ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ
1 እቲ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ዘሎና ባህጊ: ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ከም እነተኵር ይገብረና። ቃሉ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ’ ኸምኡውን ‘እቲ ዚሓይሽ ክንምርምር’ መምርሒ ይህበና። (ማቴ. 6:33፣ ፊል. 1:10) ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚኸውን ጊዜ ኽንዕድግ ከምኡውን ነቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ንጥፈታት ካልኣይ ቦታ ኽንህብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ኤፌ. 5:15-17
2 ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቐድም:- ግዜኻ ብዙሕ ኣገዳስነት ብዘይብሉ ንጥፈታት ምእንቲ ኸይባኽን መደብ ኣውጽእ። ገሊኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ንግራት ኣገልግሎት ዚኸውን ግዜ ብምሕዛእ መደብ የውጽኡ። ነዚ መደብ እዚ ዚዓናቕፍ ነገራት ከየእትዉ ድማ ይጥንቀቑ። ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ንብሕታዊ መጽናዕቲ: ኸምኡውን ንዓበይቲ ኣኼባታት ዚኸውን ግዜ ንምዕዳግ እውን ከምዚ ኺግበር ይከኣል እዩ። ብዙሓት: ንግሆ ወይ ምሸት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ መደብ ኣለዎም። ንነፍሲ ወከፍ ኣገዳሲ ንጥፈት ፍሉይ ግዜ መድብ: ነቲ መደብካ ኻልእ ነገራት ኪዓናቕፎ ድማ ኣይተፍቅድ።—መክ. 3:1፣ 1 ቈረ. 14:40
3 ነቲ ኻብ ዓለም እትረኽቦ ጥቕሚ ደረት ግበረሉ:- ኣብ ገሊኡ ዓድታት ስፖርት: መዘናግዒ: መሕለፍ ግዜ: ከምኡውን ካልእ ንጥፈታት ፈቐዶኡ እዩ ዚርከብ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ተለቪዥንን ኣብ ኮምፕዩተርን ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ እዮም ዜሕልፉ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ መዘናግዒታትን ሓደስቲ ኣቑሑትን ብዙሕ ግዜ ምጥፋእ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ጓሂ እዩ ዚመርሕ። (1 ዮሃ. 2:15-17) ቅዱሳት ጽሑፋት: በዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘይተጠቐምና ኽንከውን እዩ ዚምሕጸነና። (1 ቈረ. 7:31) ነዚ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ እዚ ብምስዓብ: ንኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ኸም እትሰርዖ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።—ማቴ. 6:19-21
4 ነዚ ኣገባብ እዚ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ እናተጸንቀቐ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። እቶም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ዚህቡ ሓጐስን ስምረት ኣምላኽን ኪረኽቡ እዮም። (ምሳ. 8:32-35፣ ያእ. 1:25) ስለዚ እምበኣር ነቲ ኽቡር ሃብቲ ዝዀነ ግዜና ብጥበብ ንጠቐመሉ።