ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/3 ገጽ 3-4
  • ኣብያተ-ክርስትያን ይናዘዛ ኣለዋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብያተ-ክርስትያን ይናዘዛ ኣለዋ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም ጳጳስ ይቕረታ ክሓቱ ከለዉ
  • ስለምንታይ፧
  • ይቕረታ ዝሓታ ዘለዋ ስለምንታይ ኢየን፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/3 ገጽ 3-4

ኣብያተ⁠-ክርስትያን ይናዘዛ ኣለዋ

“ጳጳስ ንቤተ⁠-ክርስትያን ናብ ፍርዲ የቕርብዋ ኣለዉ።” “ፍርዲ መናፍቓን ከምኡውን ጸረ⁠-ሴማውያን​—⁠ቤተ⁠-ክርስትያን ናታ መያ ኮልፓa ተዳሉ ኣላ።” “ነቲ ብግዜ ሂትለር እተፈጸመ ጃምላዊ ማሕረዲ ዝቐረበ መያ ኮልፓ።” “ሰዓብቲ እምነት ሜቶዲስት ነቶም ኣብ ርሑቕ ምዕራብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ህንዳውያን ይቕረታ ይሓቱ ኣለዉ።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርእስተ ዜናታት ኣንቢብካዶ ትፈልጥ፧ ብተደጋጋሚ እዋን: ኣብያተ⁠-ክርስትያን ነቲ ዝቐረበለን ወቐሳ ዝቕበላን በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት ዝፈጸምኦ በደል ድማ ይቕረታ ዝሓታን ዘለዋ ይመስል። መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ብጳጳስ ዝቐርብ ሓድሽ መያ ኮልፓ ቀጻሊ የጕልሕኦ ኢየን ዘለዋ።

እቶም ጳጳስ ይቕረታ ክሓቱ ከለዉ

ሉዊጂ ኣካቶሊ እተባህለ ናይ ቫቲካን ጋዜጠኛ: ኣብታ ክዋንዶ ኢል ፓፓ ኪየደ ፔርዶኖ [ጣልያንኛ] እተባህለት መጽሓፉ: ካብ 1980 ክሳዕ 1996 ኣብ ዘሎ እዋን: ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ: 94 ግዜ ዝኸውን ‘ንታሪኻዊ በደላት ናይታ ቤተ⁠-ክርስትያን ከም እተኣመኑሉ ወይ ድማ ይቕረታ ከም ዝሓተቱሉ’ ይዛረብ። ብኣበሃህላ ኣካቶሊ “ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-ክርስትያን: ጳጳስ ጥራይ ኢዩ መያ ኮልፓ ከቕርብ መሰል ዘለዎ።” ነቲ ካቶሊክ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዘለዋ ኣከራኻሪ ገጻት​—⁠ውግእ መስቀላውያን: ካልእ ውግኣት: ንውልቀ⁠-መለኽቲ ዝሃበቶ ደገፍ: ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ዝነበረ ምፍልላይ: ጸረ⁠-ሴማውያን: ፍርዲ መናፍቓን: ማፍያ: ዓሌትነት​—⁠ብምምልካት ድማ ነዚ ገይሮምዎ ኢዮም። ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ: ኣብታ ብ1994 ንካርዲናላት ዝለኣኽዋ ናይ መዘከርታ ደብዳበ (ገለ ሰባት ብመንበረ ጵጵስና ካብ እተላእካ ደብዳበታት ኣዝያ ኣገዳሲት ሰነድ ከም ዝዀነት ገይሮም ዝርእይዋ) “ኣብ ካልኣይ ሽሓዊ መዋእል ክርስትና ንእተፈጸመ ሓጢኣት ሓፈሻዊ ኑዛዜ ክግበር” ሓሳብ ኣቕረቡ።

ሓያለይ ኣቡናት ኣብነት ናይቶም ጳጳስ ሰዓቡ። ኣብ ታሕሳስ 1994 ኢል ጆርናለ እተባህለት ናይ ኢጣልያ ጋዜጣ “ብዙሓት ኣመሪካውያን ኣቡናት ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቦም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይቕረታ ሓተቱ” ብምባል ጸብጻብ ሃበት። ነየናይ ነገር ኢዮም ይቕረታ ዝሓተቱ፧ ንግድል ናይቶም ንብዙሓት ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ኣደዳ ማህሰይቲ ዝገበርዎም ምስ ቈልዑ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ኣቕሽሽቲ ኣናኢሶም ስለ ዝረኣይዎ ኢዩ። ኣብ ጥሪ 1995 እታ ላ ረፑብሊካ እተባህለት ጋዜጣ (ጣልያንኛ) ብዛዕባ “ሓደ ኣብ ታሪኽ ናይታ ሽዑ ዝነበረት ካቶሊክ ተገይሩ ዘይፈልጥ ነገር ዝእምት ስጕምቲ” ጸብጻብ ሂባ ነበረት: እዚ ድማ ጳጳስ ፒዩስ መበል 12: ኣብ እዋን ጃምላዊ ማሕረዲ ናዚ ዓገብ ዘይምባሎም ኢዩ ነይሩ። ኣብ ጥሪ 1995 እዛ ጋዜጣ እዚኣ እቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ናይ ኣቡናት ቤት ጽሕፈት: እቶም ንገበናት ሰበ⁠-ስልጣን ናዚ ዝደገፉ ኣመንቲ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ⁠-ክርስትያን ብሰንኪ ዝፈጸምዎ “ብዙሕ በደላት” ይቕረታ ከም ዝሓተተ ጸብጻብ ሃበት። እተፈላለያ ናይ ፕሮተስታንት ኣብያተ⁠-ክርስትያን እውን ባዕለን ንባዕለን ርእሰን ነቒፈን ኢየን።

ስለምንታይ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ክንብድል ከሎና ይቕረታ ክንሓትት የተባብዓና ኢዩ: ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብያተ⁠-ክርስትያን ባዕለን ንባዕለን ርእሰን ምስ ነቐፋ ኣንጨብጪቦም ኢዮም። (ያእቆብ 5:​16) ኣብያተ⁠-ክርስትያን ከምዚ ዝገብራ ዘለዋ ግን ስለምንታይ ኢየን፧ ነቲ ኣብኣተን ዘሎና ኣረኣእያኸ ብኸመይ ኢዩ ክትንክፎ ዘለዎ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብላቲን “ናተይ በደል” ማለት ኢዩ: ክፍሊ ናይቲ ኣመንቲ ካቶሊክ ኣብ ጸሎቶም ዝደጋግምዎ (ኮንፊቴዮር ወይ: “በደለይ እናዘዝ”) መግለጺ ድማ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ