ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/01 ገጽ 8
  • ንምዝንጋዕ እቲ ግቡእ ቦታኡ ሃቦ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንምዝንጋዕ እቲ ግቡእ ቦታኡ ሃቦ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዘናግዒኻ ጠቓሚ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ክፍሊ 9--ኣብ ምዝንጋዕ እተሕልፎ ግዜ
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • መንፈስ ዓለም ይምርዘካዶ ኣሎ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 8/01 ገጽ 8

ንምዝንጋዕ እቲ ግቡእ ቦታኡ ሃቦ

1 ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ዅላትና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ህይወትና ለውጢ ኽንገብር ንደሊ ኢና። ምዝንጋዕ ድማ ግቡእ ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብ ምዝንጋዕን ማሕበራዊ ጕዳያትን ብዙሕ ግዜ ምጥፋእ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እተሕልፎ ግዜ እናጸበበ ከም ዝኸይድ ኢዩ ዝገብሮ። ንምዝንጋዕ እቲ ግቡእ ቦታኡ ኽንህቦ ይግብኣና። (ማቴ. 5:⁠3) እዚ ኸመይ ገይርካ ይከኣል፧ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 5:⁠15-17 ዘሎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኢዩ።

2 ደረት ግበረሉ:- ጳውሎስ ክርስትያናት ኣብ ኣነባብርኦም “ጥንቃቐ” ክገብሩ ከም ዘለዎም ጽሒፍሎም ኣሎ። ምዝንጋዕ ደረት ንኽህልዎ ሚዛናዊ ምዃንን ነፍስኻ ምግታእን ይሓትት። ንግዜ ዕረፍትና እንጥቀመሉ ኣገባብ ኣርዚንና ክንሓስበሉ ጥበባዊ ኢዩ። ምዝንጋዕ: ግዜና ብኸንቱ ከም ዘጥፋእና ዀይኑ ከም ዝስምዓናን ከም ዝደኽመናን ዝገብር ዘይኰነስ ገለ ጠቓሚ ዕላማ ክህልዎ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ምዝንጋዕ ግዜ ድሕሪ ምሕላፍና ከንቱነትን ዘይምዕጋብን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ናይ ገበን ስምዒት ዝሓድረና እንተድኣ ዀይኑ: እዚ ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜና ምትዕርራይ ክንገብር ከም ዘድሊ ኢዩ ዝሕብረና።

3 ምኽንያታዊ ኹን:- ጳውሎስ ነቲ ኣብ ናብራ ህይወትና ዝያዳ ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ‘ግዜ ክንዕድግ’ ድኣ እምበር “ዓያሱ” ከይንኸውን ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ናብራ ህይወቶም ኣብ ምዝንጋዕ ዘተኰረ ክኸውን ኣይደልዩን ኢዮም። ዕረፍትን ምዝንጋዕን ንኣካላትና ዘሐድስ እኳ እንተዀነ ምንጪ መንፈሳዊ ብርታዐ ግን እቲ መስለጢ ሓይሊ የሆዋ ኢዩ። (ኢሳ. 40:⁠29-31) መንፈሱ እንረክብ ብምዝንጋዕ ዘይኰነስ ኣብ ከም እኒ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ግራት ኣገልግሎት ዝኣመሰለ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ብምስታፍ ኢዩ።

4 ነቲ ኣድላዪ ብቐዳምነት ስርዓዮ:- ጳውሎስ ንክርስትያናት ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ከስተውዕሉ’ መምርሒ ሂብዎም ኢዩ። የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቀዳምነት ብምሃብ ንጥፈታትና ኣብታ መንግስቲ ከም ዘተኵር ክንገብሮ ምሂሩና ኢዩ። (ማቴ. 6:⁠33) ምስቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ ተሰማሚዕና ከም እንነብር ንዝገብረና ነገራት ብቐዳምነት ክንሰርዖ የድሊ። ድሕርዚ እቲ ንምዝንጋዕ እንህቦ ግዜ ግቡእ ቦታኡ ዝሓለወ ይኸውን። በዚ ድማ እቲ ምዝንጋዕ ጥዑይ ውጽኢት ይህልዎ: ኣጸቢቕና ድማ ንሕጐሰሉ።​—⁠መክ. 5:⁠12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ