እቶም ውጹዓት ራህዋ ክረኽቡ ደዀን ይዀኑ፧
ናትካ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ኵሎም ደቅሰብ ስቓይ ተወዲኡ ክትርኢዶ ምደለኻ፧ ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ኣብነታት እስከ ርአ:-
ሶንያ ኣዝዩ ብዙሕ ወጽዓ ዝወረዳ ሰብ ኢያa። መጀመርታ: በዓል ቤታ ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ግዜ ናይ ዝሙት ተግባራት ይፍጽም ከም ዝነበረ ፈለጠት። ድሕርዚ እቲ ንእሽቶ ወዳ ብኤችኣይቪ ቫይረስ ተለኺፉ ብአይድስ ሞተ። ክልተ ዓመታት ጸኒሑ ካልእ ወዳ ሓመመ: ንሱ እውን አይድስ ሒዝዎ ብዙሕ ከይጸንሐ ሞተ። ሶንያ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ሕማሙ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኢዩ ጸኒሑ። ከቢድ ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣሕሊፉ: ጸጕሪ ርእሱ ረጊፉ: ጽቡቕ ገይሩ ክርኢ ድማ ኣይክእልን ነበረ። ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ ነይሩ።”
ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ዝዀነት ፋብያና እትበሃል ጓል ብራዚል: በቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣልቦነት ትሻቐል ነበረት። ጸኒሑ ኣብ ህይወታ ዘሕዝን ፍጻመ ኣጋጠማ። ብናይ መንፈስ ጭንቀት ዝሳቐ ዝነበረ ሓዋ: ርእሰ-ቕትለት ፈጸመ። ፋብያና ካብ ስራሕ ምስ ወጸት: መሓዛኣ: ፋብያና ከምዚ ዝበለ መከራ እተሕልፍ ዘላ ገለ ሰብ ስራይ ገይሩላ ኢዩ ኢላ ብምሕሳብ: ናብ ፓይ-ዲ-ሰይንቱ (ጠንቋሊ) ክትከይድ ሓሳብ ኣቕረበትላ! ግናኸ እቲ ፓይ-ዲ-ሰይንቱ ራህዋ ዝበሃል ኣየምጽኣላን። እኳ ድኣስ ፋብያና ብሰንኪ እቲ ዝነበራ ሽግር ድቃስ ብምስኣን ስቓይ ኢዩ ተሰሚዕዋ።
ንኣን ዘጋጠማ ወጽዓ ድማ ኣዝያ ንእሽቶ ከላ ዝጀመረ ኢዩ። “ጓል ሓደ ዓመት ከሎኹ: ኣደይ ስለ ዝጠንጠነትኒ ዓባየይ ኢያ ኣዕብያትኒ” ብምባል ተዘንቱ። ድሕርዚ: ኣን ጓል ሰለስተ ዓመት ጥራይ ከላ ዓባያ ሞተት። ኣን ድማ ናብ ሓደ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ዝርከብ መዕበይ ዘኽታማት ተወስደት: ኣብኡ ድማ ክሳዕ ጓል 13 ዓመት እትኸውን ጸንሐት። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ኣብቲ ቦታ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኢዩ ዝግበረልና ነይሩ: ስለዚ ድማ ዓለወኛ ኰንኩ። ምስ ዓበኹ ኸኣ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን እበኣስ ነበርኩ።”
ወጽዓ በዚ ይኹን በቲ ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝትንክፍ ኢዩ ዝመስል። ርግጽ ኢዩ: ዜናታት ክንዕዘብ: ከነንብብ: ወይ ክንሰምዕ ከሎና ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወርድ ዘሕዝን ፍጻመታት ዘቃልሕ ወረታት የጋጥመና ኢዩ። ዶ/ር ሜሪ ሳይክስ ዋይሊ ከምዚ ብምባል ትጽሕፍ:- “እንነብረሉ ዘሎና ግዜ . . . ናይ መራኸቢ ብዙሃን መዋእል ብምዃኑ ነቲ ቐጻሊ ዝዀነ ሕማቕ ዜናታት ካብ ምስማዕ ከነምልጥ ብሓቂ ዘይከኣል ኢዩ። ውግኣት: ባህርያዊ ዕንወት: ኡንዱስትርያዊ መዓት: ናይ ማኪና ሓደጋታት: ገበን: ራዕዲ: ናይ ጾታዊ ርክብ ዓመጽ: ብሓይሊ ምግሳስ: ኣብ ውሽጢ ቤት ዝፍጸም ዓመጽ—ኵሉ እዚ ተኣኪቡ ነቲ ናይ ኣእምሮ ስምባድ ዘርዕድን መዓልታዊ ተርእዮን ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ከም ዝኸውን ዝገብር ኢዩ።” እቲ ክርስትያን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብኣዊ ተመክሮ ብኽውንነታዊ መገዲ ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት የስቈርቍርን ቅልውላው ሒዝዎን ኣሎ’ ብምባል ኣጠቓሊሉ ይገልጾ።—ሮሜ 8:22
ንስኻኸ፧ ወጽዓ የጋጥመካዶ ኣሎ ኢዩ፧ ከመይ ዝበለ ራህዋ ኢኻ ክትጽበ እትኽእል፧ ናይ ሓቂ ሰላምከ ትረክብ ደዀን ትኸውን፧ ሶንያ: ፋብያና: ከምኡውን ኣን ናይ ሓቂ ምጽንናዕን እኹል ሰላምን ረኺበን ኢየን! ብዛዕባ እዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብዛ ዓንቀጽ ዘሎ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።