ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 15/12 ገጽ 25
  • ንኣምላኽ ንምግልጋል ዕድመ ኣይዓግትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ንምግልጋል ዕድመ ኣይዓግትን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም ውጹዓት ራህዋ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ላትቭያ ነቲ ብስራት ምላሽ ትህበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሕለፍክዎ ኣገዳሲ ፍጻመታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • “ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 15/12 ገጽ 25

ንኣምላኽ ንምግልጋል ዕድመ ኣይዓግትን

ኣብ ደቡብ ስጳኛ ኣብ እትርከብ ከተማ ማላጋ፡ ኣደን ጓልን ብ19 ታሕሳስ 2009 ተጠምቃ፣ ክልቲአን ከኣ ሃና እዩ ስመን። ካብቶም ብ2009 ኣብ ስጳኛ እተጠምቁ 2,352 ሰባት እየን ነይረን። እዘን ኣደን ጓልን ፍልይ ዜብለን ግን ዕድሚአን እዩ፣ ከመይሲ፡ እታ ኣደ ጓል 107 ዓመት ክትከውን ከላ፡ ጓላ ኸኣ ጓል 83 ዓመት እያ።

ርእሰን ንየሆዋ ወፍየን ንኽጥመቓ ዝደረኸን እንታይ እዩ፧ ኣብ መጀመርታ 1970ታት፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ጐረቤት፡ ነታ ሕጂ ጓል 83 ዓመት ኰይና ዘላ ሃና፡ ኣብ ቤታ ኣብ ዚግበር ዝነበረ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ክትመጽእ ትዕድማ ነበረት። ሃና ሓሓሊፋ ኣብቲ ኣኼባ ትእከብ ነበረት። ኰይኑ ግን፡ ብምኽንያት ዓለማዊ ስራሓ፡ ዕቤት ኣይገበረትን።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ፡ ገለ ኻብ ደቂ ሃና መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀመሩ፡ ድሕሪ ግዜ ኸኣ ኣገልገልቲ የሆዋ ዀኑ። ሓንቲ ኻብኣቶም ዝዀነት ማሪ ካርመን፡ ነቲ ኣዲኣ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበራ ፍቕሪ ኸም ዚለዓዓል ብምግባር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትጅምር ገበረት። ድሕርዚ፡ እታ ሕጂ ጓል 107 ዓመት ኰይና ዘላ ዓባያ ንማሪ ካርመን እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከተሐድር ጀመረት። ኣብ መወዳእታ፡ ዓሰርተ ኣባላት እዛ ስድራ ቤት ተጠምቁ።

እተን ክልቲአን ሃና ዝስመን ኣደን ጓልን ኣብታ እተጠምቃላ መዓልቲ ብሓጐስ ተፈንጪሐን ነበራ። እታ ጓል 107 ዓመት ዝዀነት ሃና፡ “የሆዋ ንኽፈልጦ ስለ ዝፈቐደለይ፡ ብዙሕ ሕያውነት እዩ ኣርእዩኒ” በለት። እታ ጓላ እውን ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ገነት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ብእተኻእለኒ መጠን ፍቓድ የሆዋ እናገበርኩ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ንየሆዋ ኼገልግሎ እደሊ እየ” በለት።

ነዘን ክልተ መበለታት እዚኣተን፡ ፍሉይ ሓጐስ ዘምጽኣለን ግን ኣብ ኣኼባታት ምእካበን እዩ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ጉባኤአን ዚርከቡ ሽማግለታት፡ “ካብ ኣኼባ በዂረን ኣይፈልጣን እየን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሓሳብ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ ድሉዋት እየን” በለ።

እቲ ሰናይ ኣብነተን፡ ነታ፡ “ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት [“ከይበዀረት፡” NW]፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል” ዝነበረት ሃና እትበሃል መበለት እዩ ዜዘኻኽረና። ሃና ኣዘውቲራ ናብ ቤተ መቕደስ ምኻዳ፡ ነቲ ህጻን ዝነበረ የሱስ ናይ ምርኣይ ክቡር መሰል ረኸበት። (ሉቃ. 2:36-38) ዕድመ፡ ነታ ጓል 84 ዓመት ዝነበረት ሃና ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኣይዓገታን፡ ነዘን ሎሚ ዘለዋ መዅስታታ እውን ኣይዓገተንን።

ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ኣዝማድ ኣለዉኻዶ፧ ወይ ከኣ ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከለኻ ተገዳስነት ዘለዎ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከምተን ኣብዚ ተመክሮ ዝረኣናየን ሃና ዝስመን ኣረጋውያን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፡ ከመይሲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንምግልጋል ዕድመ ኣይዓግትን እዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“የሆዋ . . . ብዙሕ ሕያውነት እዩ ኣርእዩኒ”

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ገነት ቅድሚ ምምጻኡ፡ . . . ንየሆዋ ኼገልግሎ እደሊ እየ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ