ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/5 ገጽ 4-6
  • ሃብቲ ሕጕስ ክገብረካ ይኽእልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሃብቲ ሕጕስ ክገብረካ ይኽእልዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍቕሪ ገንዘብ ሓጐስ ኣየምጽእን ኢዩ
  • በቲ ዘሎና ምዕጋብ
  • ናይ ሓጐስ መፍትሕ
  • ዕግበትን ልግስን
    ንቕሑ!—2018
  • ሃብትን ጥበብን ዝነበሮ ንጉስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ናይ ሓቂ ብልጽግና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሓጐስ ምርካቡ ኣዝዩ ዘጸግም ነገር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/5 ገጽ 4-6

ሃብቲ ሕጕስ ክገብረካ ይኽእልዶ፧

ንጉስ ሰሎሞን ናይ ገንዘብ ጥቕሚ ይርድኦ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ድግስ ንሳሕቂ ይሳናዶ: ወይኒ ኸኣ ንህይወት የሐጕሳ: ኵሉውን ብቕርሺ እዩ ዚዕደግ።” (መክብብ 10:⁠19) ምስ ኣዕሩኽካ ምድራር ኣዝዩ ዘሐጕስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንጌራ ወይ ከኣ ወይኒ ንምርካብ ግን ገንዘብ የድሊ። ስጋዊ ነገራት ‘ኵሉ ብቕርሺ ኢዩ ዝዕደግ።’

ሰሎሞን ኣዝዩ ሃብታም እኳ እንተነበረ: ሃብቲ ክገብሮ ዘይክእል ነገራት ከም ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ፍቕረ⁠-ንዋይ ዝመልኦ ህይወት ናብ ሓጐስ ከም ዘይመርሕ ኣፍልጦ ሂቡ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን።”​—⁠መክብብ 5:⁠10

ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ዝያዳ ሃብቲ ይረክብ ንበል። ሰሎሞን “ጥሪት እንተ በዝሔ: በላዕቱ ይበዝሑ” ይብል። (መክብብ 5:⁠11) ናይ ሓደ ሰብ “ጥሪት” እንተ በዝሐ ንዕኡ ዝኣልዩ ዝያዳ ሰባት የድልዩ። ዘዐርዩ: ዝከናኸኑ: ኣገልገልቲ: ሓለውቲ: ከምኡውን ካልኦት ኵሎም ከኣ ናይቲ ዝገበርዎ ኣገልግሎት ክኽፈሉ ኣለዎም። እዚ ብግዲኡ ድማ: ዝያዳ ገንዘብ ይሓትት።

ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንናይ ሓደ ሰብ ሓጐስ ብቐጥታ ኢዩ ዝትንክፎ። እቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ዘኖፎን እተባህለ ግሪኻዊ ፈላስፋ ናይ ሓደ ድኻ ዝነበረ እሞ ዝሃብተመ ሰብ ሓሳባት ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:⁠-

“ዝያዳ ብምጥራየይ ብሓቂ ዝያዳ ሕጕስ ኰይነ ዝነብርዶ ይመስለካ፧ ምብላዕ: ምስታይ: ከምኡውን ምድቃስ ካብቲ ድኻ ኸለኹ ንላዕሊ ዋላ ሓንቲ ዝያዳ ሓጐስ ከም ዘይህበኒ ኣይተገንዘብካን። ብዙሕ ብምጥራየይ ዝረኸብክዎ እንተሎ: ንኻልኦት ዝያዳ ከም ዝዘሩ: ከምኡውን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረኒ ንዝበዝሐ ብምእላይ ከም ዝሽገር ጥራይ ኢዩ ገይሩኒ። ከመይሲ ሕጂ ንብዙሓት ናይ ገዛ ኣገልገልቲ መግቦም: መስቲኦም: ንብዙሓት ከኣ ክዳኖም ኣነ ኢየ ዝሓልዮ፣ ገሊኦም ከኣ ሓካይም የድልዮም፣ ሓደ መጺኡ ንሓንቲ በጊዕ ተዅላ ከም ዝበልዓ: ወይ ሓደ ብዕራይ ከም ዝጸደፈ: ወይ ኣብተን ከብቲ ሕማም ከም እተላብዐ ይነግረኒ። ስለዚ ኸኣ ንዓይ ዝመስለኒ . . . ካብቲ ሒደት ጥሪት ከለኒ ሕጂ ዝያዳ ብምጥራየይ ዝያዳ ሽግር ኣሎኒ።”

ሰባት መመሊሶም ዝያዳ ሃብቲ ከም ዝደልዩ ዝዀ​ኑሉ ምኽንያት ከኣ በቲ የሱስ ክርስቶስ ‘ምዕሻው ሃብቲ’ ኢሉ ዝጸውዖ ብምትላሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 13:​22) ካብቲ ኣጸቢቖም ዝደልይዎ ሃብቲ እቲ ክረኽብዎ ኢሎም ዝሓሰቡ ዕግበት ወይ ሓጐስ ስለ ዘይረኸቡ ተዓሽዮም ኢዮም። እቲ ሒደት ሃብቲ ክገብሮ ዘይከኣለ ዝያዳ ሃብቲ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ ኢሎም ኢዮም ዝሓስቡ። ስለዚ ብቐጻሊ ዝያዳ ንኽረኽቡ ይጽዕሩ።

ፍቕሪ ገንዘብ ሓጐስ ኣየምጽእን ኢዩ

ንሓደ ሃብታም ሰብኣይ ብዛዕባ ጥሪቱ ምሽቓል ልዋም ዘለዎ ድቃስ ለይቲ ከም ዘየሕልፍ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:⁠- “እቲ ዓያዪ ብዙሕ ወይስ ሒደት እንተ በልዔ: ጥዑም ድቃስ ይድቅስ: ንሃብታም ግና ጽጋቡ ኣየደቅሶን።”​—⁠መክብብ 5:⁠12

ሃብትኻ ንኸይጠፍእ ምሽቓል ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ከሎ ካብ ድቃስ ምስኣን ንላዕሊ ኢዩ ዘስዕብ። ብዛዕባ እቲ ሽግር ክገልጽ ከሎ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:⁠- “ኵለን መዓልትታቱ ኣብ ጸልማት ይበልዕ: ብዙሕ መከራን ሕማምን ኵራን ከኣ አለዎ።” (መክብብ 5:⁠17) ብሃብቱ ኣብ ክንዲ ዝሕጐስ እቲ ንመግቢ ዘውጽኦ ገንዘብ እውን ባህ ከይበሎ ከም ዝኸፍሎ ‘ብመከራ’ ኢዩ ዝበልዕ። ከምዚ ዝበለ ዘይጥዑይ ኣመለኻኽታ: ጥዕና ንምስኣን ግደ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ጥዕና ምስኣን ከኣ ብግዲኡ ነቲ ጭንቀት ይውስኸሉ: ምኽንያቱ ዝያዳ ሃብቲ ንኸይእክብ ስለ ዝኽልክሎ።

ምናልባት እዚ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ የዘክረካ ይኸውን: ከምዚ ይብል:⁠- ‘እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ናብ ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒትን እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተማጣጠሩ . . . ናብ ርእሶም ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።’ (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠9, 10) ሰባት ደድሕሪ ገንዘብ ክጓየዩ ከለዉ የታልሉ: ይሕስዉ: ይሰርቁ: ይምንዝሩ: ቅትለት እውን ከይተረፈ ይፍጽሙ። ናይዚ ውጽኢት ከኣ ሃብቲ ክረክብ ከምኡውን ክውንን ስለ ዝጸዓረ ብስምዒታዊ: ኣካላዊ: መንፈሳዊ ስቅያት እተወግአ ሰብ ይኸውን። እዝስ ናይ ሓጐስ መገዲዶ ይመስል፧ ፈጺሙ ኣይመስልን ኢዩ!

በቲ ዘሎና ምዕጋብ

ሰሎሞን ብዛዕባ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ሃብቲ ካልእ ዝብሎ ኣለዎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ከምቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቱ ዝወጸ: ጥራዩ ኸም ዚመጽእ: ከምኡ መሊሱ ይኸይድ: ካብቲ ዝጸዐረሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይማላእን። እንሆ: ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ እሞ: በቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ቝጽሪ መዓልትታት ህይወቱ ኺበልዕን ኪሰትን: በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዘበለ ጻዕሪ ጽቡቕ ኪርእን እዩ: እዚ ኸኣ ሰናይን ጽቡቕን ኰይኑ ርኤኽዎ።”​—⁠መክብብ 5:⁠15, 18

እዚ ቃላት እዚ ብህይወት ክንጸንሕ ከይንጸንሕ ንዘይንፈልጦ መጻኢ ዝኸውን ሃብቲ ብምኽዕባት ሓጐስ ከም ዘይመጽእ ኢዩ ዘርኢ። በቲ ካብ ዓስቢ ጻዕርና እንረኽቦ ምዕጋብን ምሕጓስን ኣጸቢቑ ዝሓሸ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፎ መንፈስ ዝነፈሶ ደብዳበ ተመሳሳሊ ሓሳብ ጠቒሱ ኣሎ: ከምዚ ብምባል:⁠- “ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠7, 8፣ ምስ ሉቃስ 12:⁠16⁠-​21 ኣረኣእዮ።

ናይ ሓጐስ መፍትሕ

ሰሎሞን ክልቲኡ ማለት ሃብትን ኣምላኻዊ ጥበብን ብብዝሒ ነበሮ። ንሓጐስ ግን ምስ ጥበብ እምበር ምስ ገንዘብ ኣየተሓሓዞን። ከምዚ ኸኣ በለ:⁠- “እቲ ጥበብ ዚረክብ: ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከመይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ: እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። ካብ ዕንቊ ትኸብር: ኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ አይመዐራረያን። ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ: ኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን አለዋ። ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ: ብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ: ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ።”​—⁠ምሳሌ 3:⁠13 -​18

ጥበብ ካብ ንዋታዊ ጥሪት እትበልጽ ስለምንታይ ኢያ፧ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ: ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ።” (መክብብ 7:⁠12) ገንዘብ ነቲ ዋናኡ ዝደለዮ ነገር ናይ ምዕዳግ ተኽእሎ ብምሃብ ብመጠኑ ዕቝባ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ጥበብ ግን እቲ ሰብ ንህይወቱ ክጐድእ ዝኽእል ሓደገኛ ዝዀነ ነገር ከይገብር ክትሕልዎ ትኽእል። ጥበብ ንሓደ ሰብ ቅድሚ መዓልቱ ከይመውት ተድሕኖ ጥራይ ዘይኰነትስ ኣብ ግቡእ ፍርሒ ኣምላኽ እተመርኰሰት ብምዃና ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ከም ዝረክብ ክትገብሮ ኢያ።

ኣምላኻዊ ጥበብ ሓጐስ ዘምጽእ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ናይ ሓቂ ሓጐስ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዝመጽእ ኢዩ። ብተመክሮ ከም እተራእየ ናይ ሓቂ ሓጐስ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ብምእዛዝ ጥራይ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል። ቀጻሊ ሓጐስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ኣቕዋም ብምህላው ኢዩ ዝመጽእ። (ማቴዎስ 5:⁠3⁠-​10) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንማሃሮ ኣብ ተግባር ብምውዓል “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ከነማዕብል ኢና። (ያእቆብ 3:⁠17) ሃብቲ ፈጺሙ ከምጽኦ ዘይክእል ሓጐስ ድማ ከተምጽኣልና ኢያ።

[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ስእልታት]

ንጉስ ሰሎሞን ንሓደ ሰብ ሕጕስ ዝገብሮ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንስኻኸ ትፈልጥዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ