ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/3 ገጽ 4-7
  • ይቕረታ ዝሓታ ዘለዋ ስለምንታይ ኢየን፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ይቕረታ ዝሓታ ዘለዋ ስለምንታይ ኢየን፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስምረት ኣብያተ⁠-ክርስትያንን ስነ⁠-ምግባራዊ ኣቕዋምን
  • ኵላቶም ኣይኰኑን ዝሰማምዑ
  • መለኮታዊ ፍርዲ
  • ኣብያተ-ክርስትያን ይናዘዛ ኣለዋ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ድያ ዘላ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/3 ገጽ 4-7

ይቕረታ ዝሓታ ዘለዋ ስለምንታይ ኢየን፧

ኣብያተ⁠-ክርስትያን በደለን ተናሲሐን ተሃድሶ ክገብራ ኣለወን ዝብል ሓሳብ ሓድሽ ኣይኰነን። ረሊጅዮኒ ኣይ ሚቲ [ጣልያንኛ] እተባህለ ናይ ሃይማኖት መዝገበ⁠-ቃላት: ኣብ ግዜ ማእከላይ መዋእል ዝነበሩ ሰባት እቲ ቀዳመይቲ ቤተ⁠-ክርስትያን ንጽህቲ ኢያ ዝበሃል ነገር ኣተሓሳሲብዎም ኢዩ: ንብዙሓት ድማ ሃይማኖታዊ ተሃድሶ ክግበር ጻውዒት ናብ ምቕራብ ከም ዝመርሖም ይዛረብ።

ብ1523: ማርቲን ሉተር ምስ ሮማ ድሕሪ ምብኣሱ: ጳጳስ ኣድርያን ሻድሻይ ነቲ ናይ ኑረምበርግ ባይቶ እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ብምስዳድ ሓድነት ንምምጻእ ፈቲኖም ነበሩ:⁠- “ክፍንፈን ዝግብኦ ነገራት ንብዙሕ ዓመታት ኣብቲ መንበረ ጵጵስና ተማእኪሉ ከም ዝጸንሐ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና . . . ቅድም ቀዳድም ነቲ ምናልባት መበቈል ኵሉ እከይ ዝዀነ ናይ ሮማ መንበረ⁠-ጵጵስና ተሃድሶ ንኽንገብረሉ ዝከኣለና ትግሃት ከነርኢ ኢና።” ይኹን እምበር: እዚ ምእማን እዚ ሓድነት ኣብ ምምጻእ ይኹን ኣብቲ መንበረ ጵጵስና ንዝነበረ ብልሽውና ኣብ ምቅላሱ ኣይተዓወተን።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ድማ ኣብያተ⁠-ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ማሕረዲ ስለ ዘጽቀጣ ተወቒሰን ኢየን። ንኣባላተን ኣብ ውግእ ከይካፈሉ ብዘይ ምኽልካለን እውን ተኸሲሰን ኢየን። ብ1941 ካልኣይ ውግእ ዓለም ብውዕዩ ኸሎ ፕሬሞ ማሶላሪ ዝስሙ ቀሺ: “ቫቲካን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ኣብ ዘየስግእ ሰረተ⁠-እምነታት እተርእዮ ዝነበረት: ሕጂ እውን እተርእዮ ዘላ: ነቲ ምብትታን እምነት ካቶሊክ ጽኑዕ መልሰ⁠-ግብሪ ዘየርኣየት ስለምንታይ ኢያ፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ ዘስግእ ሰረተ⁠-እምነታትከ እንታይ ነበረ፧ እቲ ቐሺ ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ንስልጣነ ዘናውጾ ዝነበረ ጠንቃም ሃገራውነት ኣመልኪቱ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ።

እቲ ሓቂ ግን: ክሳዕ ቀረባ እዋን ሃይማኖታት በደለን ክእመና ፈጺሙ ዘይተለምደ ነገር ኢዩ ነይሩ። ብ1832: ግሪጎሪ መበል 16 ነቶም ካቶሊካዊት ቤተ⁠-ክርስትያን ‘ተሃድሶ ክግበረላ’ ዝደፋፍኡ ዝነበሩ ገለ ሰባት ምላሽ ክህቡ ከለዉ ከምዚ በሉ:⁠- “[ቤተ⁠-ክርስትያን] ጕድለት ከም ዘለዋ ገይርካ ብምውሳድ ንድሕንነታን ዕቤታን ተባሂሉ ‘ናብ ቀደማ ክትምለስን ተሃድሶ ክግበረላን’ ዝብል ሓሳብ ምቕራብ: ትርጕም ኣልቦን ጐዳእን ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።” ብዛዕባ እቲ ኣሉ ክበሃሎ ዘይከኣል ርኡይ ጕድለታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ብዛዕብኡ ዘእምን መመኽነይታ ንምሃብ እተፈላለየ ሜላታት ክሰዓብ ጸኒሑ ኢዩ። ንኣብነት: ገሊኦም ናይ ሃይማኖት ምሁራት ቤተ⁠-ክርስትያን ክልቲኡ ማለት ቅድስትን ሓጢኣተኛን ኢያ ዝብል ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ንባዕላ ቅድስቲ​—⁠ኣምላኽ ካብ ጌጋ ዝሕልዋ⁠—​ከም ዝዀነት ገይርካ ኢዩ ዝዝረበላ። ኣባላታ ግን ሓጢኣተኛታት ኢዮም። ስለዚ ብስም እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ግፍዒ ምስ ዝፍጸም: እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ዘይኰነትስ እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ውልቀ⁠-​ሰባት ኢዮም ክውቀሱ ዘለዎም። እዝስ ቅቡል ምኽንያት ድዩ፧ ሃንስ ኩን እተባህለ ናይ ሮማ ካቶሊክ ናይ ሃይማኖት ምሁር ግን ነዚ ቅቡል ምኽንያት ገይሩ ኣይርእዮን ኢዩ: ከምዚ ብምባል ድማ ጸሓፈ:⁠- “ካብ ሰብ​ኣዊ ዓለም ተፈ​ልያ ፍጽምቲ ክትከውን እትኽእል ቤተ⁠-ክርስትያን የላን።” ከምኡውን “እትናዘዘሉ ሓጢ​ኣት ዘይብላ ቤተ⁠-ክርስትያን የላን” ብምባል ይገልጽ።

ስምረት ኣብያተ⁠-ክርስትያንን ስነ⁠-ምግባራዊ ኣቕዋምን

ሎሚ ኣብያተ⁠-ክርስትያን ይቕረታ ከም ዝሓታ ዝገብረን ዘሎ ምዕባለታት እንታይ ኰን ኢዩ ብምባል ትግረም ትኸውን። ብመጀመርታ: ፕሮተስታንትን ኦርቶዶክስን ነቲ ኣብ መንጎ እተፈላለያ ጕጅለታት “ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተፈጸመ ምፍልላያት” ብሓላፍነት ከም ዝሕተታ ተኣሚነን ኢየን። ነዚ ድማ ኣብቲ ብ1927 ኣብ ሎዛን: ስዊዘርላንድ: እተኻየደ ናይ “እምነትን ስርዓትን” ዋዕላ ስምረት ኣብያተ⁠-ክርስትያን ገይሮምዎ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ⁠-ክርስትያን ነዚ ኣብነት እዚ ሰዓበት። ብፍላይ ካብቲ ንጳጳሳት ሓዊስካ ምስ ኣቡናት እተገብረ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን:a ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ህዝበ⁠-ክርስትያን እተፈጥረ ምፍልላይ ወትሩ ይቕረታ ክሕተት ጸኒሑ ኢዩ። ንምንታይ ዕላማ፧ ኣብ ህዝበ⁠-ክርስትያን ዝያዳ ሓድነት ክህሉ ስለ ዝደለዩ ከም ዝዀነ ግሁድ ኢዩ። ናይ ካቶሊክ ጸሓፍ ታሪኽ: ኒኮሊኖ ሳራለ: ኣብቲ ናይ ዮሃንስ ጳውሎስ “ፕሮጀክት ‘መያ ኮልፓ ’ ሓደ ስትራተጂ ከም ዘሎ: ንሱ ድማ ስምረት ኣብያተ⁠-ክርስትያን ኢዩ” ብምባል ገለጸ።

ይኹን እምበር: ካብ ስምረት ኣብያተ⁠-ክርስትያን ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ሎሚ: ካብቲ ሕማቕ ታሪኽ ህዝበ⁠-ክርስትያን እተፈልየ ነገር ኢዩ ብሰፊሑ ተፈ​ሊጡ ዘሎ። ሃንስ ኡርስ ፎን ባልታዛር እተባህለ ናይ ሃይማኖት ምሁር “ካቶሊክ ንዅሉ እዚ ታሪኽ እዚ ኣሉ ኽትብሎ ኣይትኽእልን ኢያ። እዛ ጳጳስ ዝኣባላ ቤተ⁠-ክርስትያን ሎሚ ፈጺምና ክንድግፎ ዘይንኽእል ነገራት ገይራ ወይውን ክግበር ኣፍቂዳ ኢያ” ይብል። ስለዚ ኸኣ ኢዮም: ጳጳስ “ይቕረታ ምሕታት ምእንቲ ኽከኣል . . . ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ጸሊም ታሪኽ ናይታ ቤተ⁠-ክርስትያን መብርሂ ንምሃብ” ሽማግለ ዝመዘዙ። እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ርእሰ⁠-ነቐፌታ ክትገብር ምኽንያት ዝዀና ካልእ ነገር እምበኣር: ስነ⁠-ምግባራዊ ኣቕዋማ ከም ብሓድሽ ክምለስ ዘለዋ ባህጊ ኢዩ ዝመስል።

ብተመሳሳሊ: ጸሓፍ ታሪኽ ኣልቤርቶ ሜሎኒ: ነቲ ቤተ⁠-ክርስትያን ይቕረታ ንምሕታት እተቕርቦ ዘላ ጠለባት ኣመልኪቱ ሓሳብ ክህብ ከሎ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:⁠- “ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ሓድሓደ ግዜ ዝቐርብ ጠለባት ካብቲ ብሓላፍነት ተሓታቲት ዝገብራ ክስታት ናጻ ንምዃን ኢዩ።” እወ: ካቶሊካዊት ቤተ⁠-ክርስትያን ነቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝነበራ ተፈታውነት ከም ብሓድሽ ምእንቲ ክትረኽቦ ነቲ ጾር ናይ ዝሓለፈ ሓጢኣት ካብ ነብሳ ከተፍኵሶ ትፍትን ዘላ ኢያ እትመስል። ከም ሓቁ ግን: ካብ ምስ ኣምላኽ ምስ ዓለም ሰላም ክትገብር ትግደስ ዘላ ኢያ እትመስል ክበሃል ይከኣል ኢዩ።

ከምዚ ዝበለ ጠባይ ነቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል ኢዩ ዘዘክረና። (1 ሳሙኤል 15:​1⁠-12) ከቢድ በደል ፈጺሙ ምስ ተጋለጸ: መጀመርታ: ነቲ እሙን ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሳሙኤል ብዛዕባ በደሉ መመኽነይታ ብምቕራብ ምሕረት ክረክብ ፈተነ። (1 ሳሙኤል 15:​13⁠-21) ኣብ መወዳእታ: እቲ ንጉስ ንሳሙኤል ‘ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓሊፈ ኢየ እሞ: ሓጣእኩ’ ብምባል ኣፍልጦ ሃበ። (1 ሳሙኤል 15:​24, 25) እወ: በደሉ ተኣመነ። ቀጺሉ ንሳሙኤል ዝበሎ ቃላት ግን ኣብ ኣእምሮኡ ዘሎ ቀንዲ ሓሳብ እንታይ ምዃኑ ገለጸ:⁠- “ሓጣእኩ: ሕጂ በጃኻ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ።” (1 ሳሙኤል 15:​30) ሳኦል ምስ ኣምላኽ ምትዕራቕ ዘይኰነስ እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበሮ ቦታ ዝያዳ ከም ዘገደሶ ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ኣመለኻኽታ እዚ: ንሳኦል ናይ ኣምላኽ ይቕረታ ከም ዝረክብ ኣይገበሮን። ከምዚ ዝበለ ኣመለኻኽታ ምሓዝ ኣብያተ⁠-ክርስትያን ናይ ኣምላኽ ይቕረታ ከም ዝረኽባ ክገብረን ኢዩ ኢልካኸ ትሓስብዶ፧

ኵላቶም ኣይኰኑን ዝሰማምዑ

ኣብያተ⁠-ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይቕረታ ክሓታ ከም ዘለወን ዝሰማምዑ ኵላቶም ኣይኰኑን። ንኣብነት: ብዙሓት ናይ ሮማ ካቶሊክ ኣመንቲ: ጳጳሶም ብምኽንያት ባርነት ይቕረታ ክሓቱ ኸለዉ ወይ ድማ ንኸም በዓል ሁስ ከምኡውን ካልቪን ዝኣመሰሉ “መናፍቓን” ክብሪ ክህቡ ኸለዉ ባህ ኣይብሎምን ኢዩ። ብመሰረት ናይ ቫቲካን ምንጭታት: ነቲ እምነት ካቶሊክ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽሕ ዓመት ዝነበራ ታሪኽ “ናይ ሕልና ምርመራ ክግበር” ሓሳብ ብምቕራብ ናብ ካርዲናላት እተላእከት ሰነድ: በቶም ኣብ ሰነ 1994 ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ጉባኤ ካህናት እተረኽቡ ካርዲናላት ተወቒሳ ኢያ። እቶም ጳጳስ ንቐንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐረበ ሓሳብ ኣብ ሓንቲ ናይ ጳጳስ ዘዋሪት ደብዳበ ከእትውዎ ምስ ደለዩ ግን: ጃኮሞ ቢፊ እተባህለ ኢጣልያዊ ካርዲናል “ቤተ⁠-ክርስትያን ሓጢኣት የብላን” ኢሉ ብምርግጋጽ እተዛረበሉ ሓደ ናይ ኣቡን መግለጺ ኣውጽአ። እንተዀነ ግን: ከምዚ ብምባል ተኣመነ:⁠- “ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት እተፈጸመ ናይ ቤተ⁠-ክህነት ጌጋታት ይቕረታ ምሕታት . . . ዝያዳ ተቐባልነት ከም እንረክብ ክገብር ይኽእል ይኸውን።”

ናይ ቫቲካን ወሃብ ርእይቶ: ሉዊጂ ኣካቶሊ “እቲ ንሓጢኣት ናይ ምንዛዝ ጕዳይ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ሓደ ካብቲ ኣከራኻሪ ኣርእስትታት ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ጳጳስ ነቲ ሚስዮናውያን ዝፈጸምዎ በደላት እንተድኣ ተኣሚኖምሉ: በዚ ቅር ዝብሎም ቅኑዓት ሚስዮናውያን ኣለዉ” ይብል። ብተወሳኺ: ሓደ ናይ ሮማ ካቶሊክ ጋዜጠኛ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:⁠- “ጳጳስ ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ⁠-ክርስትያን ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስግእ ሓሳብ እንተድኣ ኣልይዎም: ነዛ ቤተ⁠-ክርስትያን እዚኣ ንሰብኣዊ ፍጡር ናብቲ ብሓቂ ብሩህ መጻኢ ዝዀነ መዋእል ሳልሳይ ሽሓዊ ዓመት ክትመርሖ እትኽእል እንኮ ተጣባቒት ‘ሰብኣዊ መሰል:’ ‘ኣደን መምህርን’ ከም ዝዀነት ገይሮም ከቕርብሉ ዝኽእሉ መገዲ ንምርድኡ ኣጸጋሚ ኢዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ከይትቕላዕ ካብ ዝብል ፍርሂ ተላዒልካ ዝግበር ናይ ኣምሰሉ ነስሓ የጠንቅቕ ኢዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ነስሓ ኣብቲ ዝናሳሕ ዘሎ ሰብ ነባሪ ለውጢ ኣየምጽእን ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 7:8-11 ኣረኣእዮ።) ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዋጋ ዘለዎ ነስሓ “ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ” ማለት ቅንዕና ናይቲ ነስሓ ዘነጽር መርትዖ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 3:8

መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዝናሳሕን ዝናዘዝን ዘሎ ሰብ ነቲ ሕማቕ ተግባራት ክሓድጎ: ካብ ምግባሩ ከቋርጽ ከም ዝግባእ ኢዩ ዝነግር። (ምሳሌ 28:13) ከምዚ ተገይሩዶ፧ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ⁠-ክርስትያንን ካልኦት ኣብያተ⁠-ክርስትያንን በቲ ዝፈጸምኦ በደል እዚ ዅሉ ኑዛዜታት ድሕሪ ምቕራበን: ኣብዚ ቐረባ እዋናት ኣብቲ ብዙሓት “ክርስትያናት” ዝርከብሉ ማእከላይ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣውሮጳን ሲቪላዊ ናዕብታት ምስ ተላዕለ እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧ ኣብያተ⁠-ክርስትያን ሰላም ንምምጻእ ስጕምቲ ወሲደንዶ፧ ኵሎም መራሕተን ነቲ ምእመናኖም ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ብሓባር ኰኒኖምዎዶ፧ ኣይኰነንዎን። እኳ ድኣስ: ገሊኦም ሃይማኖታውያን ኣገልገልቲ ኣብቲ እተፈጸመ ማሕረዲ እውን ከይተረፈ ተሳቲፎም ኢዮም!

መለኮታዊ ፍርዲ

ነቲ ጳጳስ ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ መያ ኮልፓ ኣመልኪቱ: ካርዲናል ቢፊ “ነቲ ኣብ ታሪኽ እተፈጸመ ሓጢኣት ኵልና ኣድማሳዊ ፍርዲ እንተ ንጽበዶ ኣይምሓሸናን፧” ብምባል ሓተተ። ፍርዲ ናይ ኵሎም ደቅሰብ ቀሪቡ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ሃይማኖታት ኣብ ታሪኽ ዘለወን ጸሊም መዝገብ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ ኢዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ: ነቶም ገበነኛታት ክጸባጸቦም ኢዩ። (ራእይ 18:​4⁠-8) ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዘሎ ግዜ ግን: በቲ ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ኣብያተ⁠-ክርስትያን ይቕረታ ዝሓታሉ ዘለዋ ናይ ደም ገበን: ህይወት ዘጥፍእ ናይ ዘይምጽዋር መንፈስ: ከምኡውን ካልእ ገበናት ዘይተባላሸወ ኣምልኾ ምርካብ ይከኣል ድዩ፧ እወ ይከኣል ኢዩ።

ከመይ ገይርና ኢና ክንረኽቦ እንኽእል፧ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝገለጾ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” ዝብል መምርሒ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኢዩ። እቲ ገሊኣተን ሃይማኖታት ክርሳዕ ዝደልያኦ ናይ ታሪኽ መዝገብ: ነቶም የሱስ “ነብያት ሓሶት” ኢሉ ዝጸውዖም ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም “ጽቡቕ ፍረ” ዘፍርዩ እውን ንኸነለልዮም ይሕግዘና ኢዩ። (ማቴዎስ 7:​15⁠-20) እዚኣቶም መን ኢዮም፧ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕልኻ ክትምርምር ንዕድመካ። ሎሚ ኣብ ዓለም ጽልዋ ክህልዎም ዝደልዩ ዘይኰነስ ንቓል ኣምላኽ ክስዕቡ ብሓቂ ዝጽዕሩ ዘለዉ መን ምዃኖም ድማ ፍለጥ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:11

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ካብ 1962⁠-65 ኣብ ኣርባዕተ እዋናት ኣብ ሮማ እተኻየደ መበል 21 ዋዕላ ስርዓት ቤተ⁠-ክርስትያን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብያተ-ክርስትያን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ግፍዕታት ኢየን ይቕረታ ዝሓታሉ ዘለዋ፧

[ምንጪ ስእሊ]

The complete Encyclopedia of Illustration/J. G. Heck

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ