ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/05 ገጽ 1
  • ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንምዝንጋዕ እቲ ግቡእ ቦታኡ ሃቦ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ምቹእ ግዜ ብኸመይ ከም ዝዕደግ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • መዘናግዒኻ ጠቓሚ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ቀዳምነት እትህቦ ነገር እንታይ እዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 9/05 ገጽ 1

ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ

1 እቲ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ዘሎና ባህጊ: ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ከም እነተኵር ይገብረና። ቃሉ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ’ ኸምኡውን ‘እቲ ዚሓይሽ ክንምርምር’ መምርሒ ይህበና። (ማቴ. 6:33፣ ፊል. 1:10) ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚኸውን ጊዜ ኽንዕድግ ከምኡውን ነቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ንጥፈታት ካልኣይ ቦታ ኽንህብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ኤፌ. 5:15-17

2 ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቐድም:- ግዜኻ ብዙሕ ኣገዳስነት ብዘይብሉ ንጥፈታት ምእንቲ ኸይባኽን መደብ ኣውጽእ። ገሊኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ንግራት ኣገልግሎት ዚኸውን ግዜ ብምሕዛእ መደብ የውጽኡ። ነዚ መደብ እዚ ዚዓናቕፍ ነገራት ከየእትዉ ድማ ይጥንቀቑ። ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ንብሕታዊ መጽናዕቲ: ኸምኡውን ንዓበይቲ ኣኼባታት ዚኸውን ግዜ ንምዕዳግ እውን ከምዚ ኺግበር ይከኣል እዩ። ብዙሓት: ንግሆ ወይ ምሸት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ መደብ ኣለዎም። ንነፍሲ ወከፍ ኣገዳሲ ንጥፈት ፍሉይ ግዜ መድብ: ነቲ መደብካ ኻልእ ነገራት ኪዓናቕፎ ድማ ኣይተፍቅድ።—መክ. 3:1፣ 1 ቈረ. 14:40

3 ነቲ ኻብ ዓለም እትረኽቦ ጥቕሚ ደረት ግበረሉ:- ኣብ ገሊኡ ዓድታት ስፖርት: መዘናግዒ: መሕለፍ ግዜ: ከምኡውን ካልእ ንጥፈታት ፈቐዶኡ እዩ ዚርከብ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ተለቪዥንን ኣብ ኮምፕዩተርን ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ እዮም ዜሕልፉ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ መዘናግዒታትን ሓደስቲ ኣቑሑትን ብዙሕ ግዜ ምጥፋእ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ጓሂ እዩ ዚመርሕ። (1 ዮሃ. 2:15-17) ቅዱሳት ጽሑፋት: በዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘይተጠቐምና ኽንከውን እዩ ዚምሕጸነና። (1 ቈረ. 7:31) ነዚ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ እዚ ብምስዓብ: ንኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ኸም እትሰርዖ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።—ማቴ. 6:19-21

4 ነዚ ኣገባብ እዚ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ እናተጸንቀቐ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። እቶም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ዚህቡ ሓጐስን ስምረት ኣምላኽን ኪረኽቡ እዮም። (ምሳ. 8:32-35፣ ያእ. 1:25) ስለዚ እምበኣር ነቲ ኽቡር ሃብቲ ዝዀነ ግዜና ብጥበብ ንጠቐመሉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ