“ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ኣረኣእያ ቀይርክምዎ ኢኹም”
እዚ ሓደ ፖላንዳዊ ናይ ቤት ማእሰርቲ በዓል ስልጣን ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1998 ሕታም ብዛዕባ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኣንበበ እተሰምዖ ነገር ክገልጽ ከሎ ዝበሎ ኢዩ። እታ “ጨካን ዝልቦም ሰባት ክልወጡ ከለዉ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቫዉፍ: ፖላንድ ዝርከቡ እሱራት ኰይኖም ዝገበርዎ ዕዉት ዕዮ ገሊጻ ኣላ።
እዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሔት ንህዝቢ ቅድሚ ምዝርጋሓ: ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቫዉፍ ዝርከቡ እሱራት ንምዕዳል ብ13 መስከረም 1998 ፍሉይ ኣኼባ ተገብረሎም። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣሕዋት: እተጠመቑ እሱራት: ተገዳስነት ዘርኣዩ እሱራት: ከምኡውን ብዙሓት ሰበ-ስልጣን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ ኣኼባ ንኽካፈሉ ተዓዲሞም ነበሩ። እዚ ቀጺሉ ዘሎ ሓሳባት ገለ ኣብኡ እተኻፈሉ ሰባት እተዓዘብዎ ኢዩ።
ሓደ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እተጠምቀ የርዚ ዝበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ በለ:- “እቶም ኣብዚ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ዝካፈሉ ኣሕዋት ንዓና ንምሕጋዝ ክሳዕ ክንደይ ጻዕሪ ከም ዝገበሩ ሎሚ ከንብቦ ምኽኣለይ ኣዝየ ኢየ ተሓጒሰ።” ቀጺሉ ድማ “ገዛእ ርእሰይ ንኸመሓይሽ ብቐጻሊ ኢየ ዝጽዕር: የሆዋ ብኸመይ ይቐርጸኒ ከም ዘሎ እውን ክርኢ ኽኢለ ኢየ” በለ።
ዝዥዋፍ ዝበሃል ካልእ እሱር ብዛዕባ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝግበር ዕዮ ምስክርነት ከምዚ በለ:- “ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣርባዕተ ገበነኛታት ንጥምቀት ይዳለዉ ኣለዉ: ሓደስቲ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት እውን ኣብቲ ኣደራሽና ብምምጻእ ብቐጻሊ ኣብ ኣኼባ ይካፈሉ ኣለዉ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ኣብዚ ዞባ እዚ ተወሳኺ ንጥፈታት ንኽንገብር ሓያል ድራኸ ኢያ እትዀነና።” ዝዥዋፍ ገና 19 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ምዃኑ እናፈለጠ እዚ ክብል ከሎስ: ኣየ ከመይ ዝበለ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኰን ኢዩ ዘለዎ!
ሓደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቫዉፍ ዝሰርሕ በዓል ስልጣን ነታ ዓንቀጽ ምስ ኣንበበ ከምዚ በለ:- “ብፍላይ ንዓና ዘኽብር ኢዩ። እዚ ቤት ማእሰርቲ እዚ ብ130 ቋንቋታት ኣብ ብዘላ ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ስም ይረክብ ኢዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። እፈትወኩም ኢየ: ነቲ ዝገበርክምዎ ጻዕሪ ኸኣ ብስም እዞም ገበነኛታት አመስግነኩም።” ካልእ በዓል ስልጣን ድማ ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረኒ ኣረኣእያ ቀይርክምዎ ኢኹም። ቅድም ከም ሃይማኖታውያን ኣኽረርቲ ገይረ ኢየ ዝርእየኩም ነይረ። ሕጂ ግን ብመሰረታዊ ስርዓት እትመላለሱ ሰባት ምዃንኩም ተረዲአ ኢየ።”
እቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ቫዉፍ ዝዀነ ማረክ ጊዮስ ፍሽኽ ኢሉ ከምዚ በለ:- “ኣብ መጀመርታ ብዙሕ ዓወት ትረኽቡ ኣይመሰለናን ነይሩ። ንገበነኛታት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተሃድሶ ክገብሩሎም ዝመጹ ሓያል ባህጊ ዘለዎም ሃይማኖት ጥራይ ኢኹም ትመስሉና ነይርኩም። ኣብ መጀመርታ ዝረኸብክምዎ ፍረ ምስ ረኣና ግን ምሳኻትኩም ጽቡቕ ምትሕብባር ክንገብር ወሰንና። ንትሽዓተ ዓመታት ከይደኸምኩም ናብዚ ክትመጹ ጸኒሕኩም ኢኹም። በዚ ክሳዕ ሕጂ ዝገበርክምዎ ዕዮ ኣዝየ ኢየ ዘመስግነኩም።”
እታ ዓንቀጽ በቶም ኣብ ቫዉፍ ዝርከቡ እሱራት ብሓፈሻ ከመይ ዝበለ ተቐባልነት ኢዩ ነይርዋ፧ እቶም እሱራት ኣዝዩ ልዑል ተገዳስነት ስለ ዝነበሮም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መጽሔታቶም ዓዲሎም ወድእዎ። እቶም ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሰበ-ስልጣን እውን ንገዛእ ርእሶም ዝኸውን 40 ተወሳኺ መጽሔታት ክመጾም ብምሕታት ተገዳስነቶም ኣርእዮም ኢዮም። እተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ጉባኤታት ነቲ ጠለብ ንምምላእ ተወሳኺ 100 ቅዳሓት ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣሕዋት ሃባኦም። ምስናይዚ ድማ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ቍጽሪ ተኣከብቲ ወሰኸ።
ሓደ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ምትሕብባር ዝገበረ ፕዮት ሆደን ዝበሃል በዓል ስልጣን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዚ በለ:- “ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ መርኣዪ ኣቝሑ ዝቕመጠሉ ቦታ ከነንብራ ወሰንና። ኵሎም እቶም ምሳኻትኩም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጀመሩ እሱራት ነዛ መጽሔት እዚኣ ከንብቡዋ ተስፋ ንገብር።”
እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ሰናይ ኣብነትን ብቘራጽነት ንምስባኽ ዝገበርዎ ጻዕርን ጽቡቕ ፍረ የፍሪ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እቶም ንጥምቀት ዝበጽሑ 15 እሱራት: 2 ሰበ-ስልጣን እቲ ቤት ማእሰርቲ ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም: ሓደ ካልእ ከኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ሓቲቱ ኣሎ። ርግጽ ኢዩ: እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቫዉፍ ዝሰበኹ ኣሕዋት እቲ ዝረኸብዎ ዓወት ኵሉ ብሓገዝ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኢዮም ዝኣምኑ።—ምስ 1 ቈረንቶስ 3:6, 7 ኣረኣእዮ።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ሰለስተ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ሓደ እሱርን ኣብቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኣስተምህሮ ዝወሃበሉ ኣደራሽ ኰይኖም ነታ መጽሔት ከርእዩ ከለዉ