ኵሉ ግዜ ሰራዊት ከድልየና ድዩ፧
ሰራዊት ዝዓበየ ክፋል ሰብኣዊ ሃብቲ ዘዕነወን ሓጐስ ሰብ ድማ ዝያዳ ዘጥፍአን ኢዩ። ካብዚ እተላዕለ ኸኣ: ገለ ሰባት ‘ወድሰብ ሰራዊት ዘይብሉ ናይ ዓለም ጸጥታ ክረክብ ይኽእል ደዀን ይኸውን፧’ ብምባል ሓቲቶም ኢዮም። ሎሚ ኣብዚ ጃምላዊ ዕንወት ዘውርድ ኣጽዋር ንህይወት ዘበለ ኣብ ናይ ምጽናት ደረጃ በጺሕሉ ዘሎ እዋን: እቲ ሕቶ ህጹጽ ኢዩ። ሰራዊት ዘይብላ ዓለም ክትመጽእ ተስፋ ምግባር ክውንነት ዝህልዎ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧
ጽቡቕ ዝዀነ ኣህጉራዊ ርክባት ምትእምማን ከም ዝህሉ ምስ ዝገብር: ብመጠኑ ናብ ምጕዳል ኣጽዋር ገጹ ክመርሕ ከም ዝኽእል ቅድሚ ሕጂ እተፈጸሙ ሓያለይ ነገራት የረጋግጹ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ መንጎ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘሎ ሓፈሻዊ ምሕዝነት: እቲ 5,000 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ዶባተን ንልዕሊ ሓደ ዘበንን ፈረቓን ብሰራዊት ሓለዋ ንኸይግበረሉ ምኽንያት ኰይኑ ኢዩ። ኖርወይን ሽወደንን ልክዕ ከም ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ተመሳሳሊ ስምምዕ ኣለወን። ኣብ መንጎ ኵላተን ሃገራት ዝግበር ስምምዕ ሰራዊት ዘይብላ ዓለም ከም እትህሉ ክገብር ይኽእል ድዩ፧ ምስቲ ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ራዕዲ ብምትሕሓዝ እዚ ሓሳብ እዚ ብዙሕ ተቐባልነት ረኺቡ ነበረ።
ብ1918 ሰላም ምስ ተረኽበ: ሓደ ካብቲ ዕላማታት ውዕል ሰላም ቨርሳይለስ “ኵለን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣጽዋር ሓፈሻዊ ደረት ንምግባር ዘኽእል ናይ ተበግሶ ስጕምቲ ምውሳድ” ዝብል ነበረ። ኣብተን ስዒበን ዝመጻ ዓመታት: ናይ ሰላም ኣማራጺ ምድጋፍ ዝብል ኣረኣእያ ቅቡል ኰነ። ናይ ሰላም ኣማራጺ ዝድግፉ ገለ ሰባት: ውግእ ንሓንቲ ሃገር ከጋጥማ ዝኽእል ዝኸፍአ ነገር ስለ ዝዀነ ካብቲ ስለ እተሰዓርካ ዝመጽእ ስቓይ ንላዕሊ ኢዩ ዘሳቒ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ኣውጽኡ። ነቲ ናይ ሰላም ኣማራጺ ምድጋፍ ዝብል ኣረኣእያ ዝጻረሩ ሰባት ድማ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ዝነበሩ ኣይሁድ ኣንጻር ገፋዕቶም ዕጥቃዊ ተቓውሞ እኳ እንተ ዘይገበሩ: ንምጽናቶም እተገብረ ጨካን ፈተነታት ግን ቀጻሊ ምንባሩ ብምሕባር: ምስዚ ኣረኣእያ እዚ ኣይተሰማምዑን። ኣፍሪቃውያን ነቶም ባሮት ክገብርዎም ኢሎም ናብ ኣመሪካ ዝወሰድዎም ሰባት ንምቅዋም ዘኽእል ኣጋጣሚ ኣይነበሮምን: ንዘበናት ዝኣክል ግን ተገፊዖም ኢዮም።
ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐ ግን: ብዙሓት ናይ ሰላም ኣማራጺ ዝድግፉ ሰባት: ሃገራት ርእሰን ምክልኻል ከም ዘድልየን ደምደሙ። ስለዚ: ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ምስ ቈመት: እቲ ኣብ ምጕዳል ኣጽዋር ዝነበረ ኣትኵሮ ነከየ: ወራር ንምክልኻል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ምህላው ድማ ዝያዳ ኣትኵሮ ተገብረ። እተን ኣባላት: እቲ ዝህሉ ጸጥታ ሃገራት ኣጽዋር ንኸጕድላ ምትእምማን ክህበን ተስፋ ገበራሉ።
ካልእ ግድል ድማ ዝያዳ ብሩህ እናዀነ መጸ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ሃገር ጸጥትኣ ንምሕላው እትገብሮ ጻዕርታት ንጸጥታ ጐረቤታ ዘስግእ ኰነ። እዚ ሰንካም ዑደት እዚ ድማ ናብ ናይ ኣጽዋር ቅድድም መርሐ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን: ኣብ መንጎ እተን ዓበይቲ ሃገራት እናተመሓየሸ ዝመጸ ርክባት ነቲ ኣጽዋር ናይ ምጕዳል ተስፋ ኣሓየሎ። ይኹን እምበር: ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ውግእ ወሽመጥ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዩጎዝላቪያ ነበር ዘጋጠመ ሽግራትን ነቲ ኣጽዋር ናይ ምጕዳል ተስፋ ኣጥፍኦ። ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: መጽሔት ታይም ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሂባ ነበረት:- “ዝሑል ኲናት እኳ እንተ ተወድአ: ዓለም ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረቶ ንላዕሊ ኣዝያ ሓደገኛ ቦታ ኢያ ኰይና ዘላ።”
ናይ ዓለም “ፖሊስ” ንኽቐውም ዘሎ ባህጊ
ብዙሓት ተዓዘብቲ ወድሰብ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎ ሓያል ሰራዊት እትውንን ንጽል ናይ ዓለም መንግስቲ ኢያ እተድልዮ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትኹን ኣብ ዓለም ብውትህድርና ሓያላት ዝዀና መንግስታት ነዚ ክገብርኦ ስለ ዘይከኣላ: ገሊኦም ንመጻኢ ዳርጋ ተስፋ ከም ዘየለ ኢዩ ዝስምዖም። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ እንተድኣ ተቐቢልካዮ ግን: እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ነዚ ህጹጽ ድሌት እዚ ከማልኦ ይኽእል ምዃኑ ከይገረመካ ኣይተርፍን ኢዩ።
እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” ኢሉ ዝጽውዖ ኣምላኽ ፍትሒ ንምንጋስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ይጥቀም ደዀን ይኸውን፧ ክጥቀም እንተድኣ ዀይኑኸ ኣየናይ ሰራዊት፧ ካብዞም ሎሚ ዘለዉ ሰራዊት ዝበዝሑ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎም ኢዮም ዝዛረቡ: ግናኸ ብሓቂ ፍቓድ ኣምላኽ ድዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ፧ ወይስ ኣምላኽ ኢዱ ብምእታው ሰላምን ደሓንን ዘምጽኣሉ ካልእ መገዲ ኣለዎ፧—2 ቈረንቶስ 13:11
እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕልዋ መስመሩ ንምትሓዝ እተጠቕመሉ መገዲ ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ኤድን ብምስጓጕን ናብኣ ከይምለሱ ሓለውቲ ኩሩቤላት ብምግባርን ኢዩ ነይሩ። ኣንጻር ሉዓላውነቱ ንዝግበር ኵሉ ዕልዋ ክጭፍልቖ ምዃኑ እውን ኣዊጁ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15) እዝስ ኣምላኽ ሰራዊት ከም ዝጥቀም ዘርኢ ድዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ፍርድታቱ ንምፍጻም ሰራዊት እተጠቕመሉ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ ይነግረና ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ምድሪ ከንኣን ዝነበሩ መንግስታት ምስ እንስሳታት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ: ቈልዑ ዝስውኡ: ከምኡውን ጭከና ዝመልኦ ውግእ ዘካይዱ ኢዮም ነይሮም። ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክጸንቱ ወሰነ: ፍርዱ ንምፍጻም ድማ ሰራዊት እያሱ ተጠቕመ። (ዘዳግም 7:1, 2) ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፍርዱ ንዅሉ እከይ ብኸመይ ከም ዘጥፍኦ መረድኢ ዝኸውን ሰራዊት ንጉስ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ፍርዲ ኣምላኽ ፈጺሙ ኢዩ።
እቲ ፍጻመታት እቲ ትምህርታዊ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ናይ ሰባት ጸጥታ ንምሕላው ሰራዊት ክጥቀም ይኽእል ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ብርግጽ: የሆዋ ነቲ ኣንጻር ግዝኣቱ እተላዕለ ኣድማሳዊ ስፍሓት ዝሓዘ ዕልዋ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝጥቀመሉ ፍሉይ ዝዓይነቱ ሰራዊት ኣለዎ።
“እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት”
መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 250 ግዜ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ዝብል መግለጺ ይጥቀም ኢዩ። እቲ መግለጺ ብመሰረቱ ነቲ ኣምላኽ ከም ኣዛዚ ሰፊሕ ሓይልታት መላእኽቲ መጠን ዘለዎ ቦታ ኢዩ ዘመልክት። ኣብ ሓደ አጋጣሚ ነብዪ ሚክያስ ንነገስታት ኣከኣብን ዮሳፋጥን ከምዚ በሎም:- “ንእግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ: ብዘሎ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ብየማነ ጸጋሙ ቘይሙ ርኤኹ።” (1 ነገስት 22:19) ኣብዚ ናይ መላእኽቲ ሰራዊት ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ። የሆዋ ነዚ ሰራዊት እዚ ንህዝቡ ንምክልኻል ኢዩ ዝጥቀመሉ። ከተማ ዶታን ምስ ተኸበት: ግዙእ ኤልሳእ ጃጀወ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ መረጋገጺ ምእንቲ ክህቦ ኢሉ ናይቲ መንፈሳውያን ፍጥረታት ዝሓዘ ሰራዊቱ ተኣምራታዊ ራእይ ኣርኣዮ። “እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረኣየ: እንሆ ድማ: ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ።”—2 ነገስት 6:15-17
እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ ሰራዊት ይድግፎ ኢዩ ማለት ድዩ፧ ገሊኦም ሰራዊት ህዝበ-ክርስትያን ሰራዊት ኣምላኽ ኢና ይብሉ ይዀኑ። ብዙሓት ካብኣቶም ኣቕሽሽቲ ክባርኽዎም ሓቲቶም ኢዮም። እቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሰራዊት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ንሓድሕዱ ማለት ኣንጻር ደቂ እምነቱ ዝዋጋእ ኢዩ። እቲ ኣብዚ ዘበን እዚ እተገብረ ክልተ ናይ ዓለም ውግኣት: ኣብ መንጎ ሰራዊት ናይቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ኢዩ ተጀሚሩ። እዚ ግብሪ ኣምላኽ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:20) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወተሃደራውያን ሓይልታት ምእንቲ ሰላም ኢና እንዋጋእ በሃልቲ እኳ እንተዀኑ: የሱስ ግን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሰላም ዝኸልእ ነገር ንምምካት ሰዓብቱ ከምዚ ዝበለ ሰራዊት ክውድቡ ኣዚዙ ድዩ፧
ጭፍራ ሰራዊት ናብቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብምዃን ዝጽልየሉ ዝነበረ ስፍራ ኣታኽልቲ መጺኦም ንየሱስ ምስ ሓዝዎ ከቢድ ዕግርግር ተፈጢሩ ነበረ። ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓደ ምስቲ ጭፍራ ዝመጸ ሰብኣይ ሰይፊ ገይሩ ወቕዖ። የሱስ ድማ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ሓደ ኣገዳሲ ስርዓት ንምግላጽ ተጠቕመሉ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ: ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧” የሱስ ዓቢ ሰራዊት ይእዝዝ ነይሩ ኢዩ: ጴጥሮስ ግን ኣብቲ ሰራዊት እቲ ከም ወተሃደር ኣይተመዝገበን: ካልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ እውን ከምኡ። ኣብ ክንድኡ: ጴጥሮስን እቶም ዝተረፉ ደቀ መዛሙርቲ የሱስን “ገፈፍቲ ሰብ” ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ ነይሮም። (ማቴዎስ 4:19፣ 26:47-53) ቁሩብ ሰዓታት ጸኒሑ: የሱስ እቲ ዅነታት ንጲላጦስ ኣነጸረሉ። ከምዚ ድማ በለ:- “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ: ብኣይሁድ ከይተሐዝ: ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም: ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን።” (ዮሃንስ 18:36) ከምታ ኣብ ምድሪ ቈይማ ዝነበረት መንግስቲ ዳዊት ዘይኰነትስ: እታ ኣምላኽ ንየሱስ ዝሃቦ መንግስቲ ኣብ ሰማይ ኢያ ዘላ: ናብ ምድሪ ድማ ሰላም ከተምጽእ ኢያ።
ሰራዊት ኣምላኽ ንውግእ ይወጽእ
ሰራዊት ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። መጽሓፍ ራእይ ነቲ ድሕሪ ቐረባ እዋን ዝህሉ ውግእ ክትገልጾ ኸላ ንየሱስ “ቃል ኣምላኽ” ኢላ ትጽውዖ። ከምዚ ድማ ነንብብ:- “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ: ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም: ኣብ ኣምበሌታተ ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ።” መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ውግእ እዚ ነቶም “ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን” ከጥፍኦም ምዃኑ ይዛረብ ኢዩ። ነቶም ኣብ ኣምላኽ ተኣማንነት ካብ ምርኣይ ዝሰነፉ ካልኦት ሰባት ኣመልኪቱ ድማ: እቲ ትንቢት ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ።” ሰይጣን ድያብሎስ እውን ከይተረፈ ክእሰር ኢዩ። እዚ ዅነታት እዚ ድማ ብሓቂ ሰራዊት ዘይብላ ሰላማዊት ዓለም ከም እትህሉ ክገብር ኢዩ።—ራእይ 19:11-21፣ 20:1-3
ብኣእምሮኻ ውግእ ዘይብላ ዓለም ስኣል
ሰራዊት ዘየድልየላ ኣዝያ ጸጥታ ዝሰፈና ዓለም ብኣእምሮኻ ክትስእል ምኸኣልካዶ፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝሙር ከምዚ ይብል:- “ንዑ: ንግብርታት እግዚኣብሄር: ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ: ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”—መዝሙር 46:8, 9
እዝስ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ ክኸውን! ኣብ መወዳእታ ካብቲ ንሰራዊትን ንመሳለጥያታቱን ዝኸውን ግብሪ ናይ ምኽፋል ጾር ናጻ ዝወጸ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝህልዎ ኵነታት እሞ ሕሰቦ! ሰባት ጕልበቶም ንመነባብሮ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምምሕያሽ: ንምድሪ ንምጽራያን ንምሕዳሳን ከቃንዕዎ ክኽእሉ ኢዮም። ንወድሰብ ብሓቂ ጠቓሚ ዝዀነ ነገራት ንምምሃዝ ሓድሽ ኣጋጣሚታት ክህሉ ኢዩ።
እዚ መብጽዓ እዚ ዓለምለኻዊ ፍጻሜ ክህልዎ ኢዩ:- “ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ: ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ።” (ኢሳይያስ 60:18) ድሕሪ ደጊም ዓቕሎም ዝጸበቦም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ኣባይቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖም ኣብቲ ናይ ስደተኛታት መዓስከራት ከርፋሕ ናብራ መከራ ንምሕላፍ ካብ ዞባታት ውግእ ኣይክሃድሙን ኢዮም። ድሕሪ ደጊም ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ብዝለዓል ግርጭት እተቐትሉ ወይ ዝሰንከሉ ፍቑራቶም ኣይክቝዝሙን ኢዮም። እቲ ናይ የሆዋ ሰማያዊ ንጉስ ኣብ ዓለም ነባሪ ሰላም ከምጽእ ኢዩ። “ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ እዩ።”—መዝሙር 72:7, 14
ገና ካልእ ዘሐጕስ ድማ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ጽልኢ ሓዲጎም ነቲ ናይ ኣምላኽ መገድታት ፍቕሪ ክቐድሑ እተማህሩ ሰባት ዝህሉ ህይወት ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ኣቐዲሙ ይዛረብ:- “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።” ኣብ ማእከል እቶም ንየሆዋ ዝፈልጥዎን ዘፍቅርዎን ሰባት ምንባር ከመይ ክመስል ኢዩ፧ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ከምዚ ብምባል ትንበ:- “ግብሪ ጽድቅስ ሰላም: ፍረ ጽድቂውን ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ። ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ።”—ኢሳይያስ 11:9፣ 32:17, 18
እቶም እምነቶም ኣብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ እተሃንጸ ሰባት ሰራዊት ኣምላኽ ንምድሪ ካብ ኵሎም ጸላእቲ ሰላም ከጽርይዋ ኣብ ተበገስ ከም ዘለዉ የስተውዕሉ ኢዮም። እዚ ፍልጠት እዚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ” ብምባል ዝዛረበሉ ነገራት ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዘኽእሎም እምንቶ ይህቦም ኢዩ። እዚ ድማ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም: ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ዝብል ኢዩ።—ኢሳይያስ 2:2-4
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰባት ድሮ ‘ውግእ ከይማሃሩ’ ኣብዮም ኢዮም። እምንቶኦም ኣብ ዕቝባ ሰማያዊ ሰራዊት ኣምላኽ ገይሮም ኢዮም። ምስኣቶም ኴንካ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ: ንስኻ እውን ተመሳሳሊ እምንቶ ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
U.S. National Archives photo