መንፈስ ዓለም ይምርዘካዶ ኣሎ ኢዩ፧
ኣብ ካዛክስታን ዝርከብ ሓደ ፋብሪካ ብ12 መስከረም 1990 ብርቱዕ ተዅሲ ተሰምዐ። ናብቲ ሃዋሁ ሓደገኛ ዝዀነ ሬድዮኣክቲቪቲ ስለ እተፈነወ: ንጥዕና ናይቶም 120,000 ዝዀኑ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ሰባት ኣብ ስግኣት ኣውደቖ: ብዙሓት ሰባት ኣንጻር እዚ ቀታሊ መርዚ እዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ገበሩ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ ግን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ኣብ መርዛም ኣከባቢ ይነብሩ ከም ዝነበሩ ተገንዘቡ። ኣብዚ ዓመታት እዚ ልዕሊ 100,000 ቶን ዝኸውን ናይ ሬድዮኣክቲቪቲ መርዛም ጐሓፍ ሓለዋ ኣብ ዘይግበረሉን ቅሉዕን ቦታ ክጓሓፍ ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ሓደጋ ኣብ ከባቢኦም እኳ እንተነበረ: ዘቕለበሉ ሰብ ኣይነበረን። ስለምንታይ፧
ሰበ-ስልጣን ብዛዕባ እቲ ናይ ራዴሽን ዓቐን ዝገልጽ ጸብጻብ መዓልቲ መዓልቲ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ናይ ስፖርት ስታድዩም ሓበሬታ ይጥቅዑ ነይሮም ኢዮም: እዚ ድማ ሓደጋ ዝበሃል ኣይወርድን ኢዩ ዝብል መልእኽቲ የመሓላልፍ ነበረ። እቲ ኣሃዝ ልክዕ ኢዩ ነይሩ: ግናኸ ነቲ ጋማ ራዴሽን ጥራይ ኢዩ ዝሕብር ነይሩ። እቲ ዘይተዓቀነ ኣልፋ ራዴሽን: ብሓቂ ቀዛፊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ኣዴታት ደቀን ኣጸቢቖም ክሓሙ ዝኸኣልሉ ምኽንያት ክርድእኦ ጀመራ።
ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ንሕናውን ብዘይርአ በካሊ ነገር ክንምረዝ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ ከምቲ ኣብ ካዛክስታን ዝነበረ መስኪን ህዝቢ: ነዚ ንህይወት ዘስግእ ሓደጋ ኣይተገንዘብዎን ዘለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ካብ ሰይጣን ድያብሎስ ሓሊፉ ካልእ ዘይቈጻጸሮ ብከላ: “መንፈስ ዓለም” ኢሉ ይጽውዖ። (1 ቈረንቶስ 2:12) እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ንመንፈስ ወይ ከኣ ነቲ ሰፊኑ ዘሎ ኣመለኻኽታ ናይዛ ዓለም እዚኣ: ብተንኰል ተላዒሉ ኣምላኻዊ ተወፋይነትና ንምድኻም ኢዩ ዝጥቀመሉ።
መንፈስ ናይዛ ዓለም እዚ ንመንፈሳዊ ሓይልና ከዳኽሞ ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ ነቲ ፍትወት ኣዒንቲ ብምልዕዓልን ነቲ ርእስኻ ናይ ምፍታው ባህርያትና ብምምዝማዝን ኢዩ። (ኤፌሶን 2:1-3፣ 1 ዮሃንስ 2:16) ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ንመንፈሳውነትና ቀስ ብቐስ ክምርዘሉ ዝኽእል ሰለስተ እተፈላለየ መዳያት ብኣብነት ገይርና ክንርእዮ ኢና።
ቅድም ነታ መንግስቲ ምድላይ
የሱስ ንክርስትያናት ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክደልዩ’ ተላብዪዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:33) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ረብሓታትን ምቾትን ዘይግቡእ ተገዳስነት ንኽንገብር ክመርሓና ይኽእል ኢዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ሓደጋ ዝጅምር ንመንፈሳዊ ረብሓታት ምሉእ ብምሉእ ብምጥንጣን ዘይኰነስ: ካልኣይ ቦታ ብምሃብ ኢዩ። ከምቶም ኣብ ካዛክስታን ዝነብሩ ህዝቢ ዝገበርዎ ንሕናውን በቲ መዐሸዊ ዝዀነ ናይ ድሕንነት ስምዒት ተታሊልና ነቲ ሓደጋ ሸለል ክንብሎ ንኽእል ኢና። እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዘሕለፍናዮ እሙን ኣገልግሎት ከምኡውን እቲ ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ሞሳ: ንመገዲ ሓቂ ፈጺምና ክንሓድጎ ኣይንኽእልን ኢና ኢልና ናብ ምሕሳብ ክመርሓና ይኽእል። ምናልባት ብዙሓት ካብቶም ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበሩ ሰባት እውን ከምኡ ተሰሚዕዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
የሱስ ብ96 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ” ዝብል ምኽሪ ሃቦም። (ራእይ 2:4) እዞም ንነዊሕ ግዜ ዘገልግሉ ክርስትያናት ብዙሕ ጸገማት ተጸሚሞም ኢዮም። (ራእይ 2:2, 3) ብሃዋርያ ጳውሎስን ብኻልኦት እሙናት ሽማግለታትን ተማሂሮም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:17-21, 27) ይኹን እምበር: ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ዘሓለ: መንፈሳዊ ዕብየቶም ድማ ደው በለ።—ራእይ 2:5
ገለ ካብ ሰብ ኤፌሶን ምናልባት በቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ንግድን ብልጽግናን ተተንኪፎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ዘሕዝን ድማ: ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ ሕብረተሰብ ዘንጸባርቖ ናይ ፍቕረ-ንዋይ ዝንባለ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ንገለ ክርስትያናት ከም ዘላግሱ ገይርዎም ኢዩ። ምቾት ዘለዎ ኣነባብራ ክህልወካ ምጽዓር ውዒሉ ሓዲሩ ካብ መንፈሳዊ ሸቶታትና ከላግሰና ኢዩ።—ምስ ማቴዎስ 6:24 ኣረኣእዮ።
ብዛዕባ እዚ ሓደጋ እዚ ብምጥንቃቕ የሱስ “ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ [“ኣጥዕያ እትርኢ:” NW ] እንተ ዀነት: ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ [“እክይቲ:” (NW) “ቀናእ:” NW እግረ-ጽሑፍ] እንተ ዀነት ግና: ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን” በለ። (ማቴዎስ 6:22, 23) “ኣጥዕያ እትርኢ” ዓይኒ ብመንፈሳዊ መገዲ ኣተኲራ እትርኢ: ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እተተኵር ዓይኒ ማለት ኢያ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ “እክይቲ” ወይ ከኣ “ቀናእ” ዓይኒ ኣብ ቀረባ ዘሎ: ማለት ኣብቲ ናይ ሽዓ ስጋዊ ባህግታት ጥራይ ከተተኵር እትኽእል ዓይኒ ኢያ። መንፈሳዊ ዕላማታትን ኣብ ዝመጽእ ዝርከብ ዓስብን ክትርዳእ ዓቕሚ የብላን።
የሱስ ኣብታ ቅድሚኣ ዘላ ቝጽሪ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ: ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ” በለ። (ማቴዎስ 6:21) ልብና ኣብ መንፈሳዊ ወይ ከኣ ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘተኰረ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ‘ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ስለ ዝዛረብ’ እቲ ዝበለጸ ሓባሪ ዝዀነና ዕላልና ኢዩ። (ሉቃስ 6:45) ብቐጻሊ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ወይ ከኣ ዓለማዊ ረብሓታት ንዛረብ ምዃንና እንተድኣ ተገንዚብና: ልብና ከም እተመቓቐለ: መንፈሳዊ ኣረኣእያና ኸኣ ከም እተባላሸወ ዝሕብር መርትዖ ኢዩ።
ሓንቲ ካርመንa እተባህለት ጓል ስጳኛ ሓብቲ ምስዚ ግድል እዚ ተቓሊሳ ኢያ። ካርመን ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኣብ ሓቂ ኢየ ዓብየ: ጓል 18 ዓመት ምስ ኰንኩ ግን ባዕለይ ዝውንኖ ኣጸደ ህጻናት ከፈትኩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ነበራኒ: እቲ ቤት ትምህርቲ እናዓበየ ከደ: ብዙሕ ገንዘብ ከኣ እረክብ ነበርኩ። ምናልባት እቲ ኣዝዩ ኣዕጊቡኒ ክኸውን ዝኽእል ነገር ብገንዘብ ርእሰይ ክኢለ ክመላለስ ምኽኣለይን ‘ዕውትቲ’ ድማ ስለ ዝነበርኩን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓቂ ዘረባ: ልበይ ኣብ ስርሐይ ኢዩ ነይሩ: እወ እቲ ዝዓበየ ፍቕረይ ኢዩ ነይሩ።
“ዝበዝሕ ግዜይ ኣብ ናይ ስራሕ ረብሓታት እናኣውዓልኩ ገና ምስክር ኰይነ ክቕጽል እኽእል ኢየ ዝብል ስምዒት ነበረኒ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: ንየሆዋ ንምግልጋል ዝያዳ ክገብር እኽእል ኢየ ዝብል ዘየቋርጽ ስምዒት ነበረኒ። እቲ ኣብ መወዳእታ ናይታ መንግስቲ ረብሓታት ከቐድም ዝሓገዘኒ ነገር ኣብነት ናይ ክልተ ፓይነራት ዝነበራ ኣሓት ኢዩ። ሓንቲ ካብኣተን ሁልያና ኣብ ናተይ ጕባኤ ኢያ ነይራ። ፓይነር ክኸውን ኣይደፋፍኣትንን: እቲ ዕላላን እቲ ብሓቂ ካብ ኣገልግሎታ ዝረኸበቶ ሓጐስን ነቲ ብሕታዊ መንፈሳውነተይ እንደገና ክምርምር ሓገዘኒ።
“ድሕሪ ገለ ግዜ: ንዕረፍቲ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ከድኩ: ኣብ ቤት ናይ ሓንቲ ግሎርያ እተባህለት ፓይነር ሓብቲ ቀነኹ። ሰብኣያ ቅድሚ ቐረባ ግዜ ኢዩ ሞይቱ: ነታ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓላን ነታ መንሽሮ ዝነበራ ኣዲኣን ከኣ ትናቢ ነበረት። እንተዀነ ግን ፓይነር ኰይና ኢያ እተገልግል። ኣብነታን እቲ ንኣገልግሎት ዝነበራ ልባዊ ሞሳን ንልበይ ተንከፎ። እተን ሒደት ምስኣ ዘሕለፍክወን ኣርባዕተ መዓልትታት ንየሆዋ ካብቲ ዘሎኒ እቲ ዝበለጸ ንኽህቦ ቈራጽነት ክገብር ሓጊዘናኒ ኢየን። መጀመርታ ስርዓታዊት ፓይነር ኰንኩ: ድሕሪ ሒደት ዓመታት ከኣ ሰብኣየይን ኣነን ኣብ ቤትኤል ከነገልግል ተጸዋዕና። ነቲ ንመንፈሳዊ ዕብየተይ ዕንቅፋት ዝነበረ ስርሐይ ድሓን ኵን በልክዎ: ሕጂ ህይወተይ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዕዉትቲ ከም ዝዀነት ይስምዓኒ: እዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ብሓቂ ዘገድስ።”—ሉቃስ 14:33
ከምቲ ካርመን ዝገበረቶ ‘ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ምምርማር’ ብዛዕባ ስራሕናን ትምህርትናን መንበሪናን ኣነባብራናን ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ክሕግዘና ኢዩ። (ፊልጲ 1:10 NW ) ግናኸ ብመዘናግዒ ዝመጸውን ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ንምርምር ዲና፧ እዚ ድማ መንፈስ ዓለም ብዙሕ ጽልዋ ዝገብረሉ ካልእ መዳይ ኢዩ።
ንምዝንጋዕ ግቡእ ቦትኡ ሃቦ
መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ነቲ ሰባት ንምዕራፍን ንምዝንጋዕን ዘለዎም ናይ ተፈጥሮ ባህጊ ብጕርሒ ይምዝምዞ ኢዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ስለ ዘይብሎም: ነዚ ናይ ሕጂ ናብርኦም ብመዘናግዕን ምዝናይን ከሕልፍዎ ከም ዝደልዩ ርዱእ ኢዩ። (ምስ ኢሳይያስ 22:13፣ 1 ቈረንቶስ 15:32 ኣረኣእዮ።) ገዛእ ርእስና ንመዘናግዒ ዝያዳ ኣገዳስነት እትህቦ ኰይና ዲና እንረኽባ፧ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣተሓሳስባ ንኣመለኻኽታና ይቐርጾ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ “ጣዕሚ ንብረት [“ምዝንጋዕ:” ዘ ሆሊ ባይብል ፍሮም ኣንሸንት ኢስተርን ማኑስክሪፕትስ ] ዚፈቱ ይደኪ” ብምባል የጠንቅቐና። (ምሳሌ 21:17) ጸወታ ጌጋ ኣይኰነን: ምፍቃሩ ወይ ከኣ ኣብ ህይወትካ ቀዳማይ ቦታ ምሃቡ ግን ናብ መንፈሳዊ ድኽነት ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ውዒሉ ሓዲሩ መንፈሳዊ ሸውሃትና ክዕጾ ኢዩ: ነቲ ብስራት ንምስባኽ ዝኸውን ግዜ ኸኣ ኣይክህልወናን ኢዩ።
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ቃል ኣምላኽ “ምሉእ ብምሉእ ርእስኹም እናገታእኩም: ብኣእምሮኹም ንተግባር ተወፈዩ” ብምባል ዝመኽረና። (1 ጴጥሮስ 1:13 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል) ነቲ ናይ ምዝንጋዕ ግዜና ምኽንያታዊ ኣብ ዝዀነ ነገራት ጥራይ ምእንቲ ክንድርቶ: ርእስኻ ምግታእ የድሊ። ንተግባር እተወፈኻ ምዃን ክበሃል ከሎ ድማ ንመንፈሳዊ ዕዮ: እዚ ኸኣ ንመጽናዕቲ ይኹን ኣኼባ: ወይ ከኣ ንግራት ኣገልግሎት እተዳሎኻ ምዃን ማለት ኢዩ።
ዘድሊ ዕረፍቲ ምውሳድከ፧ ንኸነዕርፍ ግዜ ምስ እንምድብ ናይ ገበን ስምዒት ክስምዓና ይግባእዶ፧ ፈጺሙ ክስምዓና የብሉን። ብፍላይ ኣብዛ ሎሚ ጭንቀት መሊእዋ ዘሎ ዓለም: ዕረፍቲ ኣድላዪ ኢዩ። ይኹን እምበር: ከም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት መጠን ንህይወትና ኣብ ምዝንጋዕ ክትሕጸር ከነፍቅደላ ኣይንኽእልን ኢና። መጠኑ ዝሓለፈ ምዝንጋዕ ትርጕም ዘለዎ ዕዮ ኣብ ምዕያይ እናነከና ከም እንኸይድ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ክንክዮ: ከምኡውን ንርእስና ባህ ኣብ ምባል ክንጥሕል ከተባብዓና ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ዕረፍቲ እምበኣር: ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ክህልወና ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ክንዲ ካብ መጠን ንላዕሊ ምጽዓር—ብፍላይ እኳ እቲ ዓለማዊ ስራሕ ዘየድሊ ምስ ዝኸውን—ሒደት ዕረፍቲ ክንወስድ ኢዩ ዝምሕጸነና። (መክብብ 4:6) ሽሕ’ኳ ዕረፍቲ ንኣካላትና ሓይሉ ከሐድስ ዝሕግዞ እንተዀነ: ምንጪ ናይ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ግን እቲ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:29-31) ነዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ኣብቲ ክርስትያናዊ ንጥፈታትና ክንጽመድ ከሎና ኢና እንረኽቦ። ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንኣልባብና ይምግቦ ኢዩ: ቅኑዕ ድራኸታት ከኣ የለዓዕለልና። ኣኼባታት ምክፋል ኣብ ፈጣሪና ዘሎና ሞሳ የዕብየልና ኢዩ። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስታፍ ኣብ ካልኦት ሰባት ዘሎና ስምዒት የዕብየልና። (1 ቈረንቶስ 9:22, 23) ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ክውንነት ተመርኲሱ ዝገለጾ “እቲ ግዳማዊ ሰብ ብርግጽ እናበለየ ኢዩ ዝኸይድ: እቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ግን መዓልቲ-መዓልቲ ሓድሽ ሓይሊ ኢዩ ዝቕበል።”—2 ቈረንቶስ 4:16 ፊሊፕስ።
ኣደ ሽዱሽተ ቘልዑን ዘይኣማኒ ሰብኣይ ዘለዋን ኢለያና: ኣዝዩ ትሑዝ ናብራ ኢያ እተሕልፍ። ንስድራቤታን ንብዙሓት ካልኦት ኣዝማድን ሓላፍነት ስለ ዘለዋ ናብርኣ ወትሩ ጕያ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ስብከትን ንኣኼባታት ኣብ ምድላውን እውን እትነኣድ ኣብነት ኢያ። ነዚ ዅሉ ንጥፈታት እዚ ከመይ ገይራ ኢያ ከተካይዶ እትኽእል፧
ኢለያና ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኣኼባታትን ግራት ኣገልግሎትን ነቲ ኻልእ ሓላፍነታተይ ክዋጽኣሉ ብሓቂ ይሕግዘኒ ኢዩ። ንኣብነት: ካብ ስብከት ምስ ተመለስኩ ናይ ገዛ ዕዮይ እናዓየኹ ብዙሕ ክሓስበሉ ዝኽእል ነገራት እረክብ። መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕብኡ ክሓስብ ከለኹ እዝምር። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: ኣኼባ እንተድኣ ኣብኲረ ወይ ከኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንተድኣ ዘይዓየኹ ናይ ገዛ ዕዮ ብሓቂ ከቢድ ስራሕ ኢዩ ዝኸውን።”
እዝስ ምስቲ ንምዝንጋዕ ብዙሕ ተገዳስነት ምርኣይ ክነጻጸር ከሎ ክሳዕ ክንደይ እተፈለየ ኰን ኢዩ!
መንፈሳዊ ጽባቐ ንየሆዋ የሐጕሶ ኢዩ
ኣብዛ ብቐጻሊ ብናይ ኣካላዊ ትርኢት ኣተሓሳስባ ተዋሒጣ ዘላ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። ሰባት ኣብቲ ንመልክዖም ንምምሕያሽን ናይ እርጋን ሳዕቤናት ንምንካይን እተዳለወ ሜላታት ብዙሕ ገንዘብ ኢዮም ዘጥፍኡ። እዚ ድማ ሰብ ዝሰርሖ ጸጕሪ: ሕብሪ ምልካይ: ብመጥባሕቲ እተለቀበ ኣጥባት: ከምኡውን እተጨማደደ ቈርበት ንምጥፋእ ዝግበር መጥባሕቲ ዘጠቓለለ ኢዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብተን ክብደት ንምንካይ እተዳለዋ ማእከላት ከምኡውን ኣብ ናይ ምውስዋስ ኣካላትን ኣይሮቢክን ክፍልታት ይሳተፉ: ወይ ከኣ ምውስዋስ ኣካላት ዝምህር ቪድዮ ካሴትን ክብደት ንምንካይ ዝገልጽ መጻሕፍትን ይዕድጉ። ዓለም: ናይ ሓጐስ መፍትሕ ኣካላዊ ትርኢትና ምዃኑ: ማለት “ምስልና” ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከተእምነና ኢያ እትደሊ።
ኣብ ኒውስዊክ መጽሔት (እንግሊዝኛ) እተጠቕሰ ሓደ መጽናዕቲ 90 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ጸዓዱ ኣመሪካውያን ኰተቴ “ብኣካላቶም ከም ዘይሕጐሱ” ገለጸ። ቅርጺ ኣካላት ንምምሕያሽ ላዕልን ታሕትን ምባል ንመንፈሳውነትና ክሃስዮ ይኽእል ኢዩ። ዶራ እተባህለት መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር: ሚዛና ልዕል ዝበለ ብምንባሩ ብቕርጺ ኣካላታ ትሓፍር ነበረት። ከምዚ ብምባል ከኣ ትገልጽ:- “ንዕዳጋ እንተድኣ ወሪደ: ማዕረ ዓቐነይ ዝዀነ ክዳን ክረክብ እጽገም ነበርኩ። ዘመናዊ ክዳውንቲ ንቐጠንቲ መንእሰያት ተባሂሉ ጥራይ እተዳለወ ኢዩ ዝመስል። ካብዚ ዝኸፍአ ኸኣ ሰባት ብዛዕባ ርጕደይ ናይ ምቍንጻብ ሓሳባት ከቕርቡ ከለዉ: ብፍላይ እኳ እዚ ካብ መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ክመጽእ ከሎ ኣዝዩ የሕርቐኒ ነበረ።
“ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዛዕባ ቅርጺ ኣካላተይ እምብዛ እሓስብ ስለ ዝነበርኩ: መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወተይ ካልኣይ ቦታ ክሕዝ ጀመረ። እዚ ድማ ሓጐሰይ ኣብ ቅርጺ ሽምጠይ እተመርኰሰ ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ: ሕጂ ድማ ከም ሰበይትን ከም ክርስትያንን መጠን በሲለ ኢየ: ንነገራት ብእተፈልየ መልክዕ ኢየ ዝጥምቶ። ብዛዕባ ቅርጺ ኣካላተይ ዝግድስ እኳ እንተ ዀንኩ: ዝያዳ ዘገድስ መንፈሳዊ ጽባቐ ምዃኑ እግንዘቦ ኢየ: ንሱ ኸአ ኢዩ እቲ ዝዓበየ ዕግበት ዘምጽኣለይ። ነዚ ሓንሳእ ምስ ተረዳእክዎ ኸኣ ንረብሓታት እታ መንግስቲ ግቡእ ቦትኡ ክህቦ ጀመርኩ።”
ሳራ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረት ከምዚ ዝኣመሰለ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ድማ ዝነበራ እምንቲ ሰበይቲ ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ልዕሊ ጓል 60 ዓመት ምስ ኰነት ዝነበራ ኣካላዊ ጽባቐ ዝዛረብ እኳ እንተዀነ: ቀንዲ ግን ኣብቲ ሰናይ ባህርያታ—ኣብቲ ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ—ኢዩ ዘተኵር። (ዘፍጥረት 12:11፣ 1 ጴጥሮስ 3:4-6) ወረጃን ዓቃልን መንፈስ ኣንጸባሪቓ ኢያ: ንሰብኣያ ኸኣ ትሕት ኢላ ተኣዘዘቶ። ሳራ: ካልኦት ብኸመይ ኢዮም ዝምልከቱኒ ዝብል ዘይግቡእ ሻቕሎት ኣይነበራን። ካብ ሃብታም ስድራቤት ዝመጸት እኳ እንተ ነበረት: ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝኸውን ኣብ ድንኳናት ብፍታው ተቐመጠት። ብዓቕልን ብዘይ ስስዐን ንሰብኣያ ደገፈቶ፣ ናይ እምነት ሰበይቲ ኢያ ነይራ። እዚ ድማ ኢዩ ብሓቂ ምልክዕቲ ሰበይቲ ዝገበራ።—ምሳሌ 31:30፣ እብራውያን 11:11
ከም ክርስትያናት መጠን ነቲ በብግዜኡ እንተድኣ ተዀስኲሱ ክዓብን ነባሪ ክኸውንን ዝኽእል መንፈሳዊ ጽባቐና ኣብ ምምሕያሽ ንግደስ ኢና። (ቈሎሴ 1:9, 10) ንመንፈሳዊ ትርኢትና ብኽልተ መገድታት ክንከናኸኖ ንኽእል ኢና።
ኣብቲ ህይወት ዘድሕን ኣገልግሎትና ብእተኻፈልና መጠን ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ዝያዳ ምልኩዓት ኢና እንኸውን። (ኢሳይያስ 52:7፣ 2 ቈረንቶስ 3:18–4:2) ኣብ ርእሲ እዚውን ክርስትያናዊ ባህርያት ንምንጽብራቕ ብእተማሃርና መጠን ጽባቐና ኸኣ ይውስኽ። መንፈሳዊ ጽባቐና ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ኣጋጣሚታት ብዙሓት ኢዮም:- “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም: ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። . . . ብመንፈስ ተቓጸሉ: . . . ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። . . . ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ: ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። . . . ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። . . . ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።” (ሮሜ 12:10-18) ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ምዅስኳስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ደቅሰብን የኽብረና ኢዩ: ነቲ ሕማቕ ትርኢት ናይቲ ዝወረስናዮ ሓጥእ ዝምባለታት ከኣ ይንክዮ ኢዩ።—ገላትያ 5:22, 23፣ 2 ጴጥሮስ 1:5-8
ንመንፈስ ዓለም ክንቃለሶ ንኽእል ኢና!
እቲ መርዛም ዝዀነ መንፈስ ዓለም ብብዙሕ ሰላሕታዊ መገድታት ንንጽህናና ከባላሽዎ ይኽእል ኢዩ። በቲ ዘሎና ከም ዘይንዓግብ: ከምኡውን ነቲ ናይ ገዛእ ርእስና ድልየታትን ረብሓታትን ካብቲ ናይ ኣምላኽ ንምቕዳም ኢልና እምብዛ ከም እንጭነቕ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ወይውን ኣብ ምዝንጋዕ ወይ ከኣ ኣብ ኣካላዊ ትርኢት ዘይግቡእ ተገዳስነት ብምግባር ኣብ ክንዲ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ኣተሓሳስባ ሰባት ናብ ምሓዝ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ።—ምስ ማቴዎስ 16:21-23 ኣረኣእዮ።
ሰይጣን መንፈሳውነትና ንምጥፋእ ቈሪጹ ኢዩ: መንፈስ ዓለም ከኣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣጽዋሩ ኢዩ። ድያብሎስ ንሜላታቱ ካብ ዝጓዝም ኣንበሳ ናብ ጐራሕ ተመን ክቕይሮ ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ። (ዘፍጥረት 3:1፣ 1 ጴጥሮስ 5:8) ስሕት ኢላ ዓለም ንሓደ ክርስትያን ብሕሱም መስጐጕቲ ተሰንፎ ኢያ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን ቀስ ኢላ ኢያ እትምርዞ። ጳውሎስ ከኣ ብዛዕባ እቲ ዳሕረዋይ ሓደጋ ኢዩ ዝያዳ እተሻቐለ:- “ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ: ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ።”—2 ቈረንቶስ 11:3
ንገዛእ ርእስና ካብ ጕርሒ ናይቲ ተመን ምእንቲ ክንከላኸለላ: ነቲ ‘ካብ ዓለም’ ዝዀነ ፕሮፖጋንዳ ኣለሊና ብሓይሊ ክንነጽጎ ከድልየና ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:16) ኣተሓሳስባ ዓለም ክህልወካ ምንም ጕድኣት የብሉን ኢልና ብምእማን ክንታለል ኣይግብኣናን ኢዩ። እቲ መርዛም ኣየር ናይ ሰይጣን ኣገባብ ኣብ ዘስግእ ደረጃ ኢዩ በጺሑ ዘሎ።—ኤፌሶን 2:2
ንዓለማዊ ኣተሓሳስባ ሓንሳእ ምስ ኣለለናዮ: ንኣእምሮናን ኣልባብናን በቲ ናይ የሆዋ ጽሩይ ትምህርትታት ብምምላእ ክንቃለሶ ንኽእል ኢና። ከም ንጉስ ዳዊት ንሕናውን “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ: ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን” ንበል።—መዝሙር 25:4, 5
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ መተካእታ ኣስማት ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ምቾት ዘለዎ ኣነባብራ ክህልወካ ምጽዓር: ካብ መንፈሳዊ ሸቶታት ከላግሰና ይኽእል ኢዩ