ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ዘርኢ መንግስቲ ምዝራእ
እቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ህርኩት ንምዃን የተባብዕ ኢዩ። ንጉስ ሰሎሞን “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል: እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኣቶም ሐቢሮም እንተ ጸበቑ: ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ: ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” በለ።—መክብብ 11:6
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝዀነ ምቹእ ኣጋጣሚ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ‘ዘርኢ’ ይዘርኡ ኢዮም። ኣብ ልዕሊ 230 ዝዀና ሃገራትን ደሴታትን “ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን” ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42) እዚ ዝስዕብ ተመክሮታት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዕዮ ስብከት ‘ኣእዳዎም ዘየብኵሩ’ ብኸመይ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ።
◻ ኣብ ሪፑብሊክ ኬፕ ቨርደ: ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከላ ብጥቓ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ትሓልፍ ነበረት። ኣብ ውሽጢ ቐጽሪ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ: ገለ እሱራት ኣብ ገረብ ተሰቒሎም ነበሩ። እታ ምስክር ክትሓልፍ ርእዮማ ድማ: ገለ መጺሔታት ክትህቦም ጨደሩ። እታ ምስክር ብዙሕ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጺሔታት ኣብ እምኒ ኣሲራ ብልዕሊ መንደቕ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሰንደወትሎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣብ ፈለማ እተራእየ ተገዳስነት ከኣ: 12 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ሰለስተ ካብቶም እሱራት ህይወቶም ንኣምላኽ ወፍዮም ተጠምቁ። ሕጂ ሓደ ካብቶም እሱራት ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ወይ ፓይነር ኰይኑ ካብ ዘገልግል ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ። እንተዀነ ግን: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኖም ነቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈታት ብኸመይ የካይድዎ፧ ቀዳማይ ነገር: እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዞባታት እተመቓቐለ ኢዩ። ቀጺሉ እቲ ዞባ ነቶም ሰለስተ መሰኻኽር ተዓዲልዎም ኢዩ: ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ዘለዉ እሱራት ድማ ይምስክሩሎም። እዞም ኣወጅቲ መንግስቲ እዚኣቶም ዳርጋ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ንእተረኽበ ተገዳስነት ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ይከታተልዎ። ይኹን እምበር: እታ ሓንቲ ፍልልይ ኣብ ምድግጋም ናይቲ ዝግበር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኢያ። ኣብ ክንዲ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ወይ ክልተ ግዜ ንሓደ ሰዓት ወይ ንኽንድኡ ዝኣክል ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ: ገለ እሱራት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኢዮም ዘጽንዑ! ብተወሳኺ: እቶም መሰኻኽር ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኰይኖም ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ከካይዱ በቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ተፈቒድሎም ነበረ።
◻ ኣብ ፖርቱጋል እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ: ድሕሪ ሞት ዓባያ ብዙሕ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ወረሰት። ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዘይነበረት ግን: ነቲ መጻሕፍቲ ምስኣ ከተቐምጦ ተገዳስነት ኣይነበራን። ይኹን እምበር: ነቲ መጻሕፍቲ ከተጥፍኦ ድማ ኣይደለየትን። ሓደ መዓልቲ ንሓንቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ከላ ዝዃሕኳሓታ ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ እቲ እኩብ መጻሕፍቲ ነገረታ። እታ ምስክር ድማ እቲ እኩብ መጻሕፍቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ሓቂ ጥቕሚ ትፈልጥ እንተ ዀይና ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ኸኣ “ከም ሓቂ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ናይ ሓቂ ጥቕሙ ኣይፈልጦን ኢየ: ብኸመይ ግን ክፈልጦ ምኸኣልኩ፧” በለታ። እታ ሰበይቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት: ካብ ሽዑ ንነጀው ግን ነቲ ናይ ዓባያ እኩብ መጻሕፍቲ ከም ክቡር መዝገብ ገይራ ክትሕዞ ጀመረት። ሕጂ ንሳ እውን ጥምቕቲ ምስክር የሆዋ ኢያ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ጓላን ሓደ ናይታ ስድራቤት ቀረባ ዓርኪ ዝዀነ ሰብን መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ኣለዉ። እዚ እኩብ መጻሕፍቲ እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ክቡር ውርሻ ኰይኑ ኰን ኢዩ እተረኽበ!