ኣብ ሓንቲ ዘይፍጽምቲ ዓለም ሕድሪ ዘጽንዕ ምዃን
“ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ።” እዝስ ኣባኻውን ሓቂ ኰይኑዶ ረኺብካዮ ኢኻ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከምዚ ዝበለ ግድል ከም ዝነበሮ ብምፍላጥካ ተተባባዕ፣ እንተዀነ ግን: ሓለፍ ዝበለ ክርስትያናዊ ንጽህና ዝነበሮ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። እዝስ ንሓድሕዱ ዝጻረርዶ ኣይኰነን፧ ናብቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ጳውሎስ ነቲ ግድል ተንቲንዎ ኣሎ:- “ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና: ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር: ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ።” ነየናይ ሓጢኣት ኢዩ ዝጠቅስ ዘሎ: ንጽህንኡ ዝሕሉ ሰብኣይ ምእንቲ ክኸውንከ ብኸመይ ኢዩ ከሰንፎ ዝኸኣለ፧—ሮሜ 7:19, 20
ኣብታ መልእኽቱ ኣቐድም ኣቢሉ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ።’ እቲ “ሓደ ሰብኣይ” ኣዳም ኢዩ ነይሩ። (ሮሜ 5:12, 14) ኣዳማዊ ሓጢኣት—እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ: ኣዳም: ዝገበሮ ሓጢኣት—ጠንቂ ናይቲ ዓሌት ሰብ ዝወረስዎ ዘይፍጽምና: ከምኡውን ንጽህናኻ ክትሕሉ ናይ ሓቂ ብድሆ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ኢዩ።
እቲ ብዛዕባ እዚ ብናይ ቀደም ኣጸዋውዓ “ናይ መጀመርታ ሓጢኣት” ዝበሃል ናይ ጳውሎስ ኣረኣእያ: ሎሚ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኰነን: ምኽንያቱ ነቲ ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብ ንምቕባል ተባሂሉ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍጥረት ዝህቦ ጸብጻብ ኣብቲ ናይ ቲኦሎጂካል መዳያት ተነጺጉ ኢዩ። ሓደ ብዛዕባ ሮሜ 5:12-14 ዘመናዊ ርእይቶ ዝሃበ ሰብ “ምሁራት ነዚ ክትኣምኖ እትኽእል ታሪኽ ብምልኡ ንጐኒ ገዲፎምዎ ኢዮም” ብምባል ገለጾ። እንተዀነ ግን: ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዝህቡ ሰባት “ኣዳም ምስ ሓጥአ . . . በቲ ሓጢኣት ተበላሸወ: በቲ ናይቲ ሓጢኣት ሳዕቤን ድማ ኵሎም ዘርኡ ተበላሸዉ” ኢሎም ብተደጋጋሚ ገሊጾምዎ ኢዮም።a
ናይ መጀመርታ ምጥፋእ ንጽህና
ልክዕ ከምቲ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንህላወ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ: ኣዳም ዝኽሕድዎ: ናይ ሰይጣን ድያብሎስ ህላወ እውን ከም ሓደ እተኣልመ ጽውጽዋይ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ።b እንተዀነ ግን: እቲ ዝለዓለ መረጋገጺ: የሱስ ክርስቶስ: ሰይጣን “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን:” ብኻልእ ኣዘራርባ ሕድሪ ዘጽንዕ ኣይነበረን ብምባል ይነግረና። (ዮሃንስ 8:44) ኣዳምን ሰበይቱ ሄዋንን ኣንጻር የሆዋ ዝዓለዉ: ኣብ ትሕቲ ፈተና ድማ ንጽህንኦም ዘበላሸዉ ብናይ ሰይጣን ተንኰል ኢዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 3:1-19
ኵላትና ካብ ኣዳም ዝመጻእና ስለ ዝዀንና ናይ ሓጢኣት ዝንባለ ወረስና። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ሰሎሞን “ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን” ኢሉ ገለጸ። (መክብብ 7:20) ገና ግን ዝዀነ ይኹን ሰብ ሕድሪ ክወሃቦ ዝበቅዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ብኸመይ ይከኣል፧ ምኽንያቱ ንጽህናኻ ንምሕላው ፍጹም ሰብ ክትከውን ኣየድልየካን ኢዩ።
ናይ ንጽህና መሰረት
ነቲ ብግቡእ ተመዝጊቡ ዘሎ ምስ ባትሴባ ዝገበሮ ናይ ዝሙት ርክብ ሓዊስካ: እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ብዙሕ ጌጋታት ገይሩ ኢዩ። (2 ሳሙኤል 11:1-27) እቲ ናይ ዳዊት ብዙሕ ጕድለታት ፍጹም ከም ዘይነበረ ዘጕልሕ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኣብቲ ሰብኣይ ዝረኣዮ ነገር እንታይ ኢዩ፧ የሆዋ ንሰሎሞን ወዲ ዳዊት “ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንጽህና ልብን ብቕንዕናን እተመላለሰ: ኣብ ቅድመይ [ተመላለስ]” በሎ። (1 ነገስት 9:4 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ዋላ እኳ ብዙሕ ጌጋታት እንተነበሮ: ዳዊት ሕድሪ ዘጽንዕ ምዃኑ ብየሆዋ ኣፍልጦ ተዋሂብሉ ኢዩ። ስለምንታይ፧
ዳዊት ንሰሎሞን “እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣልባብ ይመራምሮ: ንዅሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ” ኢሉ ክነግሮ ከሎ እቲ መልሲ ሂቡና ኣሎ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ዳዊት ጌጋታት ገይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን ትሑት ኢዩ ነይሩ: ቅኑዕ ዘበለ ክገብር ድማ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። ብተደጋጋሚ ተግሳጽን መአረምታን ተቐቢሉ—አረ ክዋሃቦ እውን ሓቲቱ ኢዩ። ሕቶኡ “ዎ እግዚኣብሄር: መርምረንን ተዐዘበንን: ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ” ዝብል ኢዩ ነይሩ። (መዝሙር 26:2) ዳዊት ድማ ብሓቂ ተመርሚሩ ኢዩ። ንኣብነት: ብሰንኪ እቲ ምስ ባትሴባ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝወረዶ ቀይዲ ክሳዕ ግዜ ሞቱ ነይሩ ኢዩ። ገና ግን ዳዊት ንጌግኡ ከመሳምስ ፈጺሙ ኣይፈተነን። (2 ሳሙኤል 12:1-12) ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ድማ: ካብ ሓቀኛ ኣምልኾ ፈጺሙ ኣይተነቓነቐን። በዚ ምኽንያት እዝን በቲ ዳዊት ዘርኣዮ ናይ ሓቂ ልባዊ ጣዕሳን ነስሓን የሆዋ ሓጢኣቱ ክሓድገሉን ከም ሓላው ንጽህና ገይሩ ክቕበሎን ድሉው ኢዩ ነይሩ።—መዝሙር 51 እውን ርአ።
ፈተና እናሃለወ ሕድሪ እተጽንዕ ምዃን
ኣብቲ ድያብሎስ ንጽህንኡ ንምብልሻው ዝገበሮ ጻዕሪ የሱስ ተፈቲኑ ኢዩ። ምስቲ ከም ፍጹም ሰብ መጠን ነቲ መለኮታዊ ሕጊ ክእዘዝ ጥራይ መምርሒ ተዋሂብዎ ምእዛዙ እተፈተነ ኣዳም ኣነጻጺርካ: የሱስ መከራን ስቓይን እናተጸመመ ንጽህንኡ ክሕሉ ነበሮ። ብተወሳኺ: የሱስ በጅነት ሰብኣዊ ስድራቤት ንጽህንኡ ኣብ ምሕላው እተመርኰሰ ምዃኑ ምፍላጥ እውን ጸቕጢ ገይርሉ ኢዩ።—እብራውያን 5:8, 9
ሰይጣን ንናይ የሱስ ንጽህና ንምብልሻው ብቘራጽነት ብምልዓል: ኣብቲ በረኻ ብምስትንታንን ጾምን 40 መዓልትታት ኣሕሊፉ ደኺሙ ኸሎ መጾ። ንየሱስ ሰለስተ ግዜ: ማለት ነቲ ኣእማን ናብ ቅጫ ክልውጦ፣ ናይ መላእኽቲ ሓገዝ ከም ዘድሕኖ ብምሕሳብን በዚ ኸምዚ ድማ መሲሕ ምዃኑ ትኣምራታዊ ምልክት ንምሃብን ካብቲ ቤት መቕድስ ንታሕቲ ክጸድፍ፣ ከምኡውን ንሰይጣን ሓንቲ “ናይ ኣምልኾ ተግባር” (NW ) ብምሃብ ግዝኣት ናይ ኵለን መንግስታት ዓለም ክቕበል ፈተኖ። የሱስ ግን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎ ንጽህና ብምሕላው ንነፍሲ ወከፍ ፈተና ነጸጎ።—ማቴዎስ 4:1-11፣ ሉቃስ 4:1-13
ናይ እዮብ ንጽህና
እቲ እዮብ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህንኡ ብምሕላው ዘርኣዮ ኣቕዋም ኣዝዩ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ዘገርም: ዕንወት ስለምንታይ ከም ዝወረዶ እዮብ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። እዮብ ንየሆዋ ዘገልግሎስ ያኢ ብስሱዕ ምኽንያታት ተደሪኹ ኢዩ: ናይ ገዛእ ርእሱ ህይወት ከድሕን ኢሉ ድማ ንጽህንኡ የበላሹ ኢዩ ብምባል ሕማቕ ድራኼታት ከም ዘለዎ ገይሩ ሰይጣን ከም ዝኸሰሶ ኣይፈለጠን። ኣምላኽ ሰይጣን ግጉይ ከም ዝነበረ ንምርኣይ እዮብ ኣዝዩ ፈታኒ ዝዀነ ተመክሮታት ከሕልፍ ኣፍቀደ።—እዮብ 1:6-12፣ 2:1-8
ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ኣብቲ ጕዳይ ኣተዉ። ንናይ ኣምላኽ ስርዓታትን ዕላማታትን ደይመደይ ኢሎም ጠወይዎ። ሰበይቲ እዮብ እውን ከይተረፈት ነቲ ጕዳይ ካብ ዘይምርዳእ: ኣብቲ ምብርታዕ ኣዝዩ ዘድልየሉ ዝነበረ እዋን ካብ ምብርትዑ ሰነፈት። (እዮብ 2:9-13) እዮብ ግን ጸነዐ። “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ [“ንጽህናይ:” NW ] ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዔ እሕዞ: ከቶ ኣይሰዶን: ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን።”—እዮብ 27:5, 6
እቲ ናይ እዮብ ብሉጽ ኣብነት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ ብዙሓት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ንጽህና ተደሚሩ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ።
ንጽህናን ክርስትያናዊ ኣገልግሎትን
ንጽህና የሆዋ ንናይ ገዛእ ርእሱ ዕግበት ኢሉ ዝደልዮ ባህርይ ጥራይ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ንጽህና ንዓና ንሰባት ክቡር ዋጋ ኣለዎ። የሱስ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ብምሉእ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዅሉ ሓሳብናን ከነፍቅሮ’ ዝመዓደና ንረብሓና ኢሉ ኢዩ። ብሓቂ እዛ ትእዛዝ እዚኣ ንጽህንኡ ዝሕሉ ሰብኣይ: ሰበይቲ: ወይ ቈልዓ ክሕልዋ ዘለዎ “ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ” ኢያ። (ማቴዎስ 22:36-38) ንጽህናኻ ኣብ ምሕላው እንታይ ተጠቓሊሉ ኣሎ: እንታይ ዓስቢኸ ኣለዎ፧
ሓደ ንጽህንኡ ዝሕሉ ሰብ ብብጾቱ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ዝያዳ ኣገዳሲ ብኣምላኽውን ሕድሪ ክወሃቦ ዝበቅዕ ኢዩ። እቲ ናይ ልቡ ቅንዕና ኣብ ተግባራቱ ይርአ ኢዩ፣ ካብ ግብዝና ድማ ናጻ ኢዩ። ክፉእ ወይ ድማ ብልሽው ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ: ነፍስና ነዕቍብ እምበር: ብተንኰል ከይተመላለስና: ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ: ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና አሎና።”—2 ቈረንቶስ 4:2
ጳውሎስ ምስ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እተተሓሓዘ ኣረኣእያ ከም ዝጠቐሰ ኣስተብህል። ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ኣእዳዉ ቅኑዓት ምስ ዘይኰና: ንጽህንኡ ዝሕሉ ሰብ ምስ ዘይከውን ከመይ ኢሉ ንኻልኦት ከገልግል ይኽእል፧ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ቦትኡ ባዕሉ ዝገደፈ ናይ ሓደ ኣየርላንዳዊ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ሓላፊ: ነዚ ነጥቢ እዚ ጽቡቕ ገይሩ የብርሆ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ዘ ኢንዲፐንደንት እተባህለ ጋዜጣ “ንሓደ ምስ ቈልዑ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም ካህን: ንቘልዑ ከም ዝዕምጽ ምስ ተፈልጠ ጸኒሑ ምስቶም ቈልዑ ክሰርሕ ከም ዘፍቀደሉ” ተኣመነ። እቲ ጸብጻብ: እቲ ምዕማጽ ን24 ዓመታት ከም ዝጸንሐ ይገልጽ። እቲ ካህን ንኣርባዕተ ዓመት ተኣስረ: እንተዀነ ግን እቲ ሓላፊኡ ስጕምቲ ንምውሳድ ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ስለ ዘይነበሮ ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ኣብቶም ግዳዩ ዝዀኑ ቈልዑ ዘውረዶ ስቓይ እሞ ሕሰቦ!
ንጽህናኻ ምሕላው ዘምጽኦ ዓስብታት
ሃዋርያ ዮሃንስ ድምብርጽ ዘይብሎ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። በቲ ዝነበሮም ውዕዉዕ ቅንኢ: የሱስ ንዕኡን ንሓዉ ያእቆብን “ደቂ ነጐዳ” ኢሉ ጸውዖም። (ማርቆስ 3:17) እቲ ሓለፍ ዝበለ ንጽህና ዝነበሮ ዮሃንስ ምስ ጴጥሮስ ኰይኑ ነቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ብዛዕባ እቲ ምስ የሱስ ከሎ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ‘ምዝራብ ክሓድግ’ ከም ዘይክእል ገለጸ። ዮሃንስ ሓደ ካብቶም “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝበሉ ሃዋርያት እውን ኢዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:19, 20፣ 5:27-32
ዮሃንስ “ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን” ናብ ደሴት ጳጥሞስ ንማሓዩር እተወስደ ኣብ ናይ 90ታት ዕድመ ከሎ ኢዩ ዝመስል። (ራእይ 1:9) ኣብዚ ዕድመ እዚ ኣገልግሎቱ ከም እተወድአ ኰይኑ ይስምዖ ነይሩ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ነቲ ዘሐጕስ ትርኢት ናይ መጽሓፍ ራእይ ክጽሕፍ ሕድሪ ክዋሃቦ ዝኽእል ንሓደ ንጽህንኡ ዝሕሉ ሰብ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። በዚ መዳይ እዚ ድማ ዮሃንስ እሙን ኢዩ ነይሩ። እዝስ ንዕኡ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ ነይሩ! ካልእ ተወሳኺ መሰል እውን ረኺቡ ኢዩ። ጸኒሑ: ምናልባት ኣብ ከባቢ ኤፌሶን: እቲ ናይ ወንጌሉ ጸብጻብን ካልእ ሰለስተ ደብዳበታትን ጸሓፈ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ዓቢ መሰል ኣብ ፍጻሜኡ ንምብጻሕ ናይ 70 ዓመታት እሙን: ሕድሪ ምጽናዕ ዝሓትት ኣገልግሎት ወሰደ!
ብሓፈሽኡ ንጽህናኻ እትሕሉ ሰብ ክትከውን ዓሚቝ ዕግበት ዝህብ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕድሪ ዘጽንዕ ሰብ ምዃን ዘለኣለማዊ ዓስብታት ዘምጽእ ኢዩ። ሎሚ ናይ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ “ዓቢ ጭፍራ” ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ብምሓዝ ናብታ ሰላምን ምውህሃድን ዘለዋ ሓዳስ ዓለም ንምእታው ይዳለዉ ኣለዉ። (ራእይ 7:9 NW ) ናይዚ ኣገባብ እዚ ፈተናታት: ከምኡውን ክንጽመሞ ዘሎና ሰይጣን ከምጽኦ ዝኽእል ብዙሕ ብድሆታት እናሃለወ ኣብቲ ቀንዲ ናይ ስነ-ምግባርን ኣምልኾን ጕዳያት ንጽህና ክብ ኣቢልካ ክትሓዝ ኣለዎ። በቲ የሆዋ ዝህበካ ሓይሊ ክትዕወት ከም እትኽእል ርግጸኛ ኩን!—ፊልጲ 4:13
እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዳዊት ኣብቲ ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ናይ ምስጋና ጸሎት ብዛዕባ ህልውን መጻእን ግዜ ብምዝራብ ንዅላትና ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:- “ንኣይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ: ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለኣለም ተንብረኒ አሎኻ። እግዚኣብሄር . . . ይባረኽ። ኣሜን: ኣሜን።”—መዝሙር 41:12, 13
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብቲ ዘ ኒው ቴስታመንት ኦቭ ኣዋር ሎርድ ኤንድ ሰቭየር ጂሰስ ክራይስት ኣኮርዲን ቱ ዘ ኣውቶራይዝድ ቨርሽን: ዊዝ ዘ ብሪፍ ኮመንትሪ ባይ ቫርየስ ኦውቶርስ (እንግሊዝኛ) እተዋህበ ሓሳባት።
b እታ ሰይጣን እትብል ስም “ተቓዋሚ” ማለት ኢያ። “ድያብሎስ” ከኣ “መካፍኢ” ማለት ኢያ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ዳዊት ዋላ እኳ ጌጋታት እንተነበሮ: ሕድሪ ዘጽንዕ ሰብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ሕድሪ ዘጽንዕ ሰብ ብምዃን እቲ ዝበለጸ ኣብነት ገደፈ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
ሕድሪ ዘጽንዕ ሰብ ምዃን ዓሚቝ ዕግብት የምጽእ