ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 38-42
ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ ንየሆዋ የሐጕሶ
የሆዋ ንእዮብ ምእንቲ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ኪጽሊ ትጽቢት ገበረሉ
የሆዋ ንኤሊፋዝን ንቢልዳድን ንሶፋርን፡ ናብ እዮብ ብምኻድ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርቡ ነገሮም
እዮብ ምእንታኦም ኪጽሊ ትጽቢት ተገብረሉ
እዮብ ምእንታኦም ምስ ጸለየ፡ ተባረኸ
የሆዋ ንእዮብ ስለቲ ዘርኣዮ እምነትን ተጻዋርነትን ኣብዚሑ ባረኾ
የሆዋ ንጸበባ እዮብ ኣርሓቖ፣ ምሉእ ጥዕና እውን ሃቦ
እዮብ ብዅሉ እቲ ዘሕለፎ ስቓይ ካብ ፈተውቱን ቤተ ሰቡን ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ረኸበ
የሆዋ ንብልጽግና እዮብ መለሶ፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ድማ ዕጽፊ ገይሩ ሃቦ
እዮብን ሰበይቱን ካልኦት ዓሰርተ ውሉዳት ወለዱ
እዮብ ብድሕሪኡ ን140 ዓመት ብህይወት ጸንሐ፣ ኣርባዕተ ወለዶ ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚ ኸኣ ረኸበ