ነቲ ዓቢ ክርስትያናዊ ውርሻ መመስገኒት ኢየ
ብግዌን ጉሽ እተዘንተወ
ኣብ ቤት ትምህርቲ ነታ ‘ብኽብሩ ዝነገሰ ዓቢ የሆዋ ’ ዝብል ቃላት ዝሓዘ ት ማህሌት እዝምር ነበርኩ። ኵሉ ግዜ ኸኣ ‘እዚ የሆዋ እዚ መን ኢዩ፧ ’ ብምባል እግረም ነበርኩ።
ኣባሓጎይን ዓባየይን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኢዮም ነይሮም። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ምስቶም ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝጽውዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓበሩ። ኣቦይ ኣብ ስራሕ ዕዉት ኢዩ ነይሩ: ኣብ ፈለማ ግን ነቲ እተቐበሎ ክርስትያናዊ ውርሻ ናብቶም ሰለስተ ደቁ ኣየመሓላለፎን።
ኣቦይ ንዓይን ንዶግላስ ሓወይን ንኣን ሓብተይን ሂዝ ዎርክስ ከምኡውን ሁ ኢዝ ጎድ ፧ ዘርእስተን ንኣሽቱ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍቲ ምስ ሃበና ጥራይ ኢየ: የሆዋ ስም ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ እተረዳእኩ። (መዝሙር 83:18) ሽዑ ኣዝየ ተሓጐስኩ! ነቦይ ተገዳስነቱ ዘለዓዓለሉ ግን እንታይ ኢዩ፧
ሃገራት ብ1938: ንውግእ ክስለፋ ምስ ረኣየ: ኣቦይ ንግድላት ዓለም ንምፍታሕ ካብ ሰብኣዊ ጻዕሪ ንላዕሊ ከም ዝሓትት ተገንዘበ። ዓባየይ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኤነሚስ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ሃበቶ። ነታ መጽሓፍ ምስ ኣንበባ: እቲ ናይ ደቅሰብ ቀንዲ ጸላኢ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ናይ ዓለም ሰላም ከተምጽእ እትኽእል ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ተገንዘበ።a—ዳንኤል 2:44፣ 2 ቈረንቶስ 4:4
እቲ ውግእ ዝካየደሉ ግዜ እናቐረበ ምስ መጸ: ኣብ ሰሜን ለንደን ኣብ እትርከብ ዉድ ገሪን ዘሎ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስድራቤትና ክንእከብ ጀመርና። ሰነ 1939 በቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ እተዋህበ “መንግስትን ሰላምን” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ክንሰምዕ ናብቲ ኣብ ጥቓና ዝርከብ ኣለክሳንድራ ፓላስ እተባህለ ኣደራሽ ከድና። ራዘርፎርድ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ ማዲሰን ስኴር ጋርደን ኰይኑ ዝሃቦ ዝርርብ ብረድዮ ናብ ለንደንን ናብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ተፈነወ። ነቲ ዝርርብ ኣነጺርና ክንሰምዖ ንኽእል ነይርና ኢና: ከመይሲ ኣብ ኒው ዮርክ መናዓብቲ ሰባት ህውከት ምስ ፈጠሩ ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ኣደራሽ እተላዕለ መሲሉኒ ግልጽ ግልጽ ኢለ ጠሚተ ኢየ!
ኣቦይ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበሮ ቅንኢ
ኣቦይ: ቀዳም ቀዳም ምሸት ብስድራቤት ሓቢርና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንኽንገብር ጽኑዕ ፕሮግራም ኣውጽአ። መጽናዕትና ኣብቲ ንጽባሒቱ ብምይይጥ ክውሰድ እተመደበ ግምቢ ዘብዐኛ ዝርከብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። እዚ መጽናዕቲ እዚ ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ዘረድእ ድማ እቲ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1939 ግምቢ ዘብዐኛ እተጸንዐ ብዛዕባ እያሱን ምኽባብ ከተማ ዓይን ዝገልጽ ጸብጻብ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣእምሮይ ተሳኢሉ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ እቲ ኣዝዩ ስለ ዝመሰጠኒ ንዅሉ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕስታት: መጽሓፍ ቅዱሰይ እናገንጸልኩ ኣንበብክዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምርምር ምግባር ኣዝዩ ዘሐጕስ ኰይኑ ረኸብክዎ: ሕጅውን እንተዀነ ከምኡ ኢየ ዝገብር።
እቲ እንማሃሮ ዝነበርና ትምህርቲ ንኻልኦት ምክፋለይ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ልበይ ከም ዝሰርጽ ገበረ። ሓደ መዓልቲ ኣቦይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ዝሓዘ ፎኖግራፍ: ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንጥቀመሉ ዝነበርና ንእሽቶ መጽሓፍ ከምኡውን ናይ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣ ሰበይቲ ኣድራሻ ሃበኒ። ነተን ሰበይቲ ክኸደን ድማ ተወከሰኒ።
“እንታይ ኢየ ክብል፧ እንታይከ ኢየ ክገብር፧” ኢለ ሓተትክዎ።
ኣቦይ ከኣ “ኵሉ ተዳልዩ ኢዩ: ነታ ፎኖግራፍ ወልዕያ: ነቲ ሕቶታት ኣንብቢ: ነቲ መልስታት ከኣ እተን በዓልቲ ቤት ከም ዘንብባልኪ ግበሪ: ድሕርዚ ጥቕስታት ኣንብቢ” ኢሉ መለሰለይ።
ከምቲ ዝበለኒ ገበርኩ እሞ በዚ መገዲ እዚ ገይረ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ተማሃርኩ። በዚ ኣገባብ እዚ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ኣገልግሎት ክጥቀመሉ ምኽኣለይ: ብዝበለጸ ኽርድኦ ሓጊዙኒ ኢዩ።
ኣብቲ ናይ ውግእ ዓመታት ዝነበረ ብድሆ
ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1939 ተባርዐ: ኣብ ዓመቱ ኸኣ ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበርክዎ ወፈያ ብጥምቀት ገለጽክዎ። ጓል 13 ዓመት ጥራይ ኢየ ነይረ። ድሕርዚ ፓይነር: ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሕቲ ዝጽውዕሉ ስም: ክኸውን ወሰንኩ። ብ1941 ትምህርቲ ኣቋረጽኩ: ኣብ ሌስተር ኣብ እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ ድማ ንዶግላስ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ሓበርክዎ።
ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት: ኣቦይ ብምኽንያት እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸቦ ፍልጠት ኣብ ውግእ ምስታፍ ስለ ዝኣበየ ተኣስረ። ንሕና ውሉዳት ድማ ነደይ ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋናት ውግእ: ገዛና ኣብ ምእላይ ምእንቲ ኽንሕግዛ ተኣኻኸብና። ኣቦይ ክፍታሕን ዶግላስ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክጽዋዕን ከኣ ሓደ ዀነ። ኣብቲ ናይቲ ዓዲ ጋዜጣ “ወዲ ከም ኣቡኡ ቤት ማእሰርቲ ዝመረጸሉ ምኽንያት” ዝብል ኣርእስቲ ወጸ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኸምኦም ሰብ ኣብ ምቕታል ዘይሳተፉሉ ምኽንያት ንምግላጽ ኣጋጣሚ ስለ እተኸፍተ ጽቡቕ ምስክርነት ክዋሃብ ተኻእለ።—ዮሃንስ 13:35፣ 1 ዮሃንስ 3:10-12
ኣብቲ ናይ ውግእ ዓመታት ብዙሓት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝዀኑ መሰኻኽር ገዛና እናመጹ ይበጽሑና ነበሩ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ዝሃንጽ ዕላሎም ከአ ነባሪ ጦብላሕታ ሓዲጉ ኢዩ። ካብቶም እሙናት ክርስትያን ኣሕዋት ከኣ እዞም ሕጂ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ጆን ባርን ኣልበርት ሽሮደርን ይርከብዎም ነበሩ። ወለደይ ብሓቂ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ኢዮም ነይሮም: ንዓና እውን ከምኦም ክንከውን ምሂሮምና ኢዮም።—እብራውያን 13:2
መልሲ ንምሃብ ድልውቲ ነበርኩ
ዕዮ ፓይነር ምስ ጀመርኩ: ብኡንብኡ ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ንሂልዳ ረኸብክዋ። እናሓረቐት ከኣ “ሰብኣየይ ምእንቲ ኸማኺ ዝኣመሰሉ ሰባት ይዋጋእ ኣሎ! ስለምንታይ ነቲ ውግእ ዝሕግዝ ነገር ዘይትገብሪ፧” በለትኒ።
“ብዛዕባ እቲ ዝገብሮ ዘሎኹ ክሳዕ ክንደይ ኢኺ እትፈልጢ፧ ስለምንታይ ከም ዝመጻእኩኺ ትፈልጢዶ፧” ኢለ ሓተትክዋ።
“እተዊ እሞ ንገርኒ” ኢላ መለሰት።
ኣነ ኸኣ: በቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብስም ኣምላኽ ዝግበር ዝነበረ ዘሰቅቕ ተግባራት ይሳቐዩ ንዝነበሩ ሰባት ናይ ሓቂ ተስፋ ንህብ ከም ዝነበርና ክገልጸላ ኸኣልኩ። ሂልዳ ብምርዳእ ጽን ኢላ ሰምዓትኒ: እታ ናይ መጀመርታ ስርዓታዊት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሪተይ ከኣ ኰነት። ሕጂ ንልዕሊ 55 ዓመታት ንጥፍቲ ምስክር ኰይና ተገልግል ኣላ።
እቲ ውግእ ክውዳእ ከሎ: ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ እትርከብ ከተማ ዶርቸስተር ከገልግል ሓድሽ ናይ ፓይነር መደብ ተቐበልኩ። እዚ ድማ ካብ ገዛ ወጺኤ እተቐመጥክሉ ናይ መጀመርታ ግዜይ ነበረ። እታ ንእሽቶ ጉባኤና ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን ኣብ እተሃንጸ “ዘ ኦልድ ቲ ሃውስ” ኣብ ዝበሃል ቤት መግቢ ኢያ ትእከብ ነይራ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባና ነቲ ሰደቓታትን ወናብርን ከነተዓራርዮ ነበረና። ካብቲ ዝለመድክዎ ኣደራሽ መንግስቲ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ መግብን: ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቕራዊ ሓድነትን ነይሩ ኢዩ።
ድሕርዚ ወለደይ ኣብ ደቡብ ለንደን ናብ ዝርከብ ታንብሪጅ ወልስ ከዱ። ገዛ ተመለስኩ እሞ ኣነን ኣቦይን ኣን ሓብተይን ሓቢርና ፓይነራት ክንከውን ከኣልና። ጉባኤና ካብ 12 ናብ 70 መሰኻኽር ቀልጢፋ ዓበየት: ስድራቤትና ኸኣ ናብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ዝድለይሉ ኣብ ደቡባዊ ገምገም ዝርከብ ብሪተን ክኸዱ ተሓተቱ። ብዙሓት ምስታ ናይ ፓይነር ስድራቤትና ኰይኖም ኣብ ስብከት ብቕንኢ ተጸምዱ: የሆዋ ንዕዮና ኣብዚሑ ክባርኾ ከሎ ኸኣ ርኢናዮ ኢና። እታ ሓንቲ ዝነበረት ጉባኤ ቀልጢፋ ናብ ሰለስተ ጉባኤታት ዓበየት!
ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዕድመ
ስድራቤትና ካብቶም ብ1950 ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብቲ ቲኦክራሲያዊ ወሰኽ ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ንኽሳተፉ ካብ ብሪጣንያ ናብ ያንኪ ስታድዩም ዝኸዱ 850 ልኡኻት ኢያ ነይራ። ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ካብ እተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ ብዙሓት ፓይነራት: ኣብ ጥቓ ደቡብ ላንሲን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽሳተፉ ቅጥዒ መሊኦም ልኢኾም ነበሩ። ኣነን ዶግላስን ኣንን እውን ካባታቶም ነበርና! ነቲ ዝመላእክዎ ቅጥዒ ኣብቲ ጶስጣ ሳጹን ከእትዎ ከሎኹ ‘ሕጂ ቃል ኣትየ ኢየ! ከመይ ዝበለ ናብራ ኰን ኢዩ ክህልወኒ፧’ ኢለ ክሓስብ ይዝከረኒ። እንተዀነ ግን “እኔኹ ልአኸኒ” ዝብል ቈራጽነት ኢዩ ነይሩኒ። (ኢሳይያስ 6:8) ምስ ዶግላስን ኣንን ኴንና መበል 16 ክፍሊ ጊልዓድ ንምስታፍ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ክጸንሕ ዕድመ ምስ ተቐበልኩ ብሓጐስ ተሰራሰርኩ። ናብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ዓለም ሚስዮናውያን ኴንና ንምግልጋል ክንለኣኽ ከም እንኽእል ኣጸቢቕና ንፈልጥ ነበርና።
ብስድራቤትና ነቲ ዓቢ ኣኼባ ተሓጒስና ምስ ኣሕለፍናዮ: ወለድና በይኖም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝምለስሉ ግዜ ኣኸለ። ንዓዲ ክኸዱ ኣብታ ሞሪታንያ እተባህለት መርከብ ክድይቡ ከለዉ ኸኣ ሰለስቴና ውሉዳት ቻው ቻው በልናዮም። እዚ ብሓቂ ከብድኻ ዝበልዕ ምፍልላይ ኢዩ ነይሩ!
ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት መደባት
እቲ መበል 16 ክፍሊ ጊልዓድ ነቶም ኣብ ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበታት እተሳቐዩ ሓዊስካ ካብ ኵሉ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ 120 ተማሃሮ ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክፍልና ናይ ቋንቋ ስጳኛ ትምህርቲ ይዋሃብ ስለ ዝነበረ: ኣብ ገለ ናይ ስጳኛ ተዛረብቲ ዘለውዋ ናይ ደቡብ ኣመሪካ ሃገር ክንምደብ ትጽቢት ነበረና። ኣብቲ ናይ ምረቓ መዓልቲ ዶግላስ ሓወይ ናብ ጃፓን ኣን ሓብተይን ኣነን ድማ ናብ ሶርያ ክንምደብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝደንጸወና እሞ ገምትዎ። ስለዚ ክልቴና ኣዋልድ ዓረብኛ ክንማሃር ነበረና: መደብና ናብ ሊባኖስ ምስ ተቐየረ እውን ከይተረፈ ብእኡ ክንቅንጽል ነበረና። ቪዛና ክንቅበል እናተጸበና ከሎና: እቲ ኣብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ዓረብኛ ግምቢ ዘብዐኛ ዝሕተመሉ ፊደላት ዝሰርዕ ዝነበረ ሓው ጆርጅ ሻካሺሪ ክልተ ሳዕ ኣብ ሰሙን ዓረብኛ ይምህረና ነበረ።
ኣብ ሓንቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከሎና ብዛዕባኣ ዘጽናዕና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሃገር ክንምደብሲ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ ነይሩ! ኪትን ጆይስ ቹውን: ኤድና ስታክሃውስ: ኦሊቭ ተርነር: ዶሪን ዎርባርተን: ከምኡውን ዶሪስ ዉድ ምሳና ተመደቡ። ኣየወ: ከመይ ዝበለት ሕጕስቲ ናይ ሚስዮናውያን ስድራቤት ኰን ኢና ዘቘምና! ሓደ ወዲ እቲ ዓዲ ዝዀነ ምስክር: ተወሳኺ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ክህበና ኣብቲ ናይ ሚስዮናውያን ቤትና መጸ። ኣብ እዋን እቲ መዓልታዊ ምልምማድና: ሓጺር ኣቀራርባ ንለማመድ እሞ: ብድሕሪኡ ኣብ ዕዮ ስብከት ወጺእና ንጥቀመሉ ነበርና።
እተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ኣብታ ሓንቲ ጉባኤ ዝነበረትላ ከተማ ትሪፖሊ ኢና ኣሕሊፍናዮ። ጆይስ: ኤድና: ኦሊቭ: ዶሪን: ኣን ሓብተይን ኣነን: ንኣንስትን ኣዋልድን ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መሰኻኽር ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ክካፈላ ሓገዝናየን። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ: ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን: ናይቲ ከባቢ ባህሊ ብምስዓብ ኣብ ኣኼባታት ሓቢሮም ኮፍ ኣይብሉን ኢዮም ነይሮም: እዘን ክርስትያን ኣሓት እዚኣተን ኣብ ኣገልግሎት ካብ ቤት ናብ ቤት ዝኸዳሉ ግዜ ድማ ሳሕቲ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ህዝባዊ ስብከትና ብቛንቋ ክሕግዛና ንደልየን ነበርና: ባዕላተን ኣብዚ ዕዮ እዚ ክጽመዳ ኸኣ ነተባብዐን ነበርና።
ኣነን ኣን ሓብተይን ካብዚ ቀጺልና ነታ ኣብ ጥንታዊት ከተማ ሲዶን እትርከብ ንእሽቶ ናይ መሰኻኽር ጉጅለ ክንሕግዝ ተመደብና። ነዊሕ ከይጸናሕና ድማ ናብታ ርእሰ ከተማ ዝዀነት በይሩት ክንምለስ ተሓተትና። ኣብ ማእከል እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ቋንቋ ኣርመን ዝዛረቡ ማሕበረሰብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተዘሪኡ ነበረ እሞ ንኽንሕግዞም ቋንቋኦም ተማሃርና።
ናይ መደባት ምልውዋጥ
ካብ ዓዲ እንግሊዝ ቅድሚ ምውጽአይ ንዊልፍረድ ጎሽ ረኺበዮ ነበርኩ። ኣብ ቤትኤል ለንደን ዘገልገለ ቀናእን ሓላይን ሓው ነበረ። ዊልፍ: ኣባል ናይቲ ብ1950 ኣብ ያንኪ ስታድዩም እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ እተመረቐ መበል 15 ክፍሊ ጊልዓድ ኢዩ ነይሩ። ሚስዮናዊ ኰይኑ እተመደበሉ ቦታ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኢዩ ነይሩ: ንገለ ግዜ ኸኣ ብደብዳበ ንራኸብ ነበርና። ብ1955 ክልቴና ኣብቲ ኣብ ለንደን እተኻየደ “ዕውትቲ መንግስቲ” ዘርእስቱ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልና: ድሕሪኡ ቅሩብ ጸኒሕና ኸኣ ተሓጻጸና። ድሕሪ ዓመት ከኣ ኣብ ጋና ተመርዓና: ንዊልፍ ኸኣ ኣብቲ ሚስዮናዊ ኰይኑ እተመደበሉ ሌጎስ: ናይጀርያ: ሓበርክዎ።
ንኣን ኣብ ሊባኖስ ምስ ገደፍክዋ: ንሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ የሩሳሌም እተማህረ ንፉዕ ክርስትያን ሓው ተመርዓወት። ኣነን ዶግላስን ኣንን ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ስለ እተመርዓና: ወለድና ኣብ መርዓና ክካፈሉ ኣይከኣሉን። ይኹን እምበር: ኵልና ንኣምላኽና የሆዋ ሕጕሳት ኴንና ነገልግሎ ከም ዝነበርና ብምፍላጦም ዕጉባት ኢዮም ነይሮም።
ኣብ ናይጀርያ ዝነበረ ዕዮ
ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሌጎስ: ናይቶም ሸሞንተ ኣባላት ስድራቤት ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ክፍልታቶም ከጽሪ: ምግቦም ከዳሉ: ክዳውንቶም ድማ ክሓጽብ ተመደብኩ። ሰብኣይ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ቀረባ ስድራቤት እውን ከም ዝረኸብኩ ኰይኑ ተሰምዓኒ!
ኣነን ዊልፍን ብቛንቋ ዮሩባ ሕጽር ዝበለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቀራርባታት ተማሃርና: በቲ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኸኣ ተባሪኽና ኢና። ሽዑ ዝረኸብናዮ መንእሰይ ተማሃራይ: ሕጂ ኣብቲ 400 ኣባላት ዘለውዎ ዓቢ ስድራ ቤትኤል ናይጀርያ ዘገልግሉ ወድን ጓልን ኣለውዎ።
ብ1963 ዊልፍ: ፍሉይ ትምህርቲ ዝዋሃበሉ: ዓሰርተ ወርሒ ዝወስድ ኮርስ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ክካፈል ዕድመ ቐረበሉ። ተማሂሩ ምስ ወድአ: ዘይትሓስበ እንደገና ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመደበ። ኣነ ኣብ ናይጀርያ ተሪፈ ነበርኩ: ምስ ዊልፍ ኣብ ለንደን ንኽራኸብ 14 መዓልትታት ጥራይ ከም ዘሎኒ ተሓበርኩ። ኣብ ናይጀርያ ምምዳብና ንሕጐሰሉ ስለ ዝነበርና: ተደፋነቕኩ። ን14 ዓመታት ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ምግልጋል: እንደገና ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኬድና ናብራ ከነጣጥእ ግዜ ወሰደልና። ይኹን እምበር ምስቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድና እንደገና ክንራኸብን ክንሓልየሎምን ብምኽኣልና መመስገንቲ ኢና ነይርና።
በቲ ዘሎና ተስፋ ተናበርና
ካብ 1980 ንነጀው: ዊልፍ ናይ ዞን ተዓዛቢ ኰይኑ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክጓዓዝ ከሎ ከሰንዮ መሰል ረኺበ ኢየ። ብፍላይ ሃረር ኢለ ዝጽበዮ ዝነበርኩ ኸኣ ኣብ ናይጀርያ ተመሊስና ክንበጽሕ ኢዩ ነይሩ። ጸኒሕና ድማ ናብ ሃገራት ስካንዲኔቪያ: ዌስት ኢንዲስ ከምኡውን ንሊባኖስ ሓዊስካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከድና። ዘሐጕስ ተዘክሮታተይ ክለዓዓል ከሎ: ነቶም ቅድም ኮተቴ ከለዉ ዝፈልጦም ዝነበርኩ መንእሰያት ክርስትያን ሽማግለታት ኰይኖም ከገልግሉ ምርኣየይ ፍሉይ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዓኒ ነይሩ።
ዘሕዝን ግን: እቲ ዘፍቅሮ ሰብኣየይ ኣብ ጽድያ 1992 ሞተ። ወዲ 69 ዓመት ኢዩ ነይሩ። ሞቱ ሃንደበት ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ናይ 35 ዓመታት ሓዳር መበለት ምዃን ክለምዶ ግዜ ወሲዱለይ ኢዩ። ይኹን እምበር ካብቶም ዓለምለኻውያን ክርስትያን ስድራቤተይ ብዙሕ ሓገዝን ፍቕርን ረኺበ ኢየ። ወትሩ ዝዝክሮ ብዙሕ ዘሐጕስ ተመክሮታት ድማ ኣሎኒ።
ክልቲኦም ወለደይ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ንጽህና ጽቡቕ ኣርኣያ ኢዮም ገዲፎምለይ። ኣደይ ብ1981 ሞተት: ኣቦይ ከኣ ብ1986። ዶግላስ ሓወይን ኣን ሓብተይን ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ምግልጋሎም ይቕጽሉ ኣለዉ። ዶግላስን ሰበይቱ ካምን ኣብ ለንደን ኢዮም ዘለዉ: ነቦይ ክኣልይዎ ምስ መጹ ኣብኡ ተረፉ። ኣንን ስድራቤታን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢዮም ዝነብሩ። ኵላትና ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋን ውርሻን ኣጸቢቕና ነማስወሉ ኢና። ነቲ ህያዋን ምስቶም ዝተንስኡ ፍቑራቶም ተራኺቦም ኣባላት ምድራዊ ስድራቤት የሆዋ ብምዃን ሓቢሮም ንዘለኣለም ዘገልግልሉ ግዜ ኣማዕዲና እናጠመትና ‘ብተስፋ’ ምጽባይ ንቕጽል ኣሎና።—ድጕዓ ኤርምያስ 3:24
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ ኣቦይ: አርነስት ቢቨር: ታሪኽ ህይወት ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1980 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ወጺኡ ኣሎ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
ካብ ላዕለዋይ ጫፍ ጸጋም ጀሚርካ ንየማን:-
ግዌን ጓል 13 ዓመት ከላ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኤንፊልድ ኰይና ብመርኣያ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እናመርሐት
ብ1951 ኣብ ትሪፖሊ: ሊባኖስ: ዝነበሩ ናይ ሚስዮናውያን ስድራቤት
ግዌን ምስቲ ዝሞተ ሰብኣያ ዊልፍ