታት፡ ከምኡውን ዕምባባታት የጠቓልል። ኵሉ ኸኣ ካብ ኣረማዊ ሃይማኖታት እተቐድሐ እዩ። ኵሉ እዚ ነገራት እዚ፡ ምስ ትንሳኤ የሱስ ምንም ዜራኽብ የብሉን። ቃል ኣምላኽ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንፍለን “ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን” ከነምልኾን እዩ ዚእዝዘና። —ዮሃንስ 4:23፣ 2 ቈረንቶስ 6:17።

ከምቲ ገሊአን ሃይማኖታት ዚምህራኦ፡ የሱስ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ንየሱስ ደኣ እሞ መን እዩ ኣተንሲእዎ፧

የሱስ ወዲ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ እቲ የሆዋ ዚስሙ ኣምላኽ ኣይኰነን። ንየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ የሆዋ እዩ። (ሮሜ 10:9) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ “ዝዀነ ይኹን ሰብ—ክርስቶስ እውን ከይተረፈ—ባዕሉ ኽትንስእ ኣይክእልን እዩ” በለ።c

c ተወሳኺ መልስታት እዚ ሕቶታት እዚ ኽትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7ን 8ን ወይ ከኣ ኣብ www.pr418.com ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ