ሃብትን ጥበብን ዝነበሮ ንጉስ
ሃብቲ ዘሐጕሰካዶ ይመስለካ፧ ሓደ ሰብ ብዙሕ ገንዘብ እንተ ዝህበካ ኣይምተሓጐስካንዶ፧ ምናልባት ምተሓጐስካ ትኸውን። እትጥቀመሉ መገድታት ከም እትሓስብ ፍሉጥ ኢዩ።
ንህይወት ዝያዳ ምቾት ዘለዋን ባህ እተብልን ንምግባር ዝዕደግ ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎ ፍሉጥ ኢዩ። ከም ሕማም ወይ ስራሕ ምስኣን ዝኣመሰለ ዘይሓሰብካዮ ነገራት ከጓንፍ ከሎ እውን ገንዘብ “ጽላል” ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—መክብብ 7:12
ኣብ መንጎ ገንዘብን ሓጐስን ግን እንታይ ርክብ ኣሎ፧ ብዙሓት ከም ዝብልዎ ሓጐስ ውጽኢት ናይ ሃብቲ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ምምላስ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ምኽንያቱ ገንዘብ ብቐሊሉ ክዕቀን ይኽእል ኢዩ ሓጐስ ግን ክዕቀን ኣይክእልን ኢዩ። ንሓጐስ ኣብ ሚዛን ኣቐሚጥካ ክትመዝኖ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ገሊኦም ሃብታማት ሰባት ሕጕሳት ክመስሉ ከለዉ ካልኦት ከኣ ጕሁያት ኢዮም። ኣብቶም ድኻታት እውን ከምኡ ኢዩ። ገና ግን ብዙሓት ሰባት—እቶም ድሮ ሃብታማት ዝዀኑ እውን—ገንዘብ ዝበዝሐ ሓጐስ ከም ዘምጽኣሎም ኢዩ ዝኣምኑ።
ብዛዕባ እዚ ከምዚ ዝበለ ነገራት ዝጸሓፈ: እቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ኢዩ። ንሱ ብህይወት ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ሰባት እቲ ዝሃብተመ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝነበረ ሃብቱ እተዋህቦ መግለጺ ኣብ 10ይ ምዕራፍ ናይ ቀዳማይ ነገስት ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ቍጽሪ 14 “ሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዚአትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ” ትብል። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ኣሃዝ እዚ ማዕረ 25 ቶን ወርቂ ኢዩ። ሎሚ: ዋጋ ናይ ክንድዚ ዝኣክል ወርቂ 200,000,000 ናይ ኣመሪካ ዶላር ኢዩ ዝበጽሕ!
ይኹን እምበር: ሰሎሞን ሃብታም ጥራይ ኣይነበረን፣ ኣምላኽ ብጥበብ ዝባረኾ እውን ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዐበየ። ብዓለሙ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበቡ ኺሰምዕስ: ገጽ ሰሎሞን ኪርኢ ይደሊ ነበረ።” (1 ነገስት 10:23, 24) ንሕና እውን ካብ ጥበብ ሰሎሞን ክንጥቀም ንኽእል ኢና: ምኽንያቱ እቲ ንሱ ዝጸሓፎ ክፍሊ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሃብትን ሓጐስን ዘሎ ርክብ እንታይ ከም ዝብል እስከ ንርአ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ካብ Die Heilige Schrift - Übersetzt von Dr. Joseph Franz von Allioli. Druck und Verlag von Eduard Hallberger, Stuttgart እተወስደ።