ናይ መበል 104 ክፍሊ ጊልዓድ ምረቓ—ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኢዩ
“እዚ ኣጋጣሚ እዚ ናይ ሓጐስ መዓልቲ ኢዩ: ኵላትና ድማ ባህ ኢሉና ኣሎ።” እቲ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ኬሪ ባርበር: ነቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ መበል 104 ክፍሊ ዝምረቕሉ ባህ ዘብል ፕሮግራም በዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት ገይሩ ብ14 መጋቢት 1998 ከፈቶ። ነቶም 4,945 ተኣከብቲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ በታ “ናይ ሓጐስ መዝሙር” ዘርእስታ መዝሙር ቍጽሪ 208 ብምዝማር ክጅምርዎ ዓደሞም።
ሕጕስ ኴንካ ንምቕጻል ዝሕግዝ ተግባራዊ ምኽሪ
እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓሙሽተ ተኸታታሊ ዝርርባት ዝሓዘ መኽፈቲ ክፍሊ ናይቲ ፕሮግራም: ነቲ ኣብ መዓልቲ ምረቓ ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ሓጐስ መንፈስ ብኸመይ ከም ዝዕቀብ ዘርኢ ተግባራዊ ምኽሪ ዝህብ ነበረ።
እታ ናይ መጀመርታ ዝርርብ በቲ ኣባል ክፍሊ ጽሕፈት ዝዀነ ጆሴፍ ኢምስ ኢያ ተዋሂባ። ኣብ 2 ሳሙኤል ምዕራፍ 15 ከምኡውን 17 እተመርኰሰ ኰይኑ “ናይቶም እሙናት ሰባት ኣብነት ቅድሑ” ብዝብል ኣርእስቲ ገይሩ ዝርርብ ሃበ። እዘን ምዕራፋት እዚኣተን እቲ ወዲ ዳዊት ዝነበረ ኣቤሴሎም ነታ የሆዋ ንኣቡኡ ዝሃቦ መንግስቲ ንምውሳድ ዕልወት ብምልዕዓል ብኸመይ ከም እተተናዀለ ዘርእያ ኢየን። ይኹን እምበር: ነቲ ናይ የሆዋ ቅቡእ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት እሙናት ኰይኖም ዝቐጸሉ እውን ነይሮም ኢዮም። እዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን እዚኣቶም ካብዚ እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዝኽእሉ፧ ሓው ኢምስ ከምዚ ብምባል ይድምድም:- “ሚስዮናውያን ኴንኩም ኣብ እትምደቡሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ: ናይ ምትሕብባር መንፈስ ከም ዝህሉ ንምግባር ብተኣማንነት ጽዓሩ: ንቲኦክራሲያዊ ስልጣን ከኣ ኣኽብሩ። ካልኦት እውን ከምኡ ክገብሩ ሓግዝዎም።”
ደድሕሪኡ ዝርርብ ዝሃበ ደቪድ ሲንክለር ኢዩ። ነቲ ኣብ ‘ድንኳን እግዚኣብሄር’ ንምእታው ዘድሊ ኣብ መዝሙር ምዕራፍ 15 ተጠቒሱ ዘሎ ዓሰርተ ብቕዓታት ዘርዘረ። በታ “ኣብቲ ናይ ሚስዮናውያን ድንኳንኩም ምንባር ቀጽሉ” ዘርእስታ ዝርርቡ ገይሩ: ነቶም ተመረቕቲ ተማሃሮ ነዛ ናይ መዝሙር ምዕራፍ እዚኣ ኣብቲ ሚስያናውያን ኰይኖም ዝምደቡሉ ቦታ ኣብ ተግባር ከውዕልዋ ኣተባብዖም። ሓው ሲንክለር ኵሉ ግዜ ብኣምላኻዊ ስርዓታት ምንባር ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሐ። እንታይ ፍረኸ ኣለዎ፧ መዝሙር 15:5 “እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ” ብምባል ትገልጽ።
ደድሕሪኡ ስዒቡ ኣባል ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጆን ባር: ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት መዝሙር ብምዝማር ዝርከብ ምንቕቓሕ ከም ዘቕልብሉ ገበረ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝዝመር ዘሎ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ደስ ዘብል መዝሙር እንታይ ኢዩ፧ እቲ ብዛዕባ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ብስራት ኢዩ። እዚ ዅሉ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዝዝመር መዝሙር ወይ ስብከት እዚ እንታይ ፍረ ኣፍረየ፧ ካልኣይቲ ቤት ናይ መዝሙር ቍጽሪ 208 ብሕጽር ዝበለ መገዲ ከምዚ ብምባል ትገልጾ:- “በቲ ስብከት መንግስትን ክርስትያናዊ ትምህርትን ብዙሓት ናብ ወገን የሆዋ ይመጹ። እዚኣቶም እውን ናይ ሓጐስ መዝሙር ይዝምሩ: ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ድማ የቃልሕዎ!” እወ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዳርጋ 1,000 ዝዀኑ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ይጥመቑ ኣለዉ። ሓው ባር ከምዚ ብምባል ይድምድም:- “ኣሕዋት: ናብ ሓደ ነቲ እትዝምርዎ መዝሙር ንምስማዕ ሃንቀው ኢሎም ዝጽበዩ ሰባት ዝሓዘ ዞባ ትለኣኹ ከም ዘለኹም ገይርኩም ክትሓስቡስ ኣዝዩ ደስ ዘብልዶ ከይኰነ፧”
ቀጺሉ እቲ ኣባል ናይ ክፍሊ ጽሕፈት ዝዀነ ጀምስ ማንትስ ዘቕረባ ዝርርብ ድማ “ተመክሮ ዘለዎም ሚስዮናውያን ንዝብልዎ ስምዑ” እትብል ነበረት። ሓድሓደ ነገራት በቲ እተሕልፎ ብሕታዊ ተመክሮታት ጥራይ ከም እትማሃሮ ጠቐሰ። (እብራውያን 5:8) ይኹን እምበር: ምሳሌ 22:17 “እዝንኻ ጽሎ: ቃላት ጠቢባን [ወይ ቃላት እቶም ተመክሮ ዘጥረዩ] ከኣ ስማዕ” ብምባል ተተባብዓና። እቶም ተመረቕቲ ተማሃሮ ካብቶም ድሮ ቅድሚኦም ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑ ብዙሕ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ሓው ማንትስ ከምዚ በለ:- “እቶም ነዊሕ እዋን ዝገበሩ ሚስዮናውያን ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘለዉ ሸቃጦ ብኸመይ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዝገብሩ ይፈልጡ ኢዮም። ብምኽንያት ኣካላውን ሞራላውን ሓደጋታት ኣበየናይ ወገን ናይቲ ከተማ ክትከይድ ከም ዘይብልካ ይፈልጡ ኢዮም። ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ብቐሊሉ ክዕንቀፍሉ ዝኽእሉ ነገራት እንታይ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ኣብቲ እተመደብካሉ ቦታ ሕጕስን ዕዉትን ንምዃን እንታይ ከም ዘድሊ ይፈልጡ ኢዮም።”
እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተሓዝ መዝገብ ዋለስ ሊቭረንስ “ነቲ ቲኦክራሲያዊ መደብኩም ኣማስውሉ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝርርብ ክህብ ከሎ ኣምላኽ ንኸም በዓል ጳውሎስ: ጢሞቴዎስ: በርናባስ ዝኣመሰሉ ገለ ሚስዮናውያን ብመንፈስ ቅዱስ ወይ ብገለ ተኣምራታዊ ተርእዮ ገይሩ ኣብቲ ዘገልግልሉ ቦታ ከም ዝመደቦም: ኣብ ጊልዓድ ልምምድ ዝወሰዱ ሚስዮናውያን ግን ኣብቲ ዘገልግልሉ ኣብ ዓለም ዝርከብ እተፈላለየ ግራት ዝምደቡ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ምዃኖም ገለጸ። (ማቴዎስ 24:45-47) ነቲ ሚስዮናውያን ዝምደቡሉ ቦታ ምስቲ ጊዴዎን ነቶም ምስ ሚድያናውያን ክዋግኡ ዝነበሮም ወተሃደራቱ ዝመደቦም ቦታ ኣመሳሰሎ። (መሳፍንቲ 7:16-21) ሓው ሊቭረንስ ከምዚ ኢሉ ኣተባብዖም:- “ነቲ ሚስዮናውያን ኴንኩም እተገልግልሉ ቲኦክራሲያዊ መደብ ኣማስውሉ። ከምቲ ወተሃደራት ጊዴዎን ‘ነፍሲ ወከፎም ኣብ ሰስፍርኦም ዝቘሙ’ ነቲ መደብኩም ደው ክትብልሉ ዝግብኣኩም ቦታ ከም ዝዀነ ገይርኩም ርኣይዎ። የሆዋ ከምቲ ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ናይ ጊዴዎን ወተሃደራት እተጠቕመሎም ክጥቀመልኩም ከም ዝኽእል እምነት ይሃልኹም።”
ብዛዕባ ሰባት እትሓሊ ምዃን ሓጐስ የፍሪ
ሓደ እዋን ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ሂቡ ነበረ:- “ድሌትናን ናብራናን ኣብቲ ክቕጽል ምዃኑ ምንም ውሕስነት ዘይብሉ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝፈሪ ኣቑሑን ካልእ ኤሌክትሮኒካዊ ነገራትን ከም ዘተኵር ኣብ ክንዲ ምግባር: ንሰባት ብሓቂ ኣብ ምሕላይን ንኻልኦት ብምሕጋዝ ከኣ ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ከም ዝርከብ ኣብ ምምሃርን ምስ እነተኵርሲ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸን ጥበባውን ኰን ኢዩ።” ሓደ ካብቶም ናይ ጊልዓድ መምህራን: ሓው ማርክ ኑማር: ምስ እዚ ሓሳባት እዚ ብምስምማዕ ምስ ገለ ተማሃሮ ብዛዕባ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጠሞም ተመክሮታት ተመያየጠ። “ዕዉታት ሚስዮናውያን ዝገብረኩም ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ብብሕትኹም ምስ እትግደሱ ኢዩ” ብምባል ድማ ሓሳባት ሃበ።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ከሎኻ ሓጐስ ንምርካብ ዝሕግዝ መገድታት
ኣብቲ ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዓወትን ሓጐስን ንምርካብ ዝሕግዝ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዘሎ ሓው ቻርለስ ውዲን ቅድም ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሚስዮናዊ ዝነበረ ሕጂ ድማ ተሓጋጋዚ ኣባል ናይ ትምህርቲ ኮሚቴ ሃሮልድ ጃክሰንን: ነቶም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ኣባላት ናይ ጨንፈር ኮሚቴ ቃለ-መጠይቕ ገበሩሎም። እዚኣቶም ኣብቲ ንናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፐርሰነል ዝዋሃብ መበል ታሽዓይ ክፍሊ ንኽማሃሩ ዝመጹ ኢዮም። ካብቲ ዝሃብዎም ገለ ምኽሪ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:-
ካብ ዛምብያ ዝመጸ ኣልበረት ሙሶንዳ ከምዚ ኢሉ ርእይቶኡ ሃበ:- “እቶም ሚስዮናውያን ናብቶም ኣሕዋት ከይዶም ሰላም ንምባል ተበግሶ ምስ ዝወስዱ: እቶም ኣሕዋት ናብቶም ሚስዮናውያን: እቶም ሚስዮናውያን ድማ ናብቶም ኣሕዋት ኣጸቢቖም ስለ ዝቀራረቡ ሃናጺ ዝዀነ መንፈስ ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ።”
ካብ ጓተማላ ዝመጸ ሮላንዶ ሞራለስ ድማ እቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ምቑሉላት ዝዀኑ ሰባት ዝስተ ነገር ምስ ዝህብዎም ብሕያውነትን ብጥበብን ከምዚ ኢሎም ክምልስሎም ይኽእሉ ኢዮም ብምባል ሓሳባት ሃበ:- “ነዚ ሃገር ሓድሽ ኢየ። ክሰቲ ድማ ደስ ምበለኒ: ግን ኣካላተይ ከምቲ ናትኩም ዓይነት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የብሉን። ሓደ መዓልቲ ክሰቲ ግን ተስፋ እገብር: ከም ዝሕጐሰሉ ድማ ርግጸኛ ኢየ።” ከምዚ ዓይነት መልሲ ምሃብ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ “እቶም ሰባት ኣይቅየሙን ኢዮም: እቶም ሚስዮናውያን ድማ ብዛዕባ ኻልኦት ዝሓልዩ ይዀኑ።”
ሚስዮናውያን ኣብ መደቦም ክጸንዑ ክሕግዞም ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ ኣብ መበል 79 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐ: ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ከኣ ኣብ ላይቤርያ ከገልግል ዝጸንሐ ሓው ፖል ክሩደስ እዚ ዝስዕብ ርእይቶ ሃበ:- “ወለዲ ንደቆም ከም ዝናፍቕዎም እርድኣኒ ኢዩ። እንተዀነ ግን እቲ ሚስዮናዊ ነቲ ዓዲ: ከባቢ: ባህሊ: ከምኡውን ነቶም ሰባት ንምልማድ ጻዕሪ ዝገብረሉ እዋን ኣሎ። ገዲፍዎ ንዓዱ ክምለስ ዝደፋፍእ ስምዒት ይመጾ ይኸውን። ካብ ስድርኡ ‘ብሓቂ ናፊቕናካ፣ ብዘይ ብኣኻ እንታይ ከም እንገብር እንድዒ:’ ዝብል ደብዳበታት ምስ ዝጸሓፈሉ: ሳንጥኡ ጠቕሊሉ ንዓዱ ከም ዝምለስ ይገብሮ ይኸውን። እዞም ሕጂ ኣብዚ ዘለኹም ቤተሰቦም: ነዚ ክትዝክርዎ ጽቡቕ ኢዩ።”
ብድሕሪ እዚ ቃለ-መጠይቓት: በቲ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ቴዶር ጃራዝ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ናይቲ ፕሮግራም ቀረበ። ናይቲ ዝሃቦ ዝርርብ ቀንዲ ኣርእስቲ ከኣ “ነታ መንግስቲ ኣብ ህይወትኩም ቀዳምነት ሃብዋ” ዝብል ነበረ። ሚስዮናውያን ንቑሓት ኰይኖም: ካብ ኣገልግሎቶም ከይተሰናኸሉ ክቕጽሉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብርሉ መደብ ክህልዎም ኣተባብዖም። ከምዚ ምስ ዝገብሩ ረብሓታት ናይታ መንግስቲ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ንምሃብ ክሕግዞም ኢዩ። እዚ ዝስዕብ እዋናዊ መዘኻኸሪ እውን ነይሩ ኢዩ:- “ገለ ሚስዮናውያን ኤለክትሮኒካዊ ብዝዀነ ኣቑሑ: ኢ-መይል: ከምኡውን ብኮምፒዩተር ትሑዛት ስለ ዝዀኑ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ሸለል ኢሎምዎ ኢዮም። ዝዀነ ይኹን መሳርሒ ኣብ ምጥቃም ጽቡቕ ምምዝዛን ክህልወና ኣለዎ: ከምኡውን ቀስ እናበለ ነቲ እንገብሮ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽ ክሓናኹል ኣብ ዝኽእል ነገራት ብዙሕ ሰዓታት ከነጥፍእ የብልናን።”
ደድሕሪ ዝርርብ ናይ ሓው ጃራዝ ዲፕሎማ ተዓደለ: ከምኡውን እቶም ተመረቕቲ ዝጸሓፍዋ ናይ ሞሳ ደብዳበ ተነበት። ናይቶም ተማሃሮ ተወካሊ ንስምዒት ናይ ነፍሲ ወከፍ ተመራቒ ብኸምዚ ዝስዕብ ገይሩ ገለጾ:- “እታ የሱስ መለለዪት ደቀ መዛሙርቱ ከም እትኸውን እተዛረበላ ዓይነት ፍቕሪ ከም ዘላ ጭቡጥ መረጋገጺ ርኢና: እዚ ድማ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ሓንቲ ፍቕራዊት: ከም ኣደ ዝዀነት ማሕበር ትድግፈና ምህላዋ ዘረጋግጸልና ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ደገፍ ብምርካብ: ክሳዕ ጫፍ ምድሪ ንምኻድ ድሉዋት ኢና።” እዚ ኸኣ ነቲ ዝነበረ ዘሐጕስ ምረቓ ናይ መበል 104 ክፍሊ ጊልዓድ ዘማዕርግ መደምደምታ ነበረ።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን]
ናይቲ ክፍሊ ስታቲስቲክስ
ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 9
ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 16
ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48
ቍጽሪ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን:- 24
ገምጋም ዕድመ:- 33
ኣብ ሓቂ ዝጸንሕሉ ገምጋም ዓመታት:- 16
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሕሉ ገምጋም ዓመታት:- 12
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 104 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ
(1) ማርያ ሮሜሮ፣ ጃስቫንት ሃዋርዝ፣ ዴብራ ብላክበርን-ኬን፣ ኤሊዛቤት ሆንጋሰር፣ ሻውን ዌስት፣ ስቴፋኒ ቶም (2) ዌንዲ ኮሎን፣ ጄኒ ግላንሲ፣ ዮኮ ኮኖ፣ ፓሜላ ድሩስ፣ ሶፍያ ታም፣ ታትሱኦ ኮኖ (3) ዳኒ ታም፣ ሳሚራ ዜሽማይስተር፣ ሶራያ ጌርዴል፣ ጄን ኤልወል፣ ፓሜላ ደኔክ፣ ሄሊና ቲባዶ (4) ኤሊዛቤት ተይለር፣ ሊዝ ሂልድረድ፣ ሚሸል ሳንቸስ፣ ሻርሊን ኣንደርሰን፣ ቴሬሳ ባክኖር፣ ኤርነስት ሆንጋሰር (5) ዴቪድ ሃዋርዝ፣ ሸሪል ዋርድ፣ ፓውላ ሂንች፣ ያቮን ማክዶናልድ፣ ታሚ ሳንቸስ፣ ኦን ቶም (6) ቲሞቲ ድሩስ፣ ኢገን ቲባዶ፣ ዶናልድ ኤልወል፣ ዋረን ደኔክ፣ ዴቪድ ብላክበርን-ኬን፣ ዋይኔ ዋርድ (7) ማርክ ኣንደርሰን፣ ራይነር ዜሽማይስተር፣ ሮድኒ ማክዶናልድ፣ ራልፍ ባክኖር፣ ሰቴፈን ግላንሲ፣ ጎርዶን ጌርዴል (8) ዳኒ ሮሜሮ፣ ሮበረት ሂንች፣ ሳይመን ሂልድረድ፣ ጀፈሪ ተይለር፣ ኣለን ኮሎን፣ ዋልተር ዌስት
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ነቶም ናይ መበል 104 ክፍሊ ኣብ ምምሃር እተኻፈሉ ኣሕዋት:- (ካብ ጸጋም ) ዳብሊው. ሊቭረንስ: ዩ. ግላስ: ከይ. ኣዳምስ: ኤም. ኑማር