ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/4 ገጽ 3
  • እቶም ውጹዓት ራህዋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቶም ውጹዓት ራህዋ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣምላኽ ሰላም” ነቶም ውጹዓት ይግደሰሎም ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ገንዘብ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኣምላኽ ንምግልጋል ዕድመ ኣይዓግትን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣብ ጸበባ ንዘለዉ ዝኸውን መጸናንዒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/4 ገጽ 3

እቶም ውጹዓት ራህዋ ክረኽቡ ደዀን ይዀኑ፧

ናትካ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ኵሎም ደቅሰብ ስቓይ ተወዲኡ ክትርኢዶ ምደለኻ፧ ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ኣብነታት እስከ ርአ:⁠-

ሶንያ ኣዝዩ ብዙሕ ወጽዓ ዝወረዳ ሰብ ኢያa። መጀመርታ: በዓል ቤታ ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ግዜ ናይ ዝሙት ተግባራት ይፍጽም ከም ዝነበረ ፈለጠት። ድሕርዚ እቲ ንእሽቶ ወዳ ብኤችኣይቪ ቫይረስ ተለኺፉ ብአይድስ ሞተ። ክልተ ዓመታት ጸኒሑ ካልእ ወዳ ሓመመ: ንሱ እውን አይድስ ሒዝዎ ብዙሕ ከይጸንሐ ሞተ። ሶንያ ከምዚ ብምባል ትዝክር:⁠- “እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ሕማሙ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኢዩ ጸኒሑ። ከቢድ ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣሕሊፉ: ጸጕሪ ርእሱ ረጊፉ: ጽቡቕ ገይሩ ክርኢ ድማ ኣይክእልን ነበረ። ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ ነይሩ።”

ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ዝዀነት ፋብያና እትበሃል ጓል ብራዚል: በቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣልቦነት ትሻቐል ነበረት። ጸኒሑ ኣብ ህይወታ ዘሕዝን ፍጻመ ኣጋጠማ። ብናይ መንፈስ ጭንቀት ዝሳቐ ዝነበረ ሓዋ: ርእሰ⁠-ቕትለት ፈጸመ። ፋብያና ካብ ስራሕ ምስ ወጸት: መሓዛኣ: ፋብያና ከምዚ ዝበለ መከራ እተሕልፍ ዘላ ገለ ሰብ ስራይ ገይሩላ ኢዩ ኢላ ብምሕሳብ: ናብ ፓይ⁠-ዲ⁠-ሰይንቱ (ጠንቋሊ) ክትከይድ ሓሳብ ኣቕረበትላ! ግናኸ እቲ ፓይ⁠-ዲ⁠-ሰይንቱ ራህዋ ዝበሃል ኣየምጽኣላን። እኳ ድኣስ ፋብያና ብሰንኪ እቲ ዝነበራ ሽግር ድቃስ ብምስኣን ስቓይ ኢዩ ተሰሚዕዋ።

ንኣን ዘጋጠማ ወጽዓ ድማ ኣዝያ ንእሽቶ ከላ ዝጀመረ ኢዩ። “ጓል ሓደ ዓመት ከሎኹ: ኣደይ ስለ ዝጠንጠነትኒ ዓባየይ ኢያ ኣዕብያትኒ” ብምባል ተዘንቱ። ድሕርዚ: ኣን ጓል ሰለስተ ዓመት ጥራይ ከላ ዓባያ ሞተት። ኣን ድማ ናብ ሓደ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ዝርከብ መዕበይ ዘኽታማት ተወስደት: ኣብኡ ድማ ክሳዕ ጓል 13 ዓመት እትኸውን ጸንሐት። ከምዚ ኸኣ ትብል:⁠- “ኣብቲ ቦታ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኢዩ ዝግበረልና ነይሩ: ስለዚ ድማ ዓለወኛ ኰንኩ። ምስ ዓበኹ ኸኣ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን እበኣስ ነበርኩ።”

ወጽዓ በዚ ይኹን በቲ ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝትንክፍ ኢዩ ዝመስል። ርግጽ ኢዩ: ዜናታት ክንዕዘብ: ከነንብብ: ወይ ክንሰምዕ ከሎና ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወርድ ዘሕዝን ፍጻመታት ዘቃልሕ ወረታት የጋጥመና ኢዩ። ዶ/ር ሜሪ ሳይክስ ዋይሊ ከምዚ ብምባል ትጽሕፍ:⁠- “እንነብረሉ ዘሎና ግዜ . . . ናይ መራኸቢ ብዙሃን መዋእል ብምዃኑ ነቲ ቐጻሊ ዝዀነ ሕማቕ ዜናታት ካብ ምስማዕ ከነምልጥ ብሓቂ ዘይከኣል ኢዩ። ውግኣት: ባህርያዊ ዕንወት: ኡንዱስትርያዊ መዓት: ናይ ማኪና ሓደጋታት: ገበን: ራዕዲ: ናይ ጾታዊ ርክብ ዓመጽ: ብሓይሊ ምግሳስ: ኣብ ውሽጢ ቤት ዝፍጸም ዓመጽ​—⁠ኵሉ እዚ ተኣኪቡ ነቲ ናይ ኣእምሮ ስምባድ ዘርዕድን መዓልታዊ ተርእዮን ናይ መበል 20 ክፍለ⁠-ዘበን ከም ዝኸውን ዝገብር ኢዩ።” እቲ ክርስትያን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብኣዊ ተመክሮ ብኽውንነታዊ መገዲ ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት የስቈርቍርን ቅልውላው ሒዝዎን ኣሎ’ ብምባል ኣጠቓሊሉ ይገልጾ።​—⁠ሮሜ 8:​22

ንስኻኸ፧ ወጽዓ የጋጥመካዶ ኣሎ ኢዩ፧ ከመይ ዝበለ ራህዋ ኢኻ ክት​­ጽበ እትኽእል፧ ናይ ሓቂ ሰላምከ ትረክብ ደዀን ትኸውን፧ ሶንያ: ፋብያና: ከም⁠ኡውን ኣን ናይ ሓቂ ምጽንናዕን እኹል ሰላምን ረኺበን ኢየን! ብዛዕባ እዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዘሎ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ