ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
እዮብ ንጽህንኡ ብምሕላዉ ዓስቢ ረኸበ
እዮብ ድንጋጽ ዘሎዎ ሰብ ኢዩ ነይሩ: ንመበለታትን ዘኽታማትን ውጹዓትን ድማ ይሕለቐሎም ነበረ። (እዮብ 29:12-17፣ 31:16-21) ድሕርዚ: ሃብቱን ደቁን ጥዕንኡን ብምስኣን ሃንደበታዊ መዓት ወረዶ። ዘሕዝን ድማ: እቲ ነቶም እተጨቈኑ ሰባት ዓንዲ ሕቖ ዝነበረ ለጋስ ሰብኣይ: ኣብቲ ብግዲኡ ደገፍ ዝደልየሉ ዝነበረ እዋን ምንም ሓገዝ ኣይረኸበን። በዓልቲ ቤቱ እውን ከይተረፈት “ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት” በለቶ። እቶም ‘ፈተውቱ’ ዝነበሩ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን እውን ኣየጸናንዕዎን። ኣብ ክንድኡስ: ሓጢኣት ፈጺሙ ከም ዝነበረ እሞ ስቓይ ክበጽሖ ከም ዝግባእ ብኣሽሙር ተዛረቡ።—እዮብ 2:9፣ 4:7, 8፣ 8:5, 6፣ 11:13-15
እዮብ ብዙሕ ስቓይ እኳ እንተ ወረዶ: ኣብ ተኣማንነቱ ጸኒዑ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: የሆዋ ኣብ መወዳእታ ንእዮብ ምሕረት ዘርጊሑሉን ባሪኽዎን ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ከም ዝገበሮ ዝገልጽ ጸብጻብ: ንዅሎም እቶም ንጽህንኦም ዝሕልዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ በረኸት ከም ዝረኽቡ መረጋገጺ ዝህብ ኢዩ።
ካብ መከራ ምንጋፍን ዝነበሮ ኵሉ ምምላስን
መጀመርታ: የሆዋ ንኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ገንሖም። ነቲ ካብ ኵሎም ዓቢ ክኸውን ዘለዎ ኤሊፋዝ ፈልዩ ብምዝራብ ድማ ከምዚ በለ:- “ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም: ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም: ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኵራይ ተቓጺሉ እዩ። ሕጂ ኸኣ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዝኩም ናብ እዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ብናይ ርእስኹም መስዋእቲ ምሕራር ኣዕርጉ። እዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም እዩ።” (እዮብ 42:7, 8) እዚ ዘረባ እዚ እንታይ ከም ዝሕብር እሞ ሕስብ ኣብሎ!
የሆዋ ካብ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ብዝሕ ዝበለ መስዋእቲ ሓተተ: እዚ ድማ ምናልባት ክብደት ሓጢኣቶም ንኸብርሃሎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። “ነቶም ኣገልገልቱ እኳ ኣይአምኖምን:” እዮብ እሙን ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ድማ ንዕኡ ምንም ለውጢ ኣየምጽኣሉን ኢዩ ኢሎም ብምዝራብ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ንኣምላኽ ብርግጽ ጸሪፎሞ ኢዮም። ኤሊፋዝ: እዮብ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ካብ ሓሰኻ ከም ዘይሓይሽ እውን ከይተረፈ ተዛሪቡ ኢዩ! (እዮብ 4:18, 19፣ 22:2, 3) የሆዋ ‘ብዛዕባይ ቅኑዕ ኣይተዛረብኩምን’ እንተበለ እምበኣር ኣይገርምን ኢዩ!
እቲ ዝበልዎ ግን እዚ ጥራይ ኣይነበረን። ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን: እቲ ግድላቱ ባዕሉ ዘምጽኦ ምዃኑ በብውልቆም ብምዝራብ እውን ንእዮብ በዲሎሞ ኢዮም። እቲ መሰረት ዘይነበሮ ክስታቶምን ድንጋጽ ዘይነበሮ ኣዘራርብኦምን: እዮብ “ክሳዕ መኣዝ ንነፍሰይ ተጕህይዋ: ብዘረባውን ትሰባብሩኒ አሎኹም፧” ኢሉ ክሳዕ ዝጭድር ከም ዝጕህን ዝጭነቕን ገይሩዎ ኢዩ። (እዮብ 10:1፣ 19:2) እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኣቶም ኣብ ክንዲ ሓጢኣቶም መስዋእቲ ከቕርቡ ናብ እዮብ ክመጹ ኸለዉ ክሳዕ ክንደይ ሕፍረት ተሰሚዕዎም ከም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ!
እዮብ ግን ውርደት ስለ ዝበጽሖም ባህ ክብሎ ኣይነበሮን። ብርግጽ እኳ ድኣ: የሆዋ ምእንቲ እቶም ከሰስቱ ክጽሊ ሓቲትዎ ኢዩ። እዮብ ልክዕ ከምቲ እተኣዘዞ ገበረ: ከምኡ ብምግባሩ ድማ በረኸት ረኸበ። መጀመርታ: የሆዋ ነቲ ዘሳቒ ሕማሙ ፈወሶ። ድሕርዚ: ኣሕዋቱን ኣሓቱን ናይ ቀደም ኣዕሩኹን ንኸጸናንዕዎ ናብኡ መጹ: “ነፍሲ ወከፎም ድማ ሐሓንቲ ብሩርን ቀቀለቤት ወርቅን ሀብዎ።”a ብተወሳኺውን: እዮብ “ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕ በጊዕ: ሹድሽተ ሽሕ ገመል: ሽሕ ጽምዲ ብዕራይ: ሽሕ ከኣ ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበሮ።”b በዓልቲ ቤቱ ንእዮብ ምስኡ ከም እተዓርቀት ድማ ፍሉጥ ኢዩ። ጸኒሑ: ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ብምውላዱ ተባሪኹ ኢዩ: ደቁን ደቂ ደቁን ኣርባዕተ ወለዶ ክሳዕ ዝርኢ ድማ ብህይወት ጸንሐ።—እዮብ 42:10-17
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
እዮብ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝኸውን ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። “ፍጹምን ቅኑዕን:” የሆዋ ድማ “ባርያይ” ኢሉ ንኽጽውዖ ዝሕበነሉ ሰብ ኢዩ ነይሩ። (እዮብ 1:8፣ 42:7, 8) እዚ ክበሃል ከሎ ግን እዮብ ፍጹም ኢዩ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ እዋን እቲ ፈተንኡ ሓደ ግዜ: ጠንቂ ዅሉ መከርኡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብምሕሳብ ጌጋ ግምት ኣሕዲሩ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ኣምላኽ ምስ ሰብ ዝገበሮ ምምልላስ እውን ከይተረፈ ነቒፍዎ ኢዩ። (እዮብ 27:2፣ 30:20, 21) ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ኢዩ ዘጽድቕ ነይሩ። (እዮብ 32:2) ይኹን እምበር እዮብ ንፈጣሪ ዝባኑ ኣይሃቦን: ነቲ ናይ ኣምላኽ መኣረምታ ድማ ብትሕትና ተቐበሎ። ‘ኣነ ነቲ ዘየስተውዓልክዎ ተዛሪበ: ንርእሰይ እፍንፍን ኣሎኹ: ኣብ ሓመድን ሓመዅስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ ኣሎኹ’ ብምባል ተኣሚኑ ኢዩ።—እዮብ 42:3, 6
ንሕናውን ፈተና ክበጽሓና ኸሎ ዘይግባእ ነገር ክንሓስብ: ክንዛረብ: ወይ ክንገብር ንኽእል ኢና። (ምስ መክብብ 7:7 ኣረኣእዮ።) እንተዀነ ግን: እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ዓሚቝ እንተድኣ ዀይኑ: መከራ ክበጽሓና ስለ ዝፈቐደ ኣንጻሩ ኣይንዓሉን ወይውን ኣይንምረርን ኢና። ኣብ ክንድኡስ: ንጽህናና ክንዕቅብ: ኣብ መወዳእትኡ ድማ ዓቢ በረኸት ክንዓጽድ ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ: “ምስቲ እሙን: እሙን ኢኻ” በለ።—መዝሙር 18:25 NW
ኵነታት ጥዕና እዮብ ቅድሚ ምምላሱ: የሆዋ ምእንቲ እቶም ኣብ ልዕሊኡ በደል ዝፈጸሙ ሰባት ክጽሊ ደልይዎ ኢዩ። እዝስ ንዓና ኣየ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኰን ኢዩ! የሆዋ ሓጢኣትና ይቕረታ ቅድሚ ምርካቡ: ነቶም ዝበደሉና ሰባት ይቕረ ክንብለሎም ይሓተና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:12፣ ኤፌሶን 4:32) ይቕረ ንኽንብል ብቑዕ ምኽንያት እናሃለወ ክነሱ ንኻልኦት ይቕረ ክንብለሎም ፍቓደኛታት እንተድኣ ዘይኴንና: የሆዋ ምሕረት ክገብረልና ብቕንዕና ክንጽበ ንኽእልዶ ኢና፧—ማቴዎስ 18:21-35
ኵላትና በብግዜኡ ፈተናታት ይበጽሓና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) እንተዀነ ግን: ልክዕ ከም እዮብ ንጽህና ክንሕሉ ንኽእል ኢና። ከምዚ ብምግባር ድማ: ብዙሕ ዓስቢ ክንዓጽድ ኢና። ያእቆብ “እንሆ: ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም: እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ: ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም” ብምባል ጸሓፈ።—ያእቆብ 5:11
[እግረ ጽሑፍ]
a ዋጋ ናይቲ “ሐሓንቲ ብሩር” (ብእብራይስጢ ቀሲ·ጣ ʹ ) ክፍለጥ ኣይከኣልን ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብ እዋን ያእቆብ ዕብይ ዝበለ መሬት “ብሚእቲ ቀሲጣ” ክዕደግ ተኻኢሉ ኢዩ። (እያሱ 24:32) ስለዚ እምበኣር: እቲ ብነፍሲ ወከፍ በጻሒ እተዋህቦ “ሐሓንቲ ብሩር” ብዙሕ ህያብ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
b ጾታ ናይተን ኣእዱግ እተጠቕሰሉ ምኽንያት ከም ወላዳት መጠን ዋጋ ስለ ዝነበረን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።