ሓጢኣት ዘይህልወሉ ግዜ
“ሓጢኣት ሒዝና ዲና ተወሊድና፧” ሓደ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ካልኣይ ዲግሪ ንምርካብ ዝማሃር ተማሃራይ: መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመረ እዛ ሕቶ እዚኣ ደንጽያቶ ኢያ። ዝዓበየሉ ሃይማኖት ሂንዱ ስለ ዝዀነ: እተወርሰ ሓጢኣት ዝብል ሓሳብ ንዕኡ ሓድሽ ነገር ኢዩ። ሓጢኣት ብርግጽ እተወርሰ እንተድኣ ኰይኑ ግን: ክውንነቱ ምኽሓድ ወይ ከኣ ዕሽሽ ምባል ዋጋ የብሉን ዝብል ሓሳብ ሃበ። ሓደ ሰብ ንመልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ ብኸመይ ክረኽቦ ይኽእል፧
ሓጢኣት እተወርሰ እንተድኣ ኰይኑ መጀመርታ ክህልዎ ኣለዎ። እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ እኩይ ኰይኑ ተፈጢሩስ ናብ ደቁ እኩይ ባህርያት ኣመሓላሊፉሎም ማለት ድዩ፧ ወይስ እቲ ጕድለት ድሓር ኢዩ ማዕቢሉ፧ ሓጢኣት ብልክዕ መዓስ ኢዩ ጀሚሩ፧ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሓጢኣት ብግዳም ዘሎ እኩይ ህላወ ወይ ከኣ ስርዓት እንተድኣ ኰይኑ ካብኡ ናጽነት ክንረክብ ተስፋ ክንገብር ንኽእልዶ፧
ብመሰረት ናይ ሂንዱ እምነት ስቓይን ክፍኣትን ካብ ፍጥረት ኣይፈላለዩን ኢዮም። ሓደ ናይ ሂንዱ ምሁር “ስቓይ [ወይ ከኣ እከይ] ልክዕ ከም ሓደ ሕዱር ቅርጥማት: ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ጥራይ ኢዩ ዝሰጋገር: ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ግን ኣይክእልን” ዝብል ሓሳብ ሃበ። ክፍኣት: ኣብ ብምሉእ ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ ክፍሊ ናይ ደቅሰብ ዓለም ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ቅድሚ ታሪኻዊ ጸብጻባት ወድሰብ ዝመጸ እንተድኣ ዀይኑ ኸኣ ብዛዕባ መበቆሉ ዝሕብር ርጡብ መልሲ ናይ ግድን ካብ ሓደ ልዕሊ ሰብ ዝዀነ ምንጪ ክመጽእ ኣለዎ። እቲ መልስታት ካብ ኣምላኽ ክመጽእ ኣለዎ።—መዝሙር 36:9
ሰብ—ብዘይሓጢኣት ተፈጥረ
እቲ ናይ ሂንዱ ፈላስፋ ኒኪላናንዳ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰብ እቲ ኣብ ቬዳስ እተዋህበ መግለጺ ምሳልያዊ ከም ዝዀነ ተኣመነ። ብተመሳሳሊ መብዛሕትአን ኣብ ምብራቓውያን ሃገራት ዝርከባ ሃይማኖታት ብዛዕባ ፍጥረት ጽውጽዋያዊ መግለጺ ጥራይ ኢየን ዝህባ። እንተዀነ ግን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝህቦ ጸብጻብ ንኽንኣምን ክልቲኡ ማለት ርትዓውን ስነ-ፍልጠታውን ምኽንያታት ኢዩ ዘሎና።a እታ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።”—ዘፍጥረት 1:27
“ብመልክዕ ኣምላኽ” ምፍጣር ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብሓጺሩ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ሰብ ከም እኒ ፍትሒ: ጥበብ: ከምኡውን ፍቕሪ ዝኣመሰለ ካብ እንስሳታት ዝፈልዮ ኣምላኻዊ ባህርያት ዘለዎ ኰይኑ ብምስሊ ኣምላኽ ተፈጥረ። (ምስ ቈሎሴ 3:9, 10 ኣረኣእዮ።) እዚ ባህርያት እዚ ንሰብ ጽቡቕን ክፉእን ንምግባር ናይ ምምራጽ ክእለት ብምሃብ ናጻ ናይ ስነ ምግባር ምርጫ ዘለዎ ገበሮ። እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ክፍጠር ከሎ ኣብ ህይወቱ ሓጢኣት ዝበሃል ኣይነበሮን: እከይ ወይ ስቓይ እውን ኣይነበሮን።
የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ቀዳማይ ሰብኣይ ኣዳም “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ” ዝብል ትእዛዝ ሃቦ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ኣዳምን ሰበይቱ ሄዋንን: ተኣዛዝነት ብምምራጽ ንፈጣሪኦም ውዳሴን ክብርን ከምጽኡሉ ከምኡውን ካብ ሓጢኣት ናጻ ኰይኖም ክቕጽሉ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ናይ ዘይምእዛዝ ተግባር ነቲ ፍጹም ስርዓታት ኣምላኽ ክሕልውዎ ዘይምኽኣሎም ዘመልክት ነበረ: እዚ ድማ ዘይፍጹማት ማለት ሓጢኣተኛታት ይገብሮም።
ኣዳምን ሄዋንን መለኮታውያን ኰይኖም ኣይተፈጥሩን። ይኹን እምበር: ብመጠኑ መለኮታዊ ባህርያትን ስነ-ምግባራዊ ውሳኔታት ናይ ምግባር ክእለትን ነይርዎም ኢዩ። ብኣምላኽ ከም እተፈጥሩ መጠን ከኣ ሓጢኣት ዘይብሎም ወይ ድማ ፍጹማት ኢዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 1:31፣ ዘዳግም 32:4) ናብ ህላወ ምምጽኦም ነቲ ክሳዕ ግዜ ምፍጣሮም ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣድማስን ንመዋእል ዝኣክል ዝነበረ ስምምዕ ክዘርጎ ኣይከኣለን። እሞ ሓጢኣት ድኣ ብኸመይ ኢዩ ጀሚሩ፧
ናይ ሓጢኣት መበቈል
ሓጢኣት መጀመርታ ኣብ መንፈሳዊ ግዝኣት ኢዩ ተራእዩ። ኣምላኽ ንምድርን ንሰብን ቅድሚ ምፍጣሩ: መስተውዓልቲ መንፈሳውያን ፍጡራት—መላእኽቲ—ፈጠረ። (እዮብ 1:6፣ 2:1፣ 38:4-7፣ ቈሎሴ 1:15-17) ሓደ ካብዞም መላእኽቲ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽባቐን ምስትውዓልን ካብ መጠን ንላዕሊ ክብ ኣቢሉ ሓሰበ። (ምስ ህዝቅኤል 28:13-15 ኣረኣእዮ።) እዚ መልኣኽ እዚ ካብቲ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ውሉዳት ክወልዱ ዝሃቦም መምርሒ: ድሕሪ ቐረባ ግዜ ምድሪ ብምልእታ ንኣምላኽ ብዘምልኹ ጻድቃን ሰባት ክትመልእ ምዃና ክግንዘብ ክኢሉ ነበረ። (ዘፍጥረት 1:27, 28) እዚ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ ኣምልኾኦም ንገዛእ ርእሱ ተመነዮ። (ማቴዎስ 4:9, 10) ኣብዚ ትምኒት እዚ ምቕጻሉ ግጉይ መገዲ ክወስድ መርሖ።—ያእቆብ 1:14, 15
እዚ ዓለወኛ መልኣኽ እዚ ንሄዋን ብተመን ገይሩ ብምዝራብ ኣምላኽ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፈልጥ ኦም ንኸይበልዑ ብምእዛዙ ክህልዋ ዝነበሮ ፍልጠት ያኢ ከም ዝሓብኣላ ነገራ። (ዘፍጥረት 3:1-5) ከምኡ ምባል ጽልኢ ዝመልኦ ሓሶት: እወ ግብሪ ሓጢኣት ኢዩ ነይሩ። ነዚ ሓሶት እዚ ብምዝራብ እቲ መልኣኽ ንገዛእ ርእሱ ሓጢኣተኛ ገበራ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ድያብሎስ ማለት ሓማዪ: ከምኡውን ሰይጣን ማለት ናይ ኣምላኽ ተጻራሪ ክበሃል ጀመረ።—ራእይ 12:9
እቲ ናይ ሰይጣን ዘስድዕ ዘረባ ኣብ ልዕሊ ሄዋን ኣሉታዊ ሳዕቤን ነበሮ። ኣብ ቃላት ናይቲ ፈታኒ ብምውካል: ክትታለልን ካብታ ክልክልቲ ኦም ገለ ፍረ ክትበልዕን ፍቓደኛ ኰነት። ሰብኣያ ኣዳምውን ነታ ፍረ ኣብ ምብላዕ ሓበራ በዚ ኸምዚ ድማ ክልቲኦም ሓጢኣታኛታት ኰኑ። (ዘፍጥረት 3:6፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:14) እቶም ቀዳሞት ወለድና ንኣምላኽ ከይእዘዙ ብምምራጾም ነቲ ናይ ፍጽምና ዒላማ ከም ዝሰሓትዎ ሓጢኣተኛታት ድማ ከም ዝዀኑ ግልጺ ኢዩ።
ብዛዕባ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንንከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢአት ናብ ዓለም ኣተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ’ ብምባል ይገልጽ። (ሮሜ 5:12) ናይ ውርሻ ሕጊ ድሮ ክዓዪ ጀመረ። ኣዳም ንደቁ ዘይብሉ ነገር ከመሓላልፈሎም ኣይከኣለን። (እዮብ 14:4) ፍጽምና ብምጥፍኦም: እቶም ቀዳሞት ወለድና ደቆም ክጥነሱ ከለዉ ሓጢኣተኛታት ኢዮም ነይሮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኵላትና—ሓደ እኳ ከይተረፈ—ሓጢኣት ወረስና። (መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 3:23) ሓጢኣት ድማ ብግዲኡ እከይን ስቓይን እንተ ዘይኰይኑ ምንም ከፍሪ ኣይከኣለን። ብተወሳኺ: ብእኡ ምኽንያት ኵላትና ንኣርግን ንመውትን ኣሎና: “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ።”—ሮሜ 6:23
ሕልና ‘ይኸስስ’ ወይ ከኣ ‘ይከላኸል’
ብዛዕባ እቲ ሓጢኣት ኣብ ጠባይ ናይቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዘሕደሮ ሳዕቤን እውን ሕሰበሉ። ንገለ ክፍሊ ኣካላቶም ሸፈንዎ ካብ ኣምላኽ ክሕብኡ ድማ ፈተኑ። (ዘፍጥረት 3:7, 8) ሓጢኣት ድማ ናይ ገበን: ናይ ጭንቀት: ከምኡውን ናይ ሕፍረት ስምዒታት ኣሕደረሎም። ሎሚ ወድሰብ ነዚ ስምዒታት እዚ ኣዝዩ እተቓልዐ ኢዩ።
ንሓደ እተሸገረ ሰብ ሕያውነት ብዘይምርኣዩ ሕርኽርኽ ዘይብሎ ወይ ከኣ ከውስኦ ዘይግብኦ ቃላት ብምውስኡ ናይ ጣዕሳ ስምዒት ዘይስምዖ ሰብ መን ኣሎ፧ (ያእቆብ 4:17) ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርብሽ ስምዒታት ዝህልወና ስለምንታይ ኢዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ሕጊ ኣብ ልብና ጽሑፍ ምዃኑ’ ይገልጽ። ሕልናና እንተ ዘይለሚጹ: ዝዀነ ይኹን ምጥሓስ ሕጊ ውሽጣዊ ህውከት ኢዩ ዘፍሪ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸአ ኢዩ ናይ ሕልና ድምጺ ‘ዝኸሰና’ ወይ ከኣ ‘ዝከላኸለልና።’ (ሮሜ 2:15፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:2፣ ቲቶስ 1:15) ንፍለጦ ኣይንፍለጦ ብዘየገድስ ውሽጣዊ ናይ ጌጋ: እወ ናይ ሓጢኣት ስምዒት ኣሎና!
ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሓጥእ ዝምባለታቱ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ከኣ ተኣመነ:- “ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ: ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ።” ስለዚ ጳውሎስ “ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧” ብምባል ሓተተ።—ሮሜ 7:21-24
ካብ ሓጢኣት ናጽነት ዝርከብ ብኸመይ ኢዩ፧
ሓደ ምሁር “ኣብ ናይ ሂንዱ ባህሊ: ሓርነት ማለት ካብ ብተደጋጋሚ ምውላድን ሙማትን ሓራ ምዃን ማለት ኢዩ” በለ። ብተመሳሳሊ ቡዲዝም ከም ፍታሕ ናይዚ ናብ ኒርቫና—ንግድማዊ ክውንነት ናይ ምርሳዕ ኵነታት—ይሕብር። ነቲ ናይ እተወርሰ ሓጢኣት ሓሳብ ስለ ዘይተረድኦ: ሂንዱዝም ካብ ህላወ ምምላጥ ከም ዘሎ ጥራይ ኢዩ ዘተስፉ።
በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መገዲ ሓርነት: ርግጽ ዝዀነ ምልጋስ ናይ ሓጥእ ኵነታት ኢዩ ዘፍሪ። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ሓጢኣት ብኸመይ ክድሕን ከም ዝኽእል ድሕሪ ምሕታቱ “ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” ብምባል ይምልስ። (ሮሜ 7:25) እወ: እቲ ድሕነት ካብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኢዩ ዝመጽእ።
ብመሰረት ወንጌል ማቴዎስ “ወዲ ሰብ” ማለት የሱስ ክርስቶስ ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኸሕልፍ’ ኢዩ መጺኡ። (ማቴዎስ 20:28) ከምቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 2:6 ተመዝጊቡ ዘሎ: ጳውሎስ ከም ዝጸሓፎ የሱስ “ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ [“ተመዓራራዪ:” NW ] በጃ ሀበ።” እታ “በጃ” እትብል ቃል ምሩኻት ንምድሓን ኢልካ ዝኽፈል ዋጋ ኢያ እተመልክት። ተመዓራራዪ በጃ ምዃኑ እቲ ዋጋ ነቲ ሕጋዊ ናይ ፍትሒ ሚዛን ማዕረ ንምግባሩ ሓይሊ ከም ዘለዎ ዘጕልሕ ኢዩ። ግናኸ ናይ ሓደ ሰብኣይ ሞት ከመይ ገይሩ ኢዩ ‘ኣብ ክንዲ ኵሉ ዝኸውን ተመዓራራዪ በጃ’ ክኸውን ዝኽእል፧
ኣዳም ንዅልና ደቅሰብ ንሓጢኣትን ሞትን ሸጠና። እቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ወይ መቕጻዕቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ኢዩ። ነዚ ንምሽፋን ካልእ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት—ተመዓራራዪ በጅነት—ክኽፈል ነበሮ። (ዘጸኣት 21:23፣ ዘዳግም 19:21፣ ሮሜ 5:18, 19) ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ሓደ እውን ይኹን ነዚ በጅነት እዚ ከዳሉ ስለ ዘይክእል ኣምላኽ በቲ ደረት ዘይብሉ ጥበቡ ገይሩ ካብዚ መጻብቦ እዚ እንወጽኣሉ መገዲ ከፈተ። (መዝሙር 49:6, 7) ነቲ ፍጹም ህይወት ናይቲ ሓደ ወዱ ካብ ሰማያት ናብ ማሕጸን ናይ ሓንቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረት ድንግል ብምምሕልላፍ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ከም ዝውለድ ገበረ።—ሉቃስ 1:30-38፣ ዮሃንስ 3:16-18
የሱስ ነቲ ንወድሰብ ናይ ምብጃው ዕዮ ምእንቲ ክፍጽም: ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ግዜያት ብምሉኡ ንጽህንኡ ክሕሉ ነበሮ። ነዚ ድማ ገይርዎ ኢዩ። ድሕርዚ መስዋእታዊ ሞት ሞተ። የሱስ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ንወድሰብ ንምድሓን ዝኸውን ናይ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ማለት ናይ ገዛእ ርእሱ ዋጋ ከም ዝርከብ ኣረጋገጸ።—2 ቈረንቶስ 5:14፣ 1 ጴጥሮስ 1:18, 19
በጅነት ክርስቶስ እንታይ ክገብረልና ከም ዝኽእል
እቲ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ሕጂውን ከይተረፈ ክጠቕመና ይኽእል ኢዩ። ኣብኡ እምነት ብምግባር: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኣቕዋም ከነስተማቕር: ኣብ ትሕቲ ፍቕራውን ለዋህን ሓልዮት ኣምላኽ ከኣ ክንከውን ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:43፣ ሮሜ 3:21-24) በቲ ፈጺምናዮ ክንከውን እንኽእል ሓጢኣት ዝመጽእ ናይ ገበን ስምዒት ኣብ ክንዲ እንዋሓጥ: ብመሰረት እቲ በጅነት እቲ ብናጻ ካብ ኣምላኽ ሕድገት ሓጢኣት ክንሓትት ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 1:18፣ ኤፌሶን 1:7፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2
እቲ በጅነት: ኣብ ቅድሜና ኣብ ዘሎ እዋን እቲ ብሰሪ ሓጢኣት ዝመጸ ዘይጥዑይ ኵነታት ወድሰብ ምሉእ ምሕዋይ ከም ዝረክብ ክገብር ኢዩ። እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ነዚ ካብ ዝፋን ኣምላኽ ዝወርድ “ርባ ማይ ህይወት” ብምባል ገሊጻቶ ኣላ። ኣብ ወሰናስን እቲ ርባ ድማ “ፈውሲ ህዝብታት” ዝኸውን ኣቝጽልቲ ዝሓዙ ማእለያ ዘይብሎም ዝፈርዩ ኣእዋም ኣለዉ። (ራእይ 22:1, 2) ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብዛዕባ እቲ ፈጣሪ ብመሰረት መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንምውጻእ ዝገበሮ ድንቂ ምድላው ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ።
እቲ ትንቢታዊ ትርኢታት ናይ መጽሓፍ ራእይ ቀልጢፉ ክፍጸም ኢዩ። (ራእይ 22:6, 7) ሽዑ ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ብምውጻእ’ ፍጹማት ክዀኑ ኢዮም። (ሮሜ 8:20, 21) እዝስ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ በጃ ዝሓለፈ እሙን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ብዝያዳ ክንመሃር ክድርኸናዶ ኣይግባእን፧—ዮሃንስ 17:3
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ህይወት ብኸመይ ኢያ መጺኣ —ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧ እትብሃል መጽሓፍ ርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ኣዳም ኣብ ወድሰብ ሓጢኣትን ሞትን ኣምጽአ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ይገብር