ሕማም ደዌ እኳ እንተ ሓዘኒ ህይወተይ ሕጕስን ብመንፈስ እተባረኸን ኢዩ
ብኣይዛየ ኣዳግቦነ እተዘንተወ
ኣብ ናይጀርያ: ኣኩረ ኣብ ዝበሃል ዓዲ ኢየ ዓብየ። ስድራቤተይ ያም ናይ እተባህለ ተኽሊ: ናይ ባናና: ካሳቫ: ከምኡውን ናይ ካካዎ ሕርሻ ነበሮም። ኣቦይ ቤት ትምህርቲ ኣትየ ክማሃር ኣይደልን ኢዩ ነይሩ። “ንስኻ ሓረስታይ ኢኻ። ያም ተኺልካ ምእንቲ ከተዕቢ ኣንብብ ዝብለካ ሰብ የለን” በለኒ።
ይኹን እምበር: ክማሃር እደሊ ነበርኩ። ምሸት ምሸት: ናይ ገዛ መምህር ዝነበሮም ገለ ቈልዑ ኣብ ዝቕመጥሉ ቤት በቲ መስኮት ደው ኢለ እሰምዕ ነበርኩ። እዚ ብ1940 ዳርጋ ወዲ 12 ዓመት ከሎኹ ኢዩ። ኣቦ እቶም ቈልዑ ምስ ዝርእየኒ: እናጨደረ ይሰጐኒ ነበረ። ተመሊሰ ካብ ምኻድ ግን ኣየቋረጽኩን። ሓድሓደ ግዜ እቲ መምህር ከይመጸ ይተርፍ እሞ: መሊቘ ብምእታው ምስቶም ቈልዑ ኰይነ ካብቲ መጻሕፍቶም አንብብ ነበርኩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ መጻሕፍቶም የለቅሑኒ ነበሩ። ከምዚ እናገበርኩ ድማ ኢየ ምንባብ እተማሃርኩ።
ምስ ህዝቢ ኣምላኽ እሓብር
ድሕርዚ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብኩ እሞ ቅድሚ ምድቃሰይ ስርዓታዊ ዀይነ አንብቦ ነበርኩ። ሓደ ምሸት ነታ ደቂ መዛሙርቲ የሱስ ብሰባት ክጽልኡን ክስጐጉን ምዃኖም እትገልጽ ማቴዎስ ምዕራፍ 10 ኣንበብኩዋ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገዛይ መጺኦም ጽቡቕ ኣቀባብላ ከም ዘይተገብረሎም ዘከርኩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም እቶም የሱስ እተዛረበሎም ሰባት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ድሕርዚ ካልእ ግዜ መሰኻኽር ምስ መጹ: መጽሔት ተቐበልኩዎም። ምስኣቶም ክሓብር ምስ ጀመርኩ: ኣደዳ ላግጺ ዀንኩ። እንተዀነ ግን: ሰባት ተስፋ ከቝርጹኒ ብዝጸዓሩ መጠን: ክንድኡ ድማ ሓቀኛ ሃይማኖት ምርካበይ ኣመንኩን ተሓጐስኩን።
ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ዝተንከፈኒ ነገር: ከምተን ኣብቲ ከባቢየይ ዝነበራ ካልኦት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ንኣምልኾኦም ምስ ልምድታትን ባህልታትን ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኣረማዊ ሃይማኖት ኣይሓዋውስዎን ኢዮም ነይሮም። ንኣብነት: ስድራቤተይ ናብ ኣንጀሊካን ቤተ-ክርስትያን ዝመላለሱ እኳ እንተ ነበሩ: ኣቦይ ነቲ ኦጉን እተባህለ ኣምላኽ ዮሩባ ዘምልኸሉ ቅዱስ ነገራት ነበሮ።
ኣቦይ ምስ ሞተ: ነቲ ናይ ኣምልኾ ቅዱስ ነገር ኣነ ኢየ ክወርሶ ነይሩኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣምልኾ ጣኦት ከም ዝዅንን ፈሊጠ ስለ ዝነበርኩ ግን ኣይደለኹዎን። ብሓገዝ የሆዋ ብመንፈስ ዓበኹ: ታሕሳስ 1954 ድማ ተጠመቕኩ።
ሕማም ደዌ እተሓዝ
ኣብ መጀመርታ ናይታ ዓመት እቲኣ: ኣእጋረይ ክሓብጥን ስምዒት ኣልቦ ክኸውንን ከም ዝጀመረ ኣስተብሃልኩ። ጓህሪ ምስ ዝረግጽ ቃንዛ ዝበሃል ኣይስምዓንን ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ኣብ ግምባረይን ከንፈረይን ቍስሊ ወጸኒ። ኣነ ይኹን ስድራቤተይ ከቢድ ነገር ምዃኑ ኣይፈለጥናን፣ መበላይ እተባህለ ሕማም ቈርበት ኢዩ ዝኸውን ኢልና ድማ ሓሰብና። ፈውሲ ንምርካብ ብኣቝጽልቲ ናብ ዝሕክሙ 12 ሰባት ከድኩ። ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብኣቶም ሕማም ደዌ ምዃኑ ነገረና።
ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሰምብድ ኰን ኢዩ ነይሩ! በዚ ስለ እተረበሽኩ ኣይድቅስን ነበርኩ። ለይቲ ሃተፍተፍ የብለኒ ነበረ። እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብኩዎ ፍልጠት ቃል ሓቅን ኣብ የሆዋ ዝነበረኒ ትውክልትን ግን ንመጻኢ ግዜ ብተኣማንነት ክጽበ ሓጊዙኒ ኢዩ።
ሰባት ናብ ጠንቋሊ ከይደ መስዋእትታት እንተድኣ ኣቕሪበ ከም ዝጥዒ ነደይ ይነግርዋ ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ተግባር ንየሆዋ ከም ዘየሐጕሶ ስለ ዝፈልጥ: ምኻድ ኣበኹ። ነቲ ነገር ፈጺመ ከም ዘይገብሮ ስለ እተረድኡ: ነደይ መቕረባታታ ዝነበሩ ሰባት ኮላ እተባህለ ተኽሊ ገይራ ኣብ ግምባረይ ክትንክየኒ ሓሳብ ኣቕረቡላ። ድሕርዚ መስዋእቲ ከተቕርብ ከላ ኣብ ክንዳይ ኰይኑ ምእንቲ ከገልግል ነቲ ናይ ኮላ ተኽሊ ናብቲ ጠንቋላይ ክትወስዶ ትኽእል። ምስቲ ነገር ዝዀነ ይኹን ምትንኻፍ ክህልወኒ ኣይደለኹን: ነደይ ድማ ከምኡ ኢለ ነገርኩዋ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣረማዊ ሃይማኖት ንምእታወይ እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ረብሪባ ገደፈቶ።
ናብ ሆስፒታል ክርአ ኣብ ዝኸድክሉ እዋን: እቲ ደዌ ድሮ ሱር ሰዲዱ ነበረ። ኣብ ምሉእ ኣካላተይ ከኣ ቍስሊ ወጸኒ። ኣብቲ ሆስፒታል ኣፋውስ ሃቡኒ: በብቕሩብ ድማ ቈርበተይ ሓወየ።
ሞይቱ ኢዩ ተበሃልኩ
ጸገማተይ ግን ገና ኣይተወድአን። የማነይቲ እግረይ ኣዝያ ረዀሰት: ብ1962 ድማ ክትቍረጽ ነበራ። ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ: ብዙሕ ሕማማት ኣጋጠመኒ። ሓካይም ብህይወት ክነብር ኣይተጸበዩንን። ሓደ ጻዕዳ ሚስዮናዊ ቀሺ ናይ ኑዛዜ ጸሎት ክገብረለይ መጸ። ክዛረብ ዓቕሚ ኣይነበረንን: እታ ኣላዪት ሕሙማት ግን ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃነይ ነገረቶ።
እቲ ቐሺ “መንግስተ ሰማያት ምእንቲ ክትኣቱ ሃይማኖትካ ቐይርካ ካቶሊክ ክትከውን ትደሊ ዲኻ፧” በለኒ። ብውሽጠይ ሰሓቕኩ። መልሲ ንምሃብ ሓይሊ ክረክብ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ብሓይሊ ድማ “ኣይደልን!” ክብል ከኣልኩ። እቲ ቐሺ ተመሊሱ ኸደ።
ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ሞይቱ ኢዩ ክሳዕ ዝብሉ ኵነታተይ መሊሱ ገደደ። ገጸይ ብጨርቂ ሸፈኑኒ። ብመጀመርታ ሓደ ሓኪም ወይ ኣላዪ ሕሙማት ሙማተይ ከረጋግጹ ስለ ዝነበሮም ግን: ናብቲ እንዳ ሬሳታት ኣይወሰዱንን። በዓል ተራ ዝዀነ ሓኪም ኣይነበረን: ኵለን ኣለይቲ ሕሙማት ድማ ናብ ሓደ ድግስ ከይደን ነበራ። ስለዚ ኣብቲ ክፍሊ ምሉእ ለይቲ በይነይ ነበርኩ። እቲ ሓኪም ንጽባሒቱ ሕሙማት ክበጽሕ ከሎ: ሞይቱ ኢዩ ተባሂለ ጨርቂ ተሸፊነ ብምንባረይ ናብ ዓራተይ ዝመጸ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ: ሓደ ሰብ እቲ ጨርቂ ተሸፊኑ ዝነበረ “ሬሳ” ክንቀሳቐስ ረኣየ።
ድሕርዚ ሓወኹ: ታሕሳስ 1963 ድማ ናብቲ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ናይጀርያ ዘሎ: ኣቤኦኩታ ሆስፒታል ሕማም ደዌ ወሰዱኒ። ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ድማ ኣብኡ ክቕመጥ ጀመርኩ።
ንስብከተይ ዘጋጠሞ ተጻራርነት
ኣብቲ ቦታ ክበጽሕ ከሎኹ ዳርጋ 400 ዝዀኑ ሕማም ደዌ ዘለዎም ሰባት ነበሩ: ምስክር ድማ በይነይ ጥራይ ኢየ ነይረ። ናብ ማሕበር ጸሓፍኩ: ጉባኤ ኣኮሞጂ ክትረኽበኒ ብምሕባር ድማ ቀልጢፎም መልሲ ሰደዱለይ። ስለዚ ምስ ኣሕዋት ዝነበረኒ ርክብ ኣይተቛረጸን።
ኣብቲ ቦታ እትው ምስ በልኩ ኢየ ክሰብኽ ጀሚረ። ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ቐሺ እዚ ኣየሐጐሶን: ንሓላፊ ናይቲ ቦታ ድማ ነገረለይ። እቲ ሓላፊ ካብ ጀርመን ዝመጸ ሽማግለ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ ትምህርቲ ወይ ድማ ከምኡ ንምግባር ዘኽእለኒ ወረቐት ምስክር ስለ ዘይነበረኒ መጽሓፍ ቅዱስ ክምህር መሰል ከም ዘይብለይ ነገረኒ፣ እዚ ድማ ብቕዓት ስለ ዘይነበረኒ ንሰባት ግቡእ ገይረ ኣይምህሮምን ብምባል ኢዩ። እንተድኣ ዘየቋሪጸዮ ካብቲ ቦታ ክስጐጕን ሕክምና ክስእንን ምዃነይ እውን ሓበረኒ። መልሲ ክህብ ኣየፍቀደለይን።
ቀጺሉ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ምሳይ መጽሓፍ ቅዱስ ከየጽንዕ ዝእዝዝ ሕጊ ኣውጽአ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቶም ተገዳስነት ኣርእዮም ዝነበሩ ሰባት ናባይ ካብ ምምጻእ ኣቋረጹ።
ጥበብን መምርሕን ክህበኒ ብምሕታት: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ቀዳም: ኣብ ሃይማኖታዊ ቅዳሴታት እኳ እንተ ዘይተኻፈልኩ: ኣብቲ ቦታ ናብ ዝርከብ ናይ ባፕቲስት ቤተ-ክርስትያን ከድኩ። ኣብ መንጎ እቲ ቅዳሴ እቶም ተሳተፍቲ ሕቶታት ክሓትሉ ዝፍቀደሎም ግዜ ነበረ። ኢደይ ሓፍ ኣቢለ ድማ “ኵሎም ጽቡቕ ዝገበሩ ሰባት ንሰማይ: ኵሎም ሕማቕ ዝገበሩ ሰባት ድማ ናብ ካልእ ዝኸዱ እንተድኣ ዀይኖም: ኢሳይያስ 45:18 ኣምላኽ ንምድሪ ሰብ ክነብረላ ኢዩ ፈጢርዋ እትብል ድኣ ስለምንታይ ኢያ፧” ብምባል ሓተትኩ።
ኣብ ማእከል እቲ ጉባኤ ብዙሕ ምዕዝምዛም ኰነ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ሚስዮናዊ ቀሺ መገዲ ኣምላኽ ከምዚ ኢዩ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና ብምባል ተዛረበ። እዚ ምስ ኰነ: ነቲ 144,000 ናብ ሰማይ ከም ዝኸዱ: እኩያት ሰባት ከም ዝጠፍኡ: ጻድቃን ድማ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዝነብሩ ዝገልጽ ጥቕስታት ብምንባብ ንሕቶይ ባዕለይ መለስኩዎ።—መዝሙር 37:10, 11፣ ራእይ 14:1, 4
ኵሉ ሰብ ነቲ መልሲ ዘለዎ ምስጋና ብጣቕዒት ገለጸ። ድሕርዚ እቲ ቐሺ “እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝፈልጦ ካልኣይ ሳዕ ኣጣቕዕሉ” በሎም። ድሕሪ እቲ ቅዳሴ: ገሊኦም ናባይ መጺኦም “ካብቲ ቐሺ ንላዕሊ ንስኻ ትፈልጥ!” በሉኒ።
ንምስጓጐይ ዝነበረ ጸቕጢ ይቕጽል
እዚ ነቲ መስጐጕቲ ኣዝዩ ነከዮ: ሰባት ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እንደገና ሓበሩኒ። ይኹን እምበር: ካብቲ ቦታ ምእንቲ ክሰጐኒ ነቲ ሓላፊ ጸቕጢ ዝገብርሉ ተጻረርቲ ሰባት ተሪፎም ነበሩ። ካብቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ቅዳሴ እተገብረሉ ግዜ ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ወርሒ: እቲ ሓላፊ ጸዊዑ “ስለምንታይ ኢኻ ስብከት እትቕጽል ዘሎኻ፧ ኣብ ዓደይ ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይፈትውዎምን ኢዮም: ኣብዚ ድማ ልክዕ ከምኡ ኢዩ። ስለምንታይ ኢኻ እተትዕበኒ ዘሎኻ፧ ክሰጐካ ከም ዝኽእል ኣይትፈልጥን ዲኻ፧” በለኒ።
ከምዚ ኢሉ ድማ መለስኩሉ:- “ባባ: ብሰለስተ ምኽንያት አኽብረካ ኢየ። መጀመርታ: ካባይ ስለ እትዓቢ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንሰያብ ጸጕሪ ኣኽብር ስለ ዝብል። ንዓኻ ዘኽብረሉ ካልኣይ ምኽንያት ከኣ ንዓና ምእንቲ ክትሕግዝ ዓድኻ ሓዲግካ ናብዚ ብምምጻእካ ኢዩ። ሳልሳይ ምኽንያት ድማ ሕያዋይ: ለጋስ: ከምኡውን ንሽጉራት ስለ እትሕግዝ ኢዩ። ክትስጐኒ ግን እንታይ መሰል ኣሎካ፧ ፕረዚደንት ናይዛ ሃገር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይሰጐጎምን። ጭቃ ዓዲ ናይዚ ከባቢ ኣይሰጐጎናን። ካብዚ ቦታ እዚ እኳ እንተ ሰጐጕካኒ: የሆዋ ክእርንበኒ ኢዩ።”
ቅድሚኡ ከምዚ ገይረ ብድፍረት ፈጺመ ተዛሪበዮ ኣይፈልጥን ኢየ: እቲ ዘረባ ከም እተሰምዖ ተረዲኡኒ ኢዩ። ሓንቲ ቓል እውን ትኹን ከይተዛረበ ከደ። ጸኒሑ: ሓደ ሰብ ምስ ጠርዓለይ: ካብ ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ “ድሕሪ ደጊም ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኢደይ ኣየእቱን ኢየ። ነቲ ስብከት ዝምልከት ጸገም እንተድኣ ኣልዩካ ምስኡ ተዘራረበሉ!” ብምባል መለሰሉ።
ትምህርቲ መሃይምነት
እቶም ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝነበረ ናይ ባፕቲስት ቤተ-ክርስትያን ዝካፈሉ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ስብከተይ ቀጻሊ ይጻረርዎ ነበሩ። ድሕርዚ ሓደ ሓሳብ መጻለይ። ናብቲ ሓላፊ ኸይደ ናይ መሃይምነት ቤት ትምህርቲ ከቕውም ዝኽእል እንተድኣ ኰይነ ሓተትኩዎ። ክንደይ ክኽፈል ከም ዝደሊ ምስ ሓተተኒ: ብናጻ ከም ዝምህር ነገርኩዎ።
መምሃሪ ዝኸውን ሓደ ኽፍሊ: ሰሌዳ: ከምኡውን ኩርሽ ቀረቡ: ንገለ ካብቶም መዳቕስተይ ምንባብ ክምህሮም ጀመርኩ። መዓልቲ-መዓልቲ ትምህርቲ ነበረና። ኣብተን ናይ መጀመርታ 30 ደቓይቕ ምንባብ እምህሮም: ቀጺለ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ዛንታ ነጊረ እገልጸሎም። ድሕርዚ ነቲ ዛንታ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብቦ።
ሓንቲ ካብቶም ተማሃሮ ኒሞተ ዝስማ ሰበይቲ ኢያ ነይራ። ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዓሚቝ ተገዳስነት ነበራ: ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ይኹን ኣብቲ መስጊድ ድማ ሃይማኖታዊ ሕቶታት ትሓትት ነበረት። ሕቶታታ ኣብኡ ክምለሰላ ኣይከኣለን: ስለዚ ክትሓተኒ ትመጽእ ነበረት። ኣብ መወዳእታ: ህይወታ ንየሆዋ ወፍያ ተጠምቀት። ብ1966 ድማ ተመርዓና።
ሎሚ ኣብ ጉባኤና ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን እተማህሩ ኣብቲ ናይ መሃይምነት ቤት ትምህርቲ ኢዮም። እቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ንኽቐውም ሓሳብ ከም ዝህብ ዘግብር ጥበብ ኣይነበረንን። በረኸት የሆዋ ግን ብርግጽ ተራእዩ ኢዩ። ድሕርዚ ካብ ስብከተይ ደው ከብለኒ ኢሉ ዝፈተነ ሰብ ኣይነበረን።
ኣብቲ ቦታ ዝነበረት ኣደራሽ መንግስቲ
ኣብቲ ኣነን ኒሞተን እተመርዓናሉ ግዜ: ግምቢ ዘብዐኛ ሓቢርና ንኸነጽንዕ ስርዓታውያን ኴንና እንእከብ ዝነበርና ኣርባዕተ ሰባት ኢና ነይርና። ንሓደ ዓመት ዝኸውን: ኣብቲ ናይ ደዌ ቝስሊ ዝሕጸበሉ ክፍሊ ኢና ንእከብ ነይርና። ድሕርዚ እቲ ሽዑ ዓርከይ ኰይኑ ዝነበረ ሓላፊ ናይቲ ቦታ “ኣብ መሐከሚ ክፍሊ ኴንኩም ንኣምላኽኩም ከተምልኹ ጽቡቕ ኣይኰነን” በለኒ።
ኣብቲ ጽርበት ዕንጸይቲ ዝግበረሉ ናጻ መጽለሊ ቦታ ክንእከብ ከም እንኽእል ነገረና። ድሕሪ ገለ ግዜ: እታ መጽለሊት ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ተቐየረት። ብ1992 ብሓገዝ ናይቶም ኣብ ከተማ ዝነበሩ ኣሕዋት ሰሪሕና ወዳእናያ። ካብቲ ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ ክትርእዮ ከም እትኽእል: ኣደራሽና—እተለሰነትን ሕብሪ እተለኽየትን: ካብ ካሻስትሩስ እተሰርሐ ምድሪ ቤትን ጽኑዕ ናሕስን ዘለዋ—ጽብቕቲ ህንጻ ኢያ።
ነቶም ሕማም ደዌ ዘለዎም ሰባት ምስባኽ
እቲ ሆስፒታል ን33 ዓመታት ዞባይ ኰይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ሕማም ደዌ ንዘለዎም ሰባት ምስባኽ ከመይ ይመስል፧ ኣብዚ ኣብ ኣፍሪቃ መብዛሕትኦም ሰባት ኵሉ ነገር ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ኢዮም ዝኣምኑ። ስለዚ ሕማም ደዌ ምስ ዝሕዞም: ብገለ መገዲ ኣምላኽ ተሓታቲ ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ። ንገሊኦም ኵነታቶም የጨንቖም። ካልኦት ድማ ይሓርቁ እሞ “ብዛዕባ ፈቃርን መሓርን ኣምላኽ ኣይትዛረበና። እዚ ሓቂ ነይሩ እንተ ዝኸውን እዚ ሕማም እዚ ምጠፍአ ነይሩ!” ይብሉ። ድሕርዚ ያእቆብ 1:13 ኣንቢብና ንረዳዳእ: ከምዚ ድማ ትብል:- “ኣምላኽሲ ብእኩይ . . . ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ።” ቀጺልና የሆዋ ስለምንታይ ሕማም ንሰባት ከሳቕዮም ከም ዘፍቀደ ንገልጸሎም: ነቲ ሓደ እኳ ይኹን ሓሚመ ዘይብለሉ ናይ ገነታዊት ምድሪ መብጽዕኡ ድማ ንሕብሮም።—ኢሳይያስ 33:24
ብዙሓት ሰባት ነቲ ብስራት ጽቡቕ ምላሽ ኣርእዮም ኢዮም። ካብታ ናብዚ ቦታ እዚ ዝመጻእኩላ መዓልቲ ኣትሒዙ: የሆዋ ልዕሊ 30 ንዝዀኑ ሕማም ደዌ ዘለዎም ሰባት ናብ ወፈያን ጥምቀትን ክበጽሑ ንምሕጋዝ ተጠቒሙለይ ኢዩ። ብዙሓት ድሕሪ ምሕዋዮም ነናብ ገዝኦም ተመሊሶም ኢዮም: ሒደት ዝዀኑ ድማ ሞይቶም ኢዮም። ኣብዚ እዋን እዚ 18 ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ኣሎና: ዳርጋ 25 ዝዀኑ ድማ ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ተሳተፍቲ ኢዮም። ክልተ ሽማግለታት ኣለና: ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤን ሓደ ስርዓታዊ ፓይነርን ድማ ኣለዉና። ሎሚ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ቦታ እዚ ብተኣማንነት ንየሆዋ ከገልግልዎ ምርኣየይ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ሓጐስ ዝስምዓኒ! ናብዚ ቦታ እዚ ክመጽእ ከሎኹ: በይነይ ክኸውን ኢየ ዝብል ፍርሒ ነበረኒ: የሆዋ ግን ብዘደንቕ መገዲ ባሪኹኒ ኢዩ።
ንኣሕዋተይ ብምግልጋለይ ዝስምዓኒ ሓጐስ
ካብ 1960 ኣትሒዘ ዳርጋ ክሳዕ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ሕማም ደዌ ኣፋውስ እወስድ ነበርኩ። ሎሚ ግን ከምቶም ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ምሉእ ብምሉእ ሓውየ ኢየ። እቲ ሕማም ደዌ በሰላኡ ገዲፉ ኢዩ: እዚ ድማ ካብ ብርከይ ንታሕቲ ሓንቲ እግረይ ተቘሪጻ: ኣእዳወይ ድማ ክዝርግሖ ኣይክእልን ኢየ: እቲ ሕማም ግን ጠፊኡለይ ኢዩ።
ስለ ዝሓወኹ: ገለ ሰባት ካብዚ ቦታ ወጺአ ንገዛይ ዘይምለሰሉ ምኽንያት ይሓቱኒ። ዘጽንሓኒ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ: እቲ ቐንዲ ግን ነቶም ኣብዚ ዘለዉ ኣሕዋተይ ብቐጻሊ ክሕግዞም ስለ ዝደሊ ኢዩ። እቲ ንኣባጊዕ የሆዋ ብምጕሳይ ዝረኽቦ ሓጐስ ካብቲ ንገዛይ እንተድኣ ተመሊሰ ስድራቤተይ ክህቡኒ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን ነገር ሓለፍ ዝበለ ኢዩ።
ሕማም ደዌ ከም ዝሓዘኒ ቅድሚ ምርድአይ ንየሆዋ ምፍላጠይ መመስገኒ ኢየ። እዚ እንተ ዘይከውን ነፍሰይ ምቐተልኩ ነይረ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሕ ጸገማትን ግድላትን ኣጋጢሙኒ ኢዩ: ዘናበረኒ ግን ኣፋውስ ዘይኰነስ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ዝሓለፈ ግዜ ምልስ ኢለ ክዝክሮ ከለኹ: የሐጕሰኒ ኢዩ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝመጽእ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝህሉ መጻኢ ግዜ ክሓስብ ከሎኹ ድማ ዝያዳ ኢየ ዝሕጐስ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]
ንሕማም ደዌ ዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ
ሕማም ደዌ እንታይ ኢዩ፧
ዘመናዊ ሕማም ደዌ ብ1873 ኣርሜዩር ሃንሰን እተባህለ ሰብ ዝረኸቦ ባሲለስ ብእተባህለ ዓይነት ባክተርያ ዝመጽእ ሕማም ኢዩ። ንዕዮኡ ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ: ሓካይም ንሕማም ደዌ: ሕማም ሃንሰን ብምባል ይጽውዕዎ።
እቲ ባሲለስ እተባህለ ዓይነት ባክተርያ ንመትንታት: ኣዕጽምቲ: ኣዒንቲ: ከምኡውን ንገለ ክፍሊ ኣካላት ኢዩ ዝሃሲ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣእዳውን ኣእጋርን ዘሎ ስምዒት ይጠፍእ ኢዩ። እቲ ሕማም ሕክምና እንተድኣ ዘይረኺቡ: ከቢድ ዝዀነ ናይ ገጽን ካልእ ጫፍ ኣካላትን ምቝርማም ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ሳሕቲ ድማ ይቐትል።
ፈውሲ ኣለዎዶ፧
ደሓን ዝዀነ ዓይነት ሕማም ደዌ ዘለዎም ሰባት ዝዀነ ይኹን ሕክምና ከይተገብረሎም ይሓውዩ ኢዮም። ክብድ ዝበለ ምስ ዝኸውን ድማ ብኣፋውስ ገይርካ ክሓዊ ይኽእል ኢዩ።
እቲ ብ1950ታት እተረኽበ ናይ መጀመርታ ጸረ ሕማም ደዌ ዝዀነ መድሃኒት: እቲ ናይ ሕማም ደዌ ባክተርያ ነቲ መድሃኒት ዘለዎ ተጻዋርነት ስለ ዘማዕበለ ቀስ ኢሉ ዝሰርሕን ዘይውጽኢታውን እናዀነ መጸ። ሓድሽ ኣፋውስ ማዕበለ: ካብ መጀመርታ ናይ 1980ታት ኣትሒዙ ኸኣ ማልቲ ድራግ ቴራፒ (ኤምዲቲ) ኣብ ምሉእ ዓለም እተፈልጠ ሕክምና ኰነ። እዚ ሕክምና እዚ ሰለስተ ዓይነት ኣፋውስ—ዳፕሶን: ሪፋምፒሲን: ከምኡውን ክሎፋዚሚን—ዝሓዘ ኢዩ።
ኤምዲቲ ነቲ ባክተርያ ዝቐትሎ እኳ እንተዀነ: ነቲ ድሮ እተጐድአ ክፍሊ ኣካል ግን ኣይጽግኖን ኢዩ። ኤምዲቲ ነቲ ሕማም ኣብ ምፍዋስ ዝለዓለ ውጽኢት ኣለዎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ቍጽሪ ናይቶም ሕማም ደዌ ዘለዎም ሰባት ካብቲ ብ1985 ዝነበሮ ናይ 12 ሚልዮን ቍጽሪ ኣብ መፋርቕ 1996 ዳርጋ ናብ 1.3 ሚልዮን ጐዲሉ ኢዩ።
ክሳዕ ክንደይከ ኢዩ ዝመሓላለፍ፧
ሕማም ደዌ ብዙሕ ዝመሓለለፍ ዓይነት ሕማም ኣይኰነን፣ መብዛሕትኦም ሰባት ንምቅዋሙ ዘኽእል ሕማም ናይ ምጽዋር ተኽእሎ ኣለዎም። ክተሓላለፍ ዝኽእል ድማ: ኣብቶም እቲ ሕማም ምስ ዝሓዞም ሰባት ንነዊሕ እዋን ናይ ቀረባ ምትንኻፍ ዝገብሩ ሰባት ኢዩ።
ሓካይም እቲ ባክተርያ ናብ ኣካል ሰብ ብኸመይ ከም ዝኣቱ ርግጸኛታት ኰይኖም ኣይፈልጥዎን ኢዮም: ብቘርበት ወይ ብኣፍንጫ ኣቢሉ ኢዩ ዝኣቱ ዝብል ጥርጠራ ግን ኣለዎም።
መጻኢ ተስፋታት
ሕማም ደዌ ኣብ 2000 ዓመት “ሓደ ካብቶም ዘይህልዉ ናይ ህዝቢ ጸገማት ጥዕና” ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ዝዀነ ይኹን ማሕበረሰብ ቍጽሪ ናይቶም ሕማም ደዌ ዝሕዞም ሰባት ኣብ ውሽጢ 10,000 ካብ 1 ንላዕሊ ኣይክኸውንን ማለት ኢዩ። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ግን ምሉእ ብምሉእ ክጽረግ ኢዩ—ኢሳይያስ 33:24
ምንጭታት:- ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፣ ኣሁጉራዊ ፌደረሽን ማሕበር ጸረ ሕማም ደዌ፣ ከምኡውን ማንሰንስ ትሮፒካል ዲዝዝ: ናይ 1996 ሕታም (እንግሊዝኛ)።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]
እዚ ሎሚ ዘሎ ሕማም ደዌ ከምቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ድዩ፧
ሎሚ ዘሎ ናይ ሕክምና መጻሕፍቲ ንሕማም ደዌ ፈልዩ ኢዩ ዝገልጾ፣ ስነ-ፍልጠታዊ ስም ናይቲ ሕማም ዘምጽእ ባክተርያ ማይኮባክተሪዩም ሌፕሬ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕክምና መጽሓፍ ኣይኰነን። እተን ኣብ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት “ለምጺ” ተተርጒመን ዘለዋ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ዝያዳ ስፍሕ ዝበለ ትርጕም ኢዩ ዘለወን። ንኣብነት: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ለምጺ ተባሂሉ ዘሎ ኣብ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ክዳውንትን ኣባይትን እውን ምልክታት የርኢ ኢዩ: እዚ ድማ እቲ ባሲለስ እተባህለ ባክተርያ ዘይገብሮ ነገር ኢዩ።—ዘሌዋውያን 13:2, 47፣ 14:34
ብተወሳኺ: እቲ ሎሚ ሕማም ደዌ ከም ዝሓዞም ዘርኢ ኣብ ሰባት ዝርአ ምልክታት ምስቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናይ ለምጺ መግለጺታት ብልክዕ ኣይሰማማዕን ኢዩ። ገሊኦም ሰባት እቲ መግለጺ ኣብቲ ምስ ምሕላፍ ግዜ ዝመጸ ለውጢ ባህርይ ናይቲ ሕማም እተመርኰሰ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ሓሳብ ይህቡ። ካልኦት ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ሕማም ደዌ ነቲ ኤም. ሌፕሬ እተባህለ ባክተርያ ዘስዕቦ ሕማም ከጠቓልል ዝኽእልን ዘይክእልን ብዙሕ ዓይነት ሕማማት ዝሓቘፈ መግለጺ ኢዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት (እንግሊዝኛ) እታ መብዛሕትኡ ግዜ ለምጺ እትትርጐም ናይ ግሪኽን እብራይስጥን ቃል “ንሕደ ዓይነት ሕማም: ወይ ጕጅለ ሕማማት ኢያ እተመልክት . . . እዚ እቲ ሎሚ ንሕና ሕማም ደዌ ኢልና እንጽውዖ ዓይነት ሕማም ምዃኑን ዘይምዃኑን ከጠራጥር ይኽእል ኢዩ። እቲ ፍሉይ ሕክምናዊ መለለዪ ናይቲ ሕማም ግን ነቲ [ብየሱስን ደቀ መዛሙርቱን እተፈጸመ ናይ ለምጻማት] ምሕዋይ ዝነግር ጸብጻብ ኣመልኪቱ ዘሎና ርእይቶ ኣይትንክፎን ኢዩ።”
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ወጻኢ ናይቲ ኣብ ሆስፒታል ሕማም ደዌ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣይዛየ ኣዳግቦነን በዓልቲ ቤቱ ኒሞተን