ካብ “መዓልቲ የሆዋ” ምድሓን
“መዓልቲ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን እያ: መንከ ኺጽመማ ይኽእል፧”—ዮኤል 2:11
1. እታ ‘እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ’ ናይ ሓጐስ ኣጋጣሚ ክትከውን ዘለዋ ስለምንታይ ኢዩ፧
‘እተፍርህ’! እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ዮኤል ነታ ዓባይ “መዓልቲ የሆዋ” ከምዚ ገይሩ ኢዩ ገሊጽዋ። ይኹን እምበር: እቶም ንየሆዋ እነፍቅሮን ብመሰረት በጅነት መስዋእቲ የሱስ ድማ ህይወትና ንዕኡ ዝወፈናን ሰባት መዓልቲ የሆዋ ክትቀርብ ከላ ብፍርሂ ክንመክኽ ኣየድልየናን ኢዩ። ብሓቂ እተፍርህ መዓልቲ ክትከውን ኢያ: በቲ ሓደ ወገን ድማ መዓልቲ ዓቢ ድሕነት: ካብዚ ንደቅሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ዝኣክል ዘሳቕዮም ዘሎ እኩይ ኣገባብ ሓርነት እንረኽበላ መዓልቲ ክትከውን ኢያ። ነታ መዓልቲ እቲኣ ብምጥማት: ዮኤል ንህዝቢ ኣምላኽ ‘እግዚኣብሄር ዓብዪ ነገር ገይሩ ኢዩ እሞ: ኣይትፍርሁ: ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም’ ይብሎም። ቀጺሉ ድማ “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” ዝብል መረጋገጺ ይህብ። ድሕርዚ ኣብቲ ስርዓት መንግስቲ ኣምላኽ ‘ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ: ኣብቶም እግዚኣብሄር ዝጽውዖም ተረፍ ምድሓን ክኸውን ኢዩ።’—ዮኤል 2:11, 21, 22, 32
2. ዕላማ ኣምላኽ ክፍጸም ከሎ (ሀ) ኣብ ‘መዓልቲ ጐይታ’ (ለ) ኣብ “መዓልቲ የሆዋ” እንታይ ኢዩ ዝህሉ፧
2 እታ እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ ምስታ ኣብ ራእይ 1:10 ዘላ ‘መዓልቲ ጐይታ’ ከነደናግራ የብልናን። እዛ መዓልቲ ጐይታ ተባሂላ ዘላ ነቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 1 ክሳዕ 22 ተገሊጹ ዘሎ 16 ትርኢታት ፍጻሜኡ እተጠቓልል ኢያ። ነቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቱ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [“ምልክት ህላወኻን:” NW ]” መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ መልሲ ክህቦም ከሎ ዝጠቐሶ ነገራት ዝፍጸመሉ ግዜ እውን እተጠቓልል ኢያ። ሰማያዊ ህላወ የሱስ በቲ ኣብ ምድሪ ዝህሉ ዘፍርህ ‘ውግኣት: ጥሜት: ፌራ: ከምኡውን ዓመጻ’ ኢዩ ዝልለ። እዚ ግድላት እዚ እናበዝሐ ክኽይድ ከሎ: የሱስ ነቶም ዘመናውያን ደቀ መዛሙርቱ ‘ወንጌል መንግስቲ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ክሰብኩ’ ብምልኣኽ ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት መጸናንዒ የዳልወሎም ኣሎ። ድሕርዚ ከም ዝለዓለ ነጥቢ ናይ መዓልቲ ጐይታ ኰይኑ እቲ “መወዳእታ” ናይዚ ኣገባብ እዚ: እታ እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ: ክትጅምር ኢያ። (ማቴዎስ 24:3-14፣ ሉቃስ 21:11) ኣብ ልዕሊ እዚ ብልሹው ናይ ሰይጣን ዓለም ቅልጡፍ ፍርዲ ዝወርደላ መዓልቲ የሆዋ ክትከውን ኢያ። “ሰማይን ምድርን ከኣ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቈቢ . . . እዩ።”—ዮኤል 3:16
ብዘመን ኖህ የሆዋ ስጕምቲ ይወስድ
3. እዚ ሎሚ ዘሎ ኵነታት ምስቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ዅነታት ብኸመይ ይመሳሰል፧
3 ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ዅነታት ዓለም: ምስቲ ልዕሊ 4,000 ዓመታት ይገብር ዝነበረ ‘ዘመን ኖህ’ ዝመሳሰል ኢዩ። (ሉቃስ 17:26, 27) ኣብ ዘፍጥረት 6:5 ከምዚ ነንብብ:- “እግዚኣብሄር ከኣ: ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ።” እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ምስ እዛ ኣብዚ እዋን እዚ ዘላ ዓለም ዝሰማማዕ! እከይ: ስስዐ: ከምኡውን ፍቕሪ ዘይምህላው ኣብ ኵሉ ቦታ በዚሑ ኣሎ። ሓድሓደ እዋን ብልሽውና ደቅሰብ ኣብ ዝለዓለ ጫፉ ከም ዝበጽሐ ገይርና ንሓስብ ንኸውን። እንተዀነ ግን: እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ብምባል ብዛዕባ እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝሃቦ ትንቢት ገና ምፍጻም ይቕጽል ኢዩ ዘሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13
4. ኣብ ግዜ ጥንቲ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እንታይ ሳዕቤን ነይርዎ፧
4 ኣብ ግዜ ኖህ ሃይማኖት ንደቅሰብ ቅሳነት ከምጽኣሎም ክኢሉዶ ኢዩ፧ ኣንጻር ናይዚ: ከምቲ ሽዑ ዝነበረ ዝኣመሰለ ናይ ክሕደት ሃይማኖት ኣዕናዊ ኵነታት ንምምጻእ ዝያዳ ኣበረክቶ ገይሩ ክኸውን ኣለዎ። እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ነቲ ‘ድያብሎስን ሰይጣንን ዝብሃል ናይ ጥንቲ ተመን’ ዘምጽኦ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ኢዶም ሃቡ። ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ ካልኣይ ወለዶ ብላግጺ “ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ [“ክጽውዑ:” NW ] ጀመሩ።” (ራእይ 12:9፣ ዘፍጥረት 3:3-6፣ 4:26) ጸኒሖም ነቲ ንየሆዋ ዘርእይዎ ዝነበሩ ምሉእ ተወፋይነት ዝሓደጉ ዓለወኛታት መላእኽቲ ምስተን መልክዐኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዘይንቡር ጾታዊ ርክብ ንምግባር ሰብኣዊ ኣካላት ለበሱ። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ንደቅሰብ ዝጭቍኑን ዘጕባዕብዑን ዝነበሩ ነፍሊም ዝበሃሉ ገዘፍቲ ድቓላታት ወለዳ። ኣብ ትሕቲ እዚ ጋኔናዊ ጽልዋ እዚ ድማ “ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ።”—ዘፍጥረት 6:1-12
5. የሱስ ነቲ ኣብ ግዜ ኖህ እተፈጸመ ነገራት ብምጥቃስ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝህበና፧
5 ይኹን እምበር: ሓንቲ ስድራቤት ንየሆዋ ዝነበራ ንጽህና ሓለወት። ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ “ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ . . . ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ።” (2 ጴጥሮስ 2:5) ማይ ኣይሂ ነታ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ እትሕብር የሱስ ድማ “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ብዛዕብኣ እተነበየ መዓልቲ ጽላሎት ኢዩ። (ማቴዎስ 24:36-39) ኣብዚ እዋን እዚ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ኢና ዘሎና: ስለዚ ድማ ኢዩ የሱስ ‘ካብዚ ዚመጽእ ዅሉ ነገር ንምምላቝ ክንጥንቀቕን ክንነቅሕን’ ዘተባብዓና።—ሉቃስ 21:34-36
ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን የሆዋ ዘውረዶ ናይ ፍርዲ መቕጻዕቲ
6, 7. (ሀ) እቲ ኣብ ግዜ ሎጥ ዝነበረ ፍጻመታት ናይ ምንታይ ጽላሎት ኢዩ፧ (ለ) እዚኸ ንዓና እንታይ ንጹር ዝዀነ መጠንቀቕታ ኢዩ ዘመሓላልፈልና፧
6 ድሕሪ ማይ ኣይሂ ገለ ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ: ወለዶ ኖህ ምስ ተባዝሑ: እቲ እሙን ኣብርሃምን ወዲ ሓዉ ሎጥን ብዛዕባ ካልእ እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም። ሎጥን ስድራቤቱን ኣብ ከተማ ሶዶም ይቕመጡ ነበሩ። እዛ ከተማ እዚኣ ምስታ ጐረቤታ ጎሞራ ኣብ ዘስካሕክሕ ናይ ጾታዊ ርክብ ዘይስነ-ምግባራውነት ወዲቓ ነበረት። ፍቕረ-ንዋይ እቲ ኣቓልቦ ዝግበሮ ዝነበረ ቀንዲ ነገር ኢዩ ነይሩ: እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ንሰበይቲ ሎጥ እውን ከይተረፈ ተንከፋ። የሆዋ ንኣብርሃም “ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን በዚሑ እዩ እሞ: ሓጢኣቶም ከኣ ኣዝዩ በርቲዑ እዩ” በሎ። (ዘፍጥረት 18:20) ኣብርሃም ንየሆዋ ምእንቲ እቶም ኣብአን ዝነበሩ ጻድቃን ሰባት ኢሉ ነተን ከተማታት ክንሕፈን ለመኖ: የሆዋ ግን ዓሰርተ እውን ይኹኑ ጻድቃን ሰባት ክረክብ ከም ዘይከኣለ ነገሮ። ንሎጥን ክልተ ኣዋልዱን ናብታ ኣብ ጥቕኦም ዝነበረት ከተማ ዞኣር ንኽሃድሙ ካብ ኣምላኽ እተላእኩ መላእኽቲ ሓገዝዎም።
7 ድሕሪኡኸ እንታይ ሰዓበ፧ ሉቃስ 17:28-30 ነዘን ኣብ ግዜና ዘለዋ “ዳሕሮት መዓልትታት” ምስ ግዜ ሎጥ ኣወዳዲራ ከምዚ ኢላ ጸብጻብ ትህብ:- “ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፤ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሀንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ: ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍኤ። በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።” እቲ ኣብታ እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን ዝወረደ ጥፍኣት: ንዓና ኣብዚ እዋን ህላወ የሱስ ንዘሎና ንጹር መጠንቀቕታ ኢዩ። እዚ ዘመናዊ ወለዶ ደቅሰብ እውን ‘መንዚሩ: ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ስዒቡ’ ኢዩ። (ይሁዳ 7) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ነቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ክፍጸም ኢዩ እተባህለ ‘ፌራ’ ምኽንያት ኢዩ።—ሉቃስ 21:11
እስራኤል “ህቦብላ” ትዓጽድ
8. እስራኤላውያን ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ኪዳን ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ሓልዮምዎ፧
8 ኣብቲ ምዱብ እዋኑ የሆዋ ንእስራኤል ‘ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘቡ: መንግስቲ ካህናትን ቅዱስ ህዝብን ክዀንዎ’ መረጾም። እዚ ግን: ‘ቃሉ ኣብ ምስማዕን ኪዳኑውን ኣብ ምሕላውን’ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 19:5, 6) ነዚ ዓቢ መሰል እዚ ኣኽቢሮምዎዶ ኢዮም፧ ፈጺሞም ኣየኽበርዎን! ካብቲ ህዝቢ እቲ ዝነበሩ ከም በዓል ሙሴ: ሳሙኤል: ዳዊት: ዮሳፋጥ: ህዝቅያስ: ዮስያስ: ከምኡዉን ውፉያት ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነብያት ብተኣማንነት ከም ዘገልገልዎ ሓቂ ኢዩ። እቲ ህዝቢ ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ግን እሙን ኣይነበረን። ድሕሪ ገለ ግዜ እታ መንግስቲ ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ኣብ ክልተ ተኸፍለት። ብሓፈሻ ግን ክልቲኣቶም ህዝብታት ኣብቲ ጐረባብቶም ሃገራት ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣረማዊ ኣምልኾን ካልእ ንኣምላኽ ዘየኽብር ልምድታትን ተኣልኩ።—ህዝቅኤል 23:49
9. የሆዋ ነታ ዓሰርተ ነገድ ሒዛ ዝነበረት ዓለወኛ መንግስቲ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝፈረዳ፧
9 የሆዋ ነቲ ዝነበረ ነገራት ብኸመይ ፈረዶ፧ ከምቲ ኵሉ ግዜ ዝገብሮ: ምስቲ “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” ዝብል ኣሞጽ ዝገለጾ ስርዓት ብምስምማዕ መጠንቀቕታ ሃቦም። ኣሞጽ ንገዛእ ርእሱ ነታ ብወገን ሰሜን ዝነበረት መንግስቲ እስራኤል “መዓልቲ እግዚኣብሄር እንታይ ትጠቕመኩም፧ ንሳስ ጸልማት እያ: ብርሃን ኣይኰነትን” ኢሉ ኣወጀላ። (ኣሞጽ 3:7፣ 5:18) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቲ ምስ ኣሞጽ ዝነበረ ነብዪ ሆሴእ “ንፋስ ይዘርኡ አለዉ: ህቦብላ ኺዐጽዱ እዮም” ኢሉ ኣወጀ። (ሆሴእ 8:7) ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ሰራዊት ኣሶር ተጠቒሙ ነታ ብወገን ሰሜን ዝነበረት መንግስቲ እስራኤል ንሓዋሩ ከም እትጠፍእ ገበረ።
የሆዋ ምስታ ከሓዲት ይሁዳ ዝገበሮ ምጽብጻብ
10, 11. (ሀ) የሆዋ ንይሁዳ ይቕረ ኽብለላ ዘይፈተወ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ዘፈንፍን ነገር ኢዩ ነቲ ህዝቢ ዘበላሸዎ፧
10 የሆዋ ናብታ ብወገን ደቡብ ዝነበረት መንግስቲ ይሁዳ እውን ነብያቱ ልኢኹ ኢዩ። ገና ግን ከም በዓል ምናሴን ብድሕሪኡ ዝመጸ ኣሞንን ዝኣመሰሉ ነገስታት ይሁዳ ‘ኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ብምፍሳስን ንጣኦታት ብምግልጋልን ብምስጋድን’ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክፉእ ዘበለ ምግባር ቀጸሉ። ወዱ ንኣሞን ዮስያስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቅኑዕ ዘበለ ነገራት እኳ እንተገበረ: እቶም ብድሕሪኡ ዝመጹ ነገስታትን እቲ ህዝብን ግን እንደገና ኣብ እከይ ወደቑ: ስለዚ ድማ “እግዚኣብሄር ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን።”—2 ነገስት 21:16-21፣ 24:3, 4
11 የሆዋ ብነብይኡ ኤርምያስ ኣቢሉ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ:- “ኣብታ ሃገር እቲኣ ጕድን ዜሰክሕን እዩ ዚግበር ዘሎ: ነብያት ብሓሶት ይንበዩ: ካህናት ከኣ ብኢዶም ይገዝኡ አለዉ: ህዝበይውን ባህ ኢልዎ ይሰምሮ አሎ። ኣብ መወዳእታኡ ደኣኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧” ሃገረ ይሁዳ መጠኑ ብዝሓለፈ ደረጃ ናይ ደም ገበነኛ ኰነት: እቶም ህዝባ ድማ ብስርቂ: ቅትለት: ዝሙት ብምፍጻም: ብሓሶት ብምምሓል: ደድሕሪ ካልኦት ኣማልኽቲ ብምኻድ: ከምኡውን ካልእ ዘፈንፍን ነገራት ብምግባር ተበላሸዉ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ ድማ “በዓቲ ጐሓሉት” ኰነት።—ኤርምያስ 2:34፣ 5:30, 31፣ 7:8-12
12. የሆዋ ነታ ስዲ ዝኸደት የሩሳሌም ንምቕጻዕ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧
12 የሆዋ “ካብ ሰሜን [ሃገር ከለዳውያን] መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ከምጽእ እየ” ኢሉ ኣወጀ። (ኤርምያስ 4:6) ስለዚ ድማ: ነታ ስዲ ዝኸደት የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ንምዕናው ነታ ኣብቲ እዋን እቲ “ሞደሻ ዅሉ ምድሪ” ዝነበረት ሓይሊ ዓለም ባቢሎን ተጠቕመ። (ኤርምያስ 50:23) ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ነቲ ዝነበረ ጽንኩር ከባባ ስዒቡ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓያል ሰራዊት ነቡካድነጻር ወደቐት። “ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ [ንጉስ] ጼድቅያስ ኣብ ሪብላ: ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሐረዶም: ንዅሎም እቶም ከበርቴ ይሁዳ ኸኣ ንጉስ ባቢሎን ሐረዶም። ንጼድቅያስ ኣዒንቱ ኣንቈሮ: ናብ ባቢሎን ኪወስዶ ድማ: ብድርብ መቝሕ ነሓሲ አሰሮ። እቶም ከለዳውያን ከኣ ንቤት ንጉስን ነባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣንደድወን: ቀጽርታት የሩሳሌም ድማ ኣፍረሱ። ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ህዝብን ነቶም ቅድም ኣብኡ ዝአተዉን ነቲ ተረፍ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።”—ኤርምያስ 39:6-9
13. ካብታ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረት መዓልቲ የሆዋ ዝደሓኑ መን ኢዮም: ስለምንታይከ፧
13 ብርግጽ እተፍርህ መዓልቲ! እንተዀነ ግን: እቶም ንየሆዋ እተኣዘዙ ውሑዳት ነፍሳት ካብ መንጎ እቶም ካብቲ ርሱን ፍርዲ ዝደሓኑ ኢዮም ነይሮም። እዚኣቶም ነቶም ምስ ኣይሁዳውያን ብምንጽጻር ናይ ትሕትናን ምእዛዝን መንፈስ ዘርኣዩ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሬካባውያን እውን ዘጠቓልሉ ኢዮም። እቲ ንኤርምያስ ካብቲ ጭቃ ዝነበሮ ዔላ ካብ ሞት ዘውጽኦ እሙን ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክን እቲ እሙን ጸሓፊ ናይ ኤርምያስ ዝነበረ ባሩኽን ድሒኖም ኢዮም። (ኤርምያስ 35:18, 19፣ 38:7-13፣ 39:15-18፣ 45:1-5) ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኢዩ የሆዋ “ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ: መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ: ሓሳብ ደሓን እምበር: ናይ ክፉእ ኣይኰነን” ኢሉ ዝነገረ። እዚ መብጽዓ እዚ እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ኣይሁዳውያን በቲ ንባቢሎን ዝሰዓረ ንጉስ ቂሮስ ሓራ ወጺኦም ንኸተማ የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን እንደገና ክሃንጹ ምስ ተመልሱ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ንኡስ ፍጻሜኡ ረኺቡ ኢዩ። እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ባቢሎናዊ ሃይማኖት ወጺኦም ናብቲ ናይ የሆዋ ጽሩይ ኣምልኾ እተመልሱ ሰባት እውን ብተመሳሳሊ ኣብታ እትምለስ ናይ የሆዋ ገነት ዘለኣለማዊ ሰላም ዝረኽብሉ ክቡር መጻኢ ብተስፋ ኣማዕድዮም ክጥምቱ ይኽእሉ ኢዮም።—ኤርምያስ 29:11፣ መዝሙር 37:34፣ ራእይ 18:2, 4
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ “ዓቢ ጸበባ”
14. የሆዋ ንእስራኤላውያን ንሓዋሩ ዝነጸጎም ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ኣቓልቦና ናብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ንግበር። ኣብቲ እዋን እቲ እቶም እተመልሱ ኣይሁዳውያን እንደገና ኣብ ክሕደት ወደቑ። የሆዋ ቅቡኡ ወይ ድማ መሲሑ ንክኸውን ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። ኣብቲ ካብ 29 ክሳዕ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ዓመታት የሱስ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ” እናበለ ኣብ ምልእቲ ሃገር እስራኤል ሰበኸ። (ማቴዎስ 4:17) ኣብ ርእሲ እዚ: ናይ መንግስቲ ብስራት ክእውጅ ከሎ ምስኡ ዝካፈሉ ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቡን ኣለማሚዱን ኢዩ። እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ብኸመይ መለሱ፧ ንየሱስ ኣቈናጸብዎ: መወዳእትኡ ድማ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ብዘሳቒ ሞት ከም ዝመውት ብምግባር ዘስካሕክሕ ዓመጽ ፈጸሙ። የሆዋ ድማ ንኣይሁድ ህዝቡ ከይኰኑ ደርበዮም። ሕጂ ምንጻግ ናይዚ ህዝቢ እዚ ንሓዋሩ ኰነ።
15. እቶም እተናስሑ ኣይሁዳውያን እንታይ ንኽገብሩ ኢዮም መሰል ዝረኸቡ፧
15 ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ዝተንስአ የሱስ መንፈስ ቅዱስ ኣፍሰሰ: እዚ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ነቶም ብኡንብኡ እተኣከቡ ኣይሁዳውያንን ጵሮሴሊታትን ብቛንቋታት ንኽዛረብዎም ሓይሊ ሃቦም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ እኩብ ህዝቢ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ:- “ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ: በዚ ንሕና ዅላትና ም[ስ]ክር ኢና። . . . እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ: ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ: ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ።” እቶም ቅኑዕ ልቢ ዝነበሮም ኣይሁዳውያን ብኸመይ መለስሉ፧ “ልቦም ተወግኤ:” ካብ ሓጢኣቶም ተነስሑ: ተጠምቁ ድማ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:32-41) ስብከት ናይታ መንግስቲ ተቐላጠፈ: ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ድማ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ከም ዝበጽሖ ተገብረ።—ቈሎሴ 1:23
16. የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስጋውያን እስራኤል ፍርዱ ንኸውርድ ዝመርሐ ፍጻመታት ብኸመይ ኢዩ ዝኣልዮ ነይሩ፧
16 እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም እተነጽጉ ህዝቡ: ስጋውያን እስራኤል ፍርዲ ዘውርደሉ እዋን በጽሐ። ካብታ ሽዑ ዝነበረት ምልእቲ ዓለም እተዋጽኡ ብዙሓት ኣሽሓት ህዝብታት ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወሓዙ: መንፈሳውያን ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ኰይኖም ድማ ተቐብኡ። (ገላትያ 6:16) ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ግን ኣብ ጽልእን ምክፍፋል ዘለዎ ዓመጻን ጥሒሉ ነበረ። ኣንጻር እቲ ‘ንላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክንግዛእ’ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ስርዓት ብምኻድ ብግልጺ ካብታ ኣብ ልዕሊኦም እትገዝእ ዝነበረት ናይ ሮሜ ሓይሊ ዓለም ዓለዉ። (ሮሜ 13:1 NW ) የሆዋ ነቲ ስዒቡ ዝመጸ ፍጻመታት ባዕሉ ከም ዝመርሖ ፍሉጥ ኢዩ። ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ትሕቲ ጀነራል ጋለስ ዝምራሕ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ንምኽባብ ገስገሰ። እቶም ዘጥቅዑ ዝነበሩ ሮማውያን ናይቲ ቤት መቕደስ መንደቕ ክሳዕ ዘፍርሱ ናብ ውሽጢ ገጾም ኣተዉ። እቲ ጀሰፈስ ዝጸሓፎ መዝገብ ከም ዝሕብሮ: ኣብታ ከተማን ኣብቲ ህዝብን ብሓቂ ጸበባ ነበረ።a እንተዀነ ግን ብሃንደበት እቶም ዘጥቅዑ ዝነበሩ ወተሃደራት ሃደሙ። እዚ ድማ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:15, 16 ተመዝጊቡ ዘሎ ‘ናብ ኣኽራን ንኽሃድሙ’ ኣጋጣሚ ከፈተሎም።
17, 18. (ሀ) የሆዋ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ፍትሓዊ ስጕምቲ ዝወሰደ በየናይ ጸበባ ገይሩ ኢዩ፧ (ለ) ኣየኖት ስጋ ኢዮም ‘ዝደሓኑ:’ እዚኸ ናይ ምንታይ ጽላሎት ኢዩ ነይሩ፧
17 ይኹን እምበር: እቲ ፍርዲ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክፍጸመሉ ዝነበሮ ዝለዓለ ደረጃ ናይቲ ጸበባ ገና ክመጽእ ነበሮ። ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ሮሜ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ጀነራል ታይተስ ኰይኖም ንመጥቃዕቲ ተመልሱ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ውግእ ወሳኒ ኢዩ ነይሩ! እቶም ኣብ ንሓድሕዶም እውን ከይተረፈ ዝዋግኡ ዝነበሩ ኣይሁድ ምስ ሮማውያን ዝመጣጠኑ ኣይነበሩን። እታ ከተማን ቤት መቕደሳን ሓመደን ንላዕሊ ኰና። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ዝማሰኑ ኣይሁዳውያን ተሳቐዩን ሞቱን: ገለ 600,000 ዝኸውን ሬሳታት ድማ ካብ ደጌታት እታ ከተማ ወጻኢ ተደርበየ። እታ ከተማ ምስ ዓነወት 97,000 ኣይሁዳውያን ንምርኮ ተወስዱ: ብዙሓት ድማ ጸኒሖም ኣብቲ ናይ ቃልሲ ትርኢታት ክሞቱ ነበሮም። ብሓቂ ካብቲ ናይ ጸበባ ዓመታት ዝደሓኑ ስጋ እቶም ስግር ሩባ ዮርዳኖስ ናብ ዝነበረ ኣኽራናት ዝሃደሙ እዙዛት ክርስትያናት ጥራይ ኢዮም ነይሮም።—ማቴዎስ 24:21, 22 NW ፣ ሉቃስ 21:20-22
18 ስለዚ ድማ እቲ ብዛዕባ “መደምደምታ እዚ ኣገባብ እዚ” (NW ) ኣመልኪቱ የሱስ ዝሃቦ ሰፊሕ ትንቢት: በታ ካብ 66 -70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ልዕሊ ዓለወኛታት ኣይሁድ ፍትሓዊ ስጕምቲ እተወስደትላ መዓልቲ የሆዋ ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ ረኸበ። (ማቴዎስ 24:3-22) እንተዀነ ግን: እዚ ናይታ እትመጽእ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ]:” እቲ ንምልእቲ ዓለም ክወርዳ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ጸበባ: ጽላሎት ኢዩ ነይሩ። (ዮኤል 2:31) ብኸመይ ኢኻ ‘ክትድሕን’ እትኽእል፧ እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ክትሕብረና ኢያ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ጀሰፈስ እቶም ዘጥቅዑ ዝነበሩ ሮማውያን ነታ ከተማ ከም ዝኸበብዋ: ንገለ ክፍሊ ናይቲ መንደቕ ከም ዘፍረሱ: ንደጌታት እታ ቤት መቕደስ የሆዋ ድማ ብሓዊ ከንድዱ ተቐሪቦም ከም ዝነበሩ የዘንቱ። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ውሽጢ ተኸቢቦም ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁዳውያን ዘስካሕክሕ ፍርሂ ኣሕደረሎም: ከመይሲ ሞት ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠልጢሉ ከም ዘሎ ይርእዩ ነይሮም ኢዮም።—ዎርስ ኦቭ ዘ ጂውስ (እንግሊዝኛ) ካልኣይቲ መጽሓፍ: ምዕራፍ 19።
ንድግማ ዝኸውን ሕቶታት
◻ ‘መዓልቲ ጐይታ’ ምስ “መዓልቲ የሆዋ” ብኸመይ ትዛመድ፧
◻ ነቲ ብዘመን ኖህ ዝነበረ ኵነታት ብምርኣይ: ነየናይ መጠንቀቕታ ኢና ከነቕልበሉ ዘሎና፧
◻ ካብ ሶዶምን ጎሞራን ሓያል ትምህርቲ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ “ዓቢ ጸበባ” ዝደሓኑ መን ኢዮም፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
የሆዋ ንስድራቤታት ኖህንሎጥን መውጽኢ ገበረሎም: ብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ከምኡውን ብ 70 ከ.ኣ.ዘ. ከምኡ ገይሩ ኢዩ